27
Sat, Apr
0 New Articles

ጳውሎስ እቲ ቝላዕ

Message 2
Typography

ክልተ ሽሕ ዓመታት ኣቢሉ ይገብር ኣብ እስያ ኣብ እትርከብ ጠርሴስ ናይ ቂልቅያ እዩ ተወሊዱ። ዓሌቱ እስራኤላዊ ኰይኑ ካብ ነገድ ብንያም እዩ ዚውለድ። ኣብ እዋን ንእስነቱ ዚጽውዓሉ ዝነበረ ሽም ሳውል ይበሃል። ኣብ ትሕቲ ገማልኤል እተባህለ መምህር ሕጊ ኣይሁድ እናተማህረ ኸኣ ዓበየ። ፈሪሳዊ ድማ ዀነ። (ፈሪሳውያን እቶም ካብ ኵሉ ዚጥንቀቑ ወገን ኣመንቲ እምነት ኣኣይሁድ እዮም)።

ኣብዚ ሳውል ከም ፈሪሳዊ ብእምነት ኣይሁድ ኣብ ዚነብረሉ ዝነበረ ጊዜ ኸኣ:- የሱስ ናዝሬታዊ ይስበኽ ነበረ። ንየሱስ ብምእማን ሕድገት ሓጢኣትን ድሕነትን ከምዚርከብ ይስበኽ ስለዝነበረ። ብዙሓት ሰብኡትን ኣንስትን ድማ ነቲ ስብከት ኣሚኖም ነታ የሱስ ዘምጽኣ እምነት ኪኽተሉ ጀሚሮም ነይሮም። እዚ ግና ኣብ እስራኤል ሓድሽ ዛዕባ እዩ ነይሩ። ብዙሓት ሰባት ከኣ ነታ እትስበኽ ዝነበረት መገዲ ኪኽተሉ ጀመሩ። ንዚበዝሑ ኣይሁድ ግና እዚ ከምዚቝጥዑ እዩ ጌርዎም። 


ስለዚ ድማ ነቶም ነዛ መገዲ’ዚኣ ዚሰብኩ ዀነ ነቶም በታ መገዲ ዚነብሩ ኵሎም ኬሳድድዎም ጀመሩ። እቲ ዜስፋሕፍሕ ዝነበረ ሃይማኖት: መጻሕፍቲ ኣይሁድ ዚንበይዎ ዝነበሩ ስለዝኾነ ከም ሓድሽ-መጤ ሃይማኖት-እኳ ኪውሰድ እንተዘይነበሮ ኣይሁድ ግና ከም ሓድሽ ሃይማኖት ጌሮም’ዮም ወሲዶሞ። ስለዚ ኸኣ ነዚ ሓድሽ ዝበልዎ እምነት ጌና እግሪ ተኽሊ ከሎ ኪቖጽይዎ እዮም ተጓይዮም። መንእሰይ ሳውል ከኣ ብወለንትኡ ካብቶም ነዚ ተልእኾ’ዚ ንምትግባር ዝኸተቱ ሓደ ጥራሕ ዘይኮነስ ካብ ናይ ካልኦት ሓለፍ ብዘበለ ጸረ-የሱሳውያን ነበረ።

ሳውል ብየሱስ ናዝሬታዊ ንዚኣምኑ ዘበሉ ዅሎም ኪኣስርን ኪቐጽዕን ካብ ሊቀ-ካህናት ሕጋዊ ስልጣን ዜውህቦ ወረቐት ተዋሂቡ ነበረ። በዚ ኸምዚ ነቶም ሽዑ ዝነበሩ ተኸተልቲ የሱስ በዓል ናዝሬት ከምሕሱም ኬሳድዶም ጀመረ። ኪኣስሮምን ኪቐጽዖምን ጀመረ። ኣብ ምቕታሎም’ውን ይሰምር ነበረ። ‘ሳውል መጸ’ እንተተባሂሉ ውርደት የሱሳውያን እዩ ዚርአ።

ከምዚ ኢሉ ከሎ ሓደ መዓልቲ ኣብ ህይወቱ ነጥቢ መቐይሮ ዜምጽእ ኵነታት ተኸስተ። ንክርስትያን ኬሳድድ እናኸደ ከሎ ኣዒንቱ ኪጻወሮ ዘይከኣለ - ካብ ናይ ጸሓይ ዚብርትዕ- ብርሃን ደጕሖ። ናብ መሬት ከኣ ወደቐ። ሽዑ ድማ’ዩ ነቲ ዘይተጸበዮ ቃላት ዝሰምዐ። ንተኸተልቲ የሱስ እናጸልአ እቲ ኣይሁድ ኣብ መስቀል ሸንኪሮም ዝቐተልዎ - ኣምላኽ ግን ካብ ምዉታት ዘተንስኦ የሱስ ባዕሉ ተጋሂዱ ተዛረቦ። “ሳውል ሳውል ንምንታይ ትሰጐኒ ኣለኻ? ኣብ ኣንፊ ብልሒ እንተ ኣድሓርሓርካ ንርእስኻ እዩ ዚገደካ።” በሎ። ካብዛ እዋን’ዚኣ ኣትሒዙ ኸኣ የሱስ ኪነዓቕ ዘለዎ ዘይኮነስ ኪእመንን ኪሰዓብን ዘለዎ ከምዝኾነ ነቶም ሰብ ሓድሽ እምነት ኢሉ ዜሳድዶም ዝነበረ የሱሳውያን ከኣ ኬሳድዶም ዘይኮነስ ከምኦም ብየሱስ ኣሚኑ ኪጽንበሮም ከምዚግባእ ተረድኦ። ኣዒንቱ ብሰንኪ እቲ ብርሃን ዓዊሩኳ እንተነበረ ኣብ ደማስቆ ግን ብስም የሱስ ሓወየ። ከይደንጐየ ኸኣ የሱስ ናዝራዊ እቲ ንኼድሕን ቅብኣት ዘለዎ እንኮ ልኡኽ ኣምላኽ ምዃኑ ኪሰብኽን ኪምስክርን ጀመረ። እዚ ናይ ጳውሎስ ኵነታት ኣይሁድ ኣመና’ዩ ኣሰንቢድዎምን ኣቘጢዕዎምን። ሳውል ግን ንኣይሁድ ኰነ ንጽርኣውያን ክኢላታት ዘረባ ኣፎም የትሕዞም ነበረ። በቲ ኣብ እተፈላለየ ቦታታት እስያን ኤውሮጳን ዝነበሮ ናይ ስብከት ጕዕዞ ኣሽሓት ሰባት ናብታ ንሱ ኬቕህማ ተላዒሉ ዝነበረ እምነት ክምዚጽንበሩ ገበረ። እቶም በታ መገዲ ዚመላለሱ ኸኣ እናበዝሑ ኸዱ። ካብ ይሁዳ ጀሚሩ ክሳብ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዞረ ብዙሓት ኣብያተ ክርስትያናት’ውን መስረተ። ብድሕር’ዚ እዋን’ዚ ኸኣ’ዩ ጳውሎስ ዚብል ሽም እተዋህቦ። ከምኡ’ውን ንርእሱ ‘ቍላዕ’ ኢሉ ሰምይዋ ኣሎ። እዚ ኸኣ ኣብ ዘይግዜኡ እተወልደ ማለት እዩ። ሳውል ኣብ ኣገልግሎት ኣብ ዘይንቡር ግዜ’ዩ ተቐልቂሉ ኪበሃል ይከኣል። ነቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ሃዋርያት ንልዕሊ ሰለስተ ዓመታት የሱስ ኣሰልጢንዎም እዩ። ንሱ ግና ከም ናቶም ዝዓይነቱ ዘይኮነስ የሱስ ብራእይ ኣሰልጢኑ በቲ ልሙድ ኪኸውን ዚኽእል ኣዘራርባ ኣብ ዘይንቡር ግዜ’ዩ ኣገልጋሊ ወንጌል ኰይኑ። ቍላዕ ክንሱ ዝዓበየ ዕዮ ዓየየ። ስለዝ ኸኣ ሎሚ ንክርስትና ካብ ጳውሎስ ፈሊኻ ክትርእዮ ዘይከኣል እዩ። ስለዚ ኸኣ ቍላዕ ኪበሃል ክኢሉ።

ግናኸ ምስዚ ዅሉ ዓወታት ንጳውሎስ ብርቱዕ ተቓውሞ ድማ ይገጥሞ ነበረ። እቲ ተቓውሞ ድማ ካብ ሃይማኖተኛታት: ካብ ነጋዶ: ካብ ፖለቲከኛታትን ካብ ምሁራትን እዩ ነይሩ። ንሱ ግን ነዚ ዅሉ ተቓውሞታት ኣይተንበርከኸሉን። ብዙሕ ግዜ ተገሪፉ: ብዙሕ ግዜ ኸኣ ተኣሲሩ: ንሱ ግን ንስለ የሱስ ክርስቶስ ብዓል ናዝሬት ኢሉ ካብ ምንባርን: ንክርስቶስ ካብ ምስባኽን ድሕር ኣይበለን። ፍቁር ሓወይ ፍቅርቲ ሓውተይ ንግዚኣብሄርዶ ዚሰኣኖ ኣሎ እዩ? ንሱ “ንዝደለዮ ይምሕሮ ንዝደለዮ ድማ የትርሮ እዩ።” ሮሜ. 9፣18 ስለዚ በየን ወጻእካ በየን ኣተኻ ዚቋመተካ: ኣብ ፍርሓትን ኣብ ራዕድን ብዜንብረካ ሳውል እትሰቀ ዘሎኻ ኣምላኽ ንዕኡ ሓደ መዓልቲ ጳውሎስ ኪገብሮ ይከኣሎ እዩ። እንተኽኢልካስ ጸልየሉ ደኣ። እስጢፋኖስ’ውን ቀዳሜ ሰማዕት እውን ክዳን ቀተልቱ ብምሓዝ ኣብ ምቕታሉ ሰሚሩ ኽንሱ ንጳውሎስ ሓጢኣቱ ኪሕደገሉ ጸልይሉ ነይሩ እዩ። ግሃ. 7፣60።

 ጕንዲ ወይኒ - ሓምለ 2009