24
Wed, Apr
0 New Articles

መልእኽትና ኣብዚ መወዳእታ ዓመት

Message 3
Typography

ምኽፋት መንፈሳዊ የዒንቲ፣

ቡዙሕ ግዜ ሓደ ብተደጋጋሚ እንሰምዖ ዘረባ ኣሎ እዩ፣ ንሱ ኸኣ ምዕባለ ሰብ ብመጠን እቲ ዝርእዮ እዩ ዝምዘን ዝብል እዩ። ሓቂ እዩ በመጠን እቲ ኣርሒቕካ ዝረኣኻዮ ጐደና ኢኻ ንምጉዓዝ እትኽእል። ኣብ ሎሚ ኰይኑ ንዝመጽእ ዘቛምት ሰብ ዳርጋ ፍርቂ ዓወት ተዓዊቱ ኣሎ ተበልና ኣየጋነናን። ቡዙሓት ተዓዊቶም ዝሓለፉ እቶም ብዛዕባ መጻኢኦም ብዝግባእ ርእዮም ነቲ ዝረኣይዎ ክበጽሕዎ ዝተጋደሉ ሰባት እዮም። ሰብ ኣብ ዘመን ህይወቱ ዝተፈላለየ ዓይነት ኣርኣእያ ክርኢ ይኽእል እዩ። ገለ ናይ ሩሑቕ ገለ ኸኣ ናይ ቀረባ። ገለ ምርኣይ ኣብዛ ምድሪ ገለ ኸኣ ምርኣይ ነቲ ሰማያዊ። ሎሚ እንታይ ንርኢ ኣሎና።


ኣምላኽ ነቶም ናቱ ዝዀና ኣብ ወገኑ ኸኣ ተሰሊፍና ግደ መንግስቲ ኣምላኽ ዝረኸብና ሰባት ክንርእዮ ዝደልየና ነገር ኣሎ። ነቲ ኣምላኽ ክንርእዮ ዝደለየና ኹሉ ኩቡር ቡሉጽ ዘልኣለማውነት ዘለዎ ዓቢ ነገር እዩ። ነቲ ኣምላኽ ዘዳለዎ ንምርኣይ ግና ዝርእያ የዒንት ክህልዋና ኣለዎን። እዚ ሕጂ ምርኣይ ኢልና ንዛረበሉ ዘሎና ነጥቢ ካብቲ ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታትና እንርእዮ ናይ ስጋ ምርኣይ ዝተፈልየ እዩ። ከምቲ ንስጋዊ ነገር ንምርኣይ ኩፍታትን ጡዑያትን ስጋዊ የዕንቲ ዘድልየና ከምኡ ኸኣ ነቲ መንፈሳዊ ነገር ንምርኣይ ክፍታትን ብመንፈስ ቁዱስ ዝተኻሕላ መንፈሳውያን የዒንቲ የድልያና።

ኣምላኽ ወትሩን ብተደጋጋሚ ዝሓቶ ሕቶ እንተ ኣሎ ዀይኑ እንታይ ትርኢ ኣሎኻ ዝብል እዩ። እዚ ሕቶ እዚ ንብዙሓት ናይ ኣምላኽ ስባት ቀሪብሎም እዩ። ካብቶም እዚ ሕቶ ቐሪብሎም ብዝግባእ ዝመለሱ ኸኣ ሓደ ነቢይ ኤርምያስ እዩ። እቲ ቓል ክዛረበና ከሎ ከምዚ ይብል “ድሕሪ እዚውን ኣታ ኤርምያስ እንታይ ትርኢ ኣሎኻ? ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መጸ። ኣነ ድማ ጨንፈር ኦም ለውዚ እርኢ ኣለኹ፣ በልኩ። እግዚኣብሄር ከኣ፣ ንቓለይ ክተግሃሉን ከም ዚፍጸም ክገብሮን እየ እሞ ጹቡቕ ርኢኻ፣ በለኒ” ኤር 1፣12 እወ ነቲ ብግዚኡ ዝፍጸም ሰናይ ናይ እግዚኣብሄር ስራሕ ምስትውዓል ዝክእል እቲ መንፈሳዊ የዒንቱ ዝተኸፍተሉ ባርያ ኣምላኽ ጥራይ እዩ።

እዚ ዘለናዮ ዘመን ኣብ ቡዙሕ መንፈሳዊ ምድንጋር ዝኣተናሉ እዋን እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ በተን ኩፉታት ስጋዊ የዒንትና እናተመላለስና ነቲ ኣምላኽ ክንወርሶ ዘዳለወልና ኩቡር ርስቲ ንምውራስ ዘይንክኣልና ዘሎና። ኣብዚ ግዜ እዚ ኣምላኽ ነቲ ዘርኣየና ክንወርስ ይደልየና ኣሎ ንምውራሱ ግና ንዒንትና ብመንፈሱ ክትንክፍ ክንጽሊ ኣሎና። መንፈሳዊ የዒንትና ክሳብ ዘይተኸፍተ እዋን ኣብ ምድንጋርን መንፈሳዊ ውድቀትን ክንርከብ ናይ ግድን እዩ። ኣምላኽ ፍርቂ ዘይኮነ ሙሉእ ኩፉታት የዒንቲ ክህልወና እዩ ዝደሊ።

ንዝክር ዶ ሓደ ግዜ የሱሱ ክርስቶስ ንሓደ ዓይነስውር ረኸቦ እሞ ክፍውሶ ደለየ። ጐይታና የሱሱ ከኣ ተንከዮ እሞ ኣብቲ መጀመርያ እንታይ ትርኢ ኣሎኻ በሎ ንሱ ኸኣ እቶም ሰባት ኣግራብ መሲሎም ከም ዝረኣይዎ ነገሮ ብድሕሪኡ ግና ሙሉእ ምትንካይ ምስ ትንከፎ ንነገራት ብንጹር ክርኢ ጀሚሩ። ሎሚ ናብ ምድሓን ጐይትና የሱስ ክርቶስ ምስ መጻና ምኽፋት የዒንቲ ረኺብና ኢና ግናኸ ኣነጺርና ክንርኢ ብምልኣት ኢድ ኣምላኽ ነዒንትና ክትንክፋ ክንጽሊ ኣሎና።

ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ክዛረብ ከሎ “ናይ ስጋ መብራህቲ ዓይኒ እያ። ዓይንኻ ጥዕይቲ፣ እንተ ዀነት፣ ብዘሎ ስጋኻ ብሩህ ይኸውን፣ ዓይንኻ ሕምምቲ እንተ ዀነት ግና ብዘሎ ስጋኻ ጸልማት ይኸውን። እምብኣርሲ እቲ ኣባኻ ዘሎ ብርሃን ካብ ጸልመተ፣ ጸልማቱስ ክንደይ ዓቢዩ ይኸውን።” ብምባል ይዛረብ። ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ኣቶኩርኡ ብዛዕባ እቲ ስጋዊ የዒንትና ዘይኰነስ ብዛዕባ መንፈሳዊ የዒንቲ እዩ ዝዛረብ ዘሎ። ጥዕና መንፈሳዊ ህይወትና ብመጠን ምኽፋት የዒንትና ምኻኑ ኸኣ ርጉጽ ሓቂ ኣብዚ ንርእዮ።

ሎሚ እቲ ኣብ ህይወትና ክፍወስ ዘለዎ ዝዓበየ ኣርኣእያና ወይ መንፈሳዊ የዒንትና እዩ። እዚ ኣብ ህይወትና ክውን እንተ ኸይኑ ከኣ እዩ እቲ ብጐይትና ብየሱስ ክርስቶስ ዝተረኸበ ዓወት ንምጭባጡ እንኽእል። ጐይታና የሱስ ክርስቶስ እውን እቲ ሚስጥር እዚ ምኻኑ ስለ ዝፈለጠ እዩ ንማሕበር ሎደቕያ ጉሩም ጌራ ክትርኢ እሞ ካብ ወዲቓቶ ዘላ ውድቀትን ካብ ተታሒዛትሉ ዘላ መፈንጥራ ክትወጽእ ካባይ መንፈሳዊ ኩዕሊ ዓድጊ ዝበላ። ሎሚ ጸሎትና ኩሉ ኣምላኽ መንፈሳዊ የዒንትና ክኸፍተልና ክኸወን ኣለዎ። ኣምላኽ ኩፉታት ኣዒንቲ ክህልወና ይደሊ ኣሎ። ረብሓ ምኽፋት መንፈሳዊ የዒንትና እንታይ እዩ?

1 ተስፋ ጽዋዓና ንፈልጥ መጽሓፍ ቁዱስና እንተ ኣንቢብና ብፍላይ ከኣ መልእኽታት ሃዋርያ ጳውሎስ እንተ ኣጽኒዕና በቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ንማሕበራት ዝጽልየሎም ዝነበረ ጸሎት እምብዛ ኢና እንግረም ጸሎትና ኩሉ ኸኣ እዚ ናይ ጳውሎስ ልመና ክኸውን ኣለዎ። እስከ ሕጂ ንሰብ ኤፌሶን ዝጸለየሎም ጸሎት ንርኣ “ኣምላኽ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣቦ ኽብሪ ብፍልጠቱ መንፈስ ጥበብን መንፈስ ምግላጽን ምእንቲ ክህበኩም፣ እሞ ኣዒንቲ ልቡኹም በሪሁ፣ ተስፋ ጽውዓኡ እንታይ ምዃኑ፣ ሃብቲ ርስቲ ኽብሩ ኣብ ቁዱሳኑ እንታይ ምኻኑ ክትፈልጡ እጺሊ ኣለኹ” ኤፈ 1፣17-18። ኣምላኽ ኣብና ብጐይትና ብየሱስ ክርስቶስ ዝገበሮ ግብሪ ምስትውዓል ክሳብ ዘይከኣልና ሰዓት ብመንፈሳዊ ህይወት ክንዓቢ ኣይንኽእልን ጥራይ ዘይኰነ እቲ ክንሕጎሰሉ ኢሉ ዝሃበና ህይወት እውን ከየስተማቐርናዮ ክንሓልፍ ኢና።

ሚስጥር ክርስትናና ኣብቲ ጽዋዓና እዩ ዘሎ ጽዋዓና እንታይ ምኻኑ ኸኣ ሃውርያ ጳውሎስ ደጊሙ ኣብ ሮሜ 8፣29 ክገልጾ ከሎ “ነቶም ቀደም ዝፈለጦም፣ ንሱ ንቡዙሓት ኣሕዋትሲ በኹሮም ምእንቲ ኪኸውን ንምስሊ ወዱ ኺመስሉ ቐደም መደቦም። ነቶም ዝመደቦም ንኣታቶም ድማ ኣጽደቖም። ነቶም ዘጽደቖም፣ ንኣታቶምን ኣኽበሮም።” እምብኣር ኩቡራት መንእሰያት ኣሕዋተይ ንሕና ነቲ እንኰን ናይ መጨረሻ ዝዀነ ወዲ ኣምላኽ ክንመስል ዝተጸዋዕና ሰባት ኢና። ነዚ ንምፍላጥ ከኣ እዩ የዒንትና ክፈቶ እንባልና ክንጽሊ ዘድልየና ከምዚ እንተ ኸይኑ ምጥማትና ናብቲ ዝጸዋዓንን ክንመስሎ ዝደለየናን ናብቲ ዘልኣለማዊ ርስቲ እምበር ኣትክሮና ኩሉ ምድራዊ ኣይክኸውንን እዩ። እዞም ተሳፍ ጽዎዖኦም ክፈልጡ መንፈሳዊ የዒንቶም ብመንፈስ ኣምላኽ ዝተኸፍተሎም ሰባት ወትሩ ነቲ ዘልኣለማዊ ምስ ኣማዕደው እዩ፣ “እቲ ዝርኤ ንግዚኡ እዩ እቲ ዘይርኤ ግና ንዘልኣለም እዩ እሞ፣ ንሕና ነቲ ዘይርኤ እምብር፣ ነቲ ዝርኤ ኣይንጥምትን ኢና።” ዝብል ኣብ 2ቆሮ 4፣18 ዘሎ ቃል ከኣ መፈክሮም እዩ።

መንፈሳዊ የዒንቱ ዝተኸፈተ ኣማኒ ነቲ ጽዋዒኡን ርስቱን ክብሪ ኣምላኽ ኣብ ቁዱሳኑ ይጥምት ህይወቱ ኸኣ ብእምነት መሊኣ ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ተሰሪቱ ብፍርሓት ኣምላኽ ተሰንዩ ይመላለስ። ካብ ጸጋ ኣምላኽ ከኣ ኣይጐድልን። ጸገም ሰብ ገላትያ ብመንፈስ ጀሚሮም ብስጋ ምውድኣኦም ነቲ ሓደ ግዜ የዒንቶም ተኸፊቱ ዝርኣይዎ የሱሱ ዳግማይ መንፈሳዊ የዒንቶም ተኸፊቱ ክርእይዎ ብዘይምኻኣሎም እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ከኣ ከምዚ ብምባል ገኒሕዎም “ኣቱም ዓያሱ ሰብ ገላትያ ቀደም የሱስ ክርስቶስ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱኹም ከም ስቑል ኰይኑ ተሳኢሉ ነበረ። ንሓቂ ከይትእዘዙ ደኣ መን ዓዚምኩም?” ገላ 3፣1 ኣምላኽ ብኹፍታት ኣዒንቲ ነቲ ገንሸል ፋሲካና ዝዀነ ጀማሪ እምነትናን ደምዳሚእን ክንጥምት ይደልየናን ይብህገናን።

ሃዋርያት ሓደ ግዜ ብየሱስ ክርስቶስ ተላኢኮም ምስ ከዱ እሞ ኸኣ ተዓዊቶም ምስ መጹ ኣዚዩ ባህ በሎም እሞ፣ ንጐይታ ብስምካ ሑሙማት ኣሕዊና ኣጋንንቲ ኸኣ ተገዚኦምልና ክብሉ ብሓጎስን ምስርሳርን ይነግርዎ የሱሱ ግና ሓለፋ እዚ ነግር እዚ ስሞም ኣብ መጽሓፍ ህይወት ስለ ዝተጻሕፈ ክሕጎሱ ከምዘለዎም ሓቢርዎም። ብኻልእ ኣዘራርባ ተስፋ ጽዎኦም ንዘልኣለማውነትን ንኽብርን ምዃኑ ክፈልጡ ደሊዎም። ስለዚ ኣነን ንስኻትኩምን ከኣ ኣብ ኣምላኽ ዘልና ግደን ርስትን ልዕሊ ግምታና ዓቢ ምኻኑ ምስ እንፈልጥ ካብ ጭንቀት ሓሊፍና ካብ ቀንጠመንጢ ጸሎት ወጺና እቲ ብሕጂ ብምልኣት ንጥዕሞ እንታተጸባበና ናይ ምድሪ ጉዕዞና ብዓወት ክንዛዝም ኢና። ስለዚ መንፈሳዊ ኣዒንትና ኣምላኽ ክኸፍተልና ንጸሊ።

2 ንኣምላኽ ንምግልጋል ቆሪጽና ንትንስእ። እቲ እኽሊ ቡዙሕ እቶም ዓየይቲ ግና ሒደት ምኻኖም ኣርጊጽና ንፈልጥ ኢና። ግና ስለምንታይ ደኣ ኢና እዚ እናፈለጥና ኣብቲ ሓጺድ ብዝግባእ ኢድና ንምሕዋስ ንሰግእን ንድሕሪት ንምለስን? ብርግጽ ናይ ኣምላኽ ኣገልግሎት ዋጋ የኽፍል እዩ ግና ክብሪ ኣለዎ። ንኣምላኽ ምግልጋል ሓለፋ ዝዀነ ክብሪ ዝዓበየ ክብሪ እዩ። እዚ ክፍለጥ ግና መንፈሳዊ የዒንትኻ ተኸፊቱ ኣምላኽ ክብሪ ክርኣ ኣለዎ።

ኣብ መጽሓፍ ቁዱስና ናይዚ ኣብነት ዝዀነና ነቢይ ኢሰያስ እዩ። እዚ ነቢይ እዚ ኣብቲ 6 ምዕራፍ ክዛረብ ከሎ ከምዚ ይብል “በታ ንጉስ ኡዝያ ዘሞተላ ዓመት ኣነ፣ እግዚኣብሄር ኣብ በሪኽን ልዕል ዝበለን ዝፋን ተቐሚጡ ኸሎ፣ ርኤኽዎ፣ ዘፈራት ልብሱ ኸኣ ነቲ መቕደስ መሊእዎ ነበረ” ኢሰያስ መንፈሳዊ የዒንቱ ተኸፊቱ ነዚ ናይ ክብሪ ኣምላኽ ምስ ረኣዮ ኣብ ህይወቱ ዝተራእየ ለውጢ ኔሩ ንሱ ኸአ መንነቱ ፈሊጡ ከምዚ ከኣ ይብል “ሽዕ ድማ ከናፍረይ ዝርኹስ ሰብ እየ፣ ኣብ ማእከል እቲ ኸናፍሩ ዝርኹስ ህዝቢ ኸኣ እነብር ኣሎኹ እሞ ወይለይ ኣዒነትይ ንንጉስ ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት  ርእየን እየን እየን እሞ ጠፋእኩ በልኩ። ኣምላኽ ኮታ እንተ ዝረድኣና መንፈሳዊ የዒንትና ተኸፍቲኡ እንታይነትና ፈሊጥና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ትሕት ምብል ክንክእል። ነቢዪ እሰያስ ምኽፋት መንፈሳዊ የዒንቱ ንኣምላኽ ክርኢ ጌርዎ መንነቱ ክፈልጥ ኣክኢልዎ ውጺት እዚ ኸኣ ቅብኣት ኣምላኽ ኣብ ልዕሊኡ ፈሲሱ ሓዊ ኣምላኽ ተንኪይዎ “ካቶም ስራፍኤል ሓደ ድማ ጓህሪ ኻብቲ መስወኢ ብጉጤት ወሲዱ ኣብ ኢዱ ሒዙ ናባይ ነፈረ። ብእኡ ኸኣ ኣፈይ ተንከየ እሞ እኝሆ እዚ ኸናፍርካ ተንክዮ ኣበሳኻ ረሓቐልካ፣ ሓጢኣትካውን ጸረየልካ” ይብለና። እሰያስ እዚ ምትንካፍ እዚ ኣብ ህይወቱ ምስ ረኣየ ንኣምላኽ ክጐይን ከገልግልን ዝተኸፈለ መስዋእቲ ክኸፍል ንድሕሪት ኣይምለስን እዩ። ብፍላይ ኣብ ቁጽሪ 8 ናይዛ ምዕራፍ ነንብብ “ንመን ክልእክ መንከ ክኸደልና እዩ ዚብል ድምጺ እግዚኣብሄር ሰማዕኩ። ኣንውን እኔኹ ልኣኸኒ፣ በልኩ።” ይብለና ኢሰያስ ኣነ በለ እምበር ንኻልኦት ኣይመከተን ባዕለይ ክጎዪ እMበር ካልኦይ ይጉየዩ ኣይበለን እቲምንታይሲ መንፈሳዊ የዒንቱ ተኸፊት እምበር እዩ።

ሃዋራያትን ነብያትን ኣቦታትን ናይ ዘመና ጀጋኑ ኣገልገልትን ገዛእ ርእሶም ቀቢጾም ንኣምላኽ ዘገልገሉን ዘገልግሉ ዘለዉን መንፈሳዊ የዒንቶም ተኸፊቱ ነቲ ኣምላኽ ክብሪ ስለ ዝረኣይዎ እዩ። ናተይን ናታትኩምን መዓልታዊ ድሌት ባህጊ ሕልሚ ኮታ እዚ ይኹን። ሎሚ እዚ ዓይነት ምኽፋት ስለ ዘይብልና ኢና ንድሕሪት ነንሳሕብ ዘሎና። ሃዋርያ ጳውሎስ ከኣ ነዚ ብምስትውዓል እዩ ተስፋ ጽዋዓና ክንፈልጥ መንፍሳዊ የዒንትና ክኸፍት ዝጸለየልና። ነቢይ ኣሰያስ ትንቢታቱ ኩሉ እንተ ርኢናዮ ነቲ መሲሕ ተስፋ ህዝብታትን ኣህዛብን ዝዀነ የሱሱ ዘመልክት ነበረ። እወ መንፈሳዊ የዒንትና እንተ ተኸፍቱ ስብከትና ኩሉ የሱሱ ኣገልግሎትና ኩሉ ኸኣ ንየሱሱ ይኸውን ኣምላኽ ኣዚዩ እንተ ዝረድኣና።

ሃዋርያ ጳውሎስ ባዕሉ እውን ነቲ ሰማያዊ ራኢ ዘይኣበዮ ዝበለ እዚ ምኽፋት ኣዒንቲ እዚ ስለ ዝረኸበ እዩ። ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣብ መንገዲ ደማስቆ ምስ ረኸብ እሞ ቅራፍ ካብ ኣዒንቱ ምስ ተኣሊየ ብመጠን እቲ ንቑዱሳን ከሳጉግ ዝጐየዮ ጉያ ከምኡ እኳ ደኣ ሓለፍኡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ጺዒቱን ገደሎ መከራ ክርስቶስ ክምልእ ተጋዲሉ። እቲ ሚስጥር ምኽፋት የዒንቲ እዩ። እምብኣር ሎሚ ኣነን ንስኻትኩምን ሓልፋ ኩሉ ነገር ንኣምላኽ ንምግልጋልን ንመንግስቲ ኣምላኽ ንምስፋሕን እንተደሊና መንፍሳዊ የዒንትና ክኽፈት ንጸሊ ሽዑ ንርእዮ ራኢይ ክብሪ እምበር እቲ ንሓልፎ ዘሎና ሓጎጽጎጽ ኣይኮነን ዓስቢ እምበር እቲ እንኸፍሎ ዘሎና መስዋቲ ኣይኮነን። ፍረ ኣገልግሎትና ብመጥን ክፍተት መንፈሳዊ የዒንትና እዩ ዝዓቢን ዝሰፍሕን።

3 ሓለዋን ረዲኤት ኣምላኽ ኣባና ዓቢ ምኻኑ ንፈልጥ እቲ ዘሕዝን ኣማኒ እቲ ኣምላኽ ምስኡ ከምዘሎ ዘይፈልጥ እዩ። ቡዙሕ ግዜ ከኣ እዚ ፍጻሜ እዚ ኣብና ብምዃኑ ነሕዝን ሰባት ኰይና ኢና። ኣምላኽ ብቓሉ እምብር ህላውነቱ ብስሚዒትና ኣይኰነን ዝረጋገጽ። ቡዙሕ ግዜ ረድኣየት ኣምላኽን ሓልውኡን ኣባና ከምዘሎ ንምፍላጥ እንጥቀመሉ ሜላታት መንፈሳዊ ንጥፈታት ወይ ከኣ ውሽጣዊ ኩነታት ስሚዒትና እዩ። ግና እቲ ሚስጥር እዚ ኣይኮነን። ከምቲ ዳዊት ኣብ ቃልካ ትኣምራት ክርኢ የዒነትይ ክፈተለይ ዝበል ንሕና ኸኣ ኣብቲ ውሽጢ ቓሉ ዘሎ ረድኣየትናን ሓለዋ ኣምላኽን ንምርኣይ መንፈሳዊ የዒንትና ክኽፈት ምጽላይ እዩ። እቲ ንረድእየትና ኣብ ሰማያት ዝተወጠሐ ኣምላኽ ንተስፋን ምጽንናዕን ንሓለዋን ዝኸነና መመርሒ ኣብ ቓሉ ባዕሉ ተቐሚጡ ኣሎ። ቃሉ ንእግርና መብራህቲ ንመንግድና ኸኣ ብርሃን እዩ። ኣብዚ ኸኣ ምዕንቃፍ የሎን። ብብርሃን ኣምላኽ ብርሃን ክንርኢ ደኣ ንጸሊ።

ኣብ መጽሓፍ ቁዱስና የዒንቶም ተኸፍቲ ኣብ ግዜ ጸገሞም ዓቢ ረድእየት ኣምላኽ ዝረኣዩ ሰባት ኣለዉ ንሎሚ እስከ ገለ ክንርኢ ካብኣቶም ሓደ ግዜ ንጉስ ሶርያ ንእስራኤል እምብዛ የጨንቖም ነበረ። ሓደ ግዜ ጊልያ ኢልሳእ ዝነበረ ኣንጊሁ ምስ ወጸ ሰራዊትን ኣፍራስን ነታ ኸተማ ከቢቦማ ረኣየ። ኣብዚ እዋን እዚ እምብዛ ተሸበረ ረዓደ ፈረሐ። ንኤልሳእ ከኣ ካብ ፍርሑ ዝተላዕለ ኣየ ገይታይ እንታይ ክንገብር ኢና በሎ። ኢልያስ ከኣ ኩፉታት ኣዒንት ስለ ዝነበርኦ ደሓን ኣጆኻ ካብቲ ምስኦም ዘልውስ ምሳና ዘለዉ ይበዝሑ እሞ ኣይትፍራህ በሎ። ኢልሳኣ ኣብዚ ኩነት እዚ ነቲ ባርያ ዝጸለየሉ ጉሩም ጸሎት ኣሎ “ዎ እግዚኣብሄር እልምነካ ኣለኹ ክርኢስ ኣዒንቱ ክፈተሉ” እግዚኣብሄር ከኣ የዒንቲ እዚ መንእሰይ እዚ ከፈተ እሞ ረኣየ ኣብ ዙርያ ኤልሳእ እቲ ኽረን ናይ ሓዊ ኣፍርሳን ሰረገላታትን መሊእዎ ነበረ።”

ጸላኢና ከም ዝጓዝም ኣንበሳ ወትሩ ምስ ጓዘመን ምስ ኣፈራረሓን እዩ። ግና እግዚኣብሄር ነቶም ናቱ ከም ብጸጋ ብዋልታ እዩ ዝኸቦም መልኣኹ ኸኣ ኣብ ዝርይኦም ይገብር። እዚ ምስትውዓል ዝኽእል ግና እቲ ክፍታት የዒንቲ ዘለውዎ ኣማኒ እዩ። ኣብዚ ነገር እዚ ኣዒንትና እንተ ዘይተኸፊቱ ኩሉሳዕ መቕባሕባሕትን ፈራሕትን ጀጀውትን ንኸውን። እስራኤላውያን ቡዙሕ ግዜ መንፈሳዊ የዒንቶም ተኸፊቱ ኣብ ዝርእዮም ዘሎ ኣምላኽ ምዃኑ ሳእኒ ዘይምስትውዓሎም እዩ ካብ በረኸት ርሒቖም ኣብ መርገም ዝሽመሙ ዝነበሩ።

ኣምላኽ እቲ ንሓገዝና ሰይፉና ዋልትኡን ሒዙ ዙርያና ዝኸበና ወትሩ ንርእዮ እንተ ኾይና። ዘሸብር ነገር ኣይክህልወናን እዩ። ተቢዕና ኣምላኽ ምሳና ካብ ኰነኸ ሰባት ሰይጣን ነገራት እንታይ ከይገብሩኒ ክንብል ኢና። ኣምላኽ እዚ ዓይነት ምርዳእ ክህልወና መንፈሳዊ የዒንትና ይኽፈት።

የዒንቱ ዝተኸፍተ ኣማኒ ኣርሒቑ ይርኢ። ኣዒንቱ ዝተኸፍተ ኣማኒ ተስፋ ጽውዕኡ እንታይ ምኻኑ ይፈልጥ እሞ ቦታ ርስቱ ክቡር ምኻኑ ብምስትውዓል ይጐዪ። ኣዒንቱ ዝተኸፍተ ኣማኒ ንመን ከምዝገልግል ፈሊጡ ንኣገልግሎት ኣምላኽ ይተግህ። ኣብዛ ናይ ምድሪ ጉዕዝኡ ኩሉ ኸኣ ክፉታት ኣዒንቲ ስለ ዘለውዎ ከይተሰከፈ ኣብቲሕቲ ጸጋ ኣምላኽ ምካኑ ተረድኡ ይመላለስ። ነዚን ንዝበለጸ በረኸትን እምብኣር እዩ ዝተኸፈት ኣዒንቲ መንፈስ ቅዱስ ዝዳህሰሰን ኣዒንቲ መድሓኒ ኡፍ ዝበለልን ኣዒንቲ ዘድልየና። ጸሎትና ኸኣ ኩሉ ነዚ ይኹን ብድሕር እዚ እቲ ዘድልየና ኣብ ዝርያና ክፍልልፍ ከሎ ክንርኢ ኢና። ኣምላኽ ኩፉታት ኣኦኢንቲ ይሃበና።