23
Tue, Apr
0 New Articles

ኣእምሮ

Message 2
Typography
ክርስትያናዊ ወደ መዝሙርነት ናብ ኩለንትናዊ ሰብኣዊ መንነትና ዝቕንዐ እዩ። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ብኹሉ ልብናን ብኹሉ ነፍስናን ብኹሉ ኣእምሮናን ብኹሉ ሓይልናን ከነፍቅሮ ኣሎና (ማር.1230) ነዚ ንምግባር ኣእምሮና ኩሉ ግዜ ክሕደስ ኣለዎ (ሮሜ.122) ስምዒትና ክጸርይ ኣለዎ (ኤፌ.426) ሕልናና ክነጽህ ኣለዎ (ግብ. 2416) ፍቓድና፡ ንፍቓድ ኣምላኽ ከነግዝኦ ኣሎና (ማር.1436, ቆሌ.412) ወደ መዝሙር ምዃን ማለት ኩሉ እቲ ዘሎና ዘበለ፡ ንፍቓድ እግዚኣብሄር ምውፋይ ማለት እዩ። እንተኾነ እቶም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸሓፍቲ፡ ካብቲ ኩሉ ሰብኣዊ መንነት ዝህበና፡ ዝያዳ ኣብ ኣእምሮ ጸቒጦም (ኣተኩሮም) እዮም ጽሒፎም።

ሎሚ ኣብ ዓለም ዘሎ ጸረ-ፈላጥ ኩነት (Anti-intellectual mood) : ብዘይ ኣእምሮን፡ ብዘይ ትርጉምን ምዃን ዝብል ኣተሓሳስባ ኣንጊሱ ኣሎ። ብኣንጻር እዚ ግን ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ቆረንጦስ ከምዚ ኢሉ ምዒድዎም ‘'ኣሕዋተየ፡ በተሓሳስባኹም ከም ቆልዓ ኣይትኹኑ። ብክፉኣት ደኣ ሕጻናት ኩኑ እምበር በተሓሳስባኹምሲ ብሱላት ኩኑ።'' 1ቆረ.1420 ልክዕ ከምቲ የሱስ ክርስቶስ ከምዞም ቆልዑት ኣንተዘይኮንኩም ዝበለና፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ድማ፡ ብኽፉኣት ሕጻናት ክንከውን ከምዝደሌና ገሊጹ። ምኽንያቱ ቆልዓ ክፍኣት ስለ ዘይሓስብ፡ ሕልንኡ ንጹሕ እዩ። ከም መንፈሳውያን ሰባት ክንዓቢ እንተኼንና ግና፡ ናይ ግድን ብኣእምሮ ክንመላለስ፡ ብኣተሓሳስባና ድማ ክንበስል የድልየና። ብኣእምሮ ምብሳል ካብ ዘድልየና ምኽንያታት።

1.       ንኣእምሮኻ ብሓላፍነት ምጥቃም፡ ንእግዚኣብሄር የኽብሮ። እግዚኣብሄር ናይ ርትዒ ኣምላኽ ስለዝኾነ ከም መልክዑ ርትዓውያን ፍጡራት ጌሩ ፈጢሩና። ካብ ባህሪን ቃሉን ድማ ርትዓዊ ምግላጽ ስለዝሃበና፡ ብእምሮና ድማ ነዚ ምግላጽ ክንምርምሮ ይጽበየና።

እግዚኣብሄር ርትዓውያን ሰባት ጌሩ ካብ ፈጠረና፡ ነዚ ኣገዳሲ መለለይ ናይ ፍጥረትና ክንክሕዶ ይግበኣናዶ? እግዚኣብሄር ንርእሱ ክገልጸልና ክንድዚ ካብ ጸዓረ፡ ነዚ ምግላጽ ሸለል ክንብሎ ይግበኣናዶ? ኣይፋልን፡ ንኣእምሮኻ ብግቡእ ምጥቃም ንሓላፍነትካ ደርቢኻ ምድቃስ ወይ ድማ ናጽነት ናይ ሰብኣዊ ኣተሓሳስባ ምእዋጅ ማለት ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ነቲ መለኮታዊ ምግላጽ ብትሕትና ምፍላጥ፡ ምጽናዕ፡ ምምርማርን፡ ኣብ ህይወትካ ብእኡ ምምልላስን እዩ። በዚ ድማ ነቲ ፈጣሪና ዝኾነ እግዚኣብሄር ነኽብሮ።

2.       ንኣእ ምሮኻ ብሓላፍነት ምጥቃም ንክርስትያናዊ ህይወትና የሀብትሞ። ኣእምሮና ብምሕዳስ ዘይንጥቀመሉ እንተኼንና፡ ኩሉ ግዜ ኣብ መፈሳዊ ጉዕዞና ጸገም የጋጥመና እዩ። ንመንፈሳዊ ተመኩሮናን፡ ናይ ኣእምሮ ምርዳእናን ፈላሊና ክንርእዮ ኣይከኣልን እዩ። ቅኑዕ ርድኢት እንተዘይብልካ፡ ኩሉ ግዜ ኣብ ጉዕዞኻ ምድንጋርን ጸልማትን የጋጥም እዩ። ነዚ ነዚ ሓሳብ ምስ እምነት ብምዝማድ ክገልጾ ክፍትን። ብዙሓት ሰባት እምነትን ምኽንያትን (Faith and Reason) ብሓንሳብ ዘይከዱ እዩ ዝመስሎም። ኣብ ቃል ኣምላኽ ግና ነዚ ሓሳብ ዝድግፍ ቃል ኣይንረክብን ኢና። ኣብ 2 ቆር 57 እምነትን ምርኣይን ተነጻጺሮም ኣለው፡ እምነትን ምኽንያትን ግና ኣይንረክብን ኢና። ምኽንያቱ እምነት ዝበሃል፡ ኣብ ኣጉል ኣተሓሳስባ ዝተመርኮሰ፡ ሓደ ዘይከውን ነገር ከምዝኸውን ዘይስነመጎታዊ ርትዒ ምህላው ዘይኮነስ፡ ኣብቲ እሙን ብምዃኑ ዝፍለጥ እግዚኣብሄር፡ ህዱእ ኢልካ ብምሉእ ኣእምሮኻ ምውካል እዩ። ኣብ ኢሳ.263-4 ከምዚ

''ነቲ ጽኑዕ ዝሃቀንኡ ብኣኻ ስለ ዝተኣመነ

 ብሰላም እወ ብሰላም ትሕልዎ

 ብእግዚኣብሄር ንዘልኣለም ተኣመኑ

 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንዘልኣለም ዘድሕን ከውሒ እዩ''

ኣብዚ ጥቕሲ ጽኑዕ ሃቐና ምህላው፡ ምስ ንእግዚኣብሄር ምእማን ኣመሳሲልዎ። ምኽንያት ናይቲ ኣብ እግዚኣብሄር ምእማን ድማ፡ ንሱ ዘይነቓነቅ ከውሒ ስለዝኾነ እዩ። እቲ ዓስቢ ድማ ሰላም እዩ። ኩሉ ግዜ እግዚኣብሄር ፈጺሙ ዘይልወጥ ምዃኑ ምስ እንርዳእ እዩ እምነትና ድማ ትዓቢ። ንሱ ጽኑዕ ምዃኑ ምፍላጥና ድማ ጽኑዓት ክንከውን ይሕግዘና። 

ከምኡውን ንመለኮታዊ ምርሒት ዘሎና ድሌት ንመልከት ብዙሓት ሰባት ከም ኣማራጺ ካብ ሰብኣዊ ሓሳብ ወይ ድማ ካብ ብምሕሳብ ዝመጽእ ጭንቂ መናገፊ ይወስድዎ እዮም እግዚኣብሄር ድማ ንኣእምሮኦም ሓሊፉ ኣብቲ ናይ ውሽጢ መስትያቶም መልሲ ንሕቶኦም መፍትሒ ንሽግሮም ዝኸውን ብብርሃን ክጽሕፈሎም ይደልዩ ንእግዚኣብሄር ከምኡ ምግባር ኣየጸግሞን እዩ ሓሓሊፋውን ከምኡ ይገብር እዩ እንተኾነ እቲ ንቡር ዝኾነ ናይ እግዚኣብሄር ናይ ምርሒት መገዲ ርትዓዊ እዩ ንሱ ድማ በቲ ካብ ኣእምሮ ዝወጽእ ናይ ሓሳብ መስርሕ እዩ መዝ.32 ነዚ ሕሳብ የነጽረልና ኣብ ትቕሲ 8 እቲ ዘገርም ስሉስ ተስፋን መለኮታዊ ምርሒትን ንረክብ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣነ ክምህረካ ነታ እትኸደላ መገዲ ድማ ከርእየካ እየ ክዕዘበካን ክመክረካን እየ እግዚኣብሄር ግና ነዚ ተስፉኡ ብኸመይ እዩ ዝፍጽሞ? ጥቕሲ 9 ከምዚ ይብል ከምቶም ኣእምሮ ዘይብሎም ናባኻ ምቕራብ ስለዝኣበዩ ብልባብን ብልጓምን እንተ ዘይኮይኑ ዘይርግሑ ኣፍራስን ኣባቕልን ኣይትኹኑ ነቲ ተስፋን ነቲ መጠንቀቕታ (ምኽሪ) ብሓንሳብ ጌርና እንተርኢናዮ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብለና ኣሎ ክምህረኩምን ነታ እትኸዱላ መገዲ ከርእየኩምን እየ እንተኾነ ከምቲ ንፈረስ ወይ በቕሊ ትመርሖ ግን ኣይኮነን ንስኻትኩም ኣእምሮ ኣለኩም ባዕለይ ዝሃብኩኹም ብሉጽ ናይ ምርዳእ ክእለት ኣለኩê ተጠቐሙሉ ሽዑ ኣነ ኣእምሮኹም ጌረ ክመርሓኩም እየ

3.       ኣእምሮኻ ብሓላፍነት ምጥቕቃም ንወንጌላዊ ምስክርነትና የጽንዖ። ናይ ሎሚ ዘበን ወንጌል ዝያዳ ናብ ፍቓድን ስምዒትን ዝቐንዐ ኮይኑ ንኣእምሮ ብዙሕ ግምት ኣይህብን እዩ። ብኣንጻሩ እቲ ናይ ወንጌል ጻውዒትና ንሰባት ኣእምሮኦም ከደቅሱ (ክዓጽው) ክዕድሞም የብሉን። ወንጌል ንኣእምሮና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣትሕት ከነብሎ እሞ ናብቲ ሓቂ ናይ ኣምላኽ ክንከፍቶ ይደሌና። 

ሃዋርያት እንተርኢና ብኸምዚ ኣገባብ እዮም ወንጌል ዝሰብኩ ኔሮም። ጳውሎስ ባዕሉ ንጥበብ እዛ ዓለምን ንፍልስፍና ግሪኻውያን እኳ እንተኾነነ፡ እቲ ስብከቱ ግን መንፈስ ቅዱስ ብዝህቦ ምርዳእ እምበር ብዘስድዕ ዘረባ ከምዘይኾነ ይዛረብ (1ቆረ.21-5) ኣብ ግብ.184 እንተርኢናውን፡ ንኣይሁድን ንግሪኻውያንን የረድኦም ከምዝነበረ ይሕብር። ሎሚ ኣብቲ ንሰብኮ ወንጌል ጥብቅነት (Apolegetics) ከነእትወሉ ዝድለየሉ ዘሎ ግዜ ኣዩ። እዚ ማለት ድማ ንወንጌል ምእዋጅን፡ ነቶም ዝሓቱ ድማ ብቑዕ ምላሽ ምሃብን ማለት እዩ። ኣብ ኩሉ እቲ ንሰብኮ ወንጌል ከምቲ ጳውሎስ ንፌስጦስ ዝበሎ ክንገብር ይግበኣና። (ግብ. 2625) 

ስለዚ እምበኣር ብዘይ ኣእምሮ ምምልላስ ሓዲግና፡ ነቲ እግዚኣብሄር ዝሃበና ኣእምሮ ብሓላፍነት ንምስፋሕን ምጥባቕን ወንጌል ንጠቀመሉ። በዚ ድማ ወንጌላዊ ምስክርነትና ኣብ ኩሉ ዓይነት ሰብ ቅቡል ክኸውን እዩ።

 

Taken from: Contemporary Christian by John Stott