19
Fri, Apr
0 New Articles

ፍረ ሓድነት

Message 4
Typography

ሓደ ግዜ ሰይጣን ንኹሎም ናቱ ሰዓብቲ ኣኼባ ገበረሎም። እቲ ዛዕባ ድማ ብዛዕባ ማሕበር ክርስቶስ እዩ ኔሩ። ሰይጣን ነቶም ኣጋንንቲ ይብሎም፣ ነዞም ኣብዛ ምድሪ ኰይኖም ከም ዝግባእ ክንዓዪ ዝዓግቱና ዘለዉ ኣመንቲ ብኸመይ ክንዓግቶም ንኽእል? ዝብል ሕቶ ኣለዓለሎም። ኩሎም ድማ ነናቶም መልሲ ሃቡ። ካብቲ ዝሃብዎ ብዙሕ መልሲ ግና እቲ ኣድማዒ ኰይኑ ሰይጣን ዝረኸቦን ክሰርሕሉ ድማ ዝወሰኑን ግና ሓደ ነገር ነበረ። ንሱ ድማ ኣብ መንጐ ማሕበር ኣምላኽ ምፍልላይን ዘይምስምማዕን ምእታው ዝብል እዩ። እዚ ዕላማ ሰይጣን እዚ ብጉሁድ ኣብ ቃል ኣምላኽ ተጠቂሱ ኣሎ። ሰይጣን ኩሉሳዕ ኣብ መጐ ኣሕዋት ምፍልላይን ዝርግርግን ከእቱ እዩ ዝደሊ። ህዝቢ ኣምላኽ ሓደ ም ዝኸን ዝሰርሖ ስራሕ ስለ ዝፈልጥ ብዝከኣሎ መጠን ዘይምስምማዕ ከእቱ እዩ ዝጋደል። ኣብዚ ዘመን እዚ ነዚ ሜላ ተጠቂሙ እንታይ ዓይነት ዕዮ ይዓዪ ከም ዘሎ ምስክር ኢና።
ጐይታ የሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ሞይቱ ምስ ተንስኣ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ስልጣን ናቱ ምኻኑ ንደቂ መዛምርቱ ነጊርዎም። እዚ ስልጣን እዚ ድማ ንማሕበሩ ብምልኣት ከም ዘግዝኣ ቃል ኣምላኽ ይዛረብ “ኣምላኽ ንክርስቶስ ካብ ምዉታት ኣተንሲኡ፡ ኣብ የማኑ ኣብ ሰማያት ምስ ኣቐመጦ፡ ኣብታ እትመጽእውን እምበር፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ልዕሊ ዂሉ ሽመትን ስልጣንን ሓይልን ጐይትነትን ዚስመ ዘበለ ስምን ምስ ኣርአሶ፡ ነቲ ሕልፊ ዘለዎ ዓብዪ ሓይሊ ኣባና እንኣምን ዘሎና ኸም ስልጣን ሓይሉ ኣብ ክርስቶስ ዝገበሮ ግብሪ ንስኻትኩም እንታይ ምዃኑ ኽትፈልጥዎ፡ እጽልየልኩም ኣሎኹ። ንብዘሎ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ኣግዝኦ፡ ኣብ ልዕሊ ዂሉስ ርእሲ ምእንቲ ኪኸውን ድማ፡ ነታ ማሕበር ወፈዮ። ንሳ ኸኣ ስጋኡ ናይቲ ዂሉ ኣብ ኲሎም ዚመልእ ምልኣቱ እያ።” ኤፈሰን 1፣19-23 እዚ ንማሕበር ኣምላኽ ዝተዋህባ ስልጣን ክርስቶስ ኣብዛ ምድሪ ክውን ክኸውን ኣብ ማሕበር ኣምላኽ ስምረት ክህሉ ኣለዎ። ስልጣን ኣምላኽ ኣብቲ ፍጹም ኣንድነት ዘለዎ እዩ ዝግለጽ። ትሕዝቶ ማሕበር ኣምላኽ ክንዮ መዝሙርን ኣምልኾን ምዃኑ ክንፈልጥ ኣሎና።
ማሕበር ኣምላኽ ነታ ኣብ ሰማይ ዘላ ብጐይታ ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢላ ድማ ኣብዛ ምድሪ ዝተገልጸት መንግስቲ ኣምላኽ እትውክል ኣካል እያ። ሎሚ ስራሕ እዛ መንግስቲ እዚኣ ብዝግባእ ከምቲ ዝድለ ክስራሕ ኣብ ውሽጣ እቲ ብመንፈስ ቁዱ ዝረኸበቶ ውህደት ክሰርሕ ኣለዎ። እታ ቐዳመይቲ ማሕበር ኣምላኽ ትልለየሉ ዝነበረት ኣርማ ሓድነት እዩ። እዚ ዝነበራ ሓድነት ከኣ ክሳብ እዚ እዋን እዚ ንወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ ሓይሊ ኰይንዎ ይርከብ። መድሓኒ ዓለም ብሓድነትና እምበር ኣብ ቤት ኣምላኽ ብእንገብሮ ንጥፈታት ክትፈልጠኩም እያ ኣየበለናን። ሎሚ ሓቂ ንዝራብ ዓለም ትፈልጠና ብሓድነትና ዘይኰነስ በቲ እንገብሮ መንፈሳዊ ንጠፈታትን ካልእን እዩ።
እቲ ናይ ክርስቶስ ማሕበር ብጻዕርን ብጭንቅን ብመስዋትነትን እያ ህያው ኰይና። ንሕና ድማ ኣብዚ ኢና ተሃኒጽና ዘሎና። ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ዝጸለዮ ናይ ሓድነት ጸሎት እዚ እዩ “ብኣንድነት ፍጹማት ኪዀኑ፡ ዓለም ድማ ከምቲ ንኣይ ዝለኣኽካንን ዘፍቀርካንን፡ ከምኡ ንኣታቶምውን ከም ዘፍቀርካዮም ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ ንሕና ሓደ ኸም ዝዀንና፡ -ኣነ ኣባታቶም ንስኻውን ኣባይ፡ -ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ ኣነ እቲ ዝሀብካኒ ኽብሪ ሀብክዎም።” እምብኣር ሓድነት ቤት ኣምላኽ ዝትንክፍ ዘበለ ንኽብሪ የሱስ ይጐድኣ ምህላዉ ምፍላጥ ከድልዮ እዩ። ሎሚ ሓድነት ቤት ኣምላኽና ዕቁብ ክኸውን ክሳብ ክንደይ ንጋደል? እዚ ኣብ ዘመና ዘሎ ንማሕበር ኣምላኽ ዝጐጃጅል መንፈስ ክሳብ ክንደይ ንጽየፎ? ፍርዲ እዚ ክሳብ ሰማይ ዓቢ ምኻኑ ኸኣ ክሳብ ክንደይይ ይስወጠና? ጽልዋና ኣብዚ እዋን ጽልዋ ሃዋርያ ኰይከውን ክንዲ ብዝሕና ምፍልላይና ዓብዩ። እታ ኣብ ዘመን ሃዋርያት ዝነበረት ማሕበር ብሓድነታ ትፍለጥ ኔራ እዛ ናይ ሎሚ ማሕበር ከ?
ሓድነት ንሕና ጺዒርና ወይ ተጋዲልና ነምጾ ነገር ኣይኰናን እንታይ ደኣ መድሓኒ ብደሙ ዘምጾ ነገር እዩ ነዚ ድማ እዩ ኣብ ኤፌሶን ክዛረብ ከሎ “ንሱ ነዞም ክልተስ ሓደ ዝገበረ ነቲ ኣብ መንጎ ዝነበረ ኸልካሊ ቐጽሪውን ዘፍረሰ፡ ሰላምና እዩ እሞ፡
ብርእሱ ዕርቂ እናገበረ፡ ካብዞም ክልተ ሓደ ሓድሽ ሰብ ምእንቲ ኺፈጥር፡ ነቲ ጽልኢ፡ ንሱ ኸኣ ሕጊ ትእዛዝ ብስርዓት፡ ብስጋኡ ስዒሩ፡ ብመስቀሉውን ነቲ ጽልኢ ብእኡ ቐቲሉ፡ ንኽልቲኦም ብሓደ ስጋ ምስ ኣምላኽ ኣተዐረቖም።
ንኽልቴና ብእኡ ብሓደ መንፈስ ናብ ኣቦ መእተዊ ስለ ዘሎና ኸኣ፡ ንኣኻትኩም ርሑቓት ዝነበርኩም መጺኡ ሰላም ኣበሰረኩም፡ ነቶም ቀረባ ዝነበሩውን ሰላም ኣበሰሮም። እምብኣርሲ ንስኻትኩም ኣብቲ የሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እምኒ መኣዝኑ ዝዀነ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን እተነደቕኩም፡ ደጊም ደቂ ዓዶም ንቕዱሳንን ስድራ ቤቱ ንኣምላኽን ኢኹም እምበር፡ ኣጋይሽን መጻእተኛታትን ኣይኰንኩም። ኣብኡ ብዘሎ እቲ ህንጻ ብጐይታ ቅድስቲ ቤተ መቕደስ ምእንቲ ኪኸውን፡ እናተኣሳሰረ ይዐቢ እዩ። ንስኻትኩምውን ኣብኡ ማሕደር ኣምላኽ ብመንፈስ ክትኰኑ ሐቢርኩም ትህነጹ ኣሎኹም።” ኤፌ 2፣ 14-22 ነዚ ሓድነት እዚ ክንጋደል ኢና ንጽዋዕ ዘሎና።
ቃል ኣምላኽና ብዛዕባ እታ ቐዳመይቲ ማሕበር ክዛረብ ከሎ “እቶም ዝኣመኑ ዂላቶም ሓንቲ ልብን ሓንቲ ነፍስን ነበሩ፡ ብዂሉ ብርኪ ነበሩ እምበር፡ ሓደ እኳ ኻብ ገንዘቡ፡ እዚ ናተይ እዩ፡ ዚብል ኣይነበሮምን። ሃዋርያት ከኣ ብብዙሕ ሓይሊ ብዛዕባ ትንሳኤ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ይምስክሩ ነበሩ፡ ኣብ ኲሎም ከኣ ዓብዪ ጸጋ ነበረ።” እዚ ኣብ ራብዓይ ምዕራፍ ንረኽቦ። እምብኣር ካብዚ ቐጺልና እዛ ማሕበር እዚ ሓድነታ ጹኑዕ ሕብረታ ምሉእ ምግዝዛእ ድማ ኣምላኻዊ ስለ ዝነበር ኣብቲ እዋን ብስንኪ እዚ ዝነበረ ውጺት እንታይ ምኻኑ ክንርኢ ኢና።

1 ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ ብሓይሊ ይስበኽ ኔሩ
እታ ኣብ ሃዋርያትን ኣቦታት ንዝነበረት ኣካል ክርስቶስ ከም መንግስቲ ትንቀሳቐስ ስለ ዝነበረት ወንጌል ክርስቶስ ኣብ ሓጺር ግዜ ክሳብ ወሰን ምድሪ በጺሑ። ኣብ ኩሉ ሰብ ድማ ዕድል ነበሮም። ኣብ ጸጽባሕ ድማ ዝውሰኻ ነፍሳት ኔርንኦም።ኣብ ኲሉ ህዝቢ ኸኣ ዕድል ነበሮም። እግዚኣብሄር ድማ ዚድሕኑ ኣብ ጸጽባሕ ናብታ ማሕበር ይውስኽ ነበረ። ሎሚ ናብና ንምጻእ ወንጌል መንግስት ኣምላኽ ከም ዝግብእ ከይንሰብኽ ዝዓግተና ዘሎ ምፍልላይና ዶ ኣይኰነን? ሓይሊ ወንጌል ብመጠን ሓድነትና እዩ። ሓድነት ማሕበር ክርስቶስ ክንዮ መሰርተ እምነት ዝኸይድ ክንዮ ምምሕዳር ዝኸይድ ጉዳይ እዩ። ብዛዕባ ሓድነት ቤት ኣምላኽ ክንዛረብ ከሎና ብዛዕባ ርድኢትን ስነ መልኮት ዘይኰነስ ብዛዕባ እቲ ሓደ ክንከውን ኣብ መስቀል ዝሞተ የሱስ እዩ እምብኣር እዚ ዓይነት ኣምላኻዊ ሓሳብ ኣብ ልብና እንተ ነጊሱ ንምስፋሕ ወንጌል ድንጉያት ኣይክንከውንን ኢና።
እቲ ዝዓበየን ናይ መጨረሻ ሓደራ ኣምላኽ ንማሕበር ናይ ወንጌል ሓደራ እዩ፣ ኣዚ ዓቢ ስርሕ ከም ዝግባእ ክኸይድን ክውንጨፍን ግና ብግዲ ናይ መንፍስ ሕብረት ከድልየና እዩ። ብዘይ እዚ መንፈስ ሓድነት ጠሊ ወንጌል ኣብ ኩሉ ስፍራ ክዓልብ ኣይክእልን እዩ። ከም ሰብ ቆሮንጦስ ናተይ እባ ናይ ክስቶ እባ ምባል ንሰይጣን ኣፍደገ ንወንጌል ድማ መዕገቲ እዩ። ሰለዚ ወንጌል መንግስቲ ብስልጣን ክዓዪ ሕብረትና ነደልድል
2 ስራሕ ኣምላኽ ብተኣምራት ይጸንዕ ኔሩ
እታ ቐዳመይቲ ማሕበር ብሕበርት ስለ ዝነበረት ስራሕ ኣምላኽ ብዘደንቕ ተኣምራት ትርኢ ኔራ። ኣብ ዘመን ሃዋርያት ዝግበር ዝነበረ ስራሕ ኣምላኽ ኣሉ ዘይብሃሎ ምጥርጣር ዘይነበሮ እዩ ኔሩ። እቲ መድሓኒ ተስፋ ዝኣተወሎም ኩሉ ይኸውን ነበረ። ከምዚ ኣብዚ ዘመን እምነ ወይ ስለ ዘይኣመንካ እዩ ዝብሃል መጠበሪ ወይ መሸፋፈኒ ዝኸውን ዘረባ ኣይነበረን ክብሪ ኣምላኽ መዕገቲ ኣይነበሮን። እዚ ሓይሊ እዚ ሎሚ ኣይተለወጠን ይሰርሕ ኣሎ እዩ። ኣባና ግና ብሓቂ ክንዛረብሲ ከምቲ ዝድለ ድዩ? ተኣምራት ንሃዋይራት ዝስዕቦም እምበር ኣሰር ኣሰሩ ኣይከዱን ነበረኡ። ሎሚ እቲ ክብሪ ኣምላኽ ሰማይት ጨንዲሑ ብዘይከልካሊ ክሰርሕ ሓድነትና ነደልድል ናተይ ናትካ ምባል ንሕደግ? ናይ ኣምላኽ ስራሕ ኣብቲ እዋን እቲ ከምዚ ናይ ሎሚ ብመዋዓውዒ ንዑ ረኣዩና እናተባህለ ዝግበር ኣይነበረን ባዕሉ እቲ ስራሕ እዩ ሰባት ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ዝጽውዕ ዝነበረ። ናብቲ መሰረት ሃዋርያትን ነብያትን እሞ ንመለሰ ብድሕሪኡ ክብሪ ኣምላኽ ክገሃድ እዩ። ሓቂ ንዛረብ ካብቲ መሰርት ሓድነት ዘንቢልና ኢና ዘሎና። ሓለፋ ስራሕ ኣምላኽ ስራሕና ክርኣ ንጋድል ኣሎና። ንሕብረት ዘይምግዳልና እንሆ ግሩም ዕዮ ኣምላኽ ከይንርኢ ዓጊቱና ኣሎ።

3 ሓጥእያትን ስራሕ ሰይጣንን ምድንጋርን ቦታ ኣይነበሮን
ኣብ ዘመን ሃዋርያት ከምዚ ኣብዚ ዘመን ዘሎ ሓጥእያት ስፍራ ኣይነበሮን። እኒ ሃናንያን ሰጲራን ብምድንጋር ክመጹ ከለዉ መንፈስ ኣምላኽ የቃልዖም ነሩ። ሰይጣን ብጥበራ ክመጽእ ከሎ ይቃላዕ ኔሩ። ኣታ ማሕበር ብሓደ ተጠሚራ ንሓጥኣያት ሓጥኣያት ንጽድቂ ጽድቂ ንምባል ኣይትፈርሕን ነበረት። ሎሚ ጸገምና ብጉጅል ስለ ንኣምን ንሓደ ወገን ከነሕጉስ ብምባል ካብ ሕብረት ንላዕሊ ኣብ ውልቃውነት ስለ ንድህብ እዩ። ኣብቲ ሓድነት ዘለዎ ኣብኡ ሰይጣን ስፍራ የብሉን። ኣብቲ ሰይጣን ዘይብሉ ድማ ኣብኡ ሓጥኣያትን ስርሑን የሎን። ሎሚ እታ ማሕበር ከመይ ኣላ? ንሃዋርያት ሓደ እኳ ደፊሩ ዝጽንበሮም ኣይነበረን ስለምንታይ ኣብ ውሽጢ ሓድነቶም መንፈስ ኣምላኽ ኣሎ።
ኣብቲ መንፈስ ኣምላኽ ዘለዎ ሓርነት ኣሎ። ሎሚ ነቶም እብ ወጻኢ ዘለዉ እሞ ንሕደጎም ንሕና ክሳብ ክንደይ ኢና ትብዓት ለቢስና ብሓርነት ንመላለስ ዘሎና። ኣብቲ ሓደትነት ዘለዎ ኣብኡ ክብሪ የሱስ ስለ ዘሎ ሓጥኣያትን ሰይጣንን ደው ክብሉ ኣይክእሉን ካብ ኰኑ ሎሚ እዚ ነገር እዚ ኣብና ከምቲ ዝድለ ዘይረኣ ዘሎ ኣነ ንስኻትኩምን ካብ ሓድነት ወጺና ኣሎና ማለት እዩ። ማሕበር ቖሮንጦስ ብሓጥኣያት ትቸማለቕ ዝነበረት እዚ ናይ ሓድነት መንፈስ ስለ ዘይነበረ እዩ። ምምፍልላይ ናድ ድፍረት እዩ ዝመርሓካ። ሰብ ቆሮንጦስ ብሰንኪ ሓድነት ዘይምንባሮም ጉዶም ኣብ ኣደባባይ ወጺኡ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣንቱም ሓደ ለባም ዶ የብልኩምን እዩ እናበለ ክገንሖም ንርኢ። ሓድነት ኣብ ቤት ኣምላኽ እንተ ላሕሊሑ ውጺእቱ ኣብቲ ደጋዊ ዓለም ይረኣ። እቲ ፍረ ድማ መሪር ይኸውን። ኣምላኽ መንፈስ ሓድነት ይልኣኸልና።
4 ንዝተፈጥረ ጸገም መፍቲሒ ይርኮቦ ነበረ
ኣብ ግብሪ ሃዋራያት 6 ምዕራፍ ኣብ መንጐ እታ ናይ ክርስቶስ ማሕበር ሓደ ዝተፈጸመ ዘይምስምማዕ ኔሩ። እዚ ዘይምስምማዕ ድማ ኣብ መ`ንጐ እታ ማሕበር ምፍልላይን ባእስን ኣምጽኡ እዚ ጉዳይ እዚ ኣንፈቱ ከይሰሓተ ኣብታ ማሕበር ናይ ሓድነት መንፈስ ስለ ዝነበረ ብቐሊሉ ብጸሎትን ምኽርን ጌሮም ተፈቲሒ ብድሕሪኡ ዝተፈጥረ ባእሲ ኣይንርእን ኢና። ኣብቲ ሓድነት ዘለዋ ማሕበር ነገራት ናብ ዝይተደልዩ ኣንፈት ክኸዱ ከሎዉ ቐልጢፋ እያ መዕለቢ ትገብረሎም እምበር ኣብ ምፍልላይን ካልእን ኣይበጽሕን እዩ። ናብዚ ዘምን ንምጻእ ንዝተፈጥረ ጸገምን ሽግርን ክንዲ ምፍታሕ ካልእ ጉጅለ ንምምሳርት እዩ ዝቐልል። እዚ ኸኣ ዘሎና ተጻዋርነት ድኹም ምኻኑ እዩ ዘርኢ። ኣብ ውሽጢ ማሕበር ኣምላኽ ዘየሰማማዓካን ዘየረዳድኣካን ነገር ክርከብ ባህርያዊ እዩ ግና ክንዮ እዚ ሓሊፉ ናብ መፍቲሕ ንምብጻሕ ብሓድነት ምጥማር የድሊ፣
ካልእ ኣብ ምዕራፍ 15 ናይ ግብሪ ሃዋርያት እንተ ርኢና ኣብ መንጐ እታ ማሕበር ዝተፈጥረ ናይ መሰርተ እምነት ጸገም ኔሩ እቲ ኣዚዩ ዘገርም እዚ ጉዳይ ቀሊል ኣይነበረን ናብ ምፍንጫልን ምፍልላይን ከብጽሕ ዝኽእል ነገር እዩ ግና እታ ብሓድነት ዝተጠምረት ኣካል ክርስቶስ ነዚ ጉዳይ እዚ ብህድኡ መንፈስ ንዓናን ንመንፈስ ቁዱስ ተራኢናን እናበለት ኣብ መዕለቢ ኣብጺሓቶ። ካልእ እውን ብዙሕ ዝዓይነት ዘይምስምማዕ ክገጥማ ከሎ ቑልጡፍ ዝዀነ መፍትሒ ብምርካብ ነቲ ዝተዋህብቶ ዓቢ ዕማም ኣተክሮ ብምግባር ትኸይድ ኔራ። ፍረ ሓድነት እዚ እዩ። ሎሚ እዚ ዝዓይነቱ ናይ ምጽውዋርን ናይ ልቦና መንፈስ ኣብዛ ናይ ሎሚ ማሕበርሲ ክንድምንታይ ህያው እዩ?
5 ኣብ መንጐኦም ጹጉም ኣይነበረን ጾር ሓድሕዶም ይጸዋወሩ ነበሩ
ኣብ መንጐ እታ ቐዳመይቲ ማሕበር ዝነበሩ ምእመን ዝሽገር ሰብ ኣይነበረን እቲ ቓል ክነግረና ኸሎ “ኲላቶም መሬት ወይስ ኣባይቲ ዘለዎም ዘበለ ሸይጦም፡ ንዋጋ እቲ እተሸጠ የምጽእዎ ነበሩ እሞ፡ ኣብ ጥቓ እግሪ ሃዋርያት የንብርዎ፡ ንነፍሲ ወከፍ ከኣ ከከም ዜድልዮ ይመቕልዎ ነበሩ፡ ስለዚ ሓደ ሽጉር እኳ ኣይነበሮምን።” ኣብ መንጐ ማሕበር ኣምላኽ እቲ መንፈስ ቁዱስ ዝደልዮ ሓድነት ምስ ዝህሉ ጸሮ ሓድሕድካ ከም ዝግባእ ምጽውዋር ስለ ዝምዕብል ሓውኻ ወይ ሓፍትኻ ተሸጊሩ ክትርእዮ ኣይኰነልካን እዩ። ኣብዚ ከምዚ ግሩም ሕብረት ዘለዎ ሃዋህው ንዓይ ይጥዓመኒ ዝብል ኣምር ኣይሰርሕን እዩ። ኣተን ኣብቲ እዋን ዝነበራ ማሕበራት ካብ ጥልቂ ድኽነተን ንምሕጋዝ ድልዋት ነበራ። እቲ ሓሳብ ክርስቶስ ኣብተን ማሕበራት ጉሁድ እዩ ኔሩ።
ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ መንጐና ዘለዉ ሽጉራት ብዙሓት እንተ ዀይኖም ዘሎና ሕብረትን ኣንድነትን ብፍጽምና ከመዘይኮነ መረጋገጺ እዩ። ኣየ ኣሕዋት ሓቢሮም ክነብሩ ክንደይ ሰናይን ጡዑምን እዩ ዝተባህለ ካብቲ ሓደ እዚ ናይ ምትሕግጋዝ መንፈስ ስለ ዘሎ እዩ። ማሕበር ኣምላኽ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ንዘለዉ ጹጉማት ብምሕጋዝ ክትፍለጥ ይግባእ። እዚ ክመጽእ ግና ሕብረትን ሓድነትን የድሊ። ካልእ እታ ማሕበር ኣብ መንጉኦ ገለ ጸገም ምስ ዝፍጠር ሓደ ነሓደ ከይተዋናጀለት ሓቢራ ትጽሊ ነበረት። ንኣብነት ኣብቲ ጴጥሮስ ዝተኣስረሉ ኣጋጣሚ እታ ማሕበር ስለ ጴጥሮስ ነቒሓ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ትቐርብ ነበረት። ሎሚ ኣብ ውሽጥና ብዝፍጠረ ጸገም ካብ ሓቢርና ክንጽሊ ሓቢርና ክንሓምን ክንወናጀልን ብዛዕባ እቲ ዝተፈጥረ ጸገም ከኣ ክንወቓቐስ ዶ ኣይቀለናን? እዚ ውጺት ዘሎና ሓድነት ጹኑዑ ዘይምኻኑ እዩ።
6 ንስልጣን ናይ ምግዛእ መንፈስ ኔሩ
ኣብታ ቐዳመይቲ ማሕበር ክርስቶስ ዝነበረ ካልእ ግሩም ዝዀነ ነገር ድማ ናይ ምግዝዛእ መስርሕ እዩ። ኣብ መንጐ እቶም መራሕትን ምእመንን ኣብ መንገ እቶ ሓላፍነትን መዝነትን ዝተዋህቦ ሰባት ንባዕሎም ኣነ ይዓቢ ንስኻ ትንእስ ከይተባህሉ ጉጅለ ከይፈለዩ ይገዛዝኡ ኔሮም። ኩሉ እቲ ኣገባብ መስርዕ ዝሓለወ እዩ ኔሩ። እዚ ስለ ዝዀነ እዩ ሃዋርያ ጳጥሮስ ኣብ መልእክቱ “ እምብኣርሲ ነቶም ኣብ ማእከልኩም ዘለዉ ሽማግሌታት፡ ኣነ መሸማግልቶም፡ ብስቓይ ክርስቶስ ድማ መስካሪ፡ ኣብቲ ደሓር ኪግለጽ ዘለዎ ኽብሪውን ተማቓሊ እየ እሞ፡ እምዕዶም ኣሎኹ፡ ነቲ ምሳኻትኩም ዘሎ መጓሰ ኣምላኽ ጓስይዎ፡ ብፍታው ከም ፍቓድ ኣምላኽ እምበር፡ ብግዲ ኣይኹን፡ ብታሕጓስ እምበር፡ ምእንቲ ኸንቱ ረብሓውን ኣይኹን፡ ነቲ መጓሰ ኣርኣያ እናዀንኩምዎ እምበር፡ ኣብተን ማሕበራት ከም ጐይተት ኣይትኸኑ። እቲ ሓለቓ ጓሶት ምስ ተገልጸ ድማ፡ ዘይጽምሉ ኣኽሊል ክብሪ ኽትቅበሉ ኢኹም። ብምባል እቲ ንሱ ዝሓለፎ ህይወት ይዛረብ። ዘይምግዝዛእ ምልክት ሓደ ዘይምኻን እዩ። መንግስቲ ትቐውም ድማ ብምግዝዛእ እያ። እወ ኣብቲ ሓድነት ዝዓብለሉ ኣብኡ ሓደ ነቲ ሓደ ስልጣን ትሕት ኢሉ ክግዛእ ናይግድን እዩ። ኣብ መንጐ እግዚኣብሄር ኣቦን አዱን ዝነበረ ምግዝዛእ እዚ እዩ። ኣብ ቤት ኣምላኽ ናይ ስልጣን ዕቤት ጽፍሒ ዘይኰነ ዘሎ ንስልጣን ናይ ምግዛእ መስርሕ እዩ። እዚ ኣብ ፍጹም ሕብረት ይገሃድ።
እምብኣር ኩብራት ሰማዕቲ ናይ ሓድነት ውጺኢት ክንዮ እዚ ዝረኣናዮ ነጥብታት እምብዛ ብዙሕ እዩ። ብፍላይ ግብር ሃዋርያት ከነጽንዕ ከሎና ማእለያ ዘይብሉ ፍረ ሓድነት ንርኢ። ሎሚ እዚ መንፈስ እዚ ኣባና ዘይሰርሓሉ ምኽንያት የሎን። መንፈስ ኣምላኽ ኣይተለወጠን ዝተለወጥና ንሕና ኢና። ስለዚ ወንጌል መንግቲ ኣምላኽ ከምቲ ዝግብኣ ክሕንበብን ክውንጨፍን። ስራሕ ኣምላኽ ብትኣምራትን ትእምርትን ክጸንዕ። ሓጥኣያትን ሰይጣንን ስፍራ ክስእኑ። ንዝፍጠር ጸገም ብኣግኡ ብዘይምፍንጫል መዕለቢ ክረክብ። ጸር ሓድሕድና ተጸኣዊርና ክንሓልፍ። ኣብ መንጐና ምግዝዛእ ክህሉ። ክሉ ሳዕ ኩሉ እዋን ንሓድነት ማሕበር ኣምላኽ ንጋደል። ንቤት መቕደስ ኣምላኽ ዘማሰነ ፍርዲ ከም ዘለዎ ፈሊጥና ካብ ንሓድነት ኣካል ክርስቶስ ዘጉድፍ ነገር ንተሓሎ።