20
Sat, Apr
0 New Articles

የዒንተይ ናብ ኣኽራን ኣልዕል ኣለኹ

Message 4
Typography
ረዲኤት ሰብ ኩሉ ከንቱ እዩ፣ ሓገዝ ሰብ ክሳብ ዝተወሰነ ሰዓት እዩ፣ ሰብ እዝኑ ሂቡ ዝሰምዓካ ልቡ ኣውዲቑ ተኻፋሊ ሽግርካ ዝኸውን ክሳብ እቲ ዝኽእሎ ዓቕሙ እዩ፣ እቲ ንዓኻ ክህቦ ዝኽእል መፍቲሒ ንጸገመክ ኩሉ ዝፈትሕ ኣይኮነን ድሩቱን ዉሱንን እዩ፣ ዳዊት እቲ ዓቢ ዘማራይ ሓደ ግዜ ከምዚ ኢሉ ዘሚሩ “የዒንተይ ናብ ኣኽራን ኣልዕል ኣለኹ ረዲኤተይ ካበይ እዩ ዝመጸነኢ” መዝ 121።1፣ ዳዊት ንረዲኤት ናብቲ ዓቢ መሕቢኢ ዝኾነ ኣኽራን ጠሚቱ ግና ረዲኤት ከም ዘይኮነ ኸኣ ብኣግኡ ፈሊጡ፣ ቅጽል ኣቢሉ ግና “ረዲኤተይ ካብቲ


ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ እግዚኣብሄር እዩ ዝመጸኒ” ኢሉ፣ ሎሚ ንረዲኤትን ሓገዝን ናበይ ትጥምት ኣለኻ? ንመልስን ምንጋፍን ናብ መን ተማዕዱ ኣለኻ? ንዓኻ እቲ ፉጹም ኣበር ኣልቦ ረዲኤት ኣምላኽ ሰማይ በይኑ ጥራይ እዩ፣ ስለዚ ወትሩ ከይሰልከኻ ናብቲ ፉጹም ረዲኤትን ዓወትን ዝኾነ ኣምላኽ ደኣ ጠምት፣ እቶም ንኣግዚኣብሄር ዝጥምቱ ከቶ ኣይሓፍሩን እዮም እሞ ኣብዛ ውርደትን ሕፍረትን ዝዓዘዛ ኣብዛ ምሽባርን ነውጽን ዝነፈሳ ዓለም የዒንትኻ ናብቲ ጀማርን ደምዳምን እምነትካ ዝኾነ የሱስ ጠምት፣ ማዕበል ባሕሪ እንተ ሃመመ ኣኽራናት ከኣ እንተ ተናወጹ ማያት እውን እንተ ዓፈሩ እቲ ንረዲኤትካ ኣብ ሰማያት ዝተወጠሐ ኣምላኽ ኣብ ዝፋኑ እዩ እሞ ንረዲኤት የዒንትኻ ናብ ላዕሊ ናብ ሰማይ ናብ ኣምላኽ ገጸን ይቕንዓ፣ የዒንትኻ ካብ ኣኽራናት ይመለሳ ምጥማትካ ኩሉ ናብቲ ዘይሕፍር ኣምላኽ ሰማይ ይኹን፣

ዎ ኣምላኸይ የዒንተይ ንረዲኤት ናባኻ ይጥምታ ኣለዋ፣