19
Fri, Apr
0 New Articles

ደብዳቤ ካብ ኣብ ዊዓ ተኣሲረን ዘለዋ ኣሓት

Message 2
Typography

የሱስ ይመጽእ ኣሎ!!

"ንኹሉ ህዝቢ ዝኸዉን ዓቢ ሓጎስ አበስረከም ኣለኹ ኣይትፍርሁ" ሉቃ 211

"እንሆ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብሓይሊ ይመጽእ ብቕልጽሙ ድማ ይገዝእ፡ እንሆ ዓስቡ

ምስአ ኣሎ ካሕሳአ ከኣ ቀቅድሚአ ይኸይድ" ኢሳ 4010

ኣቲ ጓል ጽዮን ኣዚኺ ተሓጎሲ፡ ኣቲ ጓል የሩሳሌም ኣልል በሊ፡ እንሆ ንጉስኪ ንሱ

ጻድቕ መድሓንን ትሑትን እዩ። ኣብ ኣድጊ ኣብ ጻዕብ ኣድጊ (ባሮቱ)) ተወጢሑ ናባኺ

ይመጽእ ኣሎ።" ዘካ 99

ኣብ ኣታ ኣብ መሓለዊ ቦታኻ (መጸበይ ስፍራኻ) ኰይንካ እቲ እግዚኣብሄር ንሃገርና፡ ብሃገርና ጌሩ ድማ ንኹላ ምድሪ ክበጽሓ ዝሃበና ተስፋ (ዝኣተዎ ከዳን) ትጸባበ ዘለኻ፡ ግናኹ ካብዛ መሓለዊ ቦታኻ ንኸዝብለካ ብብዙሕ ማዕበላት ትንወነወ ዘለኻ፡ ኣበይ ኣሎ ኣምላኽካ? መዓስ ድዩ ክፍጸምእቲ ተስፋኻ? ኣምላኸይ ከምዚ ኢሉኒ ክትብል ንዝሰምዓካ፡ ዝርአናዮ ነገር ግን የለን ስቕ ኢልካ ኣብ ዘይጭበጥ ነገር ትህወትት ከይትህሉ፡ ከነታት እሞ ርኣዮ፡ ምስዚ ንሳኻ ትጸባበዮ ዘለኻ ኣንጻር ፍጻመ እኳ ኣይራኹቡን፡ ይሓይሽ እንተበልካ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ይገድድ ይጽልምት፡ሕጅስ ተወዲአ'ዩ፡ ተወዲአ'ዩ ተስፋይ ክፍጸም እዩ ትብል፡ ምወዳእ ከመይ ድዩ? ሰይጣን ስጋ ዓለም ብዘሎ ኣጽዋሮም ኣዋዲዶም በቲ ንኽድግፈካ እትጽበዮ ኣማኒ ሓወኻ/ሓፍትኻ እኳ ከይተረፈ ዝንወንወካ ዘሎ።


 

ሎሚ ንዓኻ ዝኹወን ብስራት ኣለነ!!

ኣምላኽካ ብሓይሊ ይመጽእ ኣሎ፡ ብቕልጽሙ ድማ ይገዝእ ኣሎ። እወ እቲ ንዝበሎ ከምዝገብሮ፡ ንዝተዛረቦ ከም ዝፍጽሞ ኣሚንካ ትጸባበዮ ዘሎኻ ኣምላኽካ ነቲ ዝሃበካ ተስፋ ክፍጽሞብዓቢ ክብሪ ቀልጢፉ ይመጽእ ኣሎ። ብምልኣት ክብሩ ኣብ ባሮቱ ተወጢሑ ንኹላ ገጽ ምድሪክገሃድ ኣምላኽካ ቀልጢፉ ይመጽእ ኣሎ። ክትጭብጦ፡ ክትድህስሶ፡ ምልኣት ህላወነቱ ከተስተማቕሮ ይመጽእ ኣሎ። እወ ይመጽእ ኣሎ። ብኽብሪ ብስልጣን ብሓይሊ፡ ብግርማ ...ነገስታት፡ ሓያላት፡ ጥበበባታት፡ ፈላጣት፡ ምሁራት፡ እዚ ኣምላኽ እዚ ብሓቂ ናይ ነገስታትንጉስ፡ ናይ ሓያላት ሓያል፡ ናይ ጥበበባታት ጥበበባ እናበሉ ክብረቶም ደርብዮም ፍግም ኢሎምከሰግዱ፡ ኣብ ቅድሚአ ብዘለዉ ዓሌታትን ቋንቋታትን  ኣስታርቴታቶምን ሓማሺሾም ፍግም ክብሉሉ ኣምላኽካ ይመጽእ ኣሎ። እወ ከሉ ብርኪብስም የሱስ ምእንቲ ክምብርከኽ ልሳንዘበለ'ወን ንኽብሪ እግዚኣብሄር ኣቦ ኢሉ የሱስ ክርስቶስ ጎይታ ምዃኑ ኺእመን (ፊሊ 29-11)

ኣምላኽካ ብኽብሪ ቀልጢፉ ይመጽእ ኣሎ። ሓወ/ሓፍቲ፡ እቲ ዝተጸቤኽዎ ኣምላኽይ እዚ እዩ እናበልካ ክትጭድር፡ ክትዘልል፡ ክተላልዮም ምስኣምላኽካ፡ ንተስፋኻ ፈጺሙ ከገርመካ ይመጽእ ኣሎ። ዝርእየካ ዘበለ

ነቶም ዝጽበይዎ ከምቲንስኻ ዝገበርካሎም ዝገብር ካልእ ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ኣይተሰምዔን፡ ኣብ እዝኒ ኣይተዘነየን፡ ዓይኒ'ወን ከቶ ኣይረኣየቶንኢሳ 644

እናበሉ ክግረሙን ክድነቑን፡ መዓስ ንሶም ጥራይ ንሳኻ'ዋላ’ውን!

ዘይተጸቤኽዎ ዘገርም ግብሪ ምስ ገበርካ ወረድካክሳብ እትብል እዚ ገባር ተኣምራትኣምላኽካ ቀልጢፉ ይመጽእ ኣሎ። ስለዚ፡ብእግዚኣብሄር ተሰፎ፡በርትዕ ልብኻ ቀጥ ይበል ኣጆኻ፡እወ ብእግዚኣብሄር ተስፋ ግበር´” መዝ 2714

 

ደበና የለን፡ ንፋስ'ወን የለን፡ እግዚኣብሄር ግና ነቲ ጎዳጉዲ ማይ ክመልኦ እዩ። ኣብቲ በቃ ዝተባህሎ፡ ንሱ ደበኽ ክብል እዩ እሞ ነዚ ጎይታ ክብሪ ብምስጋናን እልልታን ክትቅበሎ ተዳሎ።

ቀልጢፈ እመጽእ ኣለኹ፡ ሓደ እኳ ኣኽለሊልካ ከይዝርፈካ ነቲ ዘሎካ ኣጽኒዕካ ሓዞ

ራእ 311

ኣታ …“ተስፋና ተቐብጸ፡ ዓጻጽምትና ነቐጸ ጠፊእና ኢና(ህዝ 3711) ትብል ዘለኻ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝሃበካ፡ ዘጨበጠካ ተስፋ በቲ ኣብ ከባቢኻ ትርእዮን ትሰምዖን ጌርካጠሚትካ (መዚንካ) ኦሮማይ እቲ ንብዙሕ ግዜ ዝተጸቤኽዎ ንስድራ ቤተይን ዓሌተይን ዘርአይን ህዝበይን ምድረይን ንዓቢ ምድሓን ክኹወን እዩ(ሉቃ 2421) ዝበልክዎ ተስፋይ ሞይቱ ተቐቢሩኢልካ ነቲ መሓለወን መጸበይን ቦታኻ ገዲፍካ ንአማሁስ ትምለስ ዘለኻ ወይ ዝተመለስካ፡ ካብ ብዙሓት ነብያት ተስፋኻ ህያወ ምዃኑን ዝፍጸመሉ ግዜ ከም ዝበጽሔን እናተነገረካ ልብኻ ንምእማን ዝደንጎኛወ፡

ሎሚ ንዓኻ ዝኽወን ብስራት ኣሎኒ!!

ኣይትጉሀ፡ ኣይትመለስ ንድሕሪት፡ ተስፋኻ ህያወ እዩ ኣይሞተን፡ የዒንትኻ ተሰዊረን (መንፈሳዊ ኣዒንትኻ) ጸልሚተን ምልላይ ስኢንካዮ ደኣ እምበር ቅልጽም ኣምላኽሲ ብሓይሊ ወጺኣ ትገዝእ፡ ትሰርሕ፡ ተጽሪ፡ ንተጻረርታ ትጭፍልቕ እያ ዘላ። ንቤተልሄም ሓዲግካ ንሞኣብ ብምኻድካ ነፍስኻ ተሕለሉ፡ ትምረር ኣላ። ኣይፈለጥካን ደኣ እምበር ኣምላኽሲ፡ ነቲ ኣብ መሓለዊአ ደወ ኢሉ ዝጸባበ ህዝቢ' በጺሕዎ፡ እታ ዝጠመየት ነፍሲ ብመንፈሳዊ በረኹት ትጸግብን ትዕንገልን ኣላ።

ሓወ/ሓፍቲ፡ እቲ ተስፋ ዝሃበካ ከይሕሱ ሰብ ኣይኰነን፡ ከይጠዓስ ድማ ወዲ ሰብ ኣይኰነን። ንሱ ንዝበሎስ ኣይገብሮንዶ፡ ንዝተዛረቦኹ ኣይፍጽሞንዶ?(ዘሁ 2319) በቲ ንስኻ ዝተጸቤኻዮን ዝደለኻዮን ስለ ዘይተፈጸመ ንኣምላኽ ሓሳዊ ኣይትግበሮ!!! እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሓቂ እዩ። ኣይሕሱን እዩ፡ ኣይጋገን እዩ፡ ኣይጥብርን እዩ፡ ኣየታልልን እዩ። ሰይጣን፡ ከነታት፡ ሰብ ሓሰወቲ እዮም። እግዚኣብሄር ግና ሓቂ እዩ። ንሱ ኣምላኽ ከምቲ ንስኻ ዝተጸቤኻዮን ዝመደብካዮን ዘይኰነ፡ ኣብ ግዚአን ከምቲ ምኽሩን ዝገብር ኣምላኽ እዩ። መገድታቱ ብኣሰር ኣሰር ዘይብጻሕ እዩ።

ከምቲ ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ዝብል መገድታተይ ካብ መገድታትከም፡ ሓሳባተይ ካብ

ሓሳባትከም ልዕል ዝበለ እዩ።(ኢሳ 559)

ሓወ/ሓፍቲ፡ እቲ ተስፋ ዝሃበካ ነቲ ዝበሎ ክገብሮ ንዝተዛረቦ ክፍጽሞ ቀልጢፉ ይመጽእ ኣሎ። ስለዚ ተንስእ ተበራበር ክርስቶስ ድማ ከብርሃልካ እዩ። (አፌ 514) ኣይትደንጕይ። ቀልጢፍካ ተላዒልካ አማሁስ ናብቲ መሓለዊ ቦታኻ (ጸባበዪ ስፍራኻ) ተመለስ። ሉቃ

2433

 

ኣቱምም ብተስፋ ዝተኣሰርከም ናብቲ ዕርዲ ተመለሱ፡ ኣነ ዕጽፊ ጌረ ከም

ዝመልሰልከ፡ ሎሚ'ወን እነግር ኣለኹ።ዘካ 912

 

ኣይትዓሹ፡ ልብኻ ንምእማን ኣይደንጕ። እቲ ንዝኣመንዎ እሙን ዝኰሸነ ጎይታ ክብሪ ንማሕልአ ክፍጽሞ ቀልጢፉ ይመጽእ ኣሎ። ኣብ መሓለዊኻ ከምቲ ዝደልየካ òንካ ብእልልታ ብምስጋና ክትቀባበሎ ተዳሎ፡ ተዳሎ። ንኹሉ ዝጎተካ ንድሕሪት ደርብዮ፡ ልብኻ ማራናታ ጎይታ የሱስ ንዓ ጥራይ ይበል።

 

የሱስ ይመጽእ ኣሎ (2) (ንተስፋኻ ክፍጽም)

ተንስእ ተዳሎ ክርስትያን ሃየ ተዳሎ

ማራናታ ማራናታ ክበር ንገስ(2)

ጎይታ የሱስ ክበር ንገስ(2)

 

 ኣብ ኣታ ደግነት እቲ ካብ ጸልማት ናብቲ ዘገርም ብርሃን ዝጸወዓካ ክትነግር ሕሩይ ወለዶ ናይ መንግስቲ ክህነት፡ ቅዱስ ህዝቢ ጥሪት ኣምላኽ ዝኰንካ (1ጴጥ 29) - ንኣምላኽ ሓቂ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ከይተምልኽ ከይትሰግድ ብፍልጠት ቃል ሓቂ ሓራ ዝወጻእካ ኣብቲ ዝበርሃልካ ሓቂ ደወ ከይትብል ንኣምላኽ ሓዲግካ ንሃማን (ንሰይጣን) ክትሰግድ ተመሊስካ በርዐት ባርነት ክትቁረን ኣብ ልዕሌኻ ብዝተኣወ- ናይ ሃማን ናይ ጥፍኣት ኣዋጅ፡ ኣብ ብርቱዕ ስንባድን ፍርሃትን ጓህን ትርከብ ዘለኻ።

ሎሚ ንዓኻ ዝኽወን ብስራት ኣሎኒ!!

ኣስቴር ኣብ ቅድሚ ንጉስ መጎስ ረኺባ እያ እሞ ኣይትሰንብድ፡ ኣይትፍራህ፡ መጽሓፍ መዘከርታ ተገንጺሉ እቲ ጽቡቕ ግብሪ ማርዶካይ (ባሮት ኣምላኽ) ዝቕልዓሉ ግዜ በጺሑ እዩ እሞ ኣይትጕሄ፡ ማርዶካይ ልብሰ ንጉስ ለቢሱ ኣብ ፈረስ ንጉስ ተወጢሑ ኣብ ኣደባባይ ዝረኣየሉ ግዜ በጺሑ እዩ እሞ ኣይትፍራህ። ኣዋጅ ብኣዋጅ ገልቢጡ፡ በታ ጸላእትኻ ኣብ ልዕሌኻ ክስልጥኑ ተስፋ ዝገበርካሉ መዓልቲ ንስኻ ኣብ ልዕሊኦም እትስልጥን ኣምላኽ ስዒሩ ቀልጢፉ ይመጽእ ኣሎ። ኣይትጠፍእን ኢኻ፡ ካብ ዝጠፍእ ዘርኢ ኣይኰንካ፡ እኳደኣ ክትፈርን ክትስስንን ኢኻ። ፍርሃት እግዚኣብሄር ወዲቕዎም ብዙሓት ንኣምላኽካ ክፈልጥዎን ክስዕብዎን እዮም። ኣጆኻ ኣይትፍራህ። እንሆ ኣምላኽካ ምስ ሕነን ምስ ናይ ኣምላኽ ምፍዳይ ኢድን ክመጽእ ባዕሉ ከድሕነካ ቀልጢፉ

ክመጽእ እዩ። ኢሳ 354 ስለዚ ተንስእ ርእስኻ ኣቕንዕ፡

…“ነቲ ንጉስ ክብሪ ክኣቱ ደጌታት ክፈተለለ

ኣቱምም ደጌታት ርእስኹም ኣልዕሉ

ናይ ዘለኣለም ደጌታት ልዕል በሉ

እቲ ንጉስ ክብሪ'ወን ክኣቱ እዩ፡

እዚ ንጉስ ክብሪ መን እዩ፡

ጎይታ ሰራዊትñ እቲ ንጉስ ክብሪ ንሱ እዩመዝ 2419

እወ ነዚ ንጉስ ክብሪ ብእልልታ ተቐባበሎ። ኣታ ሎሚ ብብዙሕ ዝዓይነቱ ናይ ኣጋንንቲ ማእሰርቲ ትሳቐ ዘሎኻ፡ ንዓመታት ንሕቶኻ መልሲ ኣቝጺርካ መፍትሒ ዝሰኣንካ፡ ብሕማም ስጋ ተሳቂኻ ገንዘብካ ንሓካይምን ኣፋወስን ዝወዳእካ ግናስ ዝገደደካ እምበር ፈወሲ ዘይረኹብካ፡ ኣብ ናብራኻ፡ ሓዳርካ፡ ስራሕካ፡ ብዙሕ ሕልኽላኻት (ዘይምቕናዕ ዘይምስላጥ ዘይምርድዳእ) ከይኑካ ልብኻ ብጓሂ ዝረዘዘ እስከ እምበርዶ ክፍታሕ እዩ፡ ክዕረ ድዩ ትብል ዘሎኻ፡ ትሕዝቶ ቤትካ ከም ኣብ ቀዳድ ማሕፉዳ ዝኣተወ ኰይኑ ፍጹም በረኹት ስኢንካሉ እንታይ እዩ ምስጢሩ ትብል ዘለኻ፡

ሎሚ ንዓኻ ዝኽወን ብስራት ኣሎኒ!!

ኣይትበከ፡ እንሆ እቲ ካብ ነገድ ይሁዳ ዝኰሸነ ኣንበሳ፡ እቲ ሱር ዳዊት ነቲ መጽሓፍ ክግንጽሎን

ነቲ ማሕተም'ወን ክፈትሖን ስዒሩ ኣሎ(ራኢ 55) እወ፡ እቲ ሓከም፡ ፈላጥ፡ ምሁር ክፈትሖ

 

ዘይከኣሎ ማሕተም ዝተገብሮ ነገርካ ክፈትሖ ስዒሩ ኣሎ። እቲ ብሰሪ ገበንካ ዝቖሰለ፡ ብሰሪ ኣበሳኻ ድማ ዝተኹትከተ፡ ንስኻ ሰላም ምእንቲ ክትረክብ መቕጻዕቲ ናብአ ዝወረደ፡ ብስምብራቱ ድማ ዝሓዌኻ (ኢሳ 535) ንመሳቐይትኻ ከጨንቖም፡ ንጸላእትኻ ኣብ ትሕቲ እግርኻ ክቕጥቅጦም ቀልጢፉ ይመጽእ ኣሎ። ካብቲ ቅብኣት ዝተላዕለ ኣርዐት ካብ ክሳድካ ክስበር፡ ልብኻ ክዝነን ንማእሰርትኻ ክፈትሕ፡ ቀልጢፉ ይመጽእ ኣሎ። ስለዚ ኣጆኻ፡ ደጊም ኣባኻ መርገም ኣይክኹወንንእዩ እሞ ንኣምላኽ ምንጋፍካ ብእልልታ ብምስጋና ክትቀባበሎ ተዳሎ። ኣታ ብትበልዖን ብትሰትዮን ብትኽደኖን ብኹሉ ክብደት መነባብሮ እትጭነቕ ዘለኻ፡ እዚአን ጥራይ

እየን ተሪፈናነ፡ ድሕሪአ እንታይ ክገብር እየ፡ በቃ ዝገብሮ የብለይን ንሰን በሊዐ ክመወት እየ ትብል ዘለኻ። (1ነገ 1712)

ሎሚ ንዓኻ ዝኹወን ብስራት ኣለነ!!

ኣይትመወትን ኢኻ!!! ንታሪኽካን ንታሪኽ ሃገርናን ክልወጦ እወ ንኹሉ ነገር ንቕጽበት ዓይኒ ክግልብጦ ኣምላኽካ ቀልጢፉ ይመጽእ ኣሎ። ንድኽነት ናብ ሃብቲ፡ ንጥሜት ናብ ጽጋብ፡ ንምፍልላይ ናብ ምትእኽኻብ፡ ነቲ ዓቢ ምረት ንሰላም ክልወጦ ይመጽእ ኣሎ። ከምቲ ጥምየት ናይ ሰማርያ፡ ከም ቃል እቲ ነብዪ ንቕጽበት ዓይኒ ዝተለወጠ ብሒደት ዘይቲ ከም ቃል አልያስ ጎይብታት ዝመልአ፡ ሎሚ'ወን እግዚኣብሄር ከም ቃሉ ከምቲ ዝበሎ ክባርኹኻ ይመጽእ ኣሎ። እዚ ደኣ መሳኹቲ ሰማይ እኳ እንተዝኽፈት ኣይከወንን እዩ ኣይትበል። ከምቲ የዒንቱ ዝረኣያ ግናኹ ተኻፋሊ ናይቲ በረኹት ክኽወን ዝይከኣለ ዘብዔባ ከይትኹወን ተጠንቀቕ። በረኹት ትወርስ እታ ዝኣመነት ነፍሲ እያ።

እቲ ካብ እግዚኣብሄር እተነግረላ ቃል ክፍጸም እዩ እሞ እታ ዝኣመነት ብርኽተቲ

እያ።ሉቃ 145

ንእግዚኣብሄር ዝሰኣኖ ነገር የለን። ንሱ በለ ኰነ ድማ፡ ኣዘዘ ቆመ ከኣ። ሓንቲ ካብ ኣብ እግዚኣብሄር ዝወጸት ቃል እያ ንነገራት ትልወጥ፡ ብኣእምሮኻን በቲ ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ከነታትን ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣይትደርቶ። ንሱ ነቲ ንሰብ ዘይከኣሎ ዝከኣሎ፡ ነቲ ንሰብ ዝጨንቆ ዘይጨንቆ ገባሪ ተኣምራት እዩ። ንሱ ጎይታ ሰማይን ምድርን ኣዛዝ ከሉ ፍጥረትን እዩ። ተኻፋሊ እዚ በረኹት ክትከወን ኣሜን ከም ቃልካ ይኹነለይ በል። መከራኻ ዘረስዕ ምናሴ ተወሊዱልካ ኣሎ እሞ ተሓጎስ፡ ባህ ይበልካ። ዘርኦም ድማ ኣብ ኣህዛብ ትወልዶም ከኣ ኣብ ህዝብታት ፍሉጥ ክኹወን እዩ። እቶም ዝርኣይዎም ከሎም፡ እግዚኣብሄር ዝባረኰሸም ዘርኢ ምዃኖም ክፈቆቱ እዮም።¨” ታሪኽካ ተለዊጡ ንብዙሓት መዕቆብን፡ መጽለልን፡ መዓንገልን ክትከወን ኢኻ። ኣምላኽካ ነዚ ክገብሮ ቀልጢፉ ይመጽእ ኣሎ። እወ፡ እቲ ምልኣት ከሉ ዝኰሸነ ምስ ምሉእ በረኹቱ ይመጽእ ኣሎ፡ ክኣቱ ናብ ቤትካ ከረስዕ መከራኻ።

ኩሉ መከራ ሓሊፉ ከም ዋዛ

የሱስ ናብ ቤተይ ምስ ኣተወ

እናበልካ ንኣምላኽ ክብሪ ብምስጋና ብእልልታ ተቐባበሎ።

እቲ ነዚ ነገር ዝምስክር እወ ቀልጢፈ እመጽእ ኣለኹ ይብል ኣሎራኢ 2220

እቲ መንፈስን እታ መርዓትን ንዓ ይብሉ ኣለዉ፡ እቲ ዝሰምዕ ንዓ ይበል

ጎይታ ይባርኽከም!!