26
Fri, Apr
0 New Articles

ህይወትናስ ሓደ መዓልቲ ደኾን ክትዓግብ እያ፧

Message 3
Typography

ህይወትና ትዓግብ ዶ፧ እዛ ለይትን መዓልትን ደስ ከነብላ ኢልና ላዕልን ታሕትን እናበልና እንሃልከላ ህይወትናስ ሓደ መዓልቲ ደኾን ክትዓግብ እያ፧

ሎሚ ኣብ ከባቢና ብዙሕ ነገራት ቀልጢፉ ክለዋወጥ ንርኢ ኣሎና። ሰባት ድማ ነቲ ናይ ውሽጦም ጽምኣት ንኸርውዩ ምስ ግዜ ይቐዳደሙ፡ ናይ ሓይሊቦኦም ይጎዩ። እቶም ኣብዚ ጉያ እዚ ድሕሪት ዝተረፉ ድማ፡ ተስፋ ብምቑራጽ ኣብ ውዱቕ ህይወት ይነብሩ። ገሊኦም ምሒር ዓብሊሎም ገሊኦም ድማ ምሒር ተዓብሊሎም ኣብ ናይ ውድድር ቅሩቕስ እናተጋማድሑ ወትሩ ኣብ ጻዕሪ ይርከቡ። ኣየናዮም ብዘየገድስ ግን ኩሎም ደቂ ሰብ ነቲ ዝሃርፍዎ ዕጋበት ስኢኖም ይነብሩ ኣለዉ። ዕጋበት ህይወት ግን ኣበይ ተሰዊሩ ኣሎ፧ ንስኻ/ኺኸ ረኺብካ/ክዮ ዶ፧


 

 

ሓደ ግዜ ብዙሓት ዓሳክር ኣብ ግብ ዝበለ ናይ ትሕቲ መሬት መንገዲ እናኸዱ እንከለዉ፡ እቲ ዝረግጽዎ ዝነበሩ መሬት ሽዋሕ ሽዋሕ ዝብል ድምጺ ኣስመዐ። ገለ ካባታቶም ድማ " ኣንታ እዚ ንረግጾ ዘለና መሬት ወርቒ እዩ" በሉ፡ ጸልማት ብምንባሩ ክርእይዎ ስለ ዘይክኣሉ ግን ኣየረጋገጹን። ገሊኣቶም ካብቲ መሬት ኣብ ሳንጣኦም መልኡ፡ ገሊኣቶም ድማ በእዳዎም ዓዓሚኾም ወሰዱ፡ ገሊኣቶም ግና ሓመድ እዩ ብምባል ጥራሕ ኢዶም ከዱ። ድሓር ናብ ብርሃን ጽሓይ ምስ ወጹ እቲ መሬት ወርቒ ምዃኑ ርኣዩ። እቶም ኣብ ሳንጥኦም ሒዞም ዝወጹ ከምዚ በሉ "ብኻ ሰናጡና ኣጸቢቕና መሊእናዮ"፡ እቶም ዕማኾ ዝሓዙ ድማ "ብኻ ብሰናጡና ኣምጼእና"፡ እቶም ገለ ዘይተማልኡ ድማ "ብኻ ዕማኾ ተማሊእና" በሉ። ኩላቶም ድማ ሓዘኑ። እቶም ዝረኸቡ ሓዘኑ፡ እቶም ዘይረኸቡ እውን ሓዘኑ። እዚ ዓብዪ ምሳሌ ናይ ሰብ ህይወት እዩ። ሰብ ኣብዝን ኣብትን እኳ እንተበጽሐ፡ ከምዝን ከምትን እኳ እንተገበረ፡ ገና ንዕጋበት ኣይረኽባን፡ በዚ መንገዲ እዚ ብዝቐረባ መጠን ድማ ካብኡ ትርሕቕ። እሞ እቲ ናይ ብሓቂ ንሰብ ናብ ናይ ህይወት ዕጋበትን ዕረፍትን ዝመርሕ መንገዲ ደኣ ኣየናይ እዩ፧ ብዙሓት ነዚ መልሲ ንምርካብ ብዙሕ ፈቲኖም ኣለዉ እቲ መንገዲ ግና ሓደ እዩ፡ እቲ " መንገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ" ዝበለ ካብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዝተወልደ ጎይታናን መድሓኒናን እየሱስ ክርስቶስ።

 

ብዙሓት እቲ ናብ ዕጋበት ዝመርሕ መንገዲ ንሱ መሲልዎምሲ ሃብቲ ዘኻዕብትሉ ጎደና መሪጾም ኣለዉ። ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ እዚ መድሓንን ጎይታን ዝኾነ መድሃኔ ኣለም ኣብ ቃሉ ከምዚ ይብሎም " ህይወት ሰብ ግና ብብዝሒ ገንዘብ ኣይኮነትን።" በንጻሩ እኳ ደኣ እቲ ፍቕሪ ገንዘብ ምንጪ ኹሉ ሓጥያት ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ። ስለምንታይ ኮን እዩ መድሃኔ ኣለም ከምዚ ዝበለ፧ እቲ መልሲ፡ ህይወት ሰብ ዘልኣለማዊት ስለዝኾነት ገንዘብ ግና ሓላፊ ነገር ስለዝኾነ እዩ። እቲ ሓላፊ ሃብቲ ነታ ዘልኣለማዊት ህይወት ሰብ ከዕግባ ኣይከኣሎን። የሱስ ባዕሉ ግና ከምዚ ኢሉ ኣሎ "ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፡ እዚ ኹሉ ድማ ይውሰኸልኩም።" እቲ መንገዲ እምበኣር እዚ እዩ፡ ቅድም ንመንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለ እሞ፡ ሽዑ ኩሉ ተወሲኹልካ ክትዓግብ ኢኻ።

" ሞሳ ትሕትናን ፍርሃት እግዚኣብሄርን ህይወት፡ ክብረት፡ ሃብቲ እዩ።"

 

ውሑዳት ዘይኮኑ እውን ነታ ባዶ ህይወቶም ከዕግቡ ናብ ፍልጠት ብዘይ መጠን ኣቕሊቦም ኣለዉ። ፍልጠት ንወዲ ሰብ ኣብዛ ዓለም እዚኣ እኳ ጠቓሚ ኽንሱ፡ ግናኸ ንህይወቱ ምሉእ ብምሉእ ከዕግባ ኣይከኣሎን። ምኽንያቱ ድማ ኩሉ ፍልጠት ስለዘይብጻሕን ሓላፊ ስለ ዝኾነን። ቃል ኣምላኽ ነቶም ንዕጋበት ህይወቶም ኣብ ፍልጠት ዝሓጸርዎ ሰባት ከምዚ ይብሎም " እቲ ፍልጠት ዘብዝሕ፡ መከራ የብዝሕ።" ቃል ኣምላኽ እውን ወሲኹ ከምዚ ብምባል ይዛረበና " ኣምላኽ ከኣ ነዞም ኣርባዕተ መንእሰይ እዚኦም ፍልጠት፡ ብኹሉ መጻሕፍትን ጥበብን ከኣ ምስትውዓል ሃቦም።" (ትንቢት ዳንኤል ምዕራፍ 1 ጥቕሲ 17 ገጽ 859)። እምበኣር የሱስ እቲ ሎሚ ንህይወትካ ኣነ ባዕለይ ዕጋበት ክኾነልካ ዝብለካ ዘሎ ኣምላኽ፡ ወሃቢ ፍልጠት ውን እዩ። ምስኡ ምስቲ ምንጪ ተዓረቕ እሞ ህይወትካ ብእኡ ዓጊባ ፍልጠት እውን ክውሰኸልካ እዩ። ብዙሓት ኣብተን ዝሓለፋ ዘመናት ዝነበሩ ሊቃውንቲ ፍልጠት ዝነበሩ ዓበይቲ ሰባት እውን እንተኾኑ ህይወቶም ብኣምላኽ ደኣ እምበር ብፍልጠቶም ከምዘይዓገበት መስኪሮም እዮም።

 

ገለ ገለ ሰባት ድማ ኣብ ሓደ ዓውዲ ጥበብ ኣዝዮም ተፈላጥነት ብምጥራዮም ነቲ ናይ ህይወት ዕጋበት ዝረኽብዎ ስለ ዝመስሎም ኣበርቲዖም ኣብ ምጽዓር ይርከቡ። ኣብ ሓደ ደረጃ ህቡብነት ምስ በጽሑ ግና ብኡ ንብኡ ገና ብዙሕ ከምዝተረፎምን ብዙሓት ተወዳደርቲ ከምዘለውዎምን ይፈልጡ እሞ፡ እቲ ክብሕትዎ ዝሓሰቡ ዕጋበት ሃፊፉ ይጸንሖም። ደረጃኦምን ተፈላጥነቶምን ንምዕቃብ ድማ ኣብ ቀጻሊ ናይ ውድድር ጻዕርን ምድፍፋእን ጊዜኦም ይባኽን። ቃል እግዚኣብሄር ግና ነዚኣቶም ከምዚ ብምባል ይገልጾም " ብዙሓት ፈተውቲ ዘለውዎ ሰብ ይጠፍእ፡ …" (መጽሓፍ መክብብ ምዕራፍ 19 ጥቕሲ 24 ገጽ 670)። ቃል ኣምላኽ ወሲኹ ስለ ዝኾነ። የሱስ እኳ ንሱ ባዕሉ ኣምላኽ ክንሱ ግናኻ ናይ ኣቦኡ ደኣ እምበር ናይ ሰባት ናእዳ ከምዘይደሊ ተዛሪቡ ኣሎ።።

 

ንገዛእ ርእሶም ካብ ኩሉ ናይዛ ዓለም ርኽሰት ከም ዝሓለዉ ብምሕሳብ ንገዛእ ርእሶም ኣብ ዝተፈላለየ ሕግታትን ስርዓታትን ጠናኒጎማ ዝርከቡ ውን ውሑዳት ኣይኮኑን። ሕግታትን ስርዓታትን ገዛእ ርእስኻ ምሕሳእን ንህይወቶም ዕጋበት ከም ዝህባ መሲልዎም፡ ካብቲ ቅኑዕ መንገዲ ብምርሓቕ ኣብ መጻወድያ ሰይጣን ወዲቖም፡ ህይወቶም ብዘይ ዕጋበት ዝተረፈት ብዙሓት እዮም። የሱስ ክርስቶስ ነዞም ከምዚኦም ዘኣመሰሉ ሰባት ከምዚ ብምባል ይገልጾም " ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን። ወጻኢኡ ጽቡቕ ኮይኑ ዝርኤ። ውሽጡ ግና ኣዕጽምቲ ምዉታትን ርኽሰትን ዝመልኤ ልቕሉቕ መቓብር ትመስሉ ኣሎኹም እሞ። ወይለኹም። ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ብላዕሊ ንሰብ ጻድቃን መሲልኩም ትረኣይዎ። እቲ ውሽጥኹም ግና ግብዝናን ዓመጻን ምሉእ እዩ። (ወንጌል ማቴዎስ ምዕራፍ 23 ጠቕሲ 27-28 ገጽ 28 ሓድሽ ኪዳን)።" እምበኣር ሕግታትን ስርዓታትን ብምሕላው ገዛእ ርእስኻ ብምሕላው ዕጋበት ህይወት ክርከብ ኣይከኣልን። እዚ ኩሉ ጻዕሪ ሰብ ስለ ዝኾነ ነታ ኣምላኽ ዝምንጫ ህይወት ሰብ ከዕግባ ኣይከኣሎን።

 

የሱስ እቲ ካብ ድንግል ማርያም ዝተወልደ መድሃኔ ኣለም ግና ሎሚ ንህይወትካ ከዕግባን ዕረፍቲ ክህባን ከምዚ እናበለ ይጽውዓካ ኣሎ " ኣቱም ኩሉኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን። ኣነ ከዕርፈኩም ናባይ ንዑ። ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይ ውን ትሑት፡ ኣርዑተይ ፈኵሽ፡ ጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሃሩ። ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።"(ወንጌል ማቴዎስ ምዕራፍ 11 ጥቕሲ 29-30 ገጽ 13 ናይ ሓድሽ ኪዳን)።

 

የሱስ " ዝጸምኤ እንተሎ: ናባይ ይምጻእ እሞ ይስተ። ብኣይ ዚኣምን እቲ ጽሑፍ ከም ዝብለ ካብ ከብዱ ርባታት ማይ ህይወት ኪውሕዝ ኣዩ።" (ወንጌል ዮሃንስ ምዕራፍ 7 ጥቕሲ 37-38 ገጽ 107 ናይ ሓድሽ ኪዳን) እናበለ ይጭድር ኣሎ። ነታ ዕጋበት ስኢና ዘላ ህይወትካ ናይ ዘልኣለም ሓጎስ ዕረፍቲ: ሰላም ብምሃብ ከዕግባ ሎሚ ይዕድመካ ኣሎ። ንጻውዒቱ ኣኽቢርካ: ነቲ ኣብ መስቐሉ ዝኸፈለልካ ዋጋ ብምቕባል ንየሱስ ክርስቶስ ከም ናይ ግሊ መድሓኒኻ እንተተቐበልካዮ፡ ኣብዛ ዓለም ብዕጋበት ክትመላለስ ኢኻ፡ ድሕሪ ሞት እውን ኣብ ሰማያት እውን ናይ ዘልኣለም ህይወት ክልወካ እዩ። ነፍስኻ ብኣምላኽ ባህ ክብላ እዩ። ነዚ ጻውዒት እዚ እንተነዓቕካዮ ግን፡ ቃል እግዚኣብሄር " ንሰብ ሞት ድሕሪኡ ድማ ፍርዲ ተሰሪዑሉ ኣሎ" ይብል እዩ እሞ፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ከይዓገብካ ኣብ ሰማያት ድማ ኣብ ናይ ዘልኣለም ሓዊ ኣብ ጥፍኣት ክትነብር ኢኻ። ስለዚ ሎሚ ነዚ ናይ መድሓኒኻ ጻውዒት ዕሽሽ ኣይትበሎ። ንየሱስ ብምቕባልካ ናብ ናይ ህይወት ዕጋበት እቶ።