24
Wed, Apr
0 New Articles

ሓቂ ጥራይ እያ ካብ መፈንጥራ ጸላኢ ሓራ ተወጽእ፣

Message 4
Typography

ንስኻትኩም ኣብ ቃለይ እንተ ጸናዕኩም ብሓቂ ደቂ መዛሙርተይ ኢኹም፣ ንሓቂ ክትፈልጥዎ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ከተውጻኩም እያ” ዮው 8።31-32፣

ከም ሰዓቢቲ መድሓኒና ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ኣብ ቃሉ ክንጸንዕ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ፣ ነቲ ናቱ ሓቂ ክንፈልጥ ኣብ ቃል ኣምላኽ ክንነብር ተነጊሩናን ተኣዚዝና ኣሎና፣ ብመጠን ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝነበርናሉ መጠን ከኣ ሓርነትና እናዓበየ ክኸይድ ናይ ግድን እዩ፣ “እታ ሓቂ ሓራ ከተውጻኩም እያ” ሰባት ኣብ ህይወቶም ካብቲ ዘድልዮም ሓደ ኣገዳሲ ነገር ካብ ናይ ጸላኢ መንፈሳዊ ባርነት ነጻ ምውጻእ እዩ፣



ብዘሎ እቲ ዘይኣምን ኣብዛ ዓለም ዘሎ ፍጥረት ወዲ ሰብ ኣብ ዲቕ ዝበለ መንፈሳዊ ጸልማት ኣትዩን ተኣሲሩን እዩ ዘሎ፣ “ብዘላ ዓለምውን በቲ እኩይ ተታሒዛ ምህላዋ ንፈልጥ ኢና” 1ዮው 5።19፣ ዋላ እቶም ነቲ ኣምላኽ ዝብሎ ብዛዕባ ሰይጣንን ሓጥያትን ዘይኣምኑ ሰባት ከይተረፉ ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ እዮም ዘለዉ፣ ስለዚ ንሕና ብትሕትናን ብዓቕልን ብዛዕባ እቲ ሓቂ ከነርድኦም ሓላፍነትና እዩ፣ “ብትሕትና ነቶም ኣንጻር ኣምላኽ ዝትስኡ ሰባት ኣረድእዎም፣ ምንላባት ኣምላኽ ነቲ ሓቂ ክፈልጡ እሞ ካብቲ ጨቛኒ ሓራ ወጽዮም ፍቓዱ ክገብሩ ንንስሓ ዝከውን ዕድል ይህቦም ይኸውን፣ ጳውሎስ ነዚ ዕላማ እዚ ማለት ነቶም ኣብ ጸልማት ዘለዎን ብባርነት ሰይጣን ከኣ ዝተታሕዙ ሰባት ሓራ ክገብር እዩ ተላኢኹ፣ “ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን። ካብ ስልጣን ሰይጣንውን ናብ ኣምላኽ ኪምለሱ ኣዒንቶም ክትከፍተሎም እልእከካ ኣለኹ” ግብ 26።18፣ ምስክር እቶም በዚ ናይ ሓቂ ወንጌል ዝኣመኑ ኣመንቲ እዚ እዩ፣ “ንሱ ካብ ስልጣን ጸልማት ጸውጻኣና ናብታ መንግስቲ ፍቑር ወዱውን ኣእተወና” ቆሎ 3።13፣ ሰይጣን ግና ናብ ምድሓን ከይንኣቱ ጥራይ ኣይኮነን ዝጥብረና ዝኽልክለና ወይ ዝፍትነና፣ ካብኡ ሓሊፉ እውን ብዙሓት ኣብ ምድሓን ዘለዉ ቁዱሳን ከይተረፉ ኣብ ተግባራቶምን ኣተሓሳስብኦምን ኣሲርዎም ይርከብ፣ ግና ብናይ ጸላኢ ሓሶት ይጽለዉ ኣለዉ፣ እቲ ጳውሎስን ሰዓብቱን ዝተኣመንዎ ናይ ሓርነት ምእማን ገና ኣይተኣመንዎን ዘለዉ “ሰይጣን ከይብለጸልና ውዲቱ ኣይንስሕቶን ኢና”፣ ሰይጣን ነቶም ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘይነብሩ ኣመንቲ ወትሩ ምስ ኣደናገሮምን ኣብ ባርነቱ ኸኣ ምስ ቆሮኖምን እዩ፣ ብኣንጻሩ ኸኣ እቶም ንናይ ኣምላኽ ሓቂ ብምልኣት ተቐቢሎም ኣብኡ ኸኣ ዝጸንዑ ሰባት ወትሩ ካብ ምድንጋር ጸላኢ ሓራ ወጽዮም ንዝረኸብዎ ኣምላኻዊ ሓርነት ብምልኣት እዮም ዘስተማቕርዎ፣ ወትሩ ኸኣ ብምርዳእ እናዓበዩ ብዓወት ይመላለሱ እሞ ዕላማ ምምጻእ የሱስ ክርስቶስ ኣብዛ ምድሪ ኸኣ እንታይ ምኻኑ የስተውዕሉ፣ “ወዲ ኣምላኽ ከኣ ግብሪ ድያብሎስ ከፍርስ እዩ ዝተገልጸ”
ዎ ጎይታይ ስለቲ ኣብ ወንጌላትካ ተጠቒሱ ዘሎ ጸጋ ንዓይ ከኣ ካብ ናይ ጸላኢ መጻወድያ ሓራ ዘውጻኒ ሓቕኻ ይባርኸካ፣ ሕጂ ኸኣ ካብ ውዲት ጸላኢ ክሕሎን ውዲቱ ኸኣ መታን ከለልዮን ከየታልለንን መታን መመሊሰ እቲ  ሓርነት ዝህብ ሓቅኻ ክፈልጥ እደሊ ኣለኹ፣ ሓቕኻ መሃረኒ፣

ብየሱስ ክርስቶስ ኣሜን፣