20
Sat, Apr
0 New Articles

ትርጉም ህይወት ብካሕሳይ ገ.

Message 4
Typography

ንሱ ህይወትን ትንፋስን ኲሉ ነገርንን ዂሉ ዚህብ እዩ፡ገለ ኸም ዚጨንቆ ኢድ ሰብ ኣየገልግሎን እዩግ.ሃ 17:25  ኣምላኽ እቲ ንኹሉ ህይወትን ትንፋስን ዝህብ ገለ ከም ዝጨንቆ ኢድ ሰብ ኣይተገልግሎን ኢያ። ግን ህይወት ብዛዕባ እንታይ ኢያ? ንሓደ ሰብ ከጋጥሞ ዝኽእል ዝኸፍአ ነገር እንተሎ ትርጉም ናይ ምንባሩ ምፍላጥ ክስእን ከሎ ኢዩ። ብዘይ ዝኾነ ዕላማ ምሸት ክትድቅስ ንጉሆ ክትትንስእን ኣብ ህይወት ኣዝዩ ዘጉሒ ኢዩ። ምኽንያት ምንባርካ ክትፈልጥ እንተዘይክኢልካ ፡ ህይወት ብጣዕሳ ትዛዘም። ሎሚ ብዙሓት ሰባት ኣብ ምዝዛም ህይወቶም ብጣዕሳ ይሳቀዩ። ከምዚያ ብኻ ጌረ፡ እቲያስ ብኻ ዘይገበርክዋ። ምኽንያት ምንባርካ እንተዘይኣለሊካ፡ ምንባር ጾር ኢዩ ዝኾነካ። ገለ ሰባት “እንታይ ኢዩ ጥቅሚ ምንባር ስቃይ ጥራይ” ክብሉ ንሰምዕ ኢና። ብተወሳኺውን ምኽንያት ምንባርካ እንተዘይተረዲኡካ ውድቀትን ጥፍኣትን ዘይተርፍ ኢዩ፡ ከምታ ኣብ ሰማይ እናበረረት ምስ ምስ ምድሪ ርክብ ዘጥፍአት ነፋሪት በሪራ በሪራ ምውዳቓ ዘይተርፍ ማለት ኢዩ።

እምበኣር ትርጉም ህይወት እንታይ ኢዩ?

  1. 1.ህይወት ህያብ ወይ ውህበት ኢያ

ንኹሉ ህይወትን ትንፋስን ይህብ ኢሉና ግ.ሃ.17:25 ሓደ እዃ ክነብር ስለዝወሰነ እሞ ብሂወት ዝነበረ የሎን። ህይወት ህያብ ኢያ። እዚ እንታይ ማለት ኢዩ? እቲ ቀዳማይ መልእኽቲ ናይዚ፡ ህይወት ህያብ ካብ ኮነ ንፍታው ናይቲ ወሃቢ ክትነብር ከም ዘሎካ ኢዩ። ንኣብነት ብሉጽ ዝኾነ ክዳን ኽቡር ገንዘብ ኣውጺኻ ንብጻይካ ዓዲግካ እንተትህቦ እሞ ብድሕሪኡ ክትበጽሖ ኢልካ ናብ ቤት ብጻይካ ምስ እትከይድ መወልወሊ ባይታ ጌርዎ ተዝጸንሓካ ከመይ ምተሰምዓካ? ነታ ፈጣሪ ዝሃበካ ህይወት ብ ኣልኮል ክትስርንቃ፡ ብትኪ ሽጋራ ክትዓብሳ፡ ብዝሙት ክተባኽና ከሎካ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከመይ ይጉሒ? ኣካላትካ ኣብ ክንዲ ንኣምላኽ ተላላየሉ ንስጋካ ክተዋዓውዕን ሰባት ናብ ዕንወት ክትመርሕን ኣዝዩ ዘሕዝን ኢዩ ። ንፍታው ናይቲ ወሃቢ ክትነብር ይግባእ። ገለ ገለ ሰባት ኣለው ኣምላኽ ይጥምቶም እሞ ንእኦም ብምፍጣሩ ዘጉሕይዎ። ኣብ ጊዜ ኖህ ከምኡ ኣጋጢሙ።  እግዝኣብሄርከኣንሰብኣብምድሪብምግባሩተጣዕሰ፡ብልቡድማጐሀየ።ይብለና ዘፍ.6:6 ሎሚ ክቡር ሰማዒ ኣምላኽ ንህይወትካ ክጥምታ ከሎ እንታይ ይስምኦ? የሕጉሶ ዶ ወላስ የጉሕዮ? ገንዘብካ፡ ግዜኻ ብኸመይ ተሕልፎ ኣለኻ? እግዚኣብሄር ምስ ዝርእየካ ብላሽ ዶ ይብል ወላስ ኣገናዕ?  ቃሉ ክተጽንዕ፡ ንሰባት ብዛዕባኡ ክትነግርን ህይወቶም ክትትንክፍን፡ ህይወትካ ስሊኡ ኣህሊፍካ ክትህብ፡ ነቲ ቅኑዕ ነገር ንምግባር ዘሎካ ጸዓትን ካልኦት ውን ከምኡ ክገብሩ ምትብባዕካን፡ ንነፍሳት መገዲ ምድሓን ምርኣይካን ንኣምላኽ ዘሕጉስ ኢዩ። እቲ ኹሉ ዝኽእል ክሕጎሰልካ ክንደይ ባህ ዘብል ነገር ኢዩ። እምበኣር ህይወት ውህበት ኢዩሞ ንፍታው እቲ ወሃቢ ክንበር ይግባእ።

  1. 2.ህይወት ፍሉይ ሓለፋ ኢያ።

እዚ ማለት ሓደ እኳ ሎሚ ብህይወት ክህሉ ኢየ ኢሉ ስለ ዝወሰነ ንጉሖ ካብ ዓራቱ ዝተንስዐ የለን። ብዙሓት ብጥዕንኦም ናብ ዓራቶም ምስ ከዱ ንጽባሒቱ ክበራበሩ ኣይከኣሉን። ዝኾነ ምልክታት ናይ ሽኮር፡ ጸቕጢ ደም ኮነ ካልእ ሕማማት ዘየርኣዩ። እናስተንፈሱ ደቂሶም፡ ሞይቶም ተረኺቦም። ሓለፋ ኢዩ። ሓደ ሓያል ስለዝኾነ ወይውን ኣዝዩ ጥበበኛን መስተውዓልን ስለዝኾነ ብህይወት ዘሎ የለን። ሰብ ዝነብረላ ነፍሲ ወከፍ ካልኢት ሓለፋ ደኣ እምበር መሰል ኣይኮነትን። ቲዮደር ሩዝቨልት ዝበሃል ቁጡዕ ብምዃኑ ዝፍለጥ መራሒ ኣሜሪካ ኔሩ። ገንጫር፡ ዓማጺ፡ ኣዝዩ ዘፍርሕን ደፋርን በኣል ቅያን ንዝኾነ ክብድህ ዝኽእልን ድማ ኢዩ ኔሩ። ሓደ መዓልቲ ግን ኣብ ምድቃሱ ሞይቱ። ሓደ ጸሓፋይ ብዛዕብኡ ከምዚ ክብል ጽሒፉ። እዚ ሰብኣይ እዚስ ኣብ ምድቃሱ ጥራይ ኢዩ ክመውት ዝኽእል ምኽንያቱ ነቒሑ ተዝነብር ንሞትውን ምተቃለሶ ኔሩ። ርኣዩ ክሳብ ክንደይ ሓያል ኔሩ። ግናኸ እቲ ሓይሉ ንሞት ካብ ምንብርካክ ኣየናገፎን።

ኣሌክሳንደር ዓቢ ዝተባህለ ፍሉጥ መራሒ ክመውት ምስ ቀረበ፡ ከድሕንዎ ዝፍተን ዘበለ ኩሉ ፈቲኖም ምዃን ምስ ኣበዮም፡ ኣሌክሳንደር ነቶም ኣዘዝቲ ሰራዊቱ ከምዚ ብምባል ተማህጺንዎም። ሞተይ ዘይተርፍ ነገር ኮይኑ ኣሎ። ቅድሚ ምሟተይ ግን ሰለስተ ነገር ክትገብሩለይ ክሓተኩም። እቶም ኣዘዝቲ ሰራዊቱ ድማ ዝበልካና ኩሉ ክንገብር ኢና፡ እንታይ ኢኻ ትደሊ? በልዎ።

ቀዳማይ፡ ምስ ሞትኩ ንሬሳይ ካብ ገዛይ ናብ መቓብረይ ዝወስድዎ እዞም ናተይ ሃካይም ኮይኖም ኣብ ዝባኖም ተሰኪሞም የብጽሕዎን ይቕበሩንን

ካልኣይ፡ እቲ ዘሎኒ ገንዘብ፡ ወርቂ፡ ኣልማዝ፡ ዑንቅታትን ክቡር ነገራትን ኣብ መንጎ ቤተይን መቓብረይን ኣብ ዘሎ መገዲ ይበተን

ሳልሳይ፡ ክቐብሩኒ ከለው ኣእዳወይ ከም ዝዝርጋሕ ጌሮም ይቕበሩኒ

እቶም ኣዘዝቲ ሰራዊቱ ዝብሎ ዘሎ ግር ኢልዎም ከምዚ ክብሉ ሓተትዎ። “እቲ ክንገብሮ ዝበልካና ኩሉ ከም እንገብር ትፈልጥ ኢካ። ግን እንታይ ኢዩ ትርጉሙ?” ንሱውን ከምዚ ክብል መለሰሎም

ቀዳማይ፡ እቶም ሃካይመይ ንሬሳይ ናብ መቓብር ኣብጺሖም ዝቐብርዎ፡ እታ መዓልቲ ሞት ምስ መጸት ዝኾነ ይኹን ሃኪም ከድሕነካ ከም ዘይክእል ዓለም ምእንቲ ክትፈልጥ ኢዩ። ሃካይመይ ኣብ ጎነይ ደው ኢሎም ከለው ይመውት ኣለኹ።

ካልኣይ፡ እቲ ሃብተይ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ ቤተይን መቓብረይን ዝብተን፡ ገንዘብ ካብ ሓመድ ዝፍለ ከም ዘይኮነ ዓለም ምእንቲ ክትፈልጥ ኢዩ።

ሳልሳይ፡ ካብዚ ገለ እኳ ይማላእ ከም ዘየለኩ ዓለም ምእንቲ ክትፈልጥ ኣእዳወይ ከፊትኩም ወይ ዘርጊሕኩም ቅበሩኒ። ጥራየይ ከም ዝመጻኹ ጥራየይ ድማ ይኸይድ ኣለኹ።

ህይወት ሓለፋ ኢያ ማለት እምበኣር ኣቃሊልካ ክትርአን ኩሉሳዕ ከም ድላይካ ትገብራን ከም ዘይኮነ ክፍለጥ ይግባእ። ህይወት እንታይ ይዓብስ ሞት ይሓይሽ ክትብል ኣይግባእን። ህይወት ሓለፋ ኢያ። ብናእዳን ሞሳን ድማ ክትነብር ይግባእ።

  1. 3.ህይወት ዘርኢ ኢያ

ሎሚ ከመይ ትነብር፡ ጽባሕ ከመይ ኣይነት ሰብ ከም ትከውን ይድርተካ ኢዩ። ነፍሲ ወከፍ ተግባርካ ፍረ ዝፈሪ ዘርኢ ኢዩ። ሎሚ ትነብሮ ዘለካ ናብራ ኢዩ እቲ ትዘርኦ ዘለኻ ዘርኢ። ምስ ሰባት ዘለካ ምቅርራብን ዝምድናን፡ ጠባይካ፡ ኣካይዳካ ወዘተ ብዘይ ጥርጥር ፍረ ዘለዎ ዘርኢ ኢዩ ኢዩ። ብህይወት ከሎካ ትገብሮ፡ ንዘልኣለም ኣበይ ከም ተሕልፎ ይውስነካ። ሎሚ ሰባት መዓልታዊ ዘርኢ ኣብ ምዝራእ ጽሙዳት ኢዮም። ንብጻይካ ክትሕስዎ ከለካ፡ ኣብ ስራሕካ ስልጣንን ኣብ ሓለፍትካ ሞገስን ምእንቲ ክትረክብ ኣብ ልዕሊ መሳርሕትኻ ክትሕሱ ከለኻ፡ ዘይገንዘብካ ክትወስድ ከለኻ፡ ኣብ ዘይሰበይትኻ ክትኣቱ ከለኻ፡ ምእንቲ ገንዘብ ፍርዲ ክተቅንን ከሎካ፡ ስራሕ ምእንቲ ክሰልጠካ ዕድመኻ ክትቅንስ ከሎካ፡ ቪዛ ንኽትረክብ ክትሕሱ ከለኻ፡ ውሉድካውን ዘይናገፍሉ ዘርኢ ኢኻ ትዘርእ ዘሎኻ። ኣብ ዘመንካን ዘልኣለማውነትን ድማ ፍሪኡ ክትዓጽድ ኢኻ። ተመሳሳሊ ዛንታ ኣብ ካልኣይ ነገስት 5፥20-27 ዝርከብ፡ ንእማን እቲ ሶርያዊ ካብ ለምጹ ምስ ተፈወሰ፡ ጋሃዚ እቲ ጊልያ ኤልሳእ ክገብሮ ዘይግባእ ነገር ማለት ገንዘብ ካብ ንእማን ተቐቢሉ። ኤልያስ ድማ በዚ ተቆጢዑ “እቲለምጺንእማንንዘለኣለምኣባኻንኣብዘርእኻንይልገብከም ዝበሎ ንርኢ።

ህይወት ዘርኢ ኢያ። ጽቡቕ ነገር ክትገብር ከሎካ ጽቡቕ ዘርኢ ትዘርእ ኣሎኻ። ብፍሕሽው ገጽ ሰባት ክትቅበሎ ከሎካ ንኣኻን ንደቕኻን ጽቡቕ ዘርኢ ትዘርእ ኣሎኻ። ትሕዝቶኻ ንህይወት ሰባት ንምልዋጥ ክትጥቀመሉ ከለኻ ጽቡቕ ዘርኢ ትዘርእ ኣሎኻ። ስለዚ ጽቡቕ ዘርኢ ክትዘርእ ተጋደል።

  1. 4.ህይወት ግጥም ኢያ

ህይወት ከም ጸወታ ኩዕሶ ግጥም ኢያ። ክትስዕርን ክትሰዓርን ድማ ኣገባብ ናብራኻ ይውስኖ። ኣብዚያን ኣብታ እትመጽን ዓለም እትዕወተሉ ወይ’ውን እትሰዓረሉ ኣገባብ ናብራ ኣሎ። ኤሳው ንግዚያዊ ዕንጋለ ክብል ብኩርናኡ ሸይጡ ናይ ምሉእ ዕድመ መሰሉ ድማ ኣጥፊኡ። ብዙሕ ጊዜ ገለ ነገር ክንረኽብ ክንብል ዝዓበየ ነገር ነጥፍእ ኢና።  ህይወት ግጥም ኢያ። ክትስዕር ተጻወት። ክትስዕር ንበር። ኣብ ምድርን ኣብ ሰማይን ዘዕውተካ እምበር ዘስዕረካ ግብሪ ግበሪ ኣይትግበር። ሓደ ጊዜ ሓደ መንእሰይ መስተ ሰትዩ፡ ብጸላም፡ መብራህትን ልጓምን ዘይብላ ሞተር ሳይክል ክዝውር፡ ብቅድሚኡ ምስ ትመጽእ ዝነበረት ዓባይ መኪና ተጋጭዩ ናብ ሆስፒታል ከይበጽሐ ህይወቱ ሓሊፋ። ኣዝዩ ዘሕዝን ኢዩ። ኣብ ጸላም፡ ብዘይ መብራህቲ ብዘይ ልጓም እሞ ከኣ ብመስተ ተሰኒፍካ። እቲ ሬሳ ብሽታ ኣልኮል ዝቕርብ ኣይነበረን። ብቐጥታ ናብ እንዳ ሬሳ ተወሲዱ። እንታይ ኣይነት ጸወታ ኢዩ? ንስዕረት ተጻዊቱ። ኣብ ግዜን ኣብ ዘልኣለማውነትን ተሳዒሩ። ክቡር ሓወይ ክብርቲ ሓፍተይ ንክንሰዓር ኣይንጻወት። እንታይ ይገብር ኣለኹ ኢልካ ኣስተውዕል፡ ካብኡ ከ ይኸስብ ዶ ኣለኹ ወላስ ይኸስር ኢልካ ድማ መገድኻ ገምግም። ዘየዕውተኻ እንተኾይኑ ድማ ኣቋርጾ።

  1. 5.ህይወት ዝበንን ትኪ ኢያ

ያቆ 4:14 ንስኻትኩምነቲጽባሕዚኸውንኣይትፈልጥዎንኢኹም።ህይወትኩምደኣእንታይእያ፧ንቕሩብጊዜተርእዩስ፡ደሓርዚበንንትኪኢኹምይብል። ክንድ ዝሓየለ ግዜ ሓያል ይኹን ብዘየገድስ ከምቲ ቅሩብ ጸኒሑ ዝጠፍእ ትኪ ኢዩ። ኩሉ ሎሚ ኣብ ከባቢኻ ትርእዮ ሓደ መዓልቲ ክሓልፍ ኢዩ። ስቲቭ ጆብስ ዝተብሃለ ፍሉጥ መሓዚ ናይ ኣፕል ኮምፒዩተር፡ ኣብ መበል 54 ዕድሚኡ’ዩ ካብ ዓለም ብሞት ተፈልዩ። ናብ ሓደ ዩኒቨርስቲ ኣስተምህሮ ክህብ ምስ ተዓደመ ኢዩ ኣብ ኣካላቱ ገለ ፍሉይ ነገር ተሰሚእዎ። ሓኪሙ ናይ ህክምና መርመራ ጌሩ ውጽኢቱ ክገልጸሉ ከሎ፡ ምሉእ ዘመን ዕድሚኡ ኣብ ቅድሚኡ ክቅጀሎ ጀሚሩ። ከመይ ነቢረ? ከመይ ክነብር ኔሩኒ? እንታይ ክገብር ይግብኣኒ? ኣብ መወዳእታ ከምዚ ኢሉ። ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ከም ናይ መወዳእታ መዓልቲ ንበርዋ ምኽንያቱ ሓደ መዓልቲ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ክትከውን ኢያ። ን ጆን ዌስሊ ዝተባህለ ዓቢ ናይ ኣምላኽ ሰብ “ኣብ ህይወትካ 24 ሰዓት ጥራይ እንተዝተርፈካ እንታይ ምገበርካ” ኢሎም ምስ ሓተትዎ። “ልክዕ እዚ ሕጂ ዝገብሮ ዘለኹ ምቐጸልኩ፡ ገለ እኳ ካብዚ ሕጂ ዝገብሮ ዘለኹ ክውስኽ ዝደልዮ የብለይን። እቲ ክነብሮ ዝግብኣኒ ህይወት ይነብር ኣለኹ፡ ክብል መሊስሎም።

እምበኣር ክቡራት ሰማዕቲ ህይወት ህያብ፡ ሓለፋ፡ ዘርኢ፡ ግጥም ከምኡውን ሓፋ ምዃና ርኢና ኣብ እሞ እንታይ ኢና ክንገብር ዘሎና?

  1. ንፈጣሪኻ ዘሕጉስ ናብራ ዘለዎ ብሉጽ ርክብ ወይ ዝምድና ምስ ፈጣሪኻ ከም ዘሎኻ ኣረጋግጽ። ንጎይታ የሱስ ናይ ህይወትካ መራሒ ጎይታን ግበሮ
  2. ብሉጽ ርክብ ምስ ብጻይካውን ከም ዘሎካ ኣረጋግጽ። ብሉጽ ዝምድና ምስ በዓልቲ ቤትካ/ በዓልቤትኪ፡ ሓውኻ፡ ሓፍትካ፡ ኣቦኻ፡ ኣዴኻን መቕርብካን።
  3. ብድሕሬኻ ብሉጽ ዝኾነ ጽልዋ ከም ትሓድግ ኣረጋግጽ። ብገለ ጽቡቕ ነገር ከም ትዝከር ግበር። ንሓደ ሰብ ኣብ ዘመኑ ክርስዖ ዘይክእል ነገር ግበረሉ። ኣብ ቤተ ክርስትያንካ እትዝከረሉ ብሉጽ ነገር ግበር። ንወለዶኻውን ከምኡ። ብሉጽ ዝኾነ ጽልዋ። ንርእስኻ ምንባር ባርያ ኮንካ ከም ምንባር ኢዩ። ንርእስኻ ጥራይ ካብ ምንባር ውጻእ። ሽዑ ህይወትካ ከምዚ ዘላቶ ኣይክትከውንን ኢያ።