24
Wed, Apr
0 New Articles

መንግስቲ ኣምላኽ ንምእታው ብቑዕ ዲካ?

Message 2
Typography

መለክዒታት እግዚኣብሄር ንቅኑዕን ግጉይን

ድሕሪ ሞትካ ንመንግስቲ ኣምላኽ ምእታው ከም ዝወሃበካ፡ ብህይወት ከለኻ ርግጽ ክትፈልጥ ትኽእልዶ? ንመንግስቲ ኣምላኽ ብቁዕ ዲኻ ኣይኮንካን ንምውሳን ንዓሰርተ ትእዛዛት ተመልከቶም (ዘጸ 20፡1-17)። ከመይ ከም ትትግብሮም ድማ ርኤ። እዞም ሕግታት ንኽንነብረሎም ብእግዚኣብሄር እተሰርዑ ናይ ባህርያት መለክዒታት እዮም። ማዕረ ክንደይ ብዝግባእ ስዒበዮም ኢልካ ትሓስብ። ንእሽቶ ግዜ ውሰድ፡ ነዞም ትእዛዛት ድማ ተመልከቶም፡ ኣብ መዓልቲ ፍርዲ እንታይ ከም ዝፍረዳ ድማ ንነፍስካ ገምግማ።


ዓሰርተ ትእዛዛት

1. ካልኦት ኣማልኽቲ ኣብ ቅድመይ ኣይሃልዉኻ

ብዘይ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝኾነ ይኹን ካልእ ምስ እነምልኽ፡ ነዚ ትእዛዝ እዚ ንጥሕስ። ልዕሊ ዝኾነ ኣብ ህይወትካ ንእግዚኣብሄርዶ ተፍቅር? (ማቴ 10፡37) እንተ ዘይኮይኑ ንቀዳማይ ትእዛዛ ኣፍሪስካዮ ኣሎኻ።

2. ምስልን ስእልን ዘበለ ንኣኻ ኣይትግበር

ሓደ ሓደ እዋን እግዚኣብሄር እንታይ ከም ዝመስል ኣብ ኣእምሮና ናይ ገዛእ ርእስና ስእሊ ንህቦ ኢና። መገድታቱ ምስ ቅዲ ህይወትና ዝሳነ ክኸውን ንደሊ። ምስ ገለ ክትፍጽሞም ጸገም የብሎምን እትብሎም ዓይነት ሓጥያት ዝሳነ ዓይነት ኣምላኽ ትፈጥር። እቲ ኣምላኽካ ምስቲ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣምላኽ እንተ ዘይተሳነየ፡ ካልኣይ ትእዛዝ ጥሒስካ ኣሎኻ።

3. ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብከንቱ ኣይተልዕል

ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ኣብቲ ንእግዚኣብሄር ዘኽብሮ ጥራይ ብምጥቃም ወይ ብምልዓል፡ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዘሎና ኣኽብሮትን ትሕትናን ክንገልጽ ይግባእ። እንተዘየለ፡ ኣብ ዓይኒ እግዚኣብሄር ከቢድ ዝኾነ ርኽሰት ንፍጽም ኣሎና (ሉቃ 12፡10)። ብኸምዚ ሳልሳይ ትእዛዝ ይፈርስ።

4. መዓልቲ ሰንበት ክትቅድሳ ዘክር

እግዚኣብሄር ኣብ ነፍሲወከፍ ሰሙን ናይ ዕረፍቲ መዓልቲ ክህለወናን፡ ብቅድስና ክንዕቅባን ይደሊ። እንተ ዘይኮይኑ ራብዓይ ትእዛዝ ተጣሒሱ ኣሎ።

5. ኣቡኻን ኣዴኻን ኣኽብር

ንዘዕበዩኻ ወለድኻ ብዝግባእ ተኽብሮምን ትእዘዞምንዉዶ ኔርካ? ኣይፋል እንተደኣ ኢልካ ሓሙሻይ ትእዛዝ ጥሒስካ።

6. ኣይትቅተል

ንሓደ ሰብ ከም ዝመውት ምስ እትገብር ጥራይ ኣይኮንካን ቀቲልካ ትበሃል (1ዮሃ 3፡15)። ምስ ሰባት ኣብ ጽልኢ ክትኣቱ ከለኻ ወይ ብዘይ ምኽኑይ መበገሲ ምስ ሰባት ክትተሓራረቅ ከሎኻ፡ ነዚ ትእዛዝ ትግህሶ። እዚ ምስ እትገብር ሻዱሻይ ትእዛዝ ብምፍራስ ትእብስ ኣሎኻ።

7. ኣይትዘሙ

እዚ ትእዛዝ ካብ ሓዳርካ (በዓልቲ ቤትካ ወይ በዓል ቤትኪ) ወጻኢ ዝግበር ኩሉ ዓይነት ጾታዊ ዝምድናታት ዝኽልክል እዩ። ብተወሳኺ የሱስ ከምዚ ኢሉ ኣሎ "ኣነ ግና ንሰበይቲ ክብህጋ ዝጥምታ ኩሉ ብልቡ ፈጺሙ ኣብኣ ዘመወ" (ማቴ 5፡28)። ብኸምዚ ሳብዓይ ትእዛዝ ይፈርስ።

8. ኣይትስረቅ

ዝኾነ ይኹን ንብረት ናይ ካልኦት፡ ብዘይፍቃዶም ወይ ኣፍልጠኦም ምስ እትወስዶ ወይ ምስ እትጥቀመሉ ስርቂ ይበሃል። ካልእ ወገን ናይ ስርቂ ውን፡ ግብርን ቀረጽን ብግቡእ ዘይምኽፋል፡ ካብ ኢንተርነት ዘይተፈቀደልካ ሙዚቃን ፊልምታትን ምጽዓን፡ ናይ ትካል ወይ ኣስራሒ ግዜ ብከንቱ ምብኻን የጠቃልል። ዝኾነ ነገር ምስ  እንሰርቅ ኣብ ልዕሊ ሻሙናይ ትእዛዝ ምእባስና የነጽር።

9. ብሓሶት ኣይትመስክር

ብዛዕባ ዝኾነ ጉዳይ ሓሲኻ ትፈልጥዶ? ብምትላል፡ ሓቂ ብምዕጻፍ፡ ብሕሜትን ምክፋእ ስምን ናይ ሓሶት ምስክር ኮንካ ክትርከብ ይከኣል። ገለ ካብዚኦም ምስ እትፍጽም ታሽዓይ ትእዛዝ ተፍርስ። 

10. ኣይትመነ

ዘይናትና፡ ንብረት ይኹን ሰብ፡ ክንብህጎ ከሎና፡ ንምነ ኣሎና ማለት እዩ። ብኸምዚ ዓስራይ ትእዛዝ ይፈርስ።

ሓራ ወይስ በደለኛ?

ነፍስኻ ከመይ ረኺብካያ? እግዚኣብሄር ኣብ መዓልቲ ፍርዲ ብመሰረት እዘን ዓሰርተ ትእዛዛት እንተ ፈሪዱካ፡ ሓራ ትበሃልዶ ይመስለካ ወይስ በዳሊ? ኣበይ ትኣቱ መንግስቲ ኣምላኽዶ ገሃንም? ርእስኻ ምስ ካልኦት ሰባት ብምንጽጻር ደሓን ኣሎኹ ክትብል ዝከኣል እዩ። ኣስተውዕል፡ ብናይ እግዚኣብሄር ለክዒታት እንበር ብናይ ገዛእ ርእስና ኣይኮንናን እንፍረድ። በዳሊ ኮንካ ንኽትርከብ ንኹሎም እዞም ትእዛዛት ምፍራስ የድልየካ ማለት ኣይኮነን። ሓንቲ እንተ ኣፍረስካ እኹል እዩ (ያእ 2፡10)። ብቅንዕና እንተ ተዛሪብና ትእዛዝ እግዚኣብሄር ኣማኢት ግዜ ከም ዘፍረስና ክንእመን ግድን እዩ።

ፍትሒ ክትግበር ግቡእ እዩ

እግዚኣብሄር ሕያዋይ እዩ እሞ፡ ንሓጥያተይ ሸለል ይብሎ ይኸውን ዝብል ኣተሓሳስባ ክህልወካ ይኽእልዩ። ኣብ ቤት ፍርዲ እንተ ትቐርብ፡ ሽሕ እኳ እቲ ጽቡቅካ ካብቲ ዝፈጸምካዮ ገበን ዝዛይድ እንተኾነ፡ እቲ ሕያዋይ ዝበሃል ዳኛ ከማን ናይ ገበንካ ፍርዲ (መቅጻዕቲ) ከም ዝህበካስ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ዝኾነ ይኹን ቅኑዕ ዳኛ (ፈራዲ) ዝሕልዎ ነገር፡ ፍትሒ ከም እተተግበረን፡ ገበነኛ ግቡእ ፍርዱ ከም እተቀበለን እዩ። እስኪ ሕሰብ እግዚኣብሄር ግና ማዕረ ክንደይ ኣዝዩ ቅኑዕ ዘይከውን። እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ ዝሓሰብካያን ዝፈጸምካያን ሓጥያት ኣጸቢቁ ይፈልጥ፡ ተሰካሚ ሓላፍነት ናይ ሓጥያትካ ድማ ባዕልኻ ኢኻ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብሓቂ ጻድቅ ካብ ኮነ፡ ንሓሰውቲ፡ ቀተልቲ፡ ዓመጽቲ፡ ሰረቅቲ፡ ኣመናዝር፡ ዘመውቲ፡ ሰኽራማት፡ ርኹሳትን ረሲኣንን ክፈርድ ብግዲ እዩ (1ቆረ 6፡9-10፡ ራእ 21፡8)።

ግቡእ መቅጻዕቲ 

ፍርዲ ናይ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር፡ ናይ ዘልኣለም ጥፍኣት (ገሃንም) እዩ። ገለ እዋን ርእስኻ ከም ካልኦት ኣዝያ ክፍኣት ዝመልኣ ብዘይሙኳና፡ እዚ ክኸብደካ ይከኣል እዩ። ኣብ ልዕሊ እቲ ህይወት ዝህበካ እግዚኣብሄር   ብምዕማጽ ዝገበርካዮ ዘበለ ሓጥያት ብዘሰክሕ ፍርዱ ክወሃቦ እዩ። ኣስተውዕል፡ ድሮ ንሕጊ እግዚኣብሄር ስለ ዝጠሓስካ፡ ዝገበርካ ጽቡቅ ተግባር እንተ ገበርካ ካብ ፍርዲ ክትሞልቅ ዝከኣል ኣይኮነን።

ተስፋ ግን ኣሎ

እዚ ኩሉ ድሕሪ ምንባብካ፡ ሕፍረትን ናይ ገበንነት ስምዒትን፡ ጣዕሳ ብዝሓለፈ ህይወትካን ክስምዓካ ዝከኣል እዩ፡ ዘልኣለማዊ ጥፍኣት ውን ትሑዝ ጌርካዮ ትህሉ። እግዚኣብሄር ሓጥያትና ዝነቅፍ ሕልና ስለ ዝሃበና ከምዚ ክትሓስብ ብግዲ እዩ። ይኹን እንበር ንዓኻ ዝኸውን ጥዑም ብስራት ኣሎ። እግዚኣብሄር የፍቅረካ እዩ፡ ወዱ የሱስ ኣብ መስቀል ልኢኹ ድማ ናይ ሓጥያትካ ዕዳ ኩሉ ከፊሉልካ እዩ (ዮሃ 3፡16፡ ሮሜ 5፡8)። ድሕሪዚ ንሓይሊ ሞት ሲዒሩ ስለ ኩሉ ዓለም ካብ ምውታት ተንሲኡ። ሓጥያት ዘይተረኽቦ ህይወት ነቢሩ ኣብ ቦታ ናትካ ሞይቱ። ሞቱ ንቁጥዓ እግዚኣብሄር ኣዝሒሉ (ዮሃ3፡36)፡ ደጊም ናትካ ግደ ተሪፉ። ዘልኣለማውነት ኣበይ ከም ትህሉ በቲ ኣብዘን ክውንነታት (ሓቅታት) እዚኣተን ዘሎካ ግብረመልሲ ይውሰን።

መጠን ኣልቦ ህያብ

ብጸጋ እግዚኣብሄር ጥራይ ደኣ እምበር፡ ብተግባርካ ኣብ መንግስተ ሰማይ ቦታኻ ከተውሕስ ፍጹም ዘይከኣል እዩ (ኤፌ 2፡8-9)። ማንም መንግስቲ ኣምላኽ ዝግብኦ የልቦን። መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ሰናይ ንብሎ ተግባርና ክገልጾ ከሎ ጽዩቅ ﷽ክዳን ይብሎ﻾ (ኢሰ 64፡6)። ብሳላ እቲ ዘይግመት ምሕረቱን ለውሃቱን፡ መንግስተ ሰማይ ህያብ ካብ እግዚኣብሄር እያ።

ንዝኣመንካዮ ሕጂ ተግብሮ

ንትእዛዛት እግዚኣብሄር ስለ ዘፍረስካ ሓጥያተኛ ሙዃንካ፡ የሱስ ድማ ምእንቲ ሓጥያትካ ኣብ መስቀል ከም ዝሞተን ምናልባት ኣሚንካ ትኸውን። ይኹን እምበር እዚ ነገር ሓቂ ሙኻኑ ምእማን ኣኻሊ ኣይኮነን (ያእ 2፡19)። ነታ ዝኣመንካያ ሕጂ ክትግብራ ብግዲ የድልየካ። ምናልባት ክሳዕ ሞት ተጸብየ ድሕሪኡ ንእግዚኣብሄር ንሓጥያተይ ምሕረት ክሓቶ ትብል እንተሊኻ፡ ሽዑ ግዜ ሓሊፉ እዩ፡ ዕጫኻ ድማ ንዘልኣለም ገሃነም እዩ።

ብኸመይ ግብረመልሲ ትህብ

ካብ ሓጥያትካ ምንሳሕ ብግዲዩ ዘድልየካ፡ ትውክልትኻ ብምልኣት ኣብቲ ናይ ሓጥያትካ ዋጋ ዝኸፈለ የሱስ፡ ኣብቲ ንሓይሊ ሞት ስዒሩ ዝተንስአ የሱስ፡ ኣብቲ ንኹሉ ዘርኢ ሰብ ዕርቂ ዝሃበ የሱስ ክኸውን ይግባእ። ትእዛዛቱ ከም ዘፍረስካ ኣብ እግዚኣብሄር ተኣመን፡ ንሓጥያትካ ምሕረት ንኽህበካ ድማ ለምን። ከም ጎይታኻን መድሓኒኻን ድማ ተቀበሎ። ዳግም ክትውለድን ሓድሽ ፍጥረት ክተከውንን ኢኻ። ድሕሪ ሞት ሂወትካ ናበይ ሙዃና ካብ ምፍላጥ ንላዕሊ ዘገድስ ነገር ኣሎ ድዩ?

እቲ ድሮ ዘንበብካዮ ብዝግባእ እንተ ተረዳእካዮን፡ ድሕሪ ሞትካ ኣብ መንግሰተ ሰማይ ክትኣቱ ድልየት እንተለካን፡ ብኸመይ ክርስትያን ከም ትኽውን ስዒብካ ኣንብብ፡፡ እንተ ዘይኮይኑ ግን ንየሱስ ፈቲካ ብምንጻግካ ዘሎ ሳዕቤን ብዝግባእ ይረዳእካ፡፡