19
Fri, Apr
0 New Articles

መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ኣምላኽ ድዩ?

Message 2
Typography

ኣብ ዓለም ካብ ዝሕተሙ መጽሓፍቲ ብብዝሒ ዝተሐተመ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። ስጋብ ሕጂ 6 ቢልዮን ዝግመት መጽሓፍ ቅዱስ ተሓቲሙ አሎ። መጽሓፍ ቅዱስ ፍልስፍናን ብሰባት ዝተጸሕፈን ኔሩ እንተዝኸውን ሰብ ዘዝመረጾ ወሲዱ ምኣመነ ኔሩ። ክንድዚ ዝኣክል ቅዳሕውን አይምተሓትመን ኔሩ። ነዚ መጽሓፍዚ ከም ቃል አምላኽ ንቅበሎ እንተኾይና ድማ ንኽልውጠና ክንፈቅደሉ አሎና። ስለዚ እዚ ወጻኢታት ንባዕሉ ጥራይ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል አምላኽ ምኻኑ የረደኣና።

 


ሓደ ዝሓበረ መጽሓፍ

መጽሓፍ ቅዱስ ሕብረት ዘለው መጽሓፍ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ 1500 ዓመታት ይገብር 40 ዝተፈላለዩ ሰባት ካብ 13 ሃገራት መበቆል ዘለዎምን 3 ዓይነት ቋንቋታትን ብዝተፈላለየ ናይ ኣጸሓሕፋ መገድታትን ተጻሒፉ። መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ሓደ መጽሓፍ ናብ ሓደ መጽሓፍ ዝተፈላለዩ ጸሓፍቲ ይጽሓፍዎ ደኣ እምበር፣ መልእኽቱ ብሓጺሩ ክረአ ከሎ፣ ዓለማ ናይ አምላኽ ንወዲ ሰብ ንምድሓን፡ ብዝብል ክግለጽ ይከኣል።

 

ብእስትንፋስ ናይ ኣምላኽ

ኣብ 2ጢሞቴዎስ 3:16-17 እንተ ኣንቢብና፦ ´´እቲ ናይ አምላኽ ሰብ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ፣ ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ መንፈስ አምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቅናዕ፡ ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።´´

 

መጽሓፍ ቅዱስ ብመሰረቱ ብእስትንፋስ ናይ አምላኽ አብ ልዕሊ ሰባትዩ ተጻሒፉ። (እብራውያን 1:1 ረአ)

ብኻልእ ኣዘራርባ፡ አምላኽ ነቲ ክብሎ ዝደልዮ ብሰብ ተጠቂሙ ጺሒፍዎ ማለት እዩ። እቶም ጸሓፍቲ´ውን

´´አምላኽ ይብል´´ ´´ጎይታ ሰራዊት ይብል´´ ´´እቲ ቃል እግዚኣብሄር ናባይ ምስ መጸ´´ ዝብሉ ሓረጋት ተጠቂሞም አለው። ኣምላኽ ድማ ነዞም ሰባት እዚኦም ብሕልሚ (ዘፍጥረት 37:1-11 ረአ) ብራእይ (ትንቢት ዳንኤል ምዕራፍ 7 ረአ) ብዝሩብ ድማ (1ሳሙኤል ምዕራፍ 3 ረአ) ብናይ ውሽጢ ድምጺ (ሆሴእ ምዕራፍ 1 ረአ) ከምኡውን ብመላእኽቲ (ዘፍጥረት 19:1-29 ረአ)

 

እቶም ጸሓፍቲ መሰኻኽር እዮም

መብዛሕተኦም ናይ ብሉይ ኪዳን ጸሓፍትን፣ ኩሎም ናይ ሓድሽ ኪዳን ጸሓፍትን ነቲ ዝተጻሕፈ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር እዮም። እቶም ጸሓፍቲ ነቲ ካብ ኣምላኽ ዝተቐበልዎ ጥራይ እዮም ጽሒፎም። ´´ከይዘልፈካ፡ ሓሳዎ ኮንካ ኸኣ ከይትርከብሲ፡ ናብ ቃሉ ሓንቲ እኳ አይትወስኽ።´´ (ምሳሌ 30:6)


ታሪኻዎ ፍጻሜታትውን የረጋግጹ

መጽሓፍ ቅዱስ ብታሪኻው ዓይኒ ክረአ ከሎውን ትኽክል እዩ። እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጾም ዘለው ሰባት፡ ቦታታትን፡ ኩነታትን ቅድሚ ኣሻሓት ዓመታት ብናይ ታሪኽ ሰባት ሓቂ ምኻኑ ተረጋጊጹ እዩ። ናይ ታሪኽ ሰባት ሓድሽ ኪዳን ከይተረፈውን ቅኑዕ ምኻኑ ይኣምኑ። መጽሃፍ ቅዱስ አብ ሉቃስ 1:1-3 ´´እቶም ካብ መጀመርታ በዒንቶም ዝረእዩን ኣገልገልቲ እቲ ቃል ዝንበሩ ከምዝነግሩና´´ ዝብል ተጻሒፉ አሎ። እቶም ናይ ሓድሽ ኪዳን ጸሓፍቲውን፡ ነቲ ናይ ብሉይ ኪዳን ታሪኽ ከንጸባርቕዎ ኢና ነንብብ። ንምሳሌ ኢየሱስ ፍጥረት ናይ ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ማቴዎስ 19:4 ይጠቅስ። ዮናስ ድማ ብዓቢይ ዓሳ ምውሓጡ ኣብ ምቴዎስ 12:40 ከምኡ ድማ እቲ ኣብ ግዜ ኖህ ዝነበረ ማይ ኣይሂ ኣብ ምቴዎስ 24:37-39 ከም ምሳሌ ክውሰዱ ይኽእሉ።

 

ስነ-ፍልጠታዊ ሓቅነት

መጽሓፍ ቅዱስ ብኹሉ ስነ-ፍልጠታዊ ሓቅነት ክረአ ከሎ ምሉእ እዩ። እቲ ዝገርም ነገር ድማ እዞም ኩሎም ሓቅነት ዘለዎም ነገራት ቅድሚ ወዲ ሰብ ምፍጣሩ ኣማኢት ዓመታት ዝተጻሓፈ ምኻኑ እዩ። ገለ ኣብነታት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እንተሪኢና፦

·       እታ ናይ መጀመርታ ጥቕሲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ´´ብመጀመርታ´´ (ዘፍጥረት 1:1) እትብል ቃል ጠፈር መጀመርታ ከምዘለዎን ቅድሚ እቲ ግዜቲ ድማ ጠፈር ዝበሃል ከምዘይነበረ ተረደኣና። ሎሚ መብዛሕትኦም ስነ-ፍልጠታውያን ጠፈር መጀመርታ ከምዘልዎ ይኣምኑ።

·       አብ መጽሓፍ እዮብ 26:7 ድማ ´´ንሰሜን ኣብ ባዶ ይዝርግሖ፡ ንምድሪ ኣብ ገለ ዜብሉ የንጠልጥላ´´ ይብል። ሎሚውን ብቀጥታውን ዘይቀጥታዊ መረጋገጽታትን ጠፈር ´´አብ ባዶ´´ ´´ከምተንጠልጠለት´´ ይፍለጥ።

·       ኣብ ኤርምያስ 33:22 እንተሪኢና ድማ ´´ሰራዊት ሰማይ ክፈቅድ ኣይከእልን እዩ´´ ይብል። ሰራዊት ሰማይ ከዋኽብቲ ማለት እዩ። እዚ ቃል ድማ ቴሌስኮፕ ቅድሚ ምምሃዚ ከምዝተረጋገጸ የብርሃልና።

·       ኢሳይያስ 40:22 ´´ምድሪ ከባብ´´ ምኻና ይነግረና። ነገር ግን መሬት ስጋብ ማጄላን ኣብ 1500 ንዓለም ምዛሩ ምድሪ ጸፋሕ ምኻናዩ ዝፍለጥ ኔሩ።

·       ኦሪት ዘለዋውያን 17:14 እንተሪኢና ´´ናይ ኩሉ ስጋ ነፊ ደሙ እዩ´´ ይብል። ወዲ ሰብ ግን ነዚ ሓቂ አብ 1800ዓመታት እዩ ኣረጋጊጽዎ።

 

ካልኦት ኣሸሓት ጌጋ ዘይብሎም ትምህርትታትውን ተነጊሩ እዩ

ንመጽሓፍ ቅዱስ ካብ ካልኦት መጽሓፍትታት ዝፈልዮ ካልእ ነገር ድማ፡ ብዙሓት ኣቐዲሞም ዝተነግሩ ትንቢታት ክፍጽሙ ምርኣይ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ 2000 ዝኾኑ ትንቢታት 300 ካብኦም ድማ ብዛዕባ ኢየሱስ ኮይኖም ኩሎም ብዘይ ጌጋ ተፈጺሞም እዮም። ትንቢት ዳንኤል ከም አብነት እንተሪኢና ኣብ ታሪኽ ካብ ዝተፈጸሙ ትንቢታት ንረክብ፦

·        ምውዳቕ ናይ ባቢሎን ኣብ ኢድ ፋርሳውያን

·        ምውዳቕ ፔርሪሳውያን ናብ ግዝአት ግሪኽ

·        ምውዳቕ ግዝኣት ግሪኽ ናብ ግዝኣት ሮማ

·        እቲ መሲህ ናብ ኢዮርሳሌም ዝመጻሉን ዝሞተሉን ዕለታት

እቲ ኢየሱስ ክመጽእ እዩ ዝብል ትንቢት ሓቂ ምኻኑ

ሚክያስ መሲሕ አብ ቤተሌሄም ከም ዝውለድ ተንብዩ። (ሚክያስ 5:2) ዳንኤል ድማ ኢየሱስ መዓስ ከም ዝመጽእን ከም ዝመውትን ተነብዩ። (ትንቢት ዳንኤል 9:24-26) ኢሳይያስ ቅድሚ ልዕሊ 500 ዓመታት መሲህ ካብ ድንግል ከም ዝውለድ ተነብዩ። (ትንቢት ኢሳይያስ 7:14) ከምኡውን እቲ መሲህ ከም ዝስቀል ተነብዩ። (ትንቢት ኢሳይያስ 53:12) ገለ ካልኦት ከም አብ መዝሙር ዳዊት 22:1 እንተ ሪኢና ድማ ነቲ ኢየሱስ አብ መስቀል ምስ ተሰቕለ ዝተዛረቦ ትኽክል ኮይኑ ንረኽቦ። (መዝሙር ዳዊት 22:1 ረአ) እቶም ወተሃድራት ንኽዳን ናይ ኢየሱስ ክጣልዑ ከለው ድማ አብ መዝሙር ዳዊት 22:18 ረአ። እዞም ዝረአናዮም ኩሎም ድማ ቅድሚ ምስቃል ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ምፍላጡ ቅድሚ 400 ዓመታት እዮም ተነጊሮም። ሞቱን ዕርገቱውን ተነጊሩ። (ዮሃንስ 2:19-22) እዚኦም ኩሎም ዝረአናዮም ድማ ሓፈሻዊ ትንቢት ዘይኮኑስ፡ ኩውንነት ዝሓዙ ሓቅታት ከም ዝነበሩ መጽሓፍ ቅዱስ የረጋግጽ። ትረፍ ኩሎም እቶም ትንቢታት ገዲፍካ፡ ገለ ካብኦም ጥራሕ ንኽፈጸሙ እኳ ሕልሚዩ ዝመስል ኔሩ። መጽሓፍ ቅዱስ አብ 2ጴጥሮስ 1:21 ከምዚ ይብል፦ ´´ትንቢትሲ ቅዱሳት ሰባት እዮም ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ካብ አምላኽ እተዛረብዎ እምበር፡ ከቶ ብፍቃድ ሰብ ኣይመጸን።´´

 

እቲ ኢየሱስ ክመጽእ እዩ ዝብል ትንቢት ዝልውጥ ሓይሊ አለዎ

መብዛሕቶኦም ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ሪኢቶ ዝጽሕፎ ሰባት፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ግዜ ወሲዶም ዘይጽነዕዎ እዮም። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ግን፡ እዚ መጽሓፍዚ ናይ ብሓቂ ቃል አምላኽ ምኻኑ አሚና ብኽፉት ልቢ እንተ ኣንቢብናዮ ካብቲ ተስፋታቱ ዝልውጥ ሓይሊ ክንረክብ ንኽእል። ´´ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ እሞ፡ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕ እዩ፡ ነፍስን መንፈስን፡ መፈላልዮ አካላትን ኣንጉዑን ክሳዕ ዚፈላሊ ዚሰጥም፡ ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከኣ ዚፈርድ እዩ።´´ (እብራውያን 4:12) እዚ መጽሓፍ እዚ እምበኣር፡ ሓይሊ ይህበና፡ ካብ ሓጥያትና የናግፈና፡ አብ ህይወትና ምርሒት ይህበና፡ ኣብ ሕልናና ድማ ዕግበት ይህበና። ቃል አምላኽ እምበኣር ንሓዳር ይፍውስ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ወልፊታት የናግፍ፡ ንሰባት ድማ ንምንታይ ይነብሩ ከም ዘለው ምኽንያት ይህብ፡ ልቢ ይፍውስ፡ ካልኦት ዝተፈላለዩ ተስፋ ዘይብሎም ኩነታት ድማ ይልውጥ።

ስለዚ ተጠኒቂቕና እንተ ቲኢናዮ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል አምላኽ ምኻኑ ርዱእ እዩ። ኩሎም እቶም ብስነ-ፍልጠት ይኹን፡ ብታሪኽን ትንቢትን ብዛዕባ ሓቅነትን ልክዕነትን  ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ይዛረብ። እዚ ድማ ነቲ ቃል ኣምላኽ ብምሉእ ልብና ኣሚና ኣብ ኩሉ ክንክተሎ ይግበኣና። ኢየሱስ ኣብ ማቴዎስ 4:4 ከምዚ ኢሉ ኣሎ፦ ´´ሰባት ካብ መግቢ ንላዕሊ ቃል ኣምላኽ መዓልታዊ ክምገቡ ኣለዎም።´´

እቲ ናይ ዘልኣለም መዕለቢና

እንተ ደኣ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ እዩ ኢልካ ትኣምን ኾንካ ብዛዕባ እቲ ናይ ዘልኣለም መዕለቢኻ እንታይ ከምዝብል ግዜ ወሲድካ ኣንብቦ። መጽሓፍ ቅዱስ ሓጥያትኩም ካብ አምላኽ ይፈልየኩም ኣሎ፡ ይብል። (ትንቢት ኢሳይያስ 59:2) ብሓጥያትኩም ድማ ክትመቱ ኢኹም ይብል። (ዮሃንስ 8:21) ኣብ ሉቃስ 5:12 ናብ ገሃንብ ድማ ክትኣትው ኢኹም ይብል። አብ ሉቃስ 13:3 ድማ እንተ ዘይተናሲሑኩም እምነትኩም ብየሱስ ግበሩ ይብል (ዮሃንስ 112) ንሓጥያትኩም ድማ ኣብ መስቀል ሞይትልኩም ይብል። (1.ጴጥሮስ 2:24) ምስ ሞትካ ድማ ናብ ገነት ንኽትኣቱ ይፈቕደልካ ይብል። ህይወት እምበኣር ሓጻር እያ። ክንደይ ግዜ ከምዝተረፈካ ኣይትፈልጥን ኢኻ። ስለዚ ነዚ ብኢየሱስ ክርስቶስ ክትረኽቦ ዘሎካ ተስፋ ብኸንቱ ኣይሕለፍካ።