18
Thu, Apr
0 New Articles

ሓለፍነትና ኣይንዘንግዕ

Message 4
Typography

“ኣብ ቤት ንጉስ ስለ ዘለኺ ካብ ኩሎም ኣይሁድ ንበይንኺ እድሕን ኢልኪ ብልብኺ ኣይትሕሰብ” ኣስቴር 4።13፣

ኣምላኽ ኣብ ሓደ ቦታ ኸቐምጠናን ከንብረናን ከሎ ብዘይ ዕላማ ኣይኮነን፣ ኣብ ኣምላኽ ኣጋጣምን ዕድልን ዝበሃል ኣይሰርሕን እዩ፣ ንሱ ኩሉ ዝገብሮ ብመደብን ብፍላጥን እዩ፣ ኣስቴር ንግስቲ ኮይና ኣብ ቤት ንጉስ ምቕማጣ ንጥቕማን ንኽብረታን ዘይኮነስ ንህዝቢ እስራኤል እዩ ኔሩ፣ ማርዶካይ ከኣ ህዝቡ ብምኽርን ውዲትን ሃማን ኣብ ናይ ወጥርን ፍርሕን ሃዋህው ምስ ተሸሙ “ነዚ ኸምዚ መጺኺ ተኾንኪ መን ይፈልጥ” እናበለ ሓላፍነታ ዘዘከራ፣ ኣስቴር እውን ዘኽፍላ መስዋእትነት ብዘይገድስ ህይወታ ቐቢጻ እንታይነታ ሓዲጋ ንግስነታ ንድሕሪት ደርብያ ንምድሓን ህዝባ ቖሪጻ ተላዒላ፣ ዕላማ ኹሉ ኸኣ ኣብ ሸትኡ በጺሑ እቲ ኣምላኽ ብዕላማ ዝሃባ ቦታ ኸኣ ብዝግባእ ተጠቂማትሉ ሓሊፋ፣


ናባና ንመለስ፣ ኣብዚ ሰዓት እዚ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ካብ ሃገርና ወጺና ኣብ ስደት ዘሎና ቡዙሓት ኢና፣ ሓዲግናዮም ዝመጻና ኣብ ማእሰርትን መከራን ስቓይን ዘለዉ ህዝብናና ወገና ማእለያ የብሎምን፣ ስሌኦም ንሕና እንታይ ንገብር ኣሎና? ስለ ምድሓኖምን ራህዎኦምን ከኣ እንታይ መስዋእትነት ክንወስድ ተዳሊና ኣሎና? ንሓገዞምን ረዲኤቶምን ከ ኢድና ንዝርግሕ ክንደይ ኢና? ስለ እቶም ኣፍ ዘይብሎም ከ ኣፍ ኮይና ንጣበቐሎም ቁጽርና ክንደይ እዩ?
 
ኩቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን እስከ ብልብና መንግድና ንሕሰብ ጾር እቶም ኣብ መከራን ኣብ ስቓይን ዘለዉ ኣሕዋትና ማዕረ ክንደይ ይስማዓና? ኣብ ልብና ዘለዎም ቦታ ክንደይ ዕቢ እዩ? ምላኽ ጽባሕ ንግሆ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ክሓተና እዩ እሞ ሓላፍነትና ኣይንዘንግዕ ኢና፣ ንሕና ኣብ ጽቡቕ ቦታ ወይ ውሕስ ቦታ ስለ ዘሎና ካብ መከራ ንድሕን ከይምስለና ስልዚ ልብና ኣብ ስቓይን መከራን ኣሕዋትና ይኹን፣ ኣምላኽ ከኣ ንምድሕንን በረኸተን ክገብርና እዩ፣