26
Fri, Apr
0 New Articles

የሱስ ክንዮ ዕጫኻ ምርጫኻ ድዩ?

Message 4
Typography

ኣብ መዝ.16፣6 "ኣብ ባህ ዜብል ቦታ ዕጻ በጺሑኒ፣ ኤረ ጽቡቕ ርስቲ መጺኡኒ።" ዝብል ቃል ንረክብ። ዕጻ ካባኻ ወጻኢ ዝውሰንን ዝወሃበካን ትዕድልቲ ክንብሎ ንኽእል። ንዕጻኻ ክትፈትዎ ወይ ዘይክትፈትዎ ዝከኣል እዩ። እዚ ዘማራይ ከኣ  እግዚኣብሄር ርስቱ ክኸውን ፍቓደኛ ብምዃኑ ኣብ ባህ ዜብል ቦታ ዕጻ ከም ዝበጽሖን ጽቡቕ ርስቲ ከም ዝመጽኦን ተዛሪቡ። ውሉድ ኣምላኽ ምዃን ንኹሉ ሰብ ዝተፈቕደ ዕጻን ርስትን እዩ፣ ኩሉ ሰብ ከም ጽቡቕ ርስቲን ባህ ዜብል ዕጻን ጌሩ ስለ ዘይርድኦ ግን ካብቶም ዝበጽሖም እቶም ዝቕበልዎን ኣብኡ ዝጸንዑን ውሑዳት እዮም። እግዚኣብሄር ኣቦና ንሕና ድማ ውሉዱ ክንከውን ካብኡ ዝኾነልና ባህ ዘብል ዕጻ እዩ።


 

ነዚ ዕጻ እዚ ዘጽንዓልና ንሱ ባዕሉ እኳ እንተኾነ ካባና ዝሕተት ነገርውን ኣሎ። ኣብ ሓዲሽ ኪዳን ብዙሓት እዚ ዕጫ እዚ በጺሕዎም እዩ። እቲ ብዕጻ ዝበጽሓካ ንክጸንዓልካ ግን ዝኽፈል ዋጋ ኣሎ። ንሱ ከኣ ነቲ ብዕጻ ዝበጽሓካ ዋላ ሓንቲ ከይከፈልካ ዝረኸብካዮ ምድሓን እቲ ጎይታ ዝሓተቶ ዋጋ ብምኽፋል ምርጫኻ ትገብሮ (ወደ መዝሙር ትኸውን)። ጎይታ ንደቀ መዛሙርቱ "ብዙሓት ነብያትን ጻድቃንን ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎ ዘሎኹም ኪርእዩ ኸም እተመነዩ እሞ ኸም ዘይረኣዩ፣ ነዚ ንስኻትኩም እትሰምዕዎ ዘሎኹም ኪሰምዑውን ከም እተመነዩ እሞ ከም ዘይሰምዑ፣ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ኣዒንትኹም ግና ዚርእያ፣ ኣእዛንኩምውን ዚሰምዓ እየን እሞ፣ ብጹኣት እየን።" ኢሉዎም (ማቴ.13፣16-17)። ነቲ ብስጋ ዝተገልጸ ቃል (ዮሃ.1፣14) ብኣካል ዝረኣይዎን ካብ ኣፉ ቃል ዝሰምዑን ብዙሓት እዮም። ተኣምራት ክገብር ከሎ ብምርኣይ ዝተገረሙውን ውሑዳት ኣይነበሩን። እቲ ክልተ ዓሳን ሓሙሽተ እንጌራን ባሪኹ ክህቦም ከሎ በሊዖም 12 መሶብ ቆረርስ ዘትረፉ ካብ ሓሙሽተ ሽሕ ዘይውሕዱ ሰብኡት ኔሮም። ካብዞም ኩሎም ግብሩ ክርእዩ ዝኸኣሉ ሰባት ግን ኣዝዮም ውሑዳት ጥራይ እዮም ንየሱስ ናይ ህይወት ምርጫኦም ጌሮሞ። ዝበዝሑ ካብኣቶም ነቲ ብብዙሕ መንገዲ ዝቐርቦም ዝነበረ ጎይታ ምርጭኦም ክገብርዎ ፍቓደኛታት ኣይነበሩን። ስለዚ ከኣ ብዙሓት ካብኣቶም ንድሕሪት ተመሊሶም (ዮሃ.6፣66)። እቲ ናይ ስግኡ ምብላዕን ደሙ ምስታይን ምስጢር ካብ ዕጫ ሓሊፉ ምርጫ ዘድልዮ ናይ ወደ መዝሙር ጉዕዞ ስለ ዝነበረ እቶም ነቲ ወደ መዝሙር ምዃን ዝሓቶ ዋጋ ክኸፍሉ ዘይደለዩ ንድሕሪት ተመሊሶም። ጎይታ የሱስ ግን ነቶም ምስኡ ዝተረፉ ምእንቲ ከይከዱ ብቃላት ቅብጥር ኣይተዛረቦምን። እኳ ደኣ "ንስኻትኩምከ ክትከዱዶ ትደልዩ ኣሎኹም?" ኢሉ ሓቲትዎም (ዮሃ.6፣67)። ንዓኻትኩምከ ናይ መጀመርያን መወዳእታን ምርጫኹም ድየ? እዩ ዝብሎም ዘሎ። እዚ ሕቶ እዚ ሎሚውን ንኹልና ዝሕተት ዘሎ ሕቶ እዩ። ናይ ብሓቂዶ የሱስ ቀዳማይ ምርጫና እዩ? እቶም ኣብ ኩሉ ዝሰዓብዎ ብዙሓት ኣይነበሩን። ንሱውን ንኹሎም ክስዕብዎ ዝደልዩ ዝነበሩ ዘቕርበሎም ዝነበረ ቅድመ ኩነት "ኪስዕበኒ ዚፈቱ እንተሎ፣ ህይወቱ ቀቢጹ፣ መስቀሉ ኣልዒሉ ይስዓበኒ።" ዝብል እዩ (ማቴ.10፣24-25)። ነቲ ዘኽፍለካ ዋጋ ክትከፍል ፍቓደኛ ምዃን ምርጫ እዩ፣ እንተ ዘይደለኻ ግን ጎይታ ኣየገድደካን እዩ። ሓደ ካብቶም ዓሰርተ ክልተ ዝነበረ ጴጥሮስ ነቲ ጎይታ ዝሓተቶም ሕቶ "ጎይታይ፣ ንስኻ ናይ ዘለኣለም ህይወት ቃል ኣሎካ፣ ናበይ እሞ ኽንከይድ፣ ንሕናስ ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ምዃንካ ኣሚንናን ፈሊጥናን ኣሎና፣" ብምባል መሊስዎ (ዮሃ.6፣68-69)። እዚ ናይ ጴጥሮስ ናይ መወዳእታ ምርጫ እዩ ኔሩ። ሎሚ የሱስ ንስኻ/ኺኸ ክትከይድ/ዲ ትደሊ/ልዩ ዲኻ/ኺ? ኢሉ እንተ ዝሓተና መልስና እንታይ ምኾነ? የሱስ ኪንዮ ዕጫና ምርጫና ድዩ? ኣብ ጊዜ ተኣምራት፣ ፈውስን ምጽጋብ ሕብስትን ብዕጭኦም እናተሓጎሱ ዝስዕቡ ዝነበሩ ብዛዕባ ስቅያቱን ሞቱን ምስ ሰምዑ ግን ንድሕሪት ዝተመልሱ ንትምህርትና እዮም እሞ ንዘክሮም። ክርስትና ነንመዓልቲ ንየሱስ እንመርጸሉ መንገዲ እምበር ብናይ ትማሊ ትዕድልትና እናተሓጎስና ጥራይ እንነብረሉ ስለ ዘይኮነ ነንመዓልቱ ምርጫና ንግበሮ። ንየሱስ መሪጽካ ማለት ነቲ ናብ ፍጽምና ዘብጽሕ መንገዲ ጀሚርካዮን ብእኡ እናወሰኽካ ትኸይድ ኣለኻን ማለት እምበር ፍጹም ኮይንካ ማለት ስለ ዘይኮነ ኣብ ህይወትና ብዝገጥመና ፈተናን ውድቀትን ተስፋ ክንቆርጽን ክንሕለልን ኣይግብኣናን እዩ። ነቲ ንሱ ዝሓተተና ዋጋ ክንከፍል ፍቓደኛታት እንተኾንና ነፍሳትና ምእንቲ ከይሕለላ ነቲ ጀማሪን ደምዳምን እምነትና ዝኾነ የሱስ ንጠምት። ንሱ ቅድም መሪጹና እዩ እሞ ንሕናውን ቀዳማይ ምርጫና የሱስ ይኹን።