20
Sat, Apr
0 New Articles

ኣብቲ ሞት ዘለዎ ኣብኡ ተስፋ ኣሎ

Message 2
Typography

/ማርቆስ 5።21-43/ ብ ቦብ ደፊንቦጅ

መ እ ተ ዊ

ብዙሕ ግዜ ሃንደበት ብዘጋጥሙኻ ነገራት ጸቕጢ ይፈጥረልካ፣ ኩሉ ግዜ ንግሆ ተመሲጠ ጋዜጣ እንዳምበብኩ ከለኹ በዓልቲ ቤተይ ግና ጎሓፍ ክጉሕፍ ትደልየኒ፣ኣብ ገራጅ ኢደይ ግሮሶ ተጸያይቐ እንዳሰራሕኩ ቴሌፎን ደዊሎም ይደልዩኒ። ሃንደበትነት ክፋል ናይ ህይወት እዩ፣ገሌና ከኣልነት ኣምላኽ ብሃንደበት ዘጋጥሙና ነገራት ዝሰናኸል ኮይኑ ይስምዓና። ልክዕ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ወንጌል ማሪቆስ ምዕራፍ 5 ዘሎ ጐይታ የሱስ ንሞት ዝተቓረበት ጓል ክፍውሳ እንዳኸደ ከሎ ሃንደበት ብሓንቲ ህጹጽ ሓገዝ እትደልይ ሰበይቲ ተደናጉዩ፣እዚ ጽሑፍ ነቶም ብዛዕባ ምዱንጋይ መለኮታዊ ሓይሊ ኣዕሚቕና ዘይሓሰብና ሰባት እዩ ተዳልዩ፣


ኣብታ ጐይታ የሱስ ክፍውሳ ዝኽይድ ዝነበረ ጓል ያኢሮስ እንተተመለስና እቲ ጸሓፋይ ኣብ ሞንጐ ብዛዕባ ምፍዋስ ደም ዝፈሳ ዝነበረት ሰበይቲ ይዛረብ፣ ብርግጽ እቲ ቀንዲ ዛዕባ ብዛዕባ እታ ቆልዓ'ኳ እንተነበረ ሃንደበት በታ ዝተፈወሰት ሰበይቲ ዓቢ ተኣምራት ኮይኑ እዩ፣ያኢሮስ በዚ ዝርእዮ ዘሎ ተገሪሙ እምነቱ እንዳዓበየት ከላ ካብ ገዛ መራሒ ቤት ጸሎት ጓልካ ሞይታ ዝብልን ብጐይታ የሱስ ከኣ ክኣምን እምበር ክፈርህ ከም ዘይብሉ ምስ ተማህረ ያኢሮስ ኩሉ ተስፍኡን ኩነታቱን ተለዊጡ ኣንጻር ምስኮነ ከመይ ፈሪሑን ተሰሚዕዎን ይኸውን?

 

ህንጡይ ልመና ያኢሮስ / ማርቆስ 5።21-24

 

ያኢሮስ ሓደ ካብቶም ኩቡራት መራሕቲ ቤት ጸሎት እዩ፣ ናብ ጐይታ የሱስ ብምምጻእ ኣብ እግሩ ወዲቑ ነታ ክትመውት ቀሪባ ዘላ ጓሉ ክፍውሰሉ ኣጽኒዑ ለመኖ፣እዛ ቖልዓ ክትፍወስ ዘይትኽእለሉ ግዜ እዩ ዝመስል ኔሩ፣ምኽንያቱ ጐይታ የሱስ ብባሕሪ ገሊላ ተጓዒዙ ኣብ ማሪቆስ 4።36 ከም ዘይምለስ ፈሊጢም ካልኦት ጀላቡ ምስኡ ነበራ ብዙሓት ሰባትውን ይስዕብዎ ኔሮም። ሃንደበት ብርቱዕ ማዕበል ምስ ተላዕሎም ባሕሪ ኣህዲኡ ዓቢ ተኣምራት ኮይኑ እዩ፣

 

ኣነ ከም ያኢሮስ እዚ ታሪኽ እንተዝነግሩኒ ምናልባት ቅሩብ ምተጸናናዕኩ እምበር ነቶም ብፍሉይ ዘገልግልዎ ጥራይ እዩ ክሕግዝ ዝኽእል ምኽንያቱ ኣብ ሉቃስ 8።40 እንተረኣና ከም ዝመጽእ ፈሊጦም ኣዝዮም ብዙሓት ህዝቢ ንጐይታ ይጽበይዎ ከም ዝነበሩ ይነግረና፣ያኢሮስ ሓደ ካብዚኦም እዩ። ንዑዑ ክግደሰሉ ኢዱ ኣንቢሩ ናብ ጓሉ ክኸይድ ዘይትጽበዮ ነገር እዩ፣ምናልባትውን ጓል ያኢሮስ ክትመውት ምኸኣለት ምኽንያቱ ጐይታ የሱስ ዝሓለፈን ኩለን ደቓይቕ ከበድቲ ብምንባረን ከድሕና ዝኽእል ኣይምተረኽበን፣

 

እንተ ኣስተውዒልናሉ ድሕሪ ማሪቆስ 5።2 እቲ ቀዳማይ ጐይታ ምስመጸ ሰላም ዝበሎ ያኢሮስ እዩ። ቀልጢፉ ሞት ዝቐረበት ጓሉ ንኸሕውየሉ ተምበርኪኹ ኣጽኒዑ ዝለመኖ ንሱ እዩ፣ማሪቆስ ጓሂ ናይቲ ኣቦን እቲ ኩነታትን ብዝርዝር ሰሪዑ ኣቐሚጡልና ኣሎ፣ጐይታ የሱስ ከይደንጐየ በቲ ህዝቢ ተዓጂቡ ናብታ ትመውት ዘላ ጓል ኣምሪሑ፣

 

ዘይተደልየ ሃንደበታዊ ምድኑጓይ

 

እቶም ዝስዕብዎም ዝነበሩ ብዙሓት ህዝቢ ንያኢሮስ ኣሸጊሮምን ብዙሕ ምድንጓይ ፈጢሮምሉን እዮም። ምኽንያቱ ገለ ሕቶ ይሓቱ።ገለ ፈውሲ ይልምኑ። ገለ ተኣምራት ይደልዩ። ስጋብታ ጐይታ ከይስዕብዎ ዝኸልከሎም ግዜ /ማሪ 5።37/ ንድሕሪት ክምለሱ ኣይደለዩን፣ኣብዚ ከም ኣንርእዮ እቲ ጸሓፋይ ካብቶም ብዙሓት ሰባት ኣብ መንጐ ናይታ ካብ 12 ዓመት ኣትሒዙ ደም ዝፈሳ ዝነበረት ሰበይቲ ጥራይ እዩ ጠቒሱ። ስቓያ በቲ ሕማም ጥራይ እንተዝኸውን ዘዛርብ ኣይምሃለዎን ንሳ ግና ‘' ብብዙሓት ሓኪማት ብዙሕ ተሰቀየት'' ይብለና፣ገለ ካብቲ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ኣገባብ ኣተሓኻኽማ ምስ እንርኢ።- ‘'ፕልኒስ ናቹራል ሂስትሪ'' ኣብቲ እዋን ትሑት ደረጃ ሕክምና ከምዝነበረ ኣብ ጽሑፉ ገሊጹ። ገለ ካብቲ ዝጠቐሶ።- ‘'ዓጽሚ ናይ ተኹላ ኣቃጺሎም ነቲ ሓምኹሽቲ ይጥቀምሉ። ናይ ዝተፈላለዩ ቀርኒ ርእሲ ኣንጭዋ ዓይኒ ናይ ዕንቅርቢት ባሕሪ ሓንጐል ንስሪ። ጸላም ከብዲ ዕንቅርዖብን ካልእን ኩርምትኻ እንተሓመምካ ብስጋ ፈረስ ከምትፍወስ ይሓስቡ፣ ሕማም ርእሲውን ኣፍንጫ በቕሊ ብምስዓም ከምትሓዊ ይኣምኑ፣

 

ካብ ጹሑፋት ኣይሁድውን ካልእ ኣገባብ ኣፈዋውሳ ተጻሒፉ ንረኽቦ፣ሕሩጭ ዝተሓወሶ ወይኒ። ሕዋስ  ናይ ጐማ ንጥረ ነገር ዘለዎ ኣዝርእቲ ጀርዲን ሽጉርቲ ኢራን ምስ ወይኒ ሓዊስካ ንምርግጋእ ዙረት ደም ሓሙኹሽቲ እንቖቕሖ ሰገን ኣብ ጨርቂ ብምስካም ንሃንደበታዊ ምንቅጥቃጥ ኣካላት ከም ዝፍውስ ይኣምኑ፣

 

ምስ'ዚ ኹሉ ጸርፊ ተሓዊስዎ እዛ ሰበይቲ ኣብ ከቢድ ጸቕጢ ናይቲ ሕብረተሰብ እያ ኔራ።። እዚ ዓይነት ሕማም ኣብ ኦሪት ዘለዋውያን 15።19 ተጠቒሱ ንረኽቦ። ርኽስቲ እያ ካብ 12+ ዓመታ ኣትሒዛ በዚ ርኽሰት እዚ ተመላሊሳ ቤት ኣምላኽ ክትከይድ ኣይከኣለትን። ኣቦ ዝኾነ ውራይ ወይ ኣኼባ ካልእውን እንተኾነ ምእንቲ ረኺሳ ከይተርክሶም ንጽልቲ እያ፣ኣብ በ  ልታ ከይተረፈ ንኽትፍለ ተገዲዳ እዚ ከይኣክል እዛ ምስኪን ሰበይቲ ኩሉ ገንዘባ ንሓካይም ከምዝወድኣቶ ማርቆስ ይነግረና፣ግናኸ ገደዳ እምበር ኣይሓሻን። በቃ ኩሉ ወዲኣ ካልእ ክትገብሮ ትኽእል ኣይነበራን፣

 

እዛ ስማ ዘይተጠቕሰት ሰበይቲ ከም ያኢሮስ ጐይታ የሱስ ናብ ቦትኦም ይመጽእ ከምዘሎ ሰሚዓ ብሓይሉ ንኽትድሕን ብዘይጥርጥር እያ ናብ ጐይታ ዝመጸት፣ንብዙሕ ዓመታት ተፈንፊናን ተነጺጋን እያ። ዝሓዘቶ ዘበለ ኩሉ እዩ ዝረክስ። ስለዚ ንጐይታ ከየርከሰትን ከየሸገረትን ብሕቡእ ክትፍወስ መሪጻ። ከይተፈልጠት ጫፍ ክዳኑ ምስ ተንከየት ብኡብኡ ዓይኒ ደማ ነቂጹ ተፈወሰት፣እምነታ ምስ ኣተሓሳሰባ ሽሑር /ማጂክ/ እቲ ሓይሉ ምስ ክዳኑ ምትእስሳር ከም ዘለዎ ተረዲኣ፣

 

ምስ ተፈወሰት ጐይታ ጠሚትዋ ክትሕባእ ስለ ዘይከኣለት ከተንቀጥቅጥ ጀሚራ፣ ጐይታ ንድሌትን ህንጡይነትን ያኢሮስ ብሓንሳብ ኣቋሪጽዎ ኩሉ እቲ ህዝቢውን ጸጥ ዝበለ ኮይኑ ይስምዓካ፣ኩሎም ነዛ ሰበይቲ እንታይ ከም ዝኾነትን እንታይ ኢሉ ከም ዝዛረባን ክፈልጡ ይጽበዩ፣ኣቐዲሙ መን እዩ ዝተንከፈኒ ምስ በሎም ግና ኣይኣመንዎን ኔሮም፣/ማርቆስ 5።30/

 

ደቀ መዛሙርቱ ከምዚ ዓይነት ሕቶ ምሕታቱ ዘየድልን ዘይከውን ዓሻ ሕቶ ኮይኑ ተሰምዖም፣እዚ ሓሳብ እዚ ኣብ ኩሎም እዩ ኔሩ፣ግናኸ ጴጥሮስ ጥራይ እዩ ተዛሪቡ፣ ‘'ኩሉ ክደፍኣካ ትርኢ ኣሎኻ ንስኻ ኸኣ መን'ዩ ዝተንከፈኒ ትብል?'' ማሪ 5።31 ወይ ሉቃስ 3፣45። ንጐይታ ኩሉ እዩ ዝደፍኦ።ዝትንክፎ። ዝጉንጾ ዘሎ፣ ከመይ ኢሉ ደኣሞ ከምዚ ዓይነት ሕቶ ዝሓትት ኢሎም ሓሰቡ፣

 

ኣብዚ ክንርድኦ ዘለና ጐይታ በቲ ዝኾነ ነገር ደንቆሮ ኣይኮነን። ስለ ዘይፈለጠ ኣይኮነን መን'ዩ ዝተንከፈኒ ኢሉ ዝሓተተ።። ከምቲ ንእሽተይ ወዲ ሜለ ወይ ካልእ ንብረት ሰሪቑ ከይተፈልጠ ዝኸይድ እዚ ተኣምራት እዚውን ከምኡ ክስረቕ ኣይኮነን፣ጐይታ ኩሉ ዝፈልጥ ኣምላኽ እዩ፣ነዛ ሰበይቲ ቅድሚ ቅድሚ ምፍዋሳ  ድሌታ ኩሉ ሽግራ ኣጸቢቑ ይፈልጦ ኔሩ፣እምነታ ርእዩ ኸኣ ሓይሊ ካብኡ ወጺኡ ክፍውሳ ኣፍቂዱ፣ስልምንታይ ግን ጐይታ ከምዚ ዓይነት ሕቶ ሓቲቱ። ካብኡ ዝገደደ ኸኣ ያኢሮስ ብህጹጽ እንዳደለዮ ከሎ ሕቶ ብምሕታት ዝደናጐ፣ ጐይታኮ ኣድላይነት ግዜ ኣጸቢቑ ይርድኦ እዩ፣

 

1-     ጐይታ የሱስ ክርስቶስ እንታይነት ናይታ ሰበይቲ ክፈልጥ ኣየድልዮን እዩ፣ማሪቆስ መን ምዃና ክፈልጥ ናብታ ሰበይቲ ቅሊሕ በለ ኣይኮነን ዝብለና። ግናኸ ‘' ነታ እዚ ዝገበረት ኪርኢ ድማ ግልጽ በለ''፣  ይብለና ማር 5።32

2-     እታ ሰበይቲ ናይ ፈውሲ ምስክርነታ ምእንቲ ክትህብ ኢሉ እዩ ጐይታ የሱስ ግዜ ዝሃባ /ዝደንጐየ/

ጐይታ የሱስ ደው ኢሉ ‘' መንዩ ክዳነይ ዝተንከየ'' ኢሉ እንተዘይሓቶም ነዚ ተኣምራት ምድሓን ጐይታ ነዛ ሰበይቲ ዝኾነ ሰብ ኣይምፈለጦን ኔሩ፣ኣዒንቲ ጐይታ ኣብኣ ዓሊበን ምስ ረኣየት ኩሉ ከም ዝፈልጥ ዝሕብኦ ነገር ከምዘየለ ፈሊጣ ካብኡ ወሲዳ ዘይኮነትስ ባዕሉ እዩ ፈውሲ ሂብዋ፣ስለዚ እቲ ኹሉ ሕማቕን ዘስካሕክሕን ታሪኻ ሓካይም ዘግደዱላ'ምበር ከሕውይዋ ዘይከኣሉ። ጐይታ የሱስ ከም ዝፈወሳ ኩሉ ታሪኻ መስኪራትሎም፣

 

3-     ኣረዳድኣኣ ምእንቲ ከጸብቕ ኢሉ እዩ ጐይታ ጠጠው ዝበለ

ዝኾነ ናይ ሽሑር ኣረዳድኣ ኣብዛ ሰበይቲ ምእንቲ ከይህሉ ጐይታ የሱስ ክዳኑ ስለ ዝተንከፈት ዘይኮነስ እምነታ ከም ዘድሓነታ እዩ ኣነጺሩላ። እምበር ንጐይታስ ኣቐዲሞም ብዙሓት ተንኪፈሞ እዮም። ገለ ካብኣቶም ንጐይታ ስለ ዝሓዘቶ እዚ ተኣምራት ዝኾነ መሲልዎም ክኸውን ይኽእል እዩ፣ግናኸ እቲ ምስ ጐይታ የሱስ ብእምነት ዝነበራ ሕብረት እዩ ምልእቲ ጌርዋን ኣድሒንዋን፣

 

4-     ምናልባት ጐይታ ነዛ ሰበይቲ ከም ዝነጽሀት ኣብ ቅድሚ እቲ ኹሉ ህዝቢ ከግህዳ ደልዩ ይኸውን። ስለዚ ድሕሪ ሕጂ ርኽስቲ ተባሂላ ትንጸገሉ ምኽንያት የብላን፣

5-     እቲ ዝበለጸ ዓቢ ኣገዳስነት ዘለዎ ኸኣ ኣብታ ዝሓመመት ሰበይቲ ዘይኮነስ እብታ ዝሞተት ጓሉ እምነት ያኢሮስ ምእንቲ ክትዓቢ እዩ፣

 

እዛ ሰበይቲ ነገራ ኹሉ ኣዘንትያ ምስ ተኣመነት ጐይታ ‘'ጓለይ እምነትኪ ኣድሓነትኪ ብሰላም ኪዲ ካብ ሓማምኪውን ጥዓይ'' ማር5።34 ብምባል እዩ ኣፋንዩዋ፣

 

ደቀ መዛሙርቱ ብምድንጓዩ ቅር እንተበሎም ። ያኢሮስውን ጓሉ ንኸይትመውት እንተተሃወኸ ።እቲ ካብ ስንጭሮ ጎቦ ክፈጥር ዝኽእል ኣምላኽ ነዛ ሰበይቲ ሸለል ኣይበለን፣ይዝከረኒ ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ኣደይ ብጽኑዕ ተጐዲኣ ብዙሕ ደም ፈሲስዋ፣ ስለዚ ተቐላጢፈ ነደይ ምእንቲ ክትሕከም ተሰኪመ ብመኪና ናብ ሕክምና ክወስዳ ከምዘለኒ እየ ዝሓስብ፣ነርስ ረኺበ ቅጥዒ ክመልእ መመዝገቢ ካርዳ ከውጽእ ከምዘሎኒ እያ ትሓስብ። ንኣምላኽ ግና ከመይ ጌርካ ተቀላጥፎ?

 

ንያኢሮስ ጓልካ ሞይታ ዝብል መልእኽቲ ምስ መጾ ያኢሮስ ኩሉ ነገሩ ተወዲኡ ከም ዝፍለጥ ኣብቲ ግዜቲ ይኹን ኣብዚ እዋን ‘' ህይወት እንተሎ ምናልባት ተስፋ ኣሎ'' ኢልና ኢና እንሓስብ። ኣብዚ ከም እንርእዮ ግና ኩሉ ኣቲ ተስፋ በኒኑ ኣነ ምስ በዓልቲ ቤተይ እቲ ሓደ ሕቋፍ ወድና ዝሞተላ ለይቲ ዝነበረና ብርቱዕ ጓሂ ይዝክር፣ኣብ ናይ ቆልዓ ዓራት ኣብ ጥቓና እዩ ኔሩ። ሞይቱ ።ህይወት የብሉን ተስፋ የለን። ተወዲኡ ያኢሮስውን ካብዚ ዘይፍለ እዩ ተሰሚዕዎ፣ኩሉ ጩራ ተስፋኡ በዚ ሓበሬታ ከም ዝጠፍእ ፈሊጡ። ጐይታ መልእኽቶም ነጺጉ ‘'እመን ደኣምበር ኣይትፍራሕ'' /ማር 5።36/ ብምባል ኣተባቢዕዎ፣እምነት ያኢሮስ ትጐድል ብምንባራ ብእምነቱ ጓሉ ስለእትትንስእ ህይወት እንተሎ ተስፋ ኣሎ፣ኣብ ኣምላኽ ግና ዋላ ሞት ይሃሉ ተስፋ ከምዘሎ ክኣምን ይግባእ፣

 

ነቲ ህዝቢ ምስ ደቀመዛሙርቱ ገዲፉ ምስቶም ሰለስተ ናብ ውሽጢ እታ ዝሞተት ጓል ዘላቶ ክፍሊ ኣምሪሑ ።።ብዙሓት ይበኽዩ የልቅሱ ዓቢ ሓዘን ኔሩ፣ጐይታ ኣይትብከዩ ደቂሳ እያ ዘላ እምበር ኣይሞተትን በሎም። ደቂሳ እያ ዘላ ክብል ከሎ ኣይሞተትን ዘላ ማለቱ ኣይኮነን። ሞት ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ዝኣትው ሰባት ግደ ወይ ቀዋምነት ስለ ዘይብሉ እዩ፣ንግዚኡ ጥራይ እዩ ዝጸንሕ። ጐይታ ህይወት ስለ ዝመጸ ግና ነዛ ጓል ሞት ኣጽኒዑ ክሕዛ ኣይክእልን እዩ፣

 

እቶም ክኢላታት ኣልቀስቲ ንጐይታ ኣእምሮኡ ስሒቱ ወይ ጥዑይ ኣይኮነን ኢሎም ብሰሓቖም ኣሽካዕለልሉን ኣላገጽሉን። ምኽንያቱ ከም ዝሞተት ብዓይኖም ርእዮማ እዮም፣ንሓይሊ ኣምላኽ ከምዚ ዓይነት ዘይኣምን ምስክር ስለዘየድልዮ ደገ ኣጽኒሕዎም፣ምስቶም ሰለስተ ጴጥሮስን። ያቆብን። ዮውሃንስን ምስ ወለዳን ጥራይ እዩ ናብታ ስጋ እታ ጓል ተጋዲምሉ ዝነበረ ክፍሊ ዝኣተው፣

 

ብድሕሪኡ ዝሰዓቦ ኣዝዩ ደስ ዘብልን ምቹእን እዩ፣ጐይታ ብክልተ ልስሉስ ድምጺ ተዛሪቡ ብኢዳ ሒዙ ኣተንሲእዋ። ክትዘውር ጀሚራ፣ ‘'ኤርል'' ዝበሃል ናይ ዓዲ እንግሊዝ ጸሓፋይ ብዛዕባ'ዚ ክገልጽ ከሎ ጐይታ እተን ‘'ብቋንቋ እብራይስጢ'' ዝተዛረበን ቃላት ከምቲ ልሙድ መዓልታዊ ንግሆ ኣደ እታ ቖልዓ ንጓላ ትዛረቦ ጥዑም ቃላት እዩ፣ኣብ መወዳእታ በዚ ተኣምራት'ዚ ዓቢ ምግራም ኾይኑ፣

 

እዚ ዓቢ ጐይታ ህይወትን ሞትን ነዞም ዓቢ ሓጐስ ዝተሓጐሱ ወለዳ ክልተ ትእዛዝ ኣዚዝዎም፣ቀዳማይ /1ይ/ ብዛዕባ እዚ ተኣምራትዚ ንወላ ሓደ ሰብ ከይነግሩ ኣብ ኣፍ ደገ ኣብ ካንሸሎ ዘሎ ህዝቢ ካብ ሞት ምትንሳኣ ምፍላጦም ዘይተርፍ እዩ፣ከም ዝተንሰአት ዘይኮነስ ንክፍውሳ ዝተጠቕመሉ መስርሕ ንኸይነግሩ እዩ ኣዚዝዎም፣ ስለዚ ወለዳ ስጋብታ ጐይታ ዝዓርግ እዚ ምስጢር ዝነገሩ ኣይመስለንን፣እቲ ካልኣይ /2ይ/ ትእዛዝ ከኣ ነዛ ቖልዓ ዝብላዕ ንኽህብዋ እዩ፣ጐይታ ብዛዕባ ተፈጥሮና ኣጸቢቑ እዩ ዝርዳእ፣እዚ መለኮታዊ ተኣምራት ነዛ ቖልዓ ከጽግባ ስለ ዘይክእል መግቢ ወይ ዝብላዕ ንኽህብዋ ኣዚዝዎም፣

 

መ ደ ም ደ ም ታ

ትንታነ ናይዚ ታሪኽ

 

ቀንዲ ዕላማ ማርቆስ ነዚ ኣብ ሞንጐ ሞንጐ ዝተፈጸመ ሃንደበታዊ ኣጋጣሚታት ዝጸሓፈሉ ምኽንያት የሱስ ልኡኽ እግዚኣብሄር ንእስራኤላውያን ወይ መሲሕ ኣምላኽ ምዃኑ ምእንቲ ከግህድ እዩ ደልዩ ኢለ ይኣምን፣ንኹሉ ምዕራፍ 4ን ምዕራፍ 5ን እንተርኢና እተን ዝተፈጸማ ኣርባዕተ ዓበይቲ ተኣምራት የሱስ መሲሕ ጥራይ ዘይኮነስ ጐይታ ኹሉ ምዃኑ ንርኢ፣ማዕበላት ብምህድኡ ጐይታ ኹሉ ተፈጥሮ ምዃኑ ንርኢ፣ለጌዎን ዝነበርዎ ሰብኣይ ብምንጋፉ ኣብ ልዕሊ ሰይጣንን ኣጋንንትን ጐይታ ምዃኑ ንርኢ፣ኣብታ ደም ዛሕዛሕ ዝብላ ዝነበረት ሰበይትን ካብ ሞት ዝተንስኣት ጓል ያኢሮስን ከም ዘንበብናዮ የሱስ ኣብ ልዕሊ ሕማምን ሞትንውን ጐይታ ምዃኑ ንርኢ፣

 

ኣብዘን ዝረኣናየን ዝተፈላለያ ኩነታት ኩሎም ተስፋ ቖሪጾም ካብ ማንም ሓገዝ ክረኽቡ ከምዘይከኣሉ ምጥቃስ ኣገዳሲ እዩ፣ማዕበል ነቶም ተመክሮ ዘለዎም ክኢላታት ባሕሪ ኣጨኒቕዎም። ነቲ ኣጋንንቲ ዝነበሮ ክቆጻጸሮን ከድሕኖን ዝኽእል ኣይነበረን፣ነታ ደም ዛሕዛሕ ዝብላ ዝነበረት ሰበይቲ ካብ 12 ዓመታ ኣትሒዞም ዝተፈላለዩ ብዙሓት ሓካይም እኳ እንተረኣይዋ ገደዳ'ምበር ኣይጠቐማን፣ጓል ያኢሮስ ሓሚማ ክትሓዊ ሞይታ ክትትንስእ ኣይከኣለትን፣ኣብቲ ናይ መወዳእታ ተስፋ ዘቑርጽ ኩነታት ሰባት ንጐይታ የሱስ እንተጸውዕዎ ፈውስን ምንጋፍን ምድሓንን ይኾነሎም፣

 

ማርቆስ ንጐይታ ኩሉ ሰብኣውነቱ ገሊጽዎ እዩ፣ሓይሊ ጐይታ የሱስ ጥራይ ኣይኮነን ጽሒፉ፣ኣብዚ ጽሑፍ ኣምላኽ ኣዝዩ ዓቢ ሓይሊ ዝመልኦ ሓያል ምዃኑ ጥራይ ኣይኮንናን ነንብብ፣ ብሓቂ ንሱ ዓቢ ድንጋጸ ዝተመልአ ለዋህን ርህሩህን እዩ፣ቀልጢፉ ስቓይን ሽግርን ሰባት ይርዳእን ይሓልን። ምግሃድ መንግስቲ ኣምላኽ ምውታት ምትንሳእ ጥራይ ኣይኮነን ዝግደስ፣ሓሚምካ ከሎኻ መግቢ ብዘይ ምብላዕካ ዘሕለፍካየን ግዝያት ይስምዖ እዩ፣

እቶም ንገዛእ ርእስና ኣገልገልቲ ኣምላኽ ምዃንና ንቖጽራ ዕላማና ኣብ ለውሃት ኣምላኽ ዝተሞርከሰ ክኸውን ኣለዎ፣ንሰባት ብዛዕባ ዓስቢ ሓጥያት ሳዕቤን ምስኣን ክብሪ ኣምላኽ ብጐይታ የሱስ ብዘይ ምእማንካ ዝወርደካ ዘልኣለማዊ መቕጻዕቲ ክንእውጅን ክንምህርን እኳ ይግብኣና እንተኾነ: ከምቲ ሃዋርያ ጻውሎስ ኣብ ሮሜ 11።22 ‘'እምበኣርሲ ናይ ኣምላክ ለውሃትን ጭከናን ተመልከት.......'' ኢሉ ገሊጽዎ ዘሎ ንጐይታ ብኹሉ መልክዑ እቲ ዓቢ ለውሃቱውን ከነግህዶ ይግብኣና እዩ፣ኣብዚ ምዕራፍ 4ን 5ን ማሪቆስ ብከምኡ እዩ ኣነጺርዎ ዘሎ፣

 

ኣካይዳ መስርሕ

 

ናብ ጐይታ የሱስ ክርስቶስ ብእምነት ዘይመጻኹም ዘሎኹም ኣብዚ ዝረኣናዮ ሃንደበት ዘጋጥም ዝነበረ ተኣምራት መምርሒ ከድልየኩም እዩ፣ ምናልባት ከምቲ እኩብ ህዝቢ ምስ ጐይታ ተደፊእኩም ክትኮኑ ትኽእሉ ኢኹም፣ናብኡ ብእምነት ክሳብ ዘይመጻኹም ግና ዝጠቅም የብሉን፣ምናልባት መጽሓፍ ቅዱስ ንብዙሕ ግዜ ኣንቢብክሞን ሰሚዕክሞን ክትኮኑ ትኽእሉ ኢኹም፣ከምቲ ሃዋርያ ያቆብ ኣብ/2።19/ ‘' ኣጋንንቲውን ይኣምኑ እዮም......'' ዝብለና ናይዛ ሰበይቲ ፍሉይነት ደኣ እንታይ እዩ ምፍዋሳ ብገዛእ ርእሳ ንህይወታ ክትሕግዛ ወይ ክትገብሮ ትኽእል ፍጹም ከም ዘየለ ተረዲኣ። እንኮ ተስፋኣ የሱስ ጥራይ ምዃኑ ኣሚና ናብኡ ጠሚታ፣ንምድሓንካ ዘበርከትካዮ እንታይ ኣሎካ፣ምስ ጐይታ ክትዛረብ ወይ ክትጽሊ ከለኻ ብገዛእ ርእስኻ ክትገብሮ ትኽእል ከምዘየለ ኣስተውዒልካ ከምታ ሰበይቲ ጐይታ ነቲ ዘይተኻእለካ ምእንቲ ክህበካ ናብኡ ክትጥምት እዩ ዚግብኣካ፣

ጐይታ የሱስ ኣብ ምድሪ ምስ መጸ ብዘይ ሓጥያት ፍጹም ኮይኑ እዩ ተመላሊሱ።። ስለዚ ብሓጥያቱ ዘይኮነስ ምእንቲ ሓጥያትና ኣብ መስቀል ክስቀል ብቑዕ ኮይኑ ተረኺቡ፣ /2ቆሮንጦስ 5።21/ ‘'ንሕና ብእኡ ጽድቂ ኣምላኽ ምእንቲ ኽንከውን ነቲ ሓጥያት ዘይፈለጠ ኣብ ክንዳና ሓጥያት ገበሮ፣ነታ ሰበይቲ እምነታ ከም ዘሕወየታ ንሱ ጥራይ እዩ ከድሕነካ ዝኽእል፣

እዛ ካብ ሞት ዝተንስአት ጓል ምስቲ ‘'ህይወት እንተሎ ተስፋ ኣሎ'' ዝብል ብሂል ዘይሰማማዕ ይመስል።።ኣብ ምድሓን እንተመጺኻውን ከምኡ ኣይኮነን።። ዝኾነ ሰብ ንኽድሕን ዝሰርሖ ስራሕ የብሉን፣ዝኾነ ግብሪ እንተገበርካ ተስፋ ቖሪጽካ ኢኻ ትተርፍ ስለዚ ኣብ ምድሓን ‘' ኣብቲ ሞት ዘለዎ ኣብኡ ተስፋ ኣሎ፣'' ዝብል ሓሳብ እዩ ዝኽተል።እዚ ምስናይ ጳውሎስ ኣረኣእያ ይሰማማዕ እዩ፣ኣብ ኤፌሶን 2።1-2 ‘'...ብበደልኩምን ኣበሳኹምን ምውታት ዝነበርኩም፣'' ይብል በዚ ምኽንያት ናብ ጐይታ የሱስ ክንጥምት ጥራይ እዩ ዘለና። ንሱ ንበይኑ እዩ። ኣብ በደልካን ሓጥያትካን ዘድሕነካ ናብ ኣምላኽ ክትምለስ ጸግኡ የብዝሓልካ፣

 

ከም ክርስትያን ካብዚ እንመሃሮ ኣንተሎ ጸሊና መልሲ ኣብ ዘይመጸልና ሰዓት ኣምላኽ ስለዘይተገደሰልናን ዘይተቐበለናን ኮይኑ ዘይኮነስ እዚ ምድንጓይ መለኮታዊ ሓይሊ ንጽቡቕና ብዕላማ ኣምላኻ እዩ ኮይኑ፣ኣልኣዛር ከም እንርእዩ ጐይታ የሱስ ምሕማሙ ኣቐዲሙ ፈሊጡ እኳ እንተነበረ ኣብኡ ኣጸቢቑ ክብሪ ኣምላኽን ዕላሙኡን ምእንቲ ክገሃድ ኣብቲ ዝነበሮ ቦታ ጸኒሑ። ዓቢ ምግራም ከኣ ኮይኑ ብዙሓትውን ብእኡ ኣሚኖም፣ኩሉ ዘድልየና ብቕልጡፍ ይርድኣልና እዩ፣ኣጸቢቕና ምእንቲ ክንኣምንን። ክብሪ ኣምላኽ ክግሃድን እዩ ዝኾነ፣እምበኣር እቲ ሃንደበት ዘጋጥም ዕላም ኣምላኽ ደስ ዘብልዩ። ንሓቅነት ሮሜ 8።28 ከኣ የጉልሕ፣

 

‘' ነቶም ንኣምላኽ ዘፍቅሩ: ከም ምኽሩውን እንተጸውዑ ግና ኩሉ ንሰናይ ከም ዚድግፎም ንፈልጥ ኢና፣''

 

ሮሜ 8።28