26
Fri, Apr
0 New Articles

መሓሪ ምዃን

Message 4
Typography
 

ኩልና ስጋ ኣሎና፣ ኣብ መንጎ ስጋ ዘለዎም ሰባት ከኣ ንነብር ኣሎና። ስለዚ ድማ ብፍላጥ ኮነ ብዘይ ፍላጥ ነንሓድሕድና ክንቋሰል ኢና። ብዋላ ሓደ ክንጉድኣሉ ዘይንኽእል ቦታ መንግስተ ሰማያት ጥራይ እዩ። ኣብ ምድሪ ክሳብ ዘሎና እምበኣር ነንሓድሕድና ይቕረ ክንበሃሃል የድልየና። ጌጋ መኻይድቲ ሰብ እዩ፣ ይቕረ ምባል ከኣ ኣምላኻዊ ባህርይ።

ሓደ ካብ ናይ ገሃነም መለለዩ ኣብኡ ምሕረት ዘይምህላዉ እዩ። ብመጠን እቲ ኣብ ልብኻ ንካልኦት ምሕረት ምግባር ዝጎደለሉ ከኣ ብኡ መጠን ኣብ ልብኻ ንእሽቶ ገሃነም ኣሎካ። ይቕረ ክትብል ፍቓደኛ እንተ ዘይኮይንካ ኣብ ልብኻ ንእሽቶ ገሃነም ጌርካ ኣሎኻ።

 

ብምኽንያት መንፈሳዊ ንጥፈታትካ ብካልኦት ትነኣድ ትኸውን፣ እንተኾነ ግን እዛ ንእሽቶ ገሃነም ኩሉ ጊዜ ኣብ ውሽጥኻ ኣላ። ገሃነም ሒዝካ ናብ መንግስተ ሰማያት ክትኣቱ ስለ ዘይከኣል ከኣ ኣብ ከምኡ ዓይነት ኩነታት ከሎኻ ናብ መንግስተ ሰማያት ክትኣቱ ኣይትኽእልን ኢኻ። ቅድሚ ካብዚ ምድሪ ምስንባትካ ነዚ ኣብ ልብኻ ዘሎ ገሃነም ክትኣልዮ ኣሎኻ።

ስለዚ እዩ ጎይታ "ንሕና ንዝበደሉና ኸም ዝሓደግናሎም፣ በደልና ሕደገልና።" ኢልና ክንጽሊ ምሂሩና።

ንካልኦት ይቕረ ምባል ክንኣቢ ከሎና ኣካላትናውን ክትንከፍ ይኽእል እዩ። ንሕጊ ኣምላኽ ዘይምእዛዝ ስጋዊ ስቓይውን (ቃንዛውን) የምጽእ እዩ።

ንገለ ሰብ ቂም እንተ ሒዝካሉ ወይ ብልብኻ እንተ ቀኒእካሉ ነቲ ናይ ኣምላኽ ናይ ፍቕሪ ሕጊ ስለ ዘፍረስካ ንኣካላትካ ክጸልዎ ክጅምር እዩ። ሎሚ ብሰንኪ ምቕያሞም ክሓዊ ብዘይክእል ሕማም ሪሕ፣ መርዘን፣ ቅርጥማት፣ ኣዝማ . . . ዝሓመሙ ብዙሓት ክርስትያናት ኣለዉ። ክንዲ ዝደለይዎ ዓይነት ከኒና ይውሓጡ ይቕረ ምግባር ከይተማህሩ ኣይክሓውዩን እዮም። ምኽንያት ሕማሞም ኣካላዊ ዘይኮነስ ነፍሳዊ እዩ።

ንሓውካ ወይ ሓብትኻ ይቕረ እንተ ዘይኢልካሎም ኣምላኽ ንጸሎትካ ኣይሰምዖን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መዝ.66፣18 "ኣብ ልበይ እኩይ ሃቂነ እንተ ዝኸውን፣ እግዚኣብሄር ኣይምሰምዓንን ነይሩ።" ይብል። ኣይምልሶን ጥራይ ዘይኮነስ ኣይሰምዖንውን እዩ።

ንገዛእ ርእስና ኣይነዕሹ። ሓቀኛ ይቕረታ ምሕታት ድሕሪ ምስባርን ምንዛዝን እዩ ዝመጽእ። ንሱ ከኣ ዝምድናና ምስ ኣምላኽ ክቐንዕ እንተኾይኑ ክፍኣት ስጋና ምእማን፣ ካሕሳ ምኽሓስ፣ ንዝበደልናዮ ዝኾነ ዓይነት ሰብ ይቕረታ ምሕታት ዘጠቓልል እዩ።

ኣብ ማቴ.6፣12 የሱስ "ይቕረ በለልና" ኢልና ክንጽሊ ምሂሩና ኣሎ። ኣሕዋትናውን ይቕረ ክበሃለሎም ንደሊ ኢና። ገለ እዋናት ዝበደለና ሓውና ብኣምላኽ ክፍረድ ክንርኢ ሕቡእ ድሌት ክህልወና ይኽእል እዩ። ሰባት ብኣምላኽ ክቕጽዑ ዝደሊ ሰይጣን ጥራይ ስለ ዝኾነ እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ሰይጣናዊ እዩ።

የሱስ "ከምቲ ኣነ ኣባኻትኩም ዝገበርክዎ፣ ንስኻትኩምውን ከምኡ ኽትገብሩ መርኣዩ ሂበኩም ኣሎኹ እሞ፣ ከምኡ ኣእጋር ሓድሕድኩም ክትሓጽቡ ይግብኣኩም እዩ።" ኢሉ (ዮሃ.13፣14)። እዚ ጥቕሲ ኣብ እግሪ ሓውካ ርስሓት (ብመንፈሳዊ ኣዘራርባ) ክትርኢ ከሎኻ ከምቲ ንነፍስኻ ትደልዮ ንሱውን ክነጽህ ድለ ማለት እዩ።

"በደልና ሕደገልና / ሓጢኣትና ይቕረ በለልና" ማለት ከምዚ ማለት እዩ፣ "ኣቦ፣ ብሕድገት ሓጢኣተይ ጥራይ ኣይዓግብን እየ። ነቶም ኣብ ዙርያይ ዘለዉ ካልኦት ኣሕዋትን ኣሓትንውን ሓጢኣቶም ይቕረ ክትብለሎም እደሊ እየ።" ማለት እዩ። ኣሜን።