25
Thu, Apr
0 New Articles

እቲ ፉንፉን

Message 3
Typography

ከም ሰባት ኣዚና እንጸልኦን እንፍንፍኖን ነገር ኣዚዩ ብዙሕ እዩ። ብፍላይ ድማ ኩሉሳዕ ምስ ሞራላዊ ህይወት ሰብ ዝጻረር ነገር ክንርኢ እንከሎና ንሓዘን ወይ ንቑጣዕ። ሰብ ከም መልኽዕ ኣምላኽ ስለ ዝተፈጥረ ፈትዩ ክሳብ ዘይከሓዶ እዋን ብዉሑዱ ንሓጥያት ዝጸልእ ባህሪ ኣለዎ። ብኻልእ ኣዘራርባ ሕልንኡ ንሓጥያት ንቑሑ እዩ። እምብኣር ንሕና ንሕማቕ ነገር ንምጽላእ ዓቕሚ ካብ ሃለወና ኣምላኽ ደኣ እሞ ክሳብ ክንደይ? ኣምላኽ ንሰብ ንጽቅድቅን ቅድስናን እዩ ፈጢርዎ ግና ሰብ ኩሉ ግዜ ነዚ ከምዚ ንምንባር ስለ ዘይደሊ ኣምላኽ ኣዚዩ ይጉህይ። ነዚ እዩ ኣብ ዘፍጥረት 6 ምዕራፍ ክፍኣት ሰብ ኣብ ምድሪ በዚሑ ምስ ረኣየ ሰብ ብምፍጣሩ ተጣዕሰ ዝብለና። እዚ ተጣዕሰ ዝብል ቃል ካብቲ መበቆላዊ ትርጉም ክትርጎም እንከሎ ጐሃየ ኣዚዩ ኩቱር ሓዘን ሓዘነ ማለት እዩ።


 

ኣምላኽ ኩሉ ግዜ ብሓጥያት ደቂ ሰባት ምስ ተናወጸ እዩ። ወትሩ የዒንቱ ናብዛ ምድሪ ምስ ኣንቀልቆለ እዩ። ነዚ እዩ ኣብ መዝሙር ዳዊት 14፣2-3 “ንእግዚኣብሄር ዚደሊ ለባም እንተሎ ኺርኢ ኢሉስ፣እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ናብ ደቂ ሰብ ጠመተ። ኵላቶም ዘምቢሎም፣ ብዘለዉ ዅላቶም ረኺሶም፣ ገለ ሰናይ ዚገብር የልቦን፣ ሓደ እኳ የልቦን።” ብምባል ይዛረብ።  ኣምላኽ ድማ ነዚ ፉንፉን ግብሪ ሰባት ርእዩ ንወዱ የሱስ ክርስቶስ ለኣዀ። ይኹን እምበር ነዚ ዕዳ ሓርነትና ክወስድ ዝመጸ የሱስ ኣብ ልባትና ከም ምንም ዘይምቑጻርና እውን ኣምላኽ ገና ይጉየሄልና ኣሎ። 

ኣብ ምሳሌ 6፣16-19 “እግዚኣብሄር ዚጸልኤን ሹዱሽተ ነገር እየን ኤረ ነፍሱ እምብዛ እትፍንፍነንሲ ሾብዓተ እየን ትዕቢተኛ ዓይኒ ሓሳዊት መልሓስ ንጹህ ደም ዜፍስስ ኣእዳውእኩይ ምኽሪ እትፍሕስ ልቢ እኩይ ነገር ናብ ዘበለ ዚቕልጥፋ ኣእጋርሓሶት ዚዛረብ ሓሳዊ ምስክር ኣብ መንጎ ኣሕዋት ባእዚ ዚዘርእ።” ይብል ብሓፈሻ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ዝፍንፍኖ ከይህልዎ እሞ ፍርድና ከይዓቢ ካብቲ ፉንፉን ዘበ ነገር ንርሓቕ። እብኣር ብምቕጻል ዛንታ ሓደ ሰብ ብምምጻእ ካብቲ ናቱ ኣካይዳ ተበጊስና ኣምላኽ ዝፍንፍኖ ባህሪ ክንርኢ ኢና።

ኣቦና ንጉስ ዳዊት ካብ ዝተፈላለያ ኣንስቲ ዝወለዶም ኣዚዩም ብዙሓት ዉሉድ ከም ዝነበርዎ ቃል ኣምላኽ ይነግረና። ኣብ መብዛሕትኦም ህይወት ደቁ ድማ ገለ ባህ ዘየብል ባህሪ ኔርዎም እዩ። ናይ ኩሎም ንምርኣይ ግዜ ስለ ዝድርተና ሕጂ ብዛዕባ ኣቤሰሎም ዝብል ሰብ ክንርኢ ኢና።  ኣቤሰሎም ንዳዊት ካብ ማዕካ ጓል ታልማይ ንጉስ ጌሹር ዝወለዶ  መበል ሳልሳይ ዉሉዱ እዩ። ኣቤሰሎም ትርጉም ሹሙ ንጉስ ሰላም ማለት እዩ። ግና ንሱ ከም ሽሙ ዝይኰነስ ኣንጻር ስሙ እዩ መንነነት ህይወቱ።  ኣቤሰሎም ኣዚዩ መልከዐኛን ዉቁብን እዩ ኔሩ ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ እዚ ዝነበሮ ደጋዊ መንነት ክዛረብ ከሎ “ኣብ ብዘሎ እስራኤል ድማ ከም ኣቤሰሎም ገይሩ ውቃቤኡ ኣዝዩ እናተናእደ ሰብ ኣይነበረን ካብ ከብዲ እግሩ ኽሳዕ መንበስበስታ ርእሱ ገለ እንታ ኣይነበሮን። እቲ ጸጒሪ ርእሱ ድማ ይኸብዶ ነበረ እሞ ቈረጾ። ኣብ ዐዓመት ከኣ እዩ ዚቘርጾ ዝነበረ ምስ ቈረጾ ድማ ነቲ ጸጒሪ ርእሱ መዘኖ ብሚዛን ንጉስ ከኣ ክልተ ሚእቲ ሲቃል ኰነ። ንኣቤሰሎም ድማ ሰለስተ ወድን ታማር ዝስማ ሓንቲ ጓልን ተወልዱሉ ንሳ ትርኢታ ውቅብቲ ሰበይቲ ነበረት።” ኣዚ ኣቤሰሎም እዚ ግና ውሽጣዊ ህይወቱ ከምቲ ደግኡ ጹቡቕ ኣይነበረን። እስከ ቐጺልና ገለ ካብቲ ባህርኡ ክንርኢ። እቲ ዘገርም ኣቤአሎም ዝነበሮ ባህሪ ንዓና ንድቂ ሰባት ዝውክል ባህሪ እዩ። ኣስከ ናብት ዝርዝር ክንከይድ

1 ናይ ሕነ ምፍዳይ መንፈስ ዝነበሮ ሰብ

ሓደ ግዜ ኣብ ሓፍቲ ኣቤሰሎም ታማር ብወዲ ዳዊት ኣምኖን ዝተፈጸመ ናይ ዓመጽ ጉዳይ ነበረ። ብርግጽ እዚ ኣብ ልዕሊ ታማር ሓፍቲ ኣቤሰሎም ዝተፈጸመ በደል ቀሊል ኣይነበረን። ኣቤሰሎም እዚ ጉዳይ ሰመዐ። ኣብቲ እዋን ንሓፍቱ ዝመለሰላ መልሲ “ኣቤሰሎም ሓዋ ኸኣ ኣምኖን ሓውኪዶ ምሳኺ ነይሩ እዩ: ሕጂ ግና ሓብተይ ንሱ ሓውኪ እዩ ስቕ በሊ ነዚ ነገር እዚ ኣብ ልብኺ ኣይትሐዝዮ በላ። ታማር ድማ ብጒህይታ ኣብ ቤት ኣቤሰሎም ሓዋ ተቐመጠት። ንጉስ ዳዊት ግና እዚ ነገር እዚ ዂሉ ምስ ሰምዔ ኣዝዩ ተናደደ። ኣቤሰሎም ከኣ ንኣምኖን ንታማር ሓብቱ ስለ ዝዐመጻ ጸሊእዎ ነበረ እሞ ኣቤሰሎም ንኣምኖን ጽቡቕ ኰነ ክፉእ ኣይተዛረቦን።” እዚ ጉዳይ እዚ ንኣቤሰሎም እምብዛ እዩ ኣቐጢዕዎ። እቲ ሓጥያት ኣቤሰሎም በቲ ጉዳይ ምሕራቕ ኣይኰነን እንታይ ድኣ ክንዮ እዚ ቑጥዐ ሓሊፉ ናይ ሕነ ምፍዳይ ስጉምቲ ንምውሳድ ምውሳኑ ኣዩ። ኣብ ቅድሚ እቲ ዘጥፍኣ ሰብ ፊት ንፊት ቀሪቡ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ክንዲ ምዝራብ። ገለ ከምዘይኰነ መሲሉ ብምቕራብ መንገዲ ናይ ምቕታል ስጉምቲ ንምውሳድ የመቻችእ ነበረ።

ንሕና ንህይወትና ኣብ ቦታ ኣቤሰሎም ኣቲና እንተ ንርእያ ስጉምትና ኣንታይ ምዀነ። ኣቤሰሎም ግና ከም ፈትዊ ተመሲሉ ካብቲ ኣምንኖን ዝፈጸሞ በድል ንላዕሊ እዩ ፈጺሙ። ንዕሽነት ኣምኖን ብዝገደድ ዕሽነት እዩ ግብረ መልሲ ሂብዎ። ብኣዚዩ ረቂቕ መንገዲ ድማ ኣብ ልዕሊ ኣምኖን ናይ ሞት ስጉምቲ ወሲዱ። ሕነ ምፍዳይ ማለት ንዕሽነት ብዝገደድ ዕሽነት ግብረ መልሲ ምሃብ ማለት እዩ። ኣምላኽ ሕነ ክንፈዲ ኣይደልየናን እዩ ኣይፈትዎን ከኣ እዩ። ሕነ ምፍዳይ ኩሉ ሳዕ ናይ ኣምላኽ ኣምበር ናትና ኣይኰነን። ሃዋርያ ጳውሎስ ክዛረብ ከሎ “ፍቁራተይ ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ ኣነ ኽፈድዮ እየ ይብል እግዚኣብሄር ጽሑፍ እዩ እምኦ ነቲ መዓትሲ ስፍራ ሕደጉሉ እምበር ባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ። ጸላኢኻ እንተ ጠመየ ግና ኣብልዓዮ እንተ ጸምኤውን ኣስትዮ። ኣዚ ብምጋካ ጒሁር ሓዊ ኣብ ርእሱ ኽትእክብ ኢኻ። ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ጌርካ ስዐሮ እምበር በቲ እከይ ኣይትሰዐር።” ይብል። ሰብ ሕነ ክፈዲ መሰል ኣይተዋህቦን። ስለምንታይ እንድሕር ኢልና። ሰብ ጻድቕ ፈራዲ ስለ ዘይኰነ እዩ። ወይ ልዕሊ ዓቕሙ ሕነ ክፈዲ እዩ፣ ወይ ድማ ትሕቲ ኣቲ ንሰብ ዝግብኦ ፍርዲ ክፈርድ እዩ።

ንሕነ ምፍዳይ ሕማቕ ዝገብሮ ነገር ኣብ ውሽጢ ብዝቕመጥ ቑጥዐ ወይ ምረት እዩ። ብዙሓት ሰባት ሕነ ክፈዲዩ ክብሉ ኣብ ዝይተደልየ መፈንጥራ ኣትዮም እዮም። ኣቤሰሎም ደም እዩ ኣፍሲሱ። ኣምኖን ዝግብኦ መቕጻዕቲ ኔርዎ እዩ፣ ኣብኤሰሎም ግን ክንዮ ኣዚ መስመር ሓሊፉ። ብዙሕ ግዜ ሕነ ምፍዳይ ክንዮ መስመር ዘሕልፈካ ጉሁር ዝዀነ ቑጠዐ ድማ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ዝኹዑ እዩ። ምህሮ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣንጻር እዚ እዩ። ብተግባር ከኣ ኣርእይዎ እዩ። ሎሚ ነዚ ብሩኽ ትእዛዝ መድሓኒ እንተ ጥዒስናዮ ንኣምላኽ ነግህዮ ከም ዘሎና ኣይንስሓት። ካብቲ ዘገርም ብስንኪ ሕነ ምፍዳይ ዝመጽእ ዕገብት ንግዘኡ እዩ ካብኡ ኣብ ዝገደደ ተወሳኺ ሓጥያት እዩ ዝመርሓካ። ህይወት ኣቤሰሎም በዚ ዝጀመረ ኣንፈት ህይወት ጉዕዙ ምሉእ ብሙሉእ እዩ ለዊጥዎ። ኣምላኽ ጻድቕ ፈራዲ ስለ ዝዀነ ንሱ መዓስን ብኸመይን ሕነ ከም ዝፈዲ ይፈልጥ እዩ። ሕነ ንምፍዳይ ንምውሳድ ንጋየይ እንተ ዀይና ንኣምላኽ ነጉህዮ ከም ዘሎና ስራሕና ድማ ኣብ ቅድሚ ኣማኽ ፉንፉን ምኻኑ ኣይንረስዕ።

2. ናይ ምትላል መንፈስ ዝነበሮ ሰብ

ካልእ መለለይ ኣቢሰሎም ድማ ምትላል እዩ። ኣቤሰሎም በቲ ዝነበሮ ደጋዊ ኣቀራርባን መልክዕን ተደጊፉ ኣታሊሉ ድላዩ ናይ ምርካብ ክእለት ነበሮ። ኣብስሎም ናይ ምሕባል መንፈስ ነበሮ። እቲ ጹሑፍ ክነግረና ከሎ “ኣቤሰሎም ድማ ኣንጊሁ ተንሲኡ ኣብ ጥቓ መገዲ እታ ደገ ደው ይብል ነበረ። ኰነ ድማ ባእሲ ዝነበሮ እሞ ኪፍረድ ኢሉ ናብ ንጉስ ንዝመጸ ዘበለ ሰብ ኣቤሰሎም ናብኡ ጸዊዑ ንስኻ ኻብ ኣየናይ ከተማ ኢኻ: በሎ። ንሱ ኸኣ ጊልያኻ ኻብ ሓደ ነገድ እስራኤል እዩ በለ። ኣቤሰሎም ድማ ርኤ ነገርካስ ጽቡቕን ቅኑዕን ነይሩ ግናኸ ካብ ንጉስ እተአዘዘ ዚሰምዓካ ደኣ የልቦን ይብሎ ነበረ። ኣቤሰሎም ከኣ ነፍሲ ወከፍ ባእሲ ወይ ዚፍረድ ነገር ዘለዎ ሰብ ናባይ ኪመጽእ እሞ ሓቂ ኺፈርደሉስ ኣብዛ ሃገር እሞ መን ፈራዲ ይገብረ: ይብል ነበረ። ኰነ ድማ ኪሰግደሉ ኢሉ ንዝቐረቦ ሰብ ኢዱ ዘርጊሑ ሒዙ ይስዕሞ ነበረ። ኣቤሴሎም ከኣ ናብ ንጉስ ኪፍረድ ኢሉ ንዝመጸ ዂሉ እስራኤል ከምዚ ነገር እዚ ይገብረሉ ነበረ። ኣቤሰሎም ከኣ ከምዚ እናገበረ ልቢ ሰብ እስራኤል ሰረቐ።” 2ሳሜ 15።1-7 ሎሚ እዚ ዓይነት ናይ ምትላልን ምጥባርን መንፈስ ኣብዚ ኣቤሰሎም ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ቡዙሓት ሰባት ዝረኣ መንፈስ እዩ። ንሰብ ምጥባር ይከኣል ይኸውን ንኣምላኽ ግና ኣይከኣልን እዩ።

ኣቤሰሎም ብደጊኡ ቆርበት በጊዒ ተኸዲኑ ብውሽጡ ግና ናይ ተኹላ ባህሪ ሒዙ እዮ ንሰባት ኣብ መፈንጥራ ዘኣቱ ዝነበረ። እዚ መንፈስ እዚ ናይ ሰይጣን ባህሪ ኣዩ። ስይጣን ንገዛእ ርእሱ መልኣኽ ብርሃን የምስል እዩ። ሎሚ ከምዚ ዓይነት ህይወት ንነብር እንተሎና ዀይና ምስ  ሰይጣን ብምልኣት ተሓባቢርና ከም ዘሎና ርጉጽ መርትዖ ዘየድልዮ ሓቒ እዩ። ንድሌታካ ኣታሊልካ ምርካብ ኣምላኽ ዝፍንፍኖ ንወለዶ ዝኸይድ መርገም ዝመጽእ እዩ።

መታለሊቲ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ግደ የብሎምን። ኣብዚ ዘመን እዚ ብዙሓት ብምትላል ተመሊኦም ዝመላለስሉ ዘሎ እዋን ንሕና እውን በዚ ከምዚ መንፈስ እዚ ከይንብከል ክንጥንቀቅ ይግባኣና። ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ 20፣7 “ብንጽህናኡ ዚመላለስ ጻድቕሲ ብድሕሪኡ ውሉዱ ብሩኻት እዮም።” ይብል እቶም ብምትላል ዝመላለሱ ኸኣ ዉሉዶም ብድሕሪኦም ርጉማት ይዀኑ። ነዚ ኢና ክንጥንቀቕ ዘሎና። ምትላል ክንብል እንከሎና ዘይብለካ ከም ዘሎካ ኰንካ ምቕራብ እዚ ግብዝነት እዩ። ንረብሓኻ ኢልካ ብናይ ካልኦት ወጽዓ ምንባር። መታለሊ ሰብ ንሰብ ክሳብ ድሌቱ ዝረክብ እዩ ዝጥቀመሉ ብድሕሪኡ ከም ማስቲካ ሓይኹ ጡፍ ይብሎ። ከምዚ ዓይነት ሰብ እዚ ኸኣ ኸሓዲ ወይ ጠላም ይበሃል። ጠቢብ ሰለሙን ወሲኹ ካብዚ ከምዚ ዓይነት ሰብ ክንጥንቀቕ ከምዘሎና ከጠንቅቐና ከሎ “ናይ ክፋእ ዝዓይኑ እንጌራ ኣይትብላዕ ጣዕሚ መባልዑ ኸኣ ኣየብህግካብላዕ ስተ ይብለካ ኣብ ውሽጡ ግና ተጸባጻቢ እዩ እሞ ልቡ ምሳኻ ኣይኰነን። ነታ ዝበላዕካያ ዂላሶ ኽትተፍእ ኢኻ ነታ ጽቡቕ ዘረባኻውን ከተጥፍኦ ኢኻ።” ብምባል መታለሊ ሰብ መዓር ክንደይ ዓደገኛ ምክኑ ይዛረብ።

ሎሚ ብምትላል ክሳብ ክንደይ ኢና ኣብ ልዕሊ ብጾትናን ወገናን ንዕምጽ ዘሎና? ብሰንኪ ናትና ምትላል ክሳብ ክንደይ ሰባት እዮም ኣብ ዓዘቕቲ ወዲቖም። ኣቤሰሰሎም ዘታለሎም ሰባት ክሳብ ናይ ርእሰ ቕትለት ስጉምቲ ዝወሰዱ ኣለዉ። ብመታለልቲ ምትልላ ኣብ ህይወት ዘሞ ሳዕቤን መሪርን ክፉኡን እዩ። ስለዚ ብምስትውዓል ምሉኣት ክንከውን፣ ነቲ ናይ ጥበብ ኣቦ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ልብና ንኽፈተሉ።ምናላባት ምስ መታለልቲ ምሕባርና ንሕና እውን ካብኦም ዝገደደ መታለልቲ ምኻና ኣይንዘንግዕ። ምትላል ብዓቢ ነገር ጥራይ ዘይኰነ ኣብቲ ንእሽቶይ መዳይ ህይወትና ሳዕቤን ከም ዘለዎ ኣይረስዕ። ኣካኣን ኣብ ዘመን እያሱ ዝነበረ ሰብ ኣታሊሉ ሑርም ነገር ብምስራቕ ንሱን ዓሌቱን ኣደዳ ፍርዲ ከም ዝዀኑ ናይ ቃል ኣምላኽና ምስክር እዩ። ስለዚ ብምትላል ከይንፍረድ ካብዚ ፉንፉን ዝዀነ መንፈስ ንተኣለ።

3. ናይ ስልጣን ህርፋን ዝነበሮ ሰብ

ኣብዛ ዓለም ካብቲ ሰባት ዝቀዳደምሉ ሓደ ነገር ስልጣን ወይ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ጐይታ ዀንካ ገባርን ሓዳግን ናይ ምዃን ባህሪ እዩ። እዚ ህርፋን ስልጣን እዚ ንብዙሓት ኣብ ኣዚዩ ሓደገኛ ዝዀነ መንፈስ ይመርሕም ኣሎ። ንብዙሓት ደማ ኣደዳ ስቓይን መከራን ክገብር ከሎ ብዓይንና ንርእዮ ኣሎና። ንባዕልና እንተ ዀና እውን ወይ ግዳይ ናይ እዚ ኢና ወይ ባዕልና ካብ ኩቱር ህርፋን ስልጣን ንኻልኦት ግዳይ ጌርና ኣሎና። ኣቤሰሎም እምብኣር ነቲ ዘፍቅሮ ኣብኡ ወላዲኢ ካብ ስልጣን ንምዕላው ፈቲኑ ንሓጺር ግዜ ድማ ተዓዊቱ ዝፋን ኣብኡ ዳዊት ከኣ ወሲዱ። እዚ መንእሰይ እዚ ብሰንኪ ዝነበሮ ህርፋን ስልጣን ኣብ እስራኤል ዘምጾ መዘዝ እምብዛ ዓቢ እዩ ዝነበረ። ስልጣን ህርፋን ዘለዎ ስብ ኣብ ልዕሊ ኻልኦት ዝወርድ ስቓይን ኣደራዕን ኣይግድሶን እዩ። ኣብ ጽድቂ ስለ ዘየለ ድማ ብሓጥያት ምስ ተጨማለቐ እዩ።

ኩሉ ግዜ ስልጣን ህርፋን ዘለዎ ሰብ ስልጣኑ ምስ ምንዝርናን ዝናን ገንዘብን እዩ ዘተሓሓዞ። እዚ ኣብ ኣምላኽ ኣዚዩ ፉኑፍን እዩ። ኣቤሰምሎ ነዚ ነገር እዚ ከይሓፍረ ኣብ ኣደባባይ እዩ ኣርእይዎ። መወዳእቱእ ግና ጹቡቕ ኣይነበረን ብኹፉእ ኣማዉታ ድማ ሞይቱ።

ኣምላኽ ነቶም ብትዕቢት ንስልጣን ዝደልዩ ወይ ዝጥቀምሉ ሰባት ባዕሉ እዩ ዝጻረሮም። ሎሚ እቶም ህርፋን ስልጣን ዘሎና ወይ ድማ ነቲ ዘሎና ስልጣን ብዓመጽ እናኸደና ንጥቀመሉ ዘሎና ሰባት ወይለና። ኣብ ታሪኽ እቶም ንእምላኽ ንምጽራር ስልጣኖም ዝጥቀምሉ ሰባት ወትሩ ተዋሪዶምን ከሲሮምን ተሪፎም እዮም። ሃና ኣብ 2 ምዕራፍ ናይ ቀዳማይ ሳሚኤል ክትዝምር ከላ “እግዚኣብሄር ኲሉ ዚፈልጥ ኣምላኽ እዩ ግብርታት ከኣ ኣብኡ ምዙን እዩ እሞ እምብዛ ዘረባ ትዕቢት ኣይተብዝሑ ቃል ድፍረትውን ካብ ኣፍኩም ኣይውጻእ። ቀስቲ እቶም ሓያላት ተሰብረእቶም ሰንከልከል ዚብሉ ዝነበሩ ኸኣ ሓይሊ ተዐጥቁ።” ብምባል ነቶም ሓያላት ተጠንቅቕ። ኣብዚ ዘመን እዚ ንርእዮ ዘሎና ብብልሽውና ዝተኸድንን ዝተበከለን ስልጣን ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ትሕቲ ፍርዲ ኣምላኽ ክወድቕ እዩ። ወመዳእትኡ ድማ ከም እጠፋፍኣ ኣቤሰሌም ኰይኰነ ኣይተርፍን እዩ።

ኣምላኽ ነቲ ዝፍንፍኖ ነገር ኢድ ብኢድ ከይቀጽዖ ኣይተርፍን እዩ። ብዙሓት ኣብ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ስልጣን ተቐሚጦም ዘለዉ ሰባት ከም ኣቤሰሎም ነቶም ንኣምላኽ ዝፈርሑ እሞ ድማ ብጽድቂ ክገዝእ ንዝደልዩ ሰባት እናደፍኡ ስለ ዝመጹ፣ ንኣምላኽ ምፍራሕ ስለ ዝሓደጉ ሓይሎም ኣብ መስተን ምንዝርናን ፍቕሪ ገንዘብን ኣምልዀ ጣኦትን ኣብ ልዕሊ ሰባት ምሽኽዕላልን ስርሖምን መዓልታዊ ተግባሮም ኰይኑ ኣሎ። ብኣግኡ እቲ ግዜ ከይጸልመተ እንተ ተመሊሶም ንንስሓ ዝዀነ ምሕረት ኣለዎም፣ እንተ ዘይኰይኑ ግና ኣብ ኢድ ኣምላኽ ምውዳቕ እምብዛ ዘሰክሕ ምኻኑ ክፈልጡ ይግባእ።

ካብቲ ኣዝዩ ኣምላኽ ዝፈንፈኖ ናይ ኣቢሰሎም ተግባር ኣንጻር እቲ ቁቡኣ ኣምላኽን ንዕኡ ኸኣ ዘኽብር ንዝነበረ ባርይኡ ምልዓሉ እዩ፣ ኣምላኽ ንኣቢሰሎም ብኹሉ ሸነኻቱ እዩ ተዋጊእዎ። ሎሚ ንእግረመንገድና ነቶም ኣብ ስልጣን ተቐሚጦም ዘለዎ ወይ ድማ ብህርፋን ስልጣን ተጨማሊቖም ኣብ ልዕሊ ናይ ኣምላኽ ሰባት ግፍዕን ኣደራዕን ዝፍጽሙ ዘለዎ ሰባት ኣብ ልዕሊ ብሌን ዓይኒ ኣምላኽ ተላዒሎም ስለ ዘለዉ ኣምላኽ ብዓቢ ፍርዲ ክላዓሎም ምዃኑ ነዘኻክር። ኣምላኽ ነቶም ንዕኡ ከገልግሉ ጽድቅን ፍርዱ ንኣብ ምድሪ ከንምምጻእ ዝጋደሉ ዘለዉ ኣገልገልቱ ምጽራር ኣንጻር ምልዓል ምኻኑ ንረዳእ ስለምንታይ ቃሉ “ንሱ ሰብ ኪጠቕዖም ኣይሐደገን፣ንቕቡኣተይ ኣይትተንክይዎም፣ንነብያተይ ድማ ክፉእ ኣይትበርዎም፣ኢሉ ምእንትኦም ንነገስታት ገሰጾም” ስለ ዝብል ስለዚ ካብ እከይ ግብርኹም ተመለሱ።

እምብኣር  ኣምላኽ ሕነ ምዳይ ይጸልእ እዩ እሞ እቲ ሕነ ምፍዳይ ንኣምላኽ ንሕደጐ ኣይነታልል ፍርድና ዓቢ ከይከውን። ህርፋን ስልጣን ካባና ንእለዮ ወይ ዘሎና ስልጣን ብዓመጽን ሓጥያትን ኣይንጠቀመሉ። ነቲ ኣምላኽ ዝፍንፍኖ ኣዚና ንፈንፍኖ ኣምላኽ ክረድኣና እዩ።