25
Thu, Apr
0 New Articles

ምርጫ ኣብርሃምዶ ምርጫ ሎጥ፣ ነየናይ ትመርጽ ኣሎኻ?

Message 2
Typography

ኣብ ቃል ኣምላኽ ንመለበሚና ካብ ዝተጠቕሱ ሰባት ሓደ ሎጥ እዩ። ሎጥ ንኣብርሃም ወዲ ሓው ኮይኑ ካብ ኡር ናይ ከለዳውያን ምስኡ ከም ዝወጸ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና። ብዙሓት ሰባት ንሎጥ ከም ዘይኣማኒ ይርእይዎ እኳ እንተኾኑ ቃል ኣምላኽ ግን ጻድቕ ከም ዝነበረን በቲ ኣብ ዙርያኡ ዝግበር ዝነበረ ሓጢኣት ነፍሱ ትስቀ ከም ዝነበረትን ይዛረብ (2ጴጥ.2፣7-8)። ጎይታ የሱስውን ነቲ ናይ መወዳእታ ዘመን (ነዚ ዘለናዮ ዘመን) ምስ ዘመን ኖህን ዘመን ሎጥን ኣመሳሲልዎን  (ሉቃ.17፣26-30) ንሰበይቲ ሎጥ ክንዝክራ ከም ዘሎና መኺሩናን ኣሎ (ሉቃ.17፣32)። ስለዚ ከም ኣመንቲ መጠን ካብ ህይወት ሎጥ ክንመሃርን ብእኡ ክንልብምን ፍቓድ ኣምላኽ እዩ።


 

ሎጥ ምስ ሓዎቦኡ ኣብርሃም ምስ ወጸ ንገለ እዋናት ብሓንሳብ ተቐሚጦም። ብምኽንያት እቲ ዝነበረ ጥሜት ናብ ግብጺ በጺሖም ድሕሪ ምምላሶም ግን ጥሪቶም ስለ ዝበዝሐን እታ ዝነበርዋ ምድሪ ክትጾሮም ስለ ዘይከኣለትን ክፈላለዩ ተገዲዶም። ኣብርሃም ምሉእ ትውክልቱ ኣብ እግዚኣብሄር ዝገበረ ሰብ ስለ ዝነበረ ‘ኣነ ሓዎቦኻ እየ፣ ካባኻውን ኣነ ይዓቢ። ስለዚ ኣነ ዝደለኽዎ ምስ ሓረኹ ንስኻ ነቲ ዝተረፈ ውሰዶ።’ ኣይበሎን። እኳ ደኣ “ኩላ እዛ ምድሪዶ ኣብ ቅድሜኻ ኣየላን፣ ሕድርኻ፣ ካባይ ተፈለ። ናብ ጸጋም እንተ ኣበልካ፣ ኣነ ድማ ናብ የማን ኤብል፣ ናብ የማን እንተ ኣበልካ ኸኣ፣ ኣነ ድማ ናብ ጸጋም ኤብል።” ኢልዎ። ሽዑ ሎጥ ኣዒንቱ ቋሕ ኣቢሉ ንጎልጎል ዮርዳኖስ ማይ መሊእዎ ከም ዘሎ ርእዩ፣ ካብኡ ዝርከብ እቶትን ኣብኡ ዘሎ ምድራዊ ሃብትን ስለ ዘብሃጎ ከኣ ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ከም ዝኾነ ከይሓተተ ነቲ ማይ ዝመልአ ጎልጎል ብምምራጽ ንምብራቕ ገጹ ከይዱ። ሎጥ ተቐላጢፉ ነቲ ማይ ዝመልአ ጎልጎል ከም ዝመርጽ ዝገበሮ ሓደ ቀንዲ ምኽንያት  ክንጠቅስ ንኽእል ኢና። ንሱ ከኣ ክትህብትም (ካብቲ ዘሎካ ንላዕሊ ክትውስኽ) ምድላይ እዩ። ክትህብትም ምድላይ ዋላ ሓንቲ ዘይብሉ እኳ ይመስለና እንተኾነ ቃል ኣምላኽ ግን ብኣንጻሩ እዩ ዝምህር። 1ጢሞ.6፣9-10 “እቶም ኪህብትሙ ዚደልዩ ግና ኣብ ፈተናን መፈንጠራን፣ ኣብ ብዙሕ ንሰብ ናብ ምብራስን ጥፍኣትን ዜስጥሞ ናይ ዕሽነትን ጉድኣትን ትምኒት እዮም ዚወድቁ። እቲ ፍቕሪ ገንዘብሲ ሱር ኩሉ ክፍኣት እዩ እሞ፣ ገሊኦም ንእኡ እናተመጣጠሩ ኻብ እምነት ዘምበሉ፣፣ ናብ ርእሶምውን ብዙሕ ስቓይ ኣምጽኡ። ይብል። ናብ ሃብቲ ዝመጣጠር ሰብ ፍቕሪ ገንዘብ ስለ ዘለዎ ብዘይካ ከመይ ጌሩ ይህብትም ካልእ ዕላማ የብሉን። ስለዚ ድማ ካብ እምነት ይዝምብል ናብ ርእሱውን ብዙሕ ስቓይ የምጽእ። ሎጥ እዚ ክልተ ነገራት ንረኽበሉ። ክመርጽ ዕድል ምስ ተዋህቦ ሓሳብ ኣምላኽ ክፈልጥውን ህድእ ኣይበለን፣ ስለዚ ድማ ነቲ ማይ ዝመልአ ጎልጎል መሪጹ ንምብራቕ ገጹ ከይዱ። ፍቓድ ኣምላኽ ክሓትት ስለ ዘይሃድአ ነቲ ንምድላብ ሃብቲ ዝጠቅም ማይ ዝመልአ ጎልጎል እምበር ነቲ ኣብታ ምድሪ ዝነበረ ንነፍሱ ዘሳቕያ ሕሰምን ክፍኣትን ክርኢ ኣይከኣለን። ምቹእ ሃዋህው ስለ ዝረኸበ ከኣ ቀልጢፉ ዕዮኡ ብምጅማር ድንኳኑ ክሳዕ ሰዶም ተኺሉ። ናይ ህይወት ዕላማኻ ንውሳኔኻ ደራኺ ስለ ዝኾነ ዕላማኻ ምንጻር ቅድሚት ክስራዕ ዘለዎ ነገር እዩ። ናይ ኣብርሃምን ሎጥን፣ ናይ ክልተ ጻድቃን፣ ናይ ክልተ ኣመንቲ ፍልልይ ከኣ ኣብዚ እዩ። ኣብርሃም ንኣምላኽ ባህ ናይ ምባል ዕላማ ስለ ዝነበሮ ነቲ ሎጥ ዘይመረጾ ንምውሳድ ፍቓደኛ ክኸውን ከሎ ሎጥ ግን ንልቡ ዝበሓተ ነገር ካልእ ስለ ዝነበረ ክመርጽ ዕድል ምስ ተዋህቦ ኣየላበወን። ሎጥ ፍቓድ ኣምላኽ ከይሓተተ ብምውሳኑ ጽቡቕ ኣይረኸበን። ሰበይቱ ካብኡ ኣብ ክንዲ ጽድቂ ፍትወት ገንዘብ ስለ ዝተማህረት ኣመት ናይቲ ልባ ዝበሓተ ሃብታ ክትገብር ንድሕሪት ገጻ ግልጽ ምስ በለት ዓንዲ ጨው ኮይና ተሪፋ (ዘፍ.19፣26)። ደቁ በቲ ካብቲ ዝዓበያሉ ምድሪ ዝተማህርኦ ርኹስ ኣነባብራ ተደሪኸን ካብ ኣቦአን ብምውላድ ምኽንያት ምምጻእ እቶም ክልተ ጸላእቲ ኣምላኽ ዝኾኑ ዓሌታት ሞኣብን ዓሞንን ኮይነን (ዘፍ.19፣30-38)። ንሱ ከኣ ጻድቕ ክንሱ ካብ ሓደ ሓጢኣት ካልእ ሓጢኣት ይሓይሽ ኢሉ ዝሓስብ (ዘፍ.19፣6-8)፣ ቁምነገሩን ዋዝኡን ዘይፍለጥ (ዘፍ.19፣14) ከምኡ ድማ ክሳዕ ዝሰክር ወይኒ ዝሰቲ ሰብ ኮይኑ (ዘፍ.19፣30-38)

 

እንውስኖ ውሳኔ ልክዕ ከምዚ ናይ ሎጥ ኣብቲ መጀመርታ ብዙሕ ሳዕቤን ዘለዎ ከይመስለና ይኽእል እዩ። ፍቓድ ኣምላኽ ከይሓተትካ ማይ ዝመልአ ጎልጎል ምምራጽ ከምቲ ዳሕራይ ዘምጽኦ ሳዕቤን ከም ዝህልዎ እንተ ዝፈልጥ ግን ምርጫ ሎጥውን ካልእ ምኾነ ኔሩ። ስለዚ ንጎይታ ከየቐደምካን ንዕኡ ከይሓተትካን ዝግበር ውሳኔ ጽቡቕ ውጽኢት ከም ዘይህልዎ ክንፈልጥ ይግባእ። ንሎጥ ዝደረኾ ነገር ክትህብትም ምድላይ ወይ ፍቕሪ ገንዘብ እዩ። ጎይታ ከኣ ፈታው ገንዘብ ዝኾነ ሰብ ጸላእ ኣምላኽ ከም ዝኸውን፣ እቲ ንኣምላኽ ዝእዘዝ ሰብ ከኣ ንገንዘብ ከም ዝንዕቆ ምሂሩ ኣሎ (ሉቃ.16፣13)። እቲ ገንዘብ ተባሂሉ ዘሎ ካብ ትሕዝቶ ሓሊፉ ምቾት፣ ተድላ፣ ዝና . . . ከጠቓልል ይኽእል እዩ። ካብ ንኣምላኽ ነዚ ነገራት እዚ ዘቐድም ሰብ ፍቓድ ኣምላኽ ክፈልጥ ኣይደልን እዩ። ቀንዲ መበገሲ ናይቲ ‘ፍቓድካ ይኹን ኢልካ ምጽላይ ብመንፈሳውነትካ ዘይምብሳል እዩ’ ዝብል ርድኢትውን እዚ ነገራት እዚ እዩ። ሎጥ ንእግዚኣብሄር ‘ኦ ኣምላኽ፣ እዚ ማይ ዝመልአ ጎልጎል ጽቡቕ መሲሉ ተራእዩኒ ኣሎ እሞ፣ ክመርጾዶ?’ ኢሉ እንተ ዝሓቶ ናብ ዝሓይሽ እምበር ናብ ካብኡ ዝገድድ ነገር ኣይምመርሖን። ፍቕሪ ገንዘብ እንተሎካ ከይትምንጠልን ከይትቕደምን ስለ እትፈርህ ግን ንኣምላኽ ንምሕታት ዝኸውን ጊዜ ኣይነበሮን። ንስኻኸ ከይትምንጠል ወይ ከይትቕደም ትፈርህዶ? ብታህዋኽ እትውስኖ ውሳኔታትከ ኣሎካዶ? ብዙሕ ጊዜ ብታህዋኽ ንምውሳን እንድረኽ እግዚኣብሄር ኩሉ ከም ዝኽእል ስለ ዘይንኣምንን ነቲ ንዓና ዝተመደበ ካልኦት ከይወስዱልና ስለ እንፈርህን እዩ። እቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ‘ገሊኦም ንእኡ እናተመጣጠሩ ካብ እምነት ዘምበሉ’ ዝበሎ ከኣ ነዚ እዩ። እቲ ዝመደቦ ንምግባር ዘይክልከል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተኾይኑ እቲ ንዓኻ ዝተባህለ ማንም ስለ ዘይወስደልካ ክትመናጠልን ክትጓየን ኣየድልየካን እዩ። ኣብርሃም ሎጥ ክመርጽ ከሎ ስቕ ኢሉ ዝረኣየን ነቲ ማይ ዝመልአ ጎልጎል ክወስዶ ዝሓደጎ እቲ ኣምላኽ ዝመርጸሉ እቲ ዝበለጸ ከም ዝኾነ ስለ ዝኣመነ እምበር ዕውር ወይ ከኣ ዓሻ ስለ ዝነበረ ኣይኮነን። ሎጥ ኣብ ልቦንኡ ዝጽጋዕ ኣብርሃም ግና ኣብ ኣምላኽ ዝውከል ሰባት ስለ ዝነበሩ ግን ዝተፈላልየ ምርጫ መሪጾም። ቃል ኣምላኽ ካብ ዝምህሮ ሓቅታት ሓደ ኣምላኽ ከምቲ ሰብ ዝርእዮ ከም ዘይርኢ እዩ (1ሳሙ.16፣7)። ኣብ ካልእ ክፍሊውን እቲ ኣብ ቅድሚ ሰብ ክቡር (ብሉጽ) መሲሉ ዝርአ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ፍንፉን ከም ዝኾነ ተዛሪቡ ኣሎ (ሉቃ.16፣15)። ስለዚ ፍቓድ ኣምላኽ ከይሓተትና ከምቲ ባህርያዊ (ዘይኣመነ) ሰብ ዝመርጾ ምርጫ ክንመርጽ ከሎና ካብ ፍቓድ ኣምላኽ ወጺእና ከም ዘሎና ክንፈልጥ ኣሎና። ኣብ ገንዘብ ዘሎካ ኣረኣእያ ከምቲ ቅድሚ ብጎይታ ምእማንካ ዝነበረ እንተኾይኑ ከምቲ እቶም ዘይኣመንቲ ዝወስድዎ ውሳኔ ምውሳድ ኣየገርምን እዩ። ነቲ ብኣዒንቲ ስጋ ዘይምረጽ ቦታ እምበር ነቲ ማይ ዝመልአ ጎልጎል ንምምራጽ ሓቀኛ ኣማኒ ምዃን ኣየድልን እዩ።

 

እቲ ቃል ኣምላኽ ዝምህሮ ሓጎስ ብጎይታ እምበር ብነገራት ምሕጓስ ስለ ዘይኮነ እቲ ኣገዳሲ ነገር ንጎይታ ኣብ ልብኻ ቀዳማይ ቦታ ምሃብ እዩ። ንሱ እንተ ቀዲሙ እቲ ካልእ ኩሉ ግቡእ ቦትኡ ክሕዝ ስለ ዝኾነ ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ሰባት (ኣመንቲውን እንተኾኑ) እንታይ ጌሮም ብዘየገድስ ንስኻ ብጎይታ ክትሃድእ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ። እቲ ንጎይታ ኣብ ልቡ ቀዳማይ ቦታ ዝሃቦ ሰብ ንኣምላኽ ከይብድልን ከየጉህዮን እንተ ዘይኮይኑ ካልእ ስግኣት ወይ ፍርሃት የብሉን። ስለዚ ድማ ካልኦት ኣብ ልቦንኦም ብምድጋፍ ንምምራጽ ክጓየዩ ከለዉ ንሱ ግን ኣብ ክእለት ኣምላኽ ተኣማሚኑ ዓሪፉ ይጽበ። ንኣምላኽ ባህ ከነብል እንተደሊና ኣብቲ ንኣዒንትና ጽቡቕ ዝመስል ነገራትውን ፍቓድ ኣምላኽ ክንሓትትን ንሱ እንተ ዘይመሪጽዎ ንምግዳፉ ፍቓደኛታት ክንከውንን የድልየና። ጎይታ መንፈሳዊ ኣዒንትና ክኸፍተልና ንሕተቶ እሞ ሽዑ ኣምላኽ ኣብኡ ስለ ዘሎ ጥራይ እቲ እቶም ‘ጎርሓት’ ዘዘድልዮም ምስ ወሰዱ ዝተረፈውን ከም ዝኣኽለና ክንርኢ ኢና

 

ጎይታ ኣዒንትና የብርሃልና!