19
Fri, Apr
0 New Articles

ሰማዒት እዝኒ

Message 2
Typography

ኣብ ጉዕዞ ክርስትና ከም ወደ መዝሙር ክንዓቢ ከሎና፡ ሓደ ካብቶም ኣገደስቲ ነገራት ሰማዒት እዝኒ ምጥራይ እዩ። ሕማቃት ሰማዕቲ ንፉዓት ደቀ መዛሙር ክኾኑ ኣይክእሉን እዮም። ካብ መልእኽቲ ሃዋርያ ያዕቆብ ከም እንርድኦ፡ ብዛዕባ ልሳን እኳ ብዙሕ መጠንቀቕታ ነቐፌታን እንተሃበ፡ ብዛዕባ እዝኒ ግን ንዕኡ ዝመስል ነገር ኣይተዛረበን። ብኣንጻሩ ኣብዚሕና ካብ ንዛረብ፡ ኣብዚሕና ክንሰምዕ ምዒዱና።


„ፍቑራት ኣሕዋተይ፡ ነዚ ኩሉ ተፈልጥዎ ኢኹም። ግና ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍ ንምዝራብ ደንጓይ፡ ከምኡውን ንኹራ ደንጓይ ይኹን። ከመይ ኩራ ሰብ ናብቲ ኣምላኽ ዚደልዮ ቅኑዕ ሕይወት ኣየብጽሖን እዩ።" ያዕ.1፡19

እግዚኣብሄር ክልተ እዝንን ሓደ ኣፍን ዝሃበና፡ ካብቲ ንዛረቦ ንላዕሊ ኣብዚሕና መታን ክንሰምዕ እዩ። ስነ-ህይወታዊ ተመራመርቲ ክገልጹ ከለው፡ እዝኒ ሰብ ኣዝያ ተገርም ክፍሊ ኣካል ኮይና፡ ኣብ መስርሕ ምስማዕ ዘሎ ኣገባብ፡ ንዕኡ ዘካይዱ ነርቭታትን መትንታትን ክንዲ ንሓንቲ ማእከላይ ዕቤት ዘለዋ ከተማ ናይ ቴሌፎን ኣገልግሎት ንምክያድ ዘድሊ ብዝሒ መስመራት ይኸውን። እግዚኣብሄር ከምዚ ጌሩ ፈጢñሩ ከብቅዕ፡ ኮነ ኢልካ እዝንኻ ምዕጻው ግን ሓጥያትን ዕሽነትን እዩ። እምበኣር ምስማዕ ክሳዕ ክንድዚ ዓቢ ነገር እንተኾይኑ ንመን ኢና ክንሰምዕ ዘሎና?

ንእግዚኣብሄር ምስማዕ

ሓደ ካብቲ ፍሉይ ሓቂ ናይዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ ኣምላኽ ዝዛረብ ኣምላኽ ምዃኑ እዩ። ዘይከምቶም ምውታትን ዓባሳትን ናይ ኣህዛብ ጣኦታት፡ እቲ ህያው ኣምላኽ ግና ኩሉ ግዜ ይዛረብ እዩ። ጣኦት ኣፍ ኣለዎም ግናኸ ኣይዛረቡን። ኣምላኽ ግና መንፈስ ስለዝኾነ ይዛረብ። እግዚኣብሄር ስለ ዝዛረብ ድማ ጽን ክንብል ኣሎና። „ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣፍቅርዎ፡ ቃሉ ድማ ስምዑ፡ ናብኡውን ልገቡ" ዘዳ.30፡20። እግዚኣብሄር ካብታ ንኣዳም ኣብዛ ምድሪ ዝፈጠረሉ ጀሚሩ፡ ንሰብ ኩሉ ግዜ ብብዙሕ መገዲ ኩሉ ግዜ እዩ ዝዛረቦ። „ንሱ ኣምላኽና እዩ. . .ነቲ ሎሚ ዝብሎ ስምዑ" መዝ.95፡7

ንህዝቢ እስራኤል ካብ ካልኦት ፍሉይ ዝገብሮ ሓደ ምኽንያት፡ እግዚኣብሄር ይዛረቦም ምንባሩ እዩ። ንሳቶም ግና ተረርቲ ልብን ክሳድን ስለዝነበሩ ኣይሰምዑን ኔሮም። እዚ ማለት ድማ ነቲ ዝሰምዕዎ መልእኽቲ ኣይእዘዝዎን ኔሮም። „ኣምላኽ ብዙሕ ሳዕን ብብዙሕ መገድን ቀደም ነቦታትና ብነብያት ጌሩ ተዛረቦም። ኣብዘን ዳሕሮት መዓልታት ግና ንኣና በቲ ወራስ ኩሉ ዝገበሮ ብእኡውን ዓለም ዝፈጠረ ወዱ ገይሩ ተዛረበና" እብ.1፡1-2። ድሕሪ እዚ ኩሉ ጻውዒት ዘይምስምዖም ግና ፍርዲ ኣምላኽ መጺእዎም። „ኣነ ምስ ጸዋዕክዎም ስለ ዘይሰምዑ፡ ንሳቶም ናባይ ምስ ጸለዩ ከኣ ኣነ ኣይመለስክሎምን" ዘካ.7፡13።

ሎሚ ውን እግዚኣብሄር ብዝተፈላለየ መገዲ ይዛረብ ኣሎ። ከምቲ ቀደም ጽን ኢልካ ናይ ምስማዕ ግደ ግና ናትና እዩ። „...እተን ኣባጊዕውን ድምጹ ይሰምዓ፡ ነተን ኣባጊዕ ከኣ በብስመን ጸዊዑ የውፍረን። እተን ኣባጊዕውን ድምጹ ስለ ዘለልያ ይስዕባኦ። ንጓና ግና ድምጹ ስለ ዘየለልያ ካብኡ ይገልባ እምበር ኣይስዕባኦን እየን" ዮሃ.10፡3-5። ጎይታ ከምቲ ናይ ዳዊት ሓደ ግዜ ምስ ተዛረበ ክልተ ግዜ ክንሰምዖ ይደሌና። እግዚኣብሄር ኩሉ ግዜ ነቲ ብቓሉን መንፈሱን ዝዛረበና ክንሰምዕ ይደሌና። „እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ቅዱስ ንኣብያተ ክርስትያን ዚብለን ዘሎ ይስማዕ" ራኢ.2፡7።

እቲ ዘሕዝን ግን፡ ከምቲ እስራኤላውያን ንሕናውን ሎሚ ንድምጺ ኣምላኽ ኣይንሰምዕን ኢና ዘሎና። ኣብ ናይ ጽምዋ ግዜና ኣብ ጸሎት ኮነ ብምንባብ ቃል ኣይንጽበዮን ኢና ዘሎና። ብዙሕ ግዜ ከም ማርታ ኣብ ካልኣዊ ነገራት ሃለኽለኽ ክንብል፡ ኣብ እግሪ ጎይታ ኮንካ ምስማዕ ይሓልፈና እዩ። ከም ሳሙኤል „ባርያኻ ይሰምዕ ኣሎ እሞ ተዛረብ﻾ ዝብል ልቦና ከነማዕብል ኣሎና። ኣብ ጸጽባሕ የንቅሓኒ፡ ከም ተማሃራይ ምእንቲ ክሰምዕ ከኣ እዝነይ ከፊቱለይ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምእንቲ ክሰምዕ እዝነይ ከፈተለይ፡ ኣነውን ኣይኣቤኹን፡ ኣየድሓርሓርኩን" ኢሳ.50፡4-5።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዓስቢ ናይቶም ንድምጺ ኣምላኽ ጽን ኢሎም ዝሰምዑ ዓቢ  ኔሩ። እቶም ንምስማዕ ግዜ ዘይነበሮም ግን መከራን ጥፍኣትን እዩ ኣርኪብዎም። „እንሆ ንእኡ (ንእግዚኣብሄር) ምእዛዝ ካብ መስዋእቲ፡ ናብ ቃሉ ጽን ምባሉ ድማ ካብ ስብሒ ደዓውል ይበልጽ" 1ሳሙ.15፡22

 

ነንሓድሕድካ ምስምማዕ

ኣብዚ ካልኣይ ደረጃ ምስምማዕ እቲ መትከል ንጹር እዩ፡ ሕብረተሰብ ኣብ ምርድዳእን ምዝርራብን እዩ ዝምርኮስ። ነንሓድሕድና ክንዘራረብን ክንሰማማዕን ከሎና፡ እዚ ዝምድናታት ይዓብን ይድልድልን። ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ ኣገዳስነትን ክብርን ነንሓድሓድካ ምስምማዕ ጎሊሑ ተገሊጹ ኣሎ። ንኣብነት „ዓሻ ሰብ ቅኑዕ ዘሎ ይመስሎ፡ ጥበበኛ ግን ምኽሪ ይሰምዕ" (ምሳ.12፡15)። ከምኡውን „እቲ ናብ ህይወት ዘብጽሕ ተግሳጽ ዚቕበል ሰብ ለባም እዩ" (ምሳ.18፡15)። ኩሉ ግዜ ንጥበብ ዝህብ ዘረባ ምኽሪ ትምህርትን ተግሳጽን ምስማዕ ጽቡቕ እዩ። ኣብ ኩሉ መዳያት ናይ ህይወት ዝምድናታት (ኣብ ቤት፡ ኣብ ስራሕ፡ ኣብ ቤተክርስትያን ወዘተ) ኣገዳስነት ምስማዕ ዕዙዝ እዩ። መጀመርያ ኣብ ቤት እዩ ዝጅምር። ከም ድሑር ኣተሓሳስባ እናተወስደ ይኸይድ ኣሎ እምበር፡ ቆልዑትን መንእሰያትን ንምኽሪ ወለዶም ክሰምዑ ኣለዎም። „ወደየ ንተግሳጽ ኣቦኻ ስምዓዮ፡ ንትምህርቲ ወላዲትካ ድማ ኣይትሕደጎ። እዚ ንርእስኻ ኣኽሊል ንክሳድካ ከኣ ስልማት ድሪ እዩ" (ምሳ.1፡8-9)። ብፍላይ ዝሓሸ መንፈሳዊ ፍልጠት ዘሎና ኮይኑ ምስ ዝርድኣና፡ ካብ ወለድና ምኽሪ ዝርከብ ኮይኑ ኣይስምዓናን እዩ። እቲ ሓቂ ግን ወለዲ ብዙሕ ተመክሮ ስለዘለዎም ካብ ደቆም ንላዕሊ ዝሓሸ ጥበብ ኣለዎም።

ብዙሕ ሰብ ከምዚ ናይ ማርክ ትወይን ኣረኣእያ እዩ ዘለዎ። ንሱ ከምዚ ይብል፡ „ወዲ ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመት ከለኹ፡ ኣቦይ ፍጹም ደንቆሮን ዘይፈልጥን እዩ ኔሩ። ወዲ ዕስራን ሓደን ዓመት ምስ ኮንኩ ግና፡ ኣብ ሸውዓተ ዓመት ክሳዕ ክንደይ ከም ዝተማህረ ተገሪመ"።

እቶም ውሉድ ንዘረባ ወለዶም ክሰምዑ እንተኾይኖም ግና፡ እቶም ወለዲ ትሕት ኢሎም ቋንቋ ዉሉዶም ክርድእዎ ኣለዎም። ምኽንያቱ ንሳቶም ዝዓበይሉ ኩነታትን፡ ውሉዶም ዝዓብይሉ ዘለው ኩነታትን በበይኑ ስለዝኾነ። እቶም ዓቃላትን ጽን ዝብሉ ወለድን ጥራይ እዮም ነዚ ናይ ወለዶ ሃጓፍ ክሽፍንዎ ዝክእሉ።

ብምቕጻል ሰብኣይን ሰበይትን ነንሓድሕዶም ክሰማምዑ ኣለዎም። መብዛሕትኡ ግዜ ዘይምስምማዕን ዘይምርድዳእን እዩ ናብ ሓዳር ምፍራስ ዘብጽሕ። ብዝተፈላለየ ምኽንያት (ሸለል ምባል፡ ድኻም፡ ጻዕቂ ስራሕ) ሰብኣይን ሰበይትን ዝዘራረብሉ (ዝሰማምዕሉ) ግዜ ምስ ዝውሕድ፡ ናብ ዘይምርድዳእ ዘይምትእምማ ምቕያም ምፍሕፋሕን የምርሑ።

ካልኣይ፡ ኣብ ስራሕ ድማ ምስምማዕ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ሎሚ ምስ ሓላፊኻን ብትሕቴኻ ዘሎን ምስምማዕ ናይ ምምሕዳር ብልጫን ናብ ሞያዊ ዓወት ዘብጽÆሓካ ዓቢ ረቛሒ እዩ። ኣብ ስራሕ ዓለም ጽን ኢልካ ብዘይምስማዕ ዝፍጠር ግርጭታት ኣዝዩ ብዙሕ እዩ።

ሳልሳይ ኣብ ሕብረት ወይ ቤተክርስትያን ድማ ነንሓድሕድና ክንሰማማዕ ኣሎና። ከምቲ „ግናኸ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍ ንምዝራብ ደንጓይ፡ ከምኡውን ንኹራ ደንጓይ ይኹን" ያዕ.1፡19 ዝበሎ፡ ኣብ ሕብረት ድማ ካብቲ ንሕና ክንብሎ ንደሊ ንላዕሊ ንካልኦት ዝብሉና ክንሰምዕ ጽን ክንብል ይግብኣና። ምኽንያቱ ካብ ብምዝራብ ጽን ኢልካ ብምስማዕ ዝርከብ በረኸት ስለዝበዝሕ። ኣብ ካልኣዊ ነገራት ክትዕ ምስ ዝለዓል ድማ፡ ነቲ ዝብልዎ ሓሳብ ጽን ኢልካ ብምስማዕ፡ ናብ ምርድዳእ እንተዘይኮይኑ ድማ ናብ ምቅብባል ክትበጽሕ ትክእል ኢኻ።

ደኢትሪች ቦንሆፈር ዝበሃል ኣገልጋሊ ከምዚ ኢሉ ጽሒፉ፡

„ኣብ ሕብረት፡ እታ ቀዳመይቲ ነንሓድሕድና ንገላገላ ምስምማዕ እያ። ከምቲ ንኣምላኽ ምፍቓር ንቛሉ ብምስማዕ ትጅምር። ከምኡውን ንኣሕዋት ምፍቃር ድማ፡ ክዛረቡ ከለው ጽን ብምባል እያ ትጅምር። ከምቲ እግዚኣብሄር ቃሉ ጥራይ ዘይኮነስ ዝህበና ብሰማዒት እዝኒ ድማ ዝሰምዓና፡ ንሕናውን ነሕዋትና ግዜን ልብን ሂብና ክንሰምዖም ሓሳቦም ምኽሮም ተግሳጾም ትምህርቶም ክንውስድ፡ ጾሮም ጸገሞም ጽምኣቶም ሕቶኦም ክንርዳእ ይግብኣና። እዚ እቲ ዝዓበየ ነንሓድሕድና ንገላገሎ ኣገልግሎት እዩ"

ንዓለም ምስማዕ

እዛ ንነብራ ዓለም፡ ብኽያታ ጓሂኣ ቃንዛኣ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናበርተዐ ይመጽእ ኣሎ። መብዛሕትኡ ግዜ ግን ነዚ ድምጺ እህህታ ጸማም እዝኒ ኢና እንህበሉ።

መጀመርያ ቃንዛ ናይቶም ፈጺሞም ወንጌል ዘይሰምዑ፡ ሰሚዖም ከለው ድማ „ጎይታ ዘየተቐበሉ" ኣሎ። ንሳቶም ኣብታ ዘለውዋ ዓንኬል ኩሉ ግዜ ምስ ተፈለዩን ምስ ጠፍኡን እዮም። እቲ ዝጸንሓና ልምዲ፡ እቲ ዜድልዮም ዘሎ ወይ ድማ ባህላዊ ወይ ሃይማኖታዊ ልምድታቶም ከይፈለጥና (እንተፈለጥናውን ኣብ ግምት ከየእተና)፡ ንቓል ወንጌል ምድሕዳሕ ኢና ንህወኽ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ብኣንጻር እቲ ንግደሶን ንሓልዮን፡ መሊሶም ከም ዝጉድኡን ከም ዝርሕቁን ይኾኑ። ምኽንያቱ ንክርስቶስ ከም ዝሓልየሎምን ዝድንግጸሎምን፡ ሕቶኦም ድማ ከም ዝርዳእ ጌርና ኣይነቕርቦን ኢና። ካብኡ ዝተላዕለ ድማ ክርስቶስ ዘድልዮም ኮይኑ ኣይስምዖምን፡ ብሓዊ „ከይሰምዐ ምላሽ ዝህብ ሰብ ዕሽነትን ነውርን ይቑጸሮ" (ምሳ.18፡13)።

እቲ ዝሓሸ ኣገባብ ቅድሚ ምዝራብካ ምስማዕ፡ ናብቲ ናይቲ ሰብ ኣተሓሳስባን ስምዒትን ኣቲኻ ስለምንታይ ንወንጌል ዘይቅበሎ፡ እንታይ እዩ ተቓውሞኡ ክትርድኦ ምፍታን እዩ። እዚ ማለት ድማ ንወንጌል ምስ ኩነታት ናይቲ ሰብ ምዝማድ ማለት እዩ። ክርስትያናዊ ምስክርነት ኣብ መንጎ እቲ ቃልን ዓለምን ደው ምባል ኮይኑ፡ እዝንኻ ናብ ክልቲኡ ምጽላው ማለት እዩ። ናብቲ ቃል ሃብቲ ክብሪ ናይ ክርስቶስ ንምምርማር፡ ናብ ዓለም ድማ ካብቲ ናይ ክርስቶስ ሃብቲ ክብሩ ኣየናይ ዝያዳ የድልያ ንምምማይ፡ ከመይ ጊርካ ከም እትቕርበላ ድማ ንምፍላጥ እዩ።

እቲ ካልኣይ ድማ ቃንዛ ናይቶም ድኻታት ጥሙያት ሕዱጋትን ጭኑቓትን እዩ። መብዛሕትና ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ሓላፍነት ዝሃበና፡ ንማሕበራዊ ፍትሒ ምግዳስን ደው ምባልን፡ ገና ኣቐሚጥናዮ ኢና ዘለና። ንኣውያትን ቃንዛና እቶም ኣብ መከራ ዘለው ክንሰምዖ ይግበኣና። ኣብ ምሳሌ.21፡13 ከምዚ ይብል፡ „እቲ ንጥርዓን ድኻ ከይሰምዕ ኢሉ እዝኑ ዝዓጹ፡ ንሱውን ይጠርዕ እሞ ምላሽ ኣይረክብን።"

ኣብ መወዳእታ ሓደ ክንሰምዖ ዘይግብኣና ድምጺ ግን ኣሎ፡ ንሱ ድማ ናይ ሰይጣንን ሰዓብቱን እዩ። ምኽንያቱ ንሱ ኣቦ ኩሉ ሓሶት ስለዝኾነ፡ ከምቲ ንኣዳምን ሄዋንን ዘስሓቶም ከየስሕተና፡ ንድምጹ ኣለሊና፡ ክንሰምዖ የብልናን። ከምቲ ክርስቶስ ንምኽሪ ድያብሎስ ዘይሰምዐ እኳ ደኣ ካባይ ረሓቕ ኢሉ ዝተቃወሞ፡ ንሕናውን ከምቲ ጓሳና ዝገበሮ ክንገብር ይግበኣና። „ሰራቒ ኪሰርቕን ኪሓርድን ኬጥፍእን እንተ ዘይኮይኑ ኣይመጽእን እዩ..." ዮሃ.10፡10።

 

Taken from: Contemporary Christian by John Stott