19
Fri, Apr
0 New Articles

ብትብዓት ኣብ ዝፋን ጸጋ ኣምላኽ ንቕረብ

Message 4
Typography
ብግዜ ጸባባና ንረድኤት ዝኸውን ጸጋ ክንረክብ ብትብዓት ኣብ ዝፋን ጸጋ ኣምላኽ ንቕረብ እብ 4።16፣

ክርስትና ኣብ ኣምላኽ ተወኪልካ እትኸዶ ጉዕዞ እምበር ኣብ ገዛእ ርእስኻ ተኣማሚንካ እትኸዶ መንገዲ ኣይኮነን፣ ቃል ኣምላኽ እውን ኣብ ዘካርያስ 4።6 ክዛረብ ከሎ ከምዚ እዩ ዝብል “ብመንፈሰይ እምበር ብኽእለትን ሓይልን ኣይኮነን” ጎይታና የሱስ ክርስቶስ እውን ኣብ ወንጌል ዮውሃንስ 15።5 “እቲ ጉንዲ ወይኒ ኣነ እየ ጨናፍር ከኣ ንስኻትኩም ኢኹም። ብጀካይ ሓንቲ እኳ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም እሞ። እቲ ኣባይ ዝጸንዕ ኣነውን ኣብኡ ንሱ እዩ ብዙሕ ፍረ ዝፈሪ” ይብለና፣ ስለዚ ኸኣ ኢና ከም ኣመንቲ ንጸጋ ኣምላኽ ካብ ዝኾነ ንላዕሊ ክንጸምኦን ክንደልዮን ዘድልየና ከመይሲ ብዘይ ጸጋ ኣምላኽን ሓይሊ መንፈስ ቁዱስን ምንም ክንገብር ኣይንኽእል ኣብ ልዕሊ ዝመጸና ሓይሊ ፈተናን ጸልማትን ከኣ ደው ክንብል ኣይንኽእልን፣


ጸጋ ኣምላኽ ክበዝሓልና ከሎ ጥራይ እዩ ዓወትና እንደዓበየን ብርሃና ኸኣ እናደመቐ ዝኸይድ፣ ሃዋርያ ዓውሎስ ንጢሞጥዎስ ክምዕዶ ከሎ ከምዚ ይብሎ “በቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘሎ ጸጋ ደልድል” 2ጢሜ 2።1፣ ሎሚ እምበኣር ንጸጋ ኣምላኽ ክንረክብን ብምልኣት ከኣ ኣብና መሊኡ ክሓድር ወትሩ ገጽ ኣምላኽ እናደለና ኣብ ዝፋን ኣምላኽ ንቕረብ ንሱ ኸኣ ኣንጀርቢቡ ብዘይስፍሪ ጸግኡ ኣባና እምብዛ ከፍስሶን ከዕዝዞን እዩ፣ ሽዑ ከኣ ንዝመጸና ጸበባን መግደራን ምስጋር ክንክእል ኢና፣ ነቲ ካብ ኣምላኽ ዝተዋሃብናዮ ጸጋ ምዕቃቡ ክንክእል ከኣ ኣምላኽ ንዕኡ ብኽብሪ ክንሕዘሉ እንኽእል ጸጋ ክህበና ንለምኖ፣

ጸሎት

ዎ ኣምላኽ ኣብ እምነት ደው ኢለ ንዓኻ ከስምርን ክግዛእን ንጽመጸኒ መከራን ፈተናን ከኣ ክስዕር ክኽእል ጸጋኻ ከተፍስሰለይ ኣብ ዝፋንካ ይቐርብ ኣለኹ እሞ ጸጋኻ ኣፍስሰለይ፣ ብጎይታ የሱስ ክርስቶስ ኣሜን