19
Fri, Apr
0 New Articles

ዘይረብሕ ቃላት ካብ ምዝራብ ምጥንቃቕ

Message 4
Typography

 ሓደ በርሚል ወይ ዕትሮ ቀዳድ እንተደኣ ኣለዎ ኮይኑ ማይ ወይ ዝኾነ ካልእ ፈሳሲ ነገር ከዕቁር ኣይክእልን እዩ። ብሓደ ጊዜ እኳ እንተ ዘይኮነ ከም መጠን ዕቤት ናይቲ ነዃል እቲ በርሚል ወይ ዕትሮ ቀስ እናበለ ጥርሑ ይተርፍ እዩ።

እዚ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ ናይ በርሚል ወይ ዕትሮ ኣብነት ኣብ መንፈሳዊ ህይወትና እንተደኣ ተጠቒምናሉ ብዙሕ ክንመሃረሉ ኢና። ብዙሓት ካባና ንጎይታ ክንመስል ንደልን በቲ ዝርድኣና ከኣ ናብኡ የብጽሓና እንብሎ መንገዲ ንኽተልን ኢና። እንተኾነ ግን ብዙሕ ጊዜ ኣባና ኣብ ክንዲ ህይወት ሞት ይርአ። ነቲ ከምኡ ዝገብረና ዘሎ ምኽንያት ንምፍላጥ ድማ ብዙሕ ንጸውምን ንጽሊን። እቲ ምጿምን ምጽላይን እኳ ጽቡቕ እንተኾነ ገለ እዋናት ግን ከምኡ ጌርናውን መልሲ ዘይንረኽበሉ ጊዜያት ኣሎ።


 

ሓደ ካብቲ ንመንፈሳውነትናን ነቲ ኣምላኽ ኣባና ዘቐመጦ ጸጋን ከይተጠቐምናሉ ከም ዝልሑኽ ዝገብር ነገር ከናፍርና ዘይምሕላው እዩ። ቃል ኣምላኽ ብዛዕባዚ "ኣፉ ዚሕሉ ህይወቱ ይባልህ፣ ከናፍሩ ጋህ ዜብል ግና ጥፍኣት ይረኽቦ።" ይብል (ምሳ.13፣3)። እዚን ካልእ ጥቕስታትን እቲ መንፈሳዊ ሰብ ነቲ ካብ ኣምላኽ ዝተቐበሎ ብግቡእ ከማቕል ምእንቲ ክኽእል ብቃላት ኣፉ ክጥንቀቕ ከም ዘለዎ ይዛረብ። ብቃላትና ዘይንጥንቀቕ እንተኾንና ብዙሕ ጸጋ እንተ ነበረናውን ከምታ ቀስ እናበለት እትውዳእ ነዃል ዘለዋ በርሚል በብቑሩብ ጥራሕና ክንተርፍ ኢና። መንፈሳውነትና ብምኽንያት ዘረባና ክበላሾ ስለ ዝኽእል ኣፍና ክንሕሉን ብቃላት ክንጥንቀቕን ኣገዳሲ እዩ። ጎይታ የሱስ ባዕሉ "ኣነ ግና፣ ብዘረባኻ ኢኻ እትጸድቕ፣ ብዘረባኻውን ኢኻ እትኹነን እሞ፣ ሰብ ዚዛረብዎ ዘበለ ዘይጠቅም ኩሉ ቓል ብመዓልቲ ፍርዲ ጸብጻብ ኪህቡሉ እዮም፣" ኢሉ ተዛሪቡ ኣሎ (ማቴ.12፣36-37)። እዚ ጎይታ ዝዛረበሉ ዘሎ ዘይንጹህ ዘረባ፣ ጸርፊ ወይ ርኹስ ዘረባ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ዘይጠቅምን ዘይሃንጽን (ኣድላይነት ዘይብሉ፣ ኣብ ሰባት ሕማቕ ስምዒት ዘለዓዕልን ካልእን) ዘረባ እዩ። ነዚ "ብዘረባኻ ኢኻ እትጸድቕ፣ ብዘረባኻውን ኢኻ እትኹነን" ዝብል ቃል ብሸለልትነት ክንርእዮ ኣይግባእን። ምስ ዝኾነ ሰብ ዘይጠቅም ዘረባ ዝዛረብ ክርስትያን መኣዛ ክርስቶስ ከርኢ ኣይክእልን እዩ። ስለዚ ኣዘራርባና ንካልኦት ንህይወት ዝኾኖም ክኸውን ኣለዎ።

ዘይጠቅም ዘረባ ከምቲ ኣብ በርሚል ወይ ዕትሮ ዘሎ ነዃል ጥራሕና ዘትርፈና እንተኾይኑ ደኣ ነዚ ሽግር እዚ ብኸመይ ንፍትሓዮ? ከምቲ ጎይታ ዝበሎ ‘ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ' ስለ ዝዛረብ ኣፍና ንኽንቆጻጸር መጀመርያ ንልብና ከነጥዕዮን ክንቆጻጸሮን ኣሎና። ኣብ ልብና ዘሎ ነገር ይድንጉይ ወይ ይቕልጥፍ እምበር ሓደ መዓልቲ ብኣፍና ምውጽኡ ኣይተርፎን እዩ። ኣብዚ እንተ ዘይበልናዮ ኣብቲ፣ ሕጂ እንተ ዘይበልናዮ ከኣ ደሓር ክንብሎ ኢና። ካብ ኣፍና ዝወጽእ ቃላት ልክዕ ከም ዘርኢ ጊዜኡ ሓልዩ ምብቋሉ ኣይተርፎን እዩ። ቃል እግዚኣብሄር ንዛረብ እንተኾንና እቲ ቃል ብጊዜኡ ፍረ ከፍሪ እዩ፣ ዘይጠቅም ዘረባ ንዛረብ እንተኾንና ድማ ጊዜኡ ሓልዩ ሳዕቤኑ ከርእየና እዩ። ከምቲ ያእቆብ ኣብ መልእኽቱ ዝበሎ ከኣ (3፣10-11) ካብ ሓደ ኣፍ ምርቓን መርገምን ክወጽእ ስለ ዘይግባእ ካባና ንሰብ ዚሃንጽ፣ ዝባርኽን ዘጸናንዕን ኣድላዩ ኣብ ዝኾነሉ ጊዜ ድማ ብፍቕሪ ዝግስጽ ቃላት ጥራይ ክወጽእ ይግባእ። ከም ኣመንቲ ክንስሕቕን ክንዋዘን ንኽእል ኢና። እንተኾነ ግን ከምቲ ቃል ኣምላኽ ዝብለና እቲ ዋዛና ዘይግባእ ዋዛ ክኸውን የብሉን። ብዋጋ ካልኦት ሰባት (ንካልኦት ብምንእኣስ፣ ሕማቕ ከም ዝስምዖም ብምግባርን) ካብ ዝግበር ዋዛ ከኣ ክንጥንቀቕ ይግብኣና። ኣብ ዘረባና ክንጥንቀቕ እንተኾንና ኣብ ምስማዕናውን ክንጥንቀቕ የድልየና። እምነት ካብ ምስማዕ ስለ እትመጽእ፣ ዘረባና ድማ ምስ እምነትና ስለ ዝኸይድ ኣብ ምስማዕና እንተ ዘይተጠንቂቕና ዘይቅኑዕ እምነት ክንሕዝ ኢና ሽዑ ድማ ዘይጠቅም ዘረባ ክንዛረብ ኢና። ነቲ ንሰምዖን ንዛረቦን ክንጥንቀቐሉ ጎይታ ይደግፈና! ኣሜን።