26
Fri, Apr
0 New Articles

ዘሕዝን ኣበዓዕላ ዕለተ ልደት

Message 3
Typography

እዚ ታሪኽ እዚ ሓቂ እንተ ዘይከዉን ኔሩ ኣይመኣመናዮ ግና ኣዚዩ ሓቂ እዩ። ንስኻትኩም እውን ሓቂ ምኻኑ ምስ ሰማዕኩሞ ምስ እዚ ታሪኽ ክትሰማምዑ ኢኹም። ሓደ ግዜ ሓደ ዓብን ኩቡርን ንጉስ ነበረ። ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዝነበሮ ፍቕሪ ኣዚዩ ኩቱር መዘና ኣልቦ እዩ ዝነበረ። ምንም እኳ እቲ ኣብ ግዝኣቱ ዝነበረ ህዝቢ ኣዚዩ ቡዙሕ እንተ ኾነ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ግና ብብስሙ እዩ ዝፈልጦ። ኩሎም እቶም ኣብቲ ግዝኣቱ ዝነበሩ ሰባት ዘለዎም ዘበለ ኹሉ ካብቲ ዘፍቅሮም ንጉስም ብነጻ ዝተቐበልዎ ናይ ፍቕሪ ህያብ እዩ። እቶም ህዝቢ ድማ ነቲ ቡሩኽ ንጉሶም ዝገበረሎም ውዕለትን ዓቢ ግብርን ሞሱኡ ንምሃብ ሓንቲ መዓልቲ ዓቢ በዓል ብምግብር መዓልቲ ዝተወለደላ ልደቱ ከብዕልሉ ወሰኑ። ኩላቶም ከኣ በዚ ጉሩም ዝኾነ ሓሳብ ተሰማምዑ።


 

ነቲ በዓል ልደቱ ንምጽንባል ከኣ ኣዚዩ ዓቢ ዘደንቕ ምድላዋት ተገብረ። ማእለያ ዘይብሉ ወጻኢታት ከኣ ኣውጽኡ። ንኣባይቶም ብዘሎ መብራህትን ብመጋየጽን እምብዛ ኣመልክዕዎን ኣወቀብዎን። ኣብ ብዘሎ እቲ ግዝኣት ከኣ ናይ ሓጎስን ደስደስን ናይ ብልዕን መስተን ጽንብል ተኻየደ። ብዘሎ እቶም ህዝቢ ኸኣ ንሓድሕዶም ማለት ንቤተሰቦም ንመቕርቦን ፈተውቶን ህያብ ተዋሃሃቡ። ካብቲ ህያባት ገሊኡ ኣዝዩ ኹቡር ገለ ኸኣ ብዕዳ ዝተገዝኣ እዩ። ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ ዝጠፈኣ ወጻኢታት ኩሉ ክቲ ኣብቲ ዓመት እቲኣ ዝወጸ ወጻኢታት እምብዛ ዓቢ ነበረ። ቡዙሓት ኣብቲ ግዝኣት እቲ ንጉስ ዘይነብሩን ነቲ ንጉስ ከእ ዘይፈልጡ ሰባትን እኳ ኣብቲ ጽንብል ተሳተፉ። እቲ ጽንብል ከኣ ብኣዚዩ ኩቱር መስተ ዝተሰነየ ነበረ። ሓደ ቐይሕ ኽዳን ዝተኸድነ ጹቡቕ ትርኢት ዘለዎ ዝመስል ሰብኣይ ኣዚዩ ይስሕቖም ነበረ፣ ምንም ቃል ግና ኣየውሰኣን። ግና በቲ ዝግበር ዝነበረ ብልዕን መስተን ጽንብልን ኣዚዮም ተታሒዞም ስለ ዝነበረ ግዱ እኳ ኣይገበሩን።

እዚ ኩሉ ዝግበር ዝነበረ ጽንብል ቅድሚ እታ መዓልቲ ልደት ንጉስ እዩ ዝነበረ እታ ቐንዲ መዓልቲ ልደት ንጉስ ከኣ ደበኽ በለት። ገለ ቁሩብ ሰባት ክኣ ስለ እቲ ዝገበሮ ውዕለት ከመስግንዎን ህያብ ክህብዎን ናብቲ ንጉስ መጹ። ግና እቲ ዘሕዝን ዝበዝሕ ካብቲ ህዝቢ ኣብቲ መዓልቲ ልደቱ ናብኡ ፈጺሞም ኣይመጹን። እቲ ካብቶም ቁሩባት ሰባት ዝረኸቦ ህያብ ምስቲ እቶም ብዙሓት ንጽንብል ዘጥፍኦም ክነጻጸር ከሎ ኢምንት እዩ ኔሩ። ብዙሓት ካብቶም ህዝቢ ዝህብዎ ዝነበሩ ምኽንይት ድማ በቲ ዝነበረ ጽንብል ኣዚዮም ስለ ዝተታሕዙን ናይ ገዛእ ርእሶም ከኣ መደብ ስለ ዝነበሮምን ነቲ ንጉስ ፈጺሞም ከም ዝረስዕዎ እዩ። ብዙሓት ከም ዝዘከርዎ ግናኸ ህያብ ክህብዎ ወይ ከኽብርዎ ኢሎም ዋጋ ኸፊሎም ክመጽኡ ከም ዘይከኣሉ እዮም ዝዛረቡ። ገለ ቑሩብ ግና ንዝኽሪን ህያብ ንምሃብን ሰናይ ሓሳብ ኮይኑ ስለ ዝተሰመዖም ዝኸዱ ኣለዉ። ኣቶም ናብ ቤት ንጉስ ህያቦም ሒዞም ዝመጹ ሰባት ከኣ በቲ ንጉስ ጉሩም ዝኾነ ኣቀባብላ ተገብረሎም። እቲ ንጉስ ከኣ ባረኾም። እንተ ኾነ እቶም ሰባት ከዱ ንጉስ ከኣ ከም ቀደሙ በይኑ ኮነ። ንጉስ ከኣ ኣብ ዓቢ ምስትንታን ኣተወ ብዛዕባ እቶም ኣዝዩኦም ብዙሓት ህዝቢ እሞ ኸኣ ዝረስዕዎን ዝጠንጠንዎን ሓሰበ። ስለምንታይ ረሲዕምኒ? ኣዚየ ዶ ኣየፍቀርክዎምን እየ? እቶም ብዙሓት ህዝቢ እሞ ኸኣ ግዜኦምን ገንዘብን ኣብ ዕዳጋን ጽንብልን ዝስጥፍእዎ ኣባይቶም ኣብ ምሽልላም ዘሕልፍዎ ኩሉ ዝዓይነቱ ዓይነት እውደኣመታት ከኣ ዝገብሩ ስለምናትይ ግና ኣብ እቲ ቡሩኽ ንጉሶም በጺሖም ስሱዓትን ዘይሓስቡን ዘየማስውን ኮይኖም? ንሱኸ ከም ዝስምዖ ዶ ኾን ኣይፈልጡን እዮም?