25
Thu, Apr
0 New Articles

ሰይጣን መገላግልቱ ኣይርስዕን እዩ። ሉቃ11፣ 24-26

Message 3
Typography
የሱስ ነቶም ተኣኪቦም ዝነበሩ ከምዚ ኢሉ ክምህሮም ጀመረ። ርኹስ መንፈስ ካብ ሰብ ምስ ወጸ፣ ዘዕርፈሉ ደልዩ ኣብ ብዘሎ በረኻን ምድረ በዳን ኰለል ይብል። ዘዕርፈሉ ምስ ሰኣነ ግና፣ እስኪ ናብታ ዝነበርክዋ ክምለስ ምናልባት ጥራያ ትጸንሓኒ ትኸውን ይብል። ምስ ተመልሰ ድማ ተዀስቲራን ተሰሊማን ትጸንሖ። እቲ ርኹስ መንፈስ ድማ ካብኡ ዝገዱ ሸውዓተ ሒዙ ይምልርስ እሞ ተመሊሱ ይሓድራ። ነታ ነፍሲ ድማ ካብቲ ቀዳማያ እቲ ዳሕራያ ዝገደደ ከም ዝኸውን ይነግር። ኣብዚ ሓሳብ እቲ ርኹስ መንፈስ ከመይ ኢሉ ወጺኡ? ምስ ወጸ እንታይ ክግበር ነይርዎ? “ተዀስቲራን ተሰሊማን” እንታይ ማለት እዩ? ርኹስ መንፈስ ኣበይ እዩ ዝሓድር? ኣብ ኣማኒ ክሓድር ይኽእል ድዩ? ዝብልን ካልእን ዝኣመሰለ ሕቶ ክምለስ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ብዙሓት’ውን ኣዛራቢ ነጥቢ ዀይኑ እዩ። ኣብዚ ጽሑፍ ግና ብፍልይ ዝበለ፣ ሰይጣን ንመንግስቱ ክብል ዝወስዶ ስጉምቲ ክንምልከት ኢና።

 

 
ኣብዚ ታሪኽ ከም እንነቦ፣ እቲ ርኹስ መንፈስ ናብታ ዝመጸላ ምስ ተመልሰ እሞ ጥራያ ተዀስቲራ ምስ ጸንሓቶ፣ ተመሊሱ ንበይኑ ኣይኣተዋን። ተመሊሱ ባዕሉ ጥራይ ዘይምስፋሩ ዘገርምን ክትሓስብ ዝድርኽ ውሳኔ እዩ። ካብኡ ዝገዱ ደኣ ሒዙ መጸ። ካብኡ ዝገዱ ከምጽእ ዝደረዀ እንታይ ኰን ይኸውን? ኣብዚ ታሪኽ ንጹር ኣይተጻሕፈን። ሓደ ነገር ርዱእ እዩ። ንሱ ካብኣ ምውጽኡ፣ ነታ ንሱ ዘገልግላ መንግስቲ ክሳራ እዩ ነይሩ። ኣብ መንግስቱ ስንፈት ኰይኑ ኣሎ ማለት እዩ። ንመንግስቱ ጽቡቅ ወረ ኣይኰነን። ሓዘን ዝዀነሉ መዓልቲ እዩ። እታ ነፍሲ ካብ ትሕቲ ግዝኣቶም ኣምሊጣ ሓራ ምኻና ዓቢ ናይ ስዕረት ዜና እዩ። ስለ ዝዀነ ምስ ተመልሰ፣ ከምቲ ቀዳማይ ግዜ እንደገና ውርደት መታን ከይከውን፣ ካብኡ ዝገዱ ካልኦት ከም ዘምጸአ፣ ኣብታ ነፍሲ ዝነበሮም ግዝኣት ድማ መሊሶም ከም ዘደልደሉ ርዱእ እዩ። ካብኡ ዝገዱ ክብል ከሎ፣ እቲ ርኹስ መንፈስ ዓቅሙን ሓይሉን ዝተረድአ ይመስል። ኣነ ጥራይ እንተተመሊሰያ፣ ከምቲ ቀዳማይ ግዜ ክንሰዓር ይከኣል እዩ። ኣነ ባዕለይ ኣይበለን። ክብረት ርእሱ ጥራይ ኣይሓሰበን። በዓል እገለ ክዕበዩለይ፣ ኣብ ቅድሚኦም ትሒተ ክርአ ኣይበለን። ብኣንጻሩ ብዓል እገለ ካባይ ስለ ዝሕይሉን ዝገዱን፣ ንዐኦም እንተኣምጻኹዎም እዩ ዝሓይሽ ዝበለ ይመስል።
 
ቅዱሳት መላእኽቲ ኰነ ርኹሳት መላእኽቲ ኣሰራርሓ መንግስቲ ኣጸቢቁ ይርድኦም እዮ። ብማዕረግን ስልጣንን ዝቆሙ ስለ ዝዀኑ፣ ማዕረጎም ዝፈለጡ ንምምእዛዝ ድማ ኩሉ ግዜ ድልዋት እዮም። ስለ ዝዀነ ኣብ ንሓድሕዶም ምድፍፋእን ምውድዳርን የለን። ኣብ ወንጌል ሉቃስ 8፣30 የሱስ ነቲ ርኹስ መንፈስ መን እዩ ስምካ ምስ በሎ፣ “ለጌዎን” በሎ፣ ትርጉሙ ከኣ “ጭፍራ” ማለት እዩ። ብስልጣንን ብማዕረግን ዝተወደበ ዓቢ ሰራዊት ማለት እዩ። ንሓድሕዶም ንምግዝዛእ ማዕረጎም ዝፈለጡ ስለ ዝዀኑ፣ ዕርድታቶም ኣዝዩ ድልዱል ነበረ። ንሓድሕዳ ዝተፈላለየት መንግስቲ ከም ዘይትቀውም ይርድኦም እዩ። ስለታ ዘገልግልዋ መንግስቲ ዝዀነ ዋጋ ክኸፍሉ ድልዋት እዩም። የሱስ ምምላስ ናይቲ ርኹስ መንፈስ ምስላ ቅድሚ ምንጋሩ፣ ኣቀዲሙ ንሓድሕዳ ዝተፈላለየት መንግስቲ ክትቀውም ከም ዘይትኽእል ነገሮም። እዚ ዝበሎም ድማ “ነጋንንቲ ብብኤል ዜቡል የውጽኦም ኣሎ” ስለ ዝበልዎ እዮ። ቀጺሉ እዚ ታሪኽ ምንጋሩ ድማ፣ ኣብ ኣገልገልቲ ጸልማት ዘሎ ጥምረት ክነግሮም ስለ ዝደለየ እዩ። እወ ንመንግስቱ “ርኹስ መንፈስ መገላግልቱ ኣይርስዕን እዩ”።
 
ናይ እ/ሔር መንግስቲ ኣብዛ ምድሪ መታን ክተከልን ከትስፋሕፍሕን፣  የሱስ ብደሙ ዘጥረያ ንሱ ጥራይ ዝውንና “ኤክለሽያ” ማለት “ማሕበር” ኣብዛ ምድሪ ተኺሉ (ግብ20)። ናይዛ ማሕበር ኣምላኽ ዕላማ ድማ ንጹር እዩ። ከምቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማያት ከምኡ ድማ ኣብዛ ምድሪ ኽትገዝእ ንምግባር እዩ። ስለዚ ድማ’ዩ የሱስ ንጴጥሮስ ፣ “ንማሕበረይ ኣብዚ ኸውሒ ክስርታ እየ፣ ደጌታት ሲኦል ድማ ኣይክሕይልዋን እዩም” ብምባል ንማሕበሩ ዝሃባ ስልጣን እተዛረቦ። ኪዱ ልዕሊ ተመንን ዕንቅርዕቢትን ክትረግጹ ስልጣን ሂበኩም ኣለኹ ድማ በሎም (ሉቃ10)። እዚ ድማ ምስቲ እ/ሔር ኣብ ፍጥረት ንኣዳም ዝሃቦ ዕላማ ይሰማማዕ። ከም መልክዑን ከም ምስሉን ጌሩ ንሰብ ምስ ፈጠሮ፣ ንምድሪ ክገዝኣን ክሕልዋን ኢሉ ኣብ ምድሪ ኣቀመጦ። ኣብ የዕዋፍ ሰማይን ዓሳታት ባሕርን እንስሳታትን ለመም ኣብ ዝብሉ ኩሉ ክገዝእ ስልጣን ሃቦ። ናይ ኣምላኽ ሓሳብ ኣይተለወጠን”። ንምታይ ግና ኣብዛ ምድሪ ንዝብል ሕቶ ንምምላስ፣ ዝተበላሸወት ምድሪ ደኣ እምበር ሰማይ ኣይኰነን (ዘፍ1፣1-2)። ነታ ብምኽንያት ምውዳቕ ሰይጣን ዝተበላሸውት ምድሪ እንደገና መታን ክመልኣን ክመልካን ኢሉ ንሰብ ኣብ ምድሪ ኣቀመጦ። እዚ ዘልኣለማዊ ሓሳብ ኣምላኽ ብምኽንያት ውድቀት ሰብ እኳ ተደጊጒሉ እንተነብረ፣ ብሞትን ትንስኤን ክርስቶስ የሱስ ግና እንደገና ንማሕበሩ ዓዲልዋ እዩ።
ሰይጣን’ውን እዚ ስለ ዝፈለጠ ንማሕበር ኣምላኽ ብረቂቅ ክዋግኣ ጸኒሑ ኣሎ ይዋግኣውን ኣሎ። ማሕበር ክርስቶስ ከምቲ ዝግብኣ ኰይና መታን ደው ከይትብ ብዝተፈላለየ መገዲ ንጠመተኣ ክዕዝሞ ይጋደል ኣሎ። ስለዚ እቶም ናይ ኣምላኽ ሰራዊት፣ ጸላኢ መታን ከይብለጸሎም ውዲቱ ክስሕትዎ የብሎምን። እቲ ሰይጣን ኣብ ማሕበር ኣምላኽ ኣስሉኽ ኣቢሉ ዘእትዎ ውዲት ድማ “ምፍልላይ” እዩ። ንማሕበር ኣምላኽ ክገጥማ ከም ዘይክእል ሰይጣን ኣጸቢቁ ይፈልጥ እዩ ምኽንያቱ ኣብቲ ጽኑዕ ከውሒ ስለ ዘሰረተትን የሱስ ድማ ንጉሳ ስለ ዝዀነ። ንሓይላ ክዳኽሞ ዝኽእለሉ መገደ ሓደ፣ ኣብቶም ናይ ሓድሽ ኪዳን ኣግልገልት ኣስሉኽ ኣቢሉ ምፍልልይን ምውድዳርን ብምእታው እዩ። እዚ ድማ ኣንጻር እቲ ኣምላኽ ኣብ ኣካሉ ዝረኣዩ ስርዓት እዩ። የሱስ ነቲ ናቱ ኣካል ንሱ ከም ዝደለዮ ገይሩ ብምቋም ነናቱ ዝዀነ ሓላፍነትን ስራሕን ሰርዓሉ። ሓደ ኣካል ነቲ ሓደ ኣይተድልየኒን ኢኳ ብምባል፣ ወይ’ውን ዘይግብኦን ዘይተሰርዓሉን ስራሕ ክሰርሕ እንተፈቲኑ፣ እቲ ኣካል ዝቀመሉ ዕላማ ከም ዝግባእ ክፍጽም ኣይክእልን እዩ (1ቆሮ12)።
 
ስም ኣምላኽ ዝተሰከምና ዘበልና ናይ ኣምላኽ ኣጀንዳ ኣብዛ ምድሪ ኩውን ንምግባር  ኣምላኽ ዝጠልቦ ዘበለ ክንገብር ኩሉ ግዜ ድልዋት ክንከውን ኣለና። ናይ ገዛእ ርእስናን ናይ ሰብ ኣጀንዳ ምትግባር ኣቋሪጽና፣ ንንናይ ኣምላኽ ኣጀንዳ ገዛእ ርእስና ክንህብ ይግብኣና። ከምቲ ንሃዋርያት ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ናባታቶም ቅድሚ ምውራዱ ዝነበሮም፣ ኣነ’ዶ ይዓቢ ዝብል ዓለማዊ ናይ ምውድዳር መንፈስ ክገዝኣና የብሉን። ንገዛእ ርእሱ ዘይነብር፣ ብልጠትን ብጸጋን ንዝዓብዮን ካብኡ ንዝሓይሽ ሓዉ ከቀድምን ከሕልፍን ይቀሎ እዩ። ብዝሓሸ ምርዳእ ክምህር፣ ሰባት ክኣሊ፣ ክዝምር፣ ክምዕድ ንዝኽእልን ብቅዓት ንዘለዎን ኣሕሊፉ ዝህብ፣ ብሓቂ ኣሰራርሓ መንግስቲ ዝተረድኦ፣ ንገዛእ ርእሱ ዘይኰነ ንሓሳብ ኣምላኽ ዝነብር ብሩኽ ናይ ኣምላኽ ሰራዊት እዩ። ባዕለይ ጥራይ፣ ዝሓዝክዎ ኣይገድፎን፣ ኣነ ጥራይ እየ ዝገብሮ በሃላይ ግና ንትምኒት ርእሱ ዝነብር ስለ ዝዀነ ፍሪኡ ሑደት እዩ። እቲ ርኹስ መንፈስ ንመንግስቲ ጸልማት ኢሉ ካብኡ ዝገዱ ከምጽእ ምኽሪ እንተረኺቡ፣ እቶም ኣገልገልቲ ጽድቂ ግዳይ ክሳብ ክንደይ ንሓድሕዶም ንስኻ ትሓይሽ ክብሉ ዘይግብኦም። ስለ መንግስቲ ኣምላኽ፣ ንስኻ ሕለፍ ምባል ብጽሕና እዩ። ሃዋርያ ጳውልስ’ውን እንተዀነ “በቲ ዝተዋህበና መስፈር እምነት ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ብትኽኽል ንሕሰብ” ኢሉ ኣሎ(ሮሜ12፣3)።