26
Fri, Apr
0 New Articles

ስቅያት ሃና ንኽብሪ ኣምላኽ (Part 2)

Message 4
Typography

ናይ ዓቕሊ ጽበት ጸሎት

ቁ.7 ሃና ኣብ ሺሎ ከምዝነብዐትን ምብላዕ ከም ዝኣበየትን ይነግረና። ሰብኣያ ኤልቃና ‘’ሃና እንታይ ዄንኪ ዘይትበልዒ፡ እንታይ ኴንክስ ልብኺ ጉህዩ ኣሎ፡ ካብ ዓሰርተ ውሉድ ኣነዶ ኣይሕሸክን? በላ’’። ሃና ግና ኣዝያ ጉህያ ብነብሳ ተመሪራ ትበኪ ነበረት (ቁ.10)። ኣብ ቁ.15 ከኣ ‘’ኣነስ መንፈሰይ ጓሂ ዝመልኤ ሰበይቲ ደኣ እየ’’ ኢላ። ሃና ዋላ'ኳ ዘፍቅራን ከጸናንዓ ዝፍትንን ሰብኣይ እንተነበራ፡ ንሱ እተን ኣእዳዋ ጥርሐን ተዘርጊሐን ብባህጊ ውላድ እንታይ ዓይነት ኩነታት ትሓልፍ ከምዘላ ኣብቲ ከተፍቅሮን ክትሓቁፎን እትብህጐ ውሉድ ዝሰኣነት ኣደ ልቢ እንታይ ኩነታት ከምዘሎ ክርድኣላ ኣይከኣለን። ስቓይን ምረትን ሃና ግና ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከይዳ ንኽትጽሊ እዩ ደፊእዋ። ሦተቦሽባቃ ሬሽባባሽቀቅ ዝተባህለ ጸሓፊ ‘’ጸሎት ሃና’’ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝጸሓፎ መጽሓፍ ‘’ስቓይ ሃና ቤት ትምህርቲ ናይ ጸሎት ኰይኑ ከመይ ከምእትጽሊ ምሂሩዋ’’ ኢሉ ይዛረብ። ኣብዚ ድማ መዝሙር 130፡1 ሓሲበ ‘’ዎ እግዚኣብሄር፡ ካብ ዓሚቝ ናባኻ ኣእዌኩ።’’ ከምኡዶ'ይኰነን? ኣብ ዓሚቝ ኴንና ኣምሪርና ክንበኪ ከሎና ኣዚና ኣብ ዓሚቝ ስለዝኣቶና ካብኡ ዝገደደ ንታሕቲ ክንወርድ ኣብ ዘይንኽእለሉ ኩነታት ዘሎና ኰይኑዶ ኣይስመዓናን እዩ?

ያዕ 5፡13 ‘’ ኣብ ማእከልኩምዶ ሓሳረ መከራ ዚጸግብ ኣሎ? ይጸሊ’’ ይብል። ሓሳረ መከራ ኣብ እንጸግበሉ እዋን ጸሎትና ይሕይል እዩ። ንሃና ከምቲ ንሳ ክትጸናንዓሉ እትደልዮ ጌሩ ናይ ሃረርታኣ ከጸናንዓ ዝኽእል ሰብ እንተዝርከብ ኔሩ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸሎት ክትጽሊ ኣይምኸኣለትን። ኣብ ዘበና ክፍጸም ዝነበሮ ፍቓድ ኣምላኽ'ውን ኣብ ህይወታ ኣይምስተፈጸመን ኔሩ። ኩሉ ሰብ ፈቲኑ ድሌታትና ከማልኣልና ዘይክእለሎም እዋናት ኣለዉ። ብጀካ የሱስ ካልእ ክርድኦ ዘይክእል ውሽጢ ጥልቂ ናይ ነፍስና ኣሎ። ኣብ ከምዚ እዋን ‘’ብጀካ የሱስ ካልእ ዝጥምቶ የብለይን፡ ዘሎኒ ንሱ ጥራይ እዩ’’ ኣብ ዝበልካሉ ህሞት ሽዑ እቲ እትደልዮ ዘሎኻ ክርስቶስ ጥራይ ኰይኑ ትረኽቦ።

ኣብ ቁ.11 ሃና ከምዚ ኢላ ክትመባጻዕ ነንብብ ‘’ዎ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ውርደት ባርያኻ ኣጸቢቕካ ርኢኻ እንተ ዘከርካኒ፡ ንባርያኻውን እንተዘይረሳዕካኒ፡ ንባርያኻ ተባዕታይ ውሉድ እንተደኣ ሀብካኒ፡ ኣነ ድማ ኩሉ ዘበን ህይወቱ ንእግዚኣብሄር እውፍዮ፡ ናብ ርእሱ ኸኣ መላጸ ኣየሕልፎን።’’

ሃና ንዓመታት ብዛዕባ ውሉድ ትጽሊ ነበረት። ነገር ግን ንሳ ትልወጥ ስለዝነበረት ጸሎታውን ይልወጥ ነበረ። ትዓቢ ስለዝነበረት በተን ሃረርታኣ ዘይተፈጸማላ ዓመታት ንእግዚኣብሄር ቅድሚ ሕጂ ብዘይፈለጠቶ መገዲ ክትፈልጦ ክኢላ። ልባ በቲ ንልቢ እግዚኣብሄር ዘኽበደ ነገር ክኸብድን ንእግዚኣብሄር ‘’ጐይታ ሰራዊት’’ ኢላ ከተቋጽሮን ንርኢ። እዚ መርኣያ ስግደት/ኣምልዀ እዩ። እዚ ስግደትን ኣኽብሮትን ምእዛዝን ንኣምላኽ ምንብርካኽን እዩ። ሃና ሙሉእ ስልጣን፡ ሓይሊን ምልኪን ናይ እግዚኣብሄር ተረዲኣ። 

እወ! ንሱ ኣዛዚ ኹሉ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድሪን ዘሎ ኩሉ ነገራት እዩ። 

ኣብዚ ኣገልጋሊት ኣምላኽ ምዃና'ውን ተኣሚና ‘’ባርያ’’ ኢላ ንርእሳ። እዚ ኣበሃህላ ዘንጸባርቖ ‘’ኣነ ኣይኰንኩን ወሳኒት፡ ናተይ ታሪኽ ኣይኰነን ናትካ ታሪኽ እዩ፡ ናተይ ዓለም ኣይኰነን ናይ ኣቦይ ዓለም እምበር፡ ናተይ መደባት ዘይኰነስ መደባትካ እዩ፡ ምንባረይ ሓሳባትካን መደባትካን ንምፍጻምን ንኣኻ ንምሕጓስን'ዩ’’ ትብል ከምዘላ እዩ። ንኣምላኽ ከም ‘’ጐይታ ናይ ሰራዊት’’ ክንርእዮ ከሎና ከምዚ ኢና እንብል ዘሎና ‘’ንሕና ናትካ ኣገልገልቲ ባሮት ኢና፡ ናትና ምንባር ንኣኻ ንምግልጋል እምበር ድሌታትናን ፍቓድናን መደባትናን ክንፍጽም ኣይኰነን እሞ ብኣና ጌርካ ኣብ ዓለም ክትገብሮ ንዝመደብካዮ መደብ ንኽትፍጽሞ መሳርሒታትካ ኢና።’’

ሃና እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ምዃኑ ስዝረኣየትን ንሳ ኣገልጋሊት ምዃና ስለዝፈለጠትን ኣብ ክንዲ እትጠልብ (እትእዝዝ) ድሌታ ብለመና እያ ኣቕሪባ። ንኣምላኽ ንኽብሩን ንመደቡን ዝኸውን ውሉድ ንኽህባ እያ ለሚና። ንሳ ልክዕ ከምቲ ካልእ ሙሉእን ጽቡቕን ውህበት፡ ውሉድ'ውን ውህበት ኣምላኽ ምዃኖም ስለዝፈለጠት ነቲ ንድሌት ልባ ክፍጽም ዝኽእል ኣምላኽ እያ ለሚናቶ።

ነዚ ጸሎት እዚ ምስ ጸለየት፡ መብጽዓ ተመባጽዔት። ናታ መብጽዓ ንዓይ ሃና ኣብ ህይወታ ብዝሓለፈተን ናይ ትጽቢትን ሃረርታ ልብኻ ናይ ዘይምርካብን ዓመታት ኣዝዩ ዓቢ ናይ ልቢ ለውጢ ከምዘምጽአት ክኣምን ጌሩኒ እዩ። ሕጂ ተባዕታይ ውሉድ ንርእሳ ዘይኰነስ ንኽብሪ እግዚኣብሄር እያ ደልያ። ብሙሉእ ልቡን ብንጽህናን ተወፊዩ ንኣምላኹ ዘገልግል ውሉድ እያ ደልያ። እታ ሃገር እትደልዮ ዝነበረት'ውን እዚ እዩ። ነብዪ፡ መራሒ፡ ናይ ኣምላኽ ሰብ። ኣብ ክንዲ ወዳ ኰይና ናዝራዊ መብጽዓ እያ ተመባጺዓ። ሃና መልሲ ጸሎታ ንኽትረክብ ዓቢ መስዋእትነት ከምዝሓትትን ነቲ ሃረርታ ልባ ዝዀነ ነገር መሊሳ ንኣምላኽ ክትህብ ከምዝግብኣ ትፈልጥ ኔራ።

ኣብ መዝ. 62፡8 ‘’ኣቱም ህዝቢ፡ ኩሉ ጊዜ ብእኡ ተወከሉ፡ ልብኹም ኣብ ቅድሚኡ ኣፍስሱ፡ መዕቆቢና ኣምላኽ እዩ።’’ ይብለና። 
እዚ ቓል ንኹለን ሎሚ ዝሳቐያ ዘለዋ ደቀንስትዮ ዝኸውን ቃል እዩ። ኩሉ ጊዜ ብኣምላኽ እመና ምኽንያቱ ኣምላኽ መዕቆቢ ስለዝዀነ። እዚ ጥቕሲ ‘’ሴላ’’ ብዚብል ቃል እዩ ዝውድእ። ሓደ ኣዝዩ ኣገዳሲ ቃል ምስተጻሕፈ እዩ ደድሕሪኡ ‘’ሴላ. ዝብል ቃል እንረክብ። ስለዚ ሓወይ ሓብተይ ሓንሳብ ደው ኢልኩም ኣስተብህሉሞ ብዛዕባኡ ሕሰቡ።

ሃና ኣብ ሺሎ ኩሉ ናይ ልባ ንኣምላኽ ተፍስሰሉ ኣብ ዝነበረት እዋን፡ እቲ ካህን ኤሊ ኣብ ኣፍደገ መቕደስ እግዚኣብሄር ኣብ መንበር ኰፍ ኢሉ ጠሚቱ ከም ስኽርቲ ቖጺርዋ ነበረ። መልሲ ሃና 1ይ ሳሙ. 1፡16 ‘’እቲ ሕጂ ዘዛረበንስ ብዝሒ ጓህን ሓዘንን እዩ እሞ ንዓይ ንባርያኻ ኸም ጓል ብልያል ኣይትርኣየኒ’’ ዝብል ነበረ። ኤሊ ‘’ብሰላም ኺዲ፡ ኣምላኽ እስራኤል ዝለመንክዮ ልማኖኺ ይሃብኪ፡ ኢሉ መለሰ።’’ ሃና ኸኣ ‘’ባርያኻስ ኣብ ቅድሜካ ሞገስ እርከብ’’ በለት። ‘’ሞገስ’’ ዝብል ቃል ‘’ጸጋ’’ ማለት እዩ። ሃና ጸጋ ኣምላኽ ክትቅበልን መሳርሒት ጸጋ ንኽትከውንን ተደሊ ኔራ። ንሳ ኣምላኽ ጸግኡ ኣብ ህይወታ ከፍስሶን ኣብዛ ዓለም ዘለዎ መደብ ንኽፍጸም ክትኣምኖ ትደሊ ኔራ።

እምነትን ምምራኽን ሃና

ኣብ ቁ.18 ‘’እታ ሰበይቲ ድማ መገዳ ኸደት፡ በልዔትን'ውን፡ ድሕርዚ ኸኣ ገጻ ጉህይቲ መሲላ ኣይተራእየትን።’’ ይብለና። ሽዑ ተባዕታይ ውሉድ ረኺባዶ ኔራ'ያ? ኣይፋሉን! ሃረርታ ልባኸ ተፈጺሙላድዩ? ኣይፋሉን! ከምዝመስለኒ እዚ ፍቕዲ መግለጺ ብእምነት ናይ እትጐዓዝን ንኣምላኽ ዝተማረኸትን ሰበይቲ እዩ። እዚዶ'ይኰነን ተተመላሊሱ ዝመጽእ ዘሎ? እምነትን ምእዛዝን። ብዘሎ ጾራ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ደርብያ ሕቶኣ ከምዝተመለሰላ ዝርአ መረጋገጺ ከይረኸበት ብእምነት ሕቶኣ ኣብኡ ሓዲጋቶ።

ድሕሪ ደጊም ሃና ሕዝንቲ ኰይና ኣይተራእየትን። ኣብ ጸጋ ኣምላኽ ዝነበራ እምነት ነዚ ኹሉ ፍልልያት ኣምጺኡ። ንኽብደት ልቢ፡ ንሓዘን (ጓሂን)፡ ብኹሉ ምስ እትጽቀጥን ብኸመይ ትፈትሖ? ምስ ኣምላኽ ንምምልላስ ዘኽእል ድሌትን ሓይሊን፡ ዋላዃ እቲ ውጽኢት ክትርእዮ እንተዘይከኣልካ ንኣምላኽ ንምእማን ዘኽእል ጸጋ ኣምላኽ ተቐበል።

ብዛዕባ ምስጢር ናይ ዘይተመለሰ ጸሎት ክንሓስብ ከሎና ‘’ኣምላኽ በጃኻ ኣዐርዮ’’ ‘’ጐይታየ በጃኻ ለውጦ’’ ዝብል ጸሎት ድሕሪ ደጊም ኣይንጽልዮን ኢና። እቲ ቀንዲ ናይ ውሽጢ ጸሎትና ‘’ኣምላኸይ መንግስትኻ ትምጻእ፡ ኣምላኸይ ኣብዚ መርዓ፡ ኣብዚ ውሉድ፡ ኣብዚ ህይወት፡ ኣብዚ ቤተ ክርስትያን፡ ወይ ናይ ስራሕ ቦታ ንገስን ግዛእን፡ ፍቓድካ ጥራይ ይፈጸም፡ ንዓይ ሓጎስ ዘምጽእ እንተዀይኑ ጽቡቕ፣ እቲ ንዓይ ዘገድሰኒ ነገር ንዓኻ ዘሐጉስ ጥራይ፡ ክብርኻ ኣብዚ ዓለም ዝረኣየሉን፡ ዝፍለጠሉን ዝግለጸሉን ጥራይ ይኹን’’ ዝብል ጸሎት ይኸውን።

ሃና ተባዕታይ ውሉድ ክትደሊ እንኮላ፡ ኣምላኽ ግና መራሒን ነብዪን ኣብቲ እዋን ናቱ ዝኸውን ሰብን ይደሊ ነበረ። ኣምላኽ እታ ኣደ እዚ ውሉድ እዚ ክህልዋ ይደሊ ነበረ። ኣብተን ኩለን ዓመታት ሃና ኩሉ ጸሎታ ከምዘይተመለሰን እታ መጻርርታ ብቐጻሊ ከተዀርያን ከተባጭወላን ጥራይ ይረኣያ ነበረ። ኣምላኽ ግና መደቡ ከተፈጽም እትኽእል ኣደ ጌሩ ይሰርሓን፡ ይልውጣን የዳልዋን፡ ነቲ ዝህባ ውሉድ ኣብተን ምስኣ ዝጸንሓለን ሒደት ዓመታት ንመንግስቲ ኣምላኽን ክብሪ ኣምላኽን ዘፍቅርን፡ ድምጺ ኣምላኽ ከመይ ጌሩ ክሰምዕ ከምዝኽእልን ኣብታ ሃገር ከመይ ጌራ ናይ ኣምላኽ ሰብ ንክኸውን ከተዕብዮ ከምዝግበኣ የዳልዋ ነበረ። ንስኻከ ብወገንካ ኣምላኽ ኣብ ሃሳቡ ካብቲ ንስኻ እትሓስቦን እትሓልሞን እትልምኖን ዝበለጸ ነገር ከምዘለዎ እንተትፈልጥ ንመልሲ ጸሎትካ ክትጽበ ፍቕደኛዶ ምዀንካ?

ስግደት-መረጋገጺ እምነትን ምምራኽን

ብ ቁ.19 ‘’ንጽብሒቱ ኣንጊሆም ተንሲኦም ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሰገዱ...’’ ዝብል መረጋገጺ እምነትን ምምራኽን ሃና ዝዀነ ቃል ንረክብ። ስግደት ምልክት እምነትን ምምራኽን እዩ። ኣብዛ ምዕራፍ 3 ጊዜ ስግደት ዝብል ቃል ንረክብ። ኣብ ቁ.3 ኤልቃና ክሰግድ ናብ ሺሎ ኸደ። ኣብ ቁ. 19 ብሙሉኡ እቲ ስድራ ሰገደ፡ ሃና'ውን እቲ ኹሉ ጸሎታ መልሲ ከይተረኽቦ ከሎ ሰገደት። ኣብ ቁ. 28 ንሳሙኤል ነቲ መልሲ ናይቲ ኹሉ ጸሎት ዝዀነ ውሉድ ክንርኢ ከሎና ምናልባት ወዲ ሰለስተ ዓመት ከሎ ሰጊዱ።

ኣብ ቁ. 19ን 20ን እምነት ክፍጸም ከሎ ንርኢ።’’...ተመሊሶም ናብ ቤቶም ናብ ራማ ኣተዉ። ኤልቃና ድማ ንሰበይቱ ፈለጣ፡ እግዚኣብሄር'ውን ዘከራ።’’ ንስኻ ምናልባት ኣምላኽ ዝሓደገካን ዝረሰዓካን ካብኡ ዝተፈለኻን ኰይኑ ይስምዓካ ይኸውን፡ ኣምላኽ ግና ንደቁ ይዝክር እዩ። ኣምላኽ ኪዳኑን መደባቱን ይዝክር እዩ። በቲ ምዱብ ጊዜ ኣምላኽ መብጽዓኡ ይፍጽም። እቲ ጊዜ መዓዝ እዩ? ናይ ኣምላኽ ጊዜ እዩ፡ ኣብ እዋኑ እዩ ድማ፡ ኣይቅልጥፍን ኣይድንጒን። ‘’በቲ ምዱብ ጊዜ’’ ሃና ጠነሰት ወዲ ድማ ወለደት። ዋላኳ በቲ ንሕና እንደልዮ መገዲን ኣብቲ ንሕና እንደልዮ እዋንን ኣይኹን እምበር ኣምላኽ ኩሉጊዜ ይዝክር እዩ።

መብጽዓ ምፍጻም

ብ ቁ. 21-23 ሃና መብጽዓኣ ክትፍጽም ከላ ንርኢ።‘’እቲ ሰብኣያ ኤልቃና ድማ ምስ ብዘላ ቤቱ ናይ ዓመት መስዋእቲ ሕሩድን መብጽዓኡን ንእግዚኣብሄር ኪስውእ ደየበ። ሃና ግና ንሰብኣያ፡ ኣነስ፡ እዚ ሕጻን ጡብ ክሳዕ ዚሓድግ ኣይድይብን እየ፡ ሽዑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክርኤ፡ ኼብጽሖ እየ፡ ንሓዋሩ ኸኣ ኣብኡ ኺነብር እዩ፡ በለቶ። ኤልቃና ሰብኣያ ድማ፡ ጽቡቕ መሲሉ እተራእየኪ ግበሪ፡ ጡብ ክሳዕ እተሕድግዮ ጽንሒ፡ ሓንትስ እግዚኣብሄር ደኣ ዘረባኡ ይፈጽም በላ። እታ ሰበይቲ ኸኣ ተረፈት፡ ነቲ ወዳ ጡብ ክሳዕ እተሕድጎ ድማ ተጥብዎ ነበረት።’’ ዚ ብመሰረት ናይ እብራውያን ልምዲ ን 3 ዓመታት እዩ ዝኸውን።

ኣብተን ሰለስተ ዓመታት እንታይ ጌራ? ወዳ ንሙሉእ ዘበን ህይወቱ ንኣምላኽ ከገልግል ከመይ ጌራ ኣዳልያቶ? ኣነ ሃና ከምቲ ኣብ ቁ. 22 ‘’...ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክርኤ፡ ከብጽሖ እየ፡ ንሓዋሩ ኸኣ ኣብኡ ኺነብር እዩ’’ ዝበለቶ ጌራ ብተወፋይነት ንሰለስተ ዓመታት ኣዳልያቶ እያ ኢለ ይኣምን።

ኣብተን ቀዳሞት ዓመታት ናይ ናእሽቱ ቖልዑ ኣደ- ቖልዑ ዘበኖም ምሉእ ንኣምላኽ ንኽፈልጡ፡ ምስ ኣምላኽ ክማላለሱን ንኣምላኽ ንኸገልግሉን ኣብ ምድላው ንዘለዋ ግደ ክትክኦ ዝኽእል ዋላ ሓደ የልቦን። ስለዚ ኣዴታት ኣብዘን ቖልዓ ንዘበን ህይወቱ ዝህነጸለንን ዝጽረበለንን ቀዳሞት ዓመታት ዘበኑ ኣገዳሲ ግዲአን ክጻወታ ይግብአን እዩ።

ሃና ንወዳ ብመደብ ተሰልጥኖ ከምዝነበረት ከመይ ጌርና ንፈልጥ? ሃና ናይ ኣምልዀን ስግደትን ሰብ ከምዝነበረት ንፈልጥ ኢና፡ ቁ. 28 ሃና ንወዳ ናብ ማሕደር እግዚኣብሄር ምስ ወሰደቶ ኣብኡ ምስኦም ከምዝሰገደ ይነግረና። ንሳ ናይ ጸሎት ሰብ እያ ዝነበረት፡ ወዳ'ውን ከም ናይ ጸሎት ሰብ እዩ ዝፍለጥ ኔሩ። ንሱ ንጐይታ ዝምችእ ልቢ ኔርዎ፡ ልስሉስ፡ ዘይድንዙዝ (ተቐባሊ)፡ ንመንፈስ ቅዱስ ንቑሕ ነበረ። ኣነ ብወገነይ እዘን ፍረ እምነትን ስግደትን ጸሎትን ኣብ ዕሸል ልቢ እቲ ሕጻን ጐይታ ዘንበረሉ ኣብቲ ኣዲኡ ተጥብዎ ዝነበረትሉ እዋን ምዃኑ እየ ዝኣምን። ክቡራት ኣዴታት ደቅኽን ምሉእ ዘበኖም ንኣምላኽ ንኽፈልጡን ከገልግሉን ካብ ምድላው ዝዓበየን ዝተቐደሰን ጻውዒት የሎን።

ኣብ ቁ. 24ን 25ን ‘’ጡብ ምስ ኣሕደገቶ ኸኣ፡ ሰለስተ ዝራብዕን ሓደ ኤፋ ሓርጭን ሓደ ሓርቢ ወይንን ተማሊኣ፡ ወዳ ሒዛ ደየበት፡ ኣብ ሺሎ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ኣእተወቶ፡ እቲ ቖልዓ ኸኣ ገና ንእሽቶ ነበረ። ነቲ ዝራብዕ ሓሪዶም ድማ ነቲ ቖልዓ ናብ ኤሊ ኣምጽእዎ።﻾ እቲ መስዋእቲ ዝራብዕ ተምሳሌት ሃና ንወዳ ንእግዚኣብሄር ክትውፊ ከላ ዝኸፈለቶ መስዋእቲ እዩ። እዚ፡ ኩሉ ህይወታን ኣሎኒ እትብሎ ዘበለ ኹሉን ንስለ እግዚኣብሄርን ስለ መንግስቱን ኢላ ምውፋያ እዩ ዘንጸባርቕ።

ሃና ንኤሊ ‘’ጐይታይ፡ ስምዓኒ፡ ነፍስኻ ህያው ትኹን ጐይታይ፡ እታ ኣብ ጥቓኻ ደው ኢላ ንእግዚኣብሄር እትልምን ዝነበረት ሰበይቲ ኣነ እየ። ብዛዕባዚ ቖልዓዚ እየ ዝለመንኩ፡ እግዚኣብሄር ከኣ እቲ ዝለመንኩዎ ልማኖይ ሂቡኒ። ስለዚ ኣነ ድማ ንእግዚኣብሄር እህቦ ኣሎኹ፡ ምሉእ ዕድሚኡ ንእግዚኣብሄር ተዋሂቡ እዩ፡’’ በለቶ ቁ. 26-28

ወለዲ፡ ውሉድኩም ውህበት እግዚኣብሄር እዮም። ከም ወላዲት መጠን ጻውዒትኪ ንውሉድኪ መሊስኪ ንእግዚኣብሄር ክትህቢ እዩ፡ ደቅኺ ንኣምላኽ ክትውፍዪ፡ ደቀይ ኣምላኽ ንመደባቱን ንመንግስቱን ዝሃበኒ ናቱ እዮም ክትብሊን ንደቅኺ ድማ ንሳቶምን ምንባሮምን ምእንቲ እዚ ምዃኖም ከተፍልጥዮምን እዩ። ንዓይ ወለደይ ካብ ናእሽቱና ኣትሒዞም ንሕና ናይ ወለድና ዘይኰንናስ ናይ እግዚኣብሄር ምዃንና ከምእንፈልጥ ጌሮም እዮም የዕብዮሙና።

ናይ ሃና ናይ ምስጋና ጸሎት

ኣብ ምዕራፍ 2 ሃና ከምዚ ኢላ ከምዝጸለየት ነንብብ ﷽ልበይ ብእግዚኣብሄር ይሕጎስ ኣሎ፡ ቀርነይ ብእግዚኣብሄር ክብ ይብል፡ ብምድሓንካ ተሓጒሰ እየ እሞ፡ ኣፈይ ናብ ጸላእተይ ሃህ ኢሉ ኣሎ።﻾ ኣብቲ ህሞት ሃና እቲ ንነዊሕ እዋን ሃረር ዝበለቶን ዝጸለየትሉን ውሉዳ ኣብቲ ኩሉ ዓይነት ክፉእ ነገር ዝግበረሉ ኣብ ማሕደር እግዚኣብሄር ንኽነብር ንእግዚኣብሄር ንምውፋይ ዓቢ ውልቃዊ መስዋእቲ እያ ከፊላ። ነገር ግን ንሳ ናብ ምምስጋን እያ ኣትያ። ውሉደይ ስኢነ ኢላ ምጉሃይ ዘይኰነስ ሓጎስ እዩ ተሰሚዕዋ። ስለምንታይ? ምኽንያቱ ንሳ ንኽብሪ ኣምላኽን መንግስቱ ንምስፋሕን ክትነብር ኢላ ዝወሰነት ሰበይቲ እያ። ንሳ መደባት ኣምላኽ ይፍጸሙ ከምዘለዉ ስለዝፈለጠት ስለዚ ተሓጒሳ። ሃና እታ ኣቐዲማ ልባ ዝኸበዳ፡ ዝተሸገረትን ሕዝንቲ ዝነበረትን ሰበይቲ እያ።

ናታ ኣተኩሮ ካብ ገዛእ ርእሳ ተላዒሉ ኣብ ኣምላኽ፡- ኣብ ባህርያቱ፡ ኣብ መገድታቱ፡ ኣብ ዕላምኡ፡ ኣብ መንግስቱን፡ ኣብዛ ዓለም ኣብ ዘለዎ መደባቱን ነበረ። ስለዚ ጓሂኣ ናብ ሓጎስ፡ ቅዛነታ ናብ ልዕልና ተለወጠ። እቲ ኣብ ሓደ እዋን ናብ ዓዘቕቲ ጥሒሉ ዝነበረ ልባ ሕጂ ብጐይታ ክብ ኢሉ ነበረ። ለመናኣ ናብ ምስጋና ተለዊጡ። ንሳ እቲ ሓቀኛ ዝዀነ ሓጎስ ካብ ዝዀነ ነገርን ዝዀነ ሰብን ክርከብ ከምዘይክእልን ካብ ኣምላኽ ጥራይ ከምዝርከብን ዝተማህረት ሰበይቲ እያ ኔራ። ንሳ ﷽ኣምላክ ንስኻ እኹል ኢኻ፡ ምስጋናይን ባህታ ልበይን ብኣኻ እምበር ብህያባትካ ኣይኰነን፡ ንስኻ ምንጪ ዕጋበተይ ኢኻ﻾ ትብል ዝነበረት ትመስል።

ኣብ ምዕራፍ 2፡2-3 ሃና ንባህርያት እግዚኣብሄር ኣወዲሳ። ኣብ ቁ. 4-5 መገዲ እግዚኣብሄር ካብ መገድና ዝተፈለየ ምዃኑ ብተመስጦ ትዛረብ፡ ኣብ ቁ. 6-8 ስልጣንን ዕቤትን እግዚኣብሄር ትእውጅ። ኣብ ቁ. 9-10 ከኣ ‘’ንሱ ነእጋር ቅዱሳን ይሕልወን፡ ሰብ ብሓይሉ ኣይስዕርን እዩ እሞ፡ እቶም ረሲኣንሲ ኣብ ጸልማት ኪጠፍኡ እዮም። እቶም ንእግዚኣብሄር ዚጻረሩ ስብርብር ይብሉ፡ ኣብ ሰማይ ኰይኑ ኣብ ልዕሊኦም የንጎድጉድ፡ እግዚኣብሄር ንወሰናት ምድሪ ይፈርድ፡ ንንጉሱ ድማ ሓይሊ ይህቦ፡ ንቐርኒ መሲሁ ኸኣ ልዕል የብሎ።’’ እንዳበለት ምምጻእ መንግስቲ ኣምላኽ ናብ ኩላ ምድሪን ነቶም ግዝኣቱን ንግስንኡን ዝጻረሩ ዝወርዶም ፍርዲ እግዚኣብሄርን ትንበ።

እዘን ዝሓለፋ ጥቕስታት ኣብ ብዘሎ እቲ ጽሑፍ ሓደ ዓይነት ቴማ ክቕጽል ከሎ የመልክቱ፡ ንሱ ኸኣ እግዚኣብሄር ከምዝሓሊን ንህዝቡ ከምዝዝክርን። ኣብቲ ጽሑፍ ዘሎ ካልኣይ ቴማ (ፍረ ነገር) ናይ መወዳእታ ፍርዲ ናይ ክፉኣትን ጸላእቲ እግዚኣብሄርን እዩ። ንሳቶም ክምንቆሱን ጸላእቲ ኣምላኽ ክሰባበሩን እዮም። ኣብዚ ሃና ኣምላኽ ብዛዕባ ሓጢኣት እንታይ ከምዝስምዖ ዝተረደአትን ንርእሳ ከም ልቢ ኣምላኽ ኰይና ኣንጻር ሓጢኣት ደው ምባላን ንርኢ።

‘’ንንጉሱ ድማ ሓይሊ ይህቦ፡ ንቐርኒ መሲሁ ኸኣ ልዕል የብሎ’’ ዝበለቶ ቃል ብዛዕባ እቲ ቅቡእ ናይ እግዚኣብሄር ካብ ዘመልክቱ መወከሲ ጥቕስታት ናይ ብሉይ ኪዳን እቲ ቐዳማይ ጥቕሲ እዩ። እቲ ናይ እብራይስጢ ቃል ‘’መሲሕ’’ ዝብል እዩ። መንግስቲ ኣምላኽን ምምጻእ ክርስቶስን እያ ተነብያ። እዘን ቃላት እዚአን እግዚኣብሄር ድሕሪ ነዊሕ ጊዜ ዝፈጸመን ቃላት እየን። ናይ ሃና ጸሎት ነጥበ-መቐይሮ ኣብ ህይወታ፡ ዝተማረኸትሉ እዋን፡ ንፍቓድ ኣምላኽ ርእሳ ዘግዝኣትሉ እዋን እዩ ኒሩ። ኣብ ህይወት እታ ን100 ዓመታት ብብቑሩብ ተንቆልቁል ዝነበረት ሃገር (ከምዚ ናትና) እዉን ነጥበ-መቐይሮ እዩ ኔሩ። ኣምላኽ ጸሎታ መሊሱላ፡ ልቢ እታ ሃገር ናብኡ ንኽመልስ መስርሕ ምሕዳስ ጀሚሩ። ልባን ጸሎታን ኣብቲ እግዚኣብሄር ኣብ ዓለም ክዓዮ ዘለዎ መደብ ዝጸመደት ሰበይቲ ጽልዋኣ ክንደይ ዓቢ እዩ!

ዘይተፈጸመ ሃረርታኻ ንኽብሩ ምልዋጥ (ብኽብሩ ምትካእ)

ኣምላኽ እቲ ዘይተፈጸመ ሃረርታ ልብኻ፡ እቲ ንነዊሕ ዝጸለኻሉን፡ ዝነባዕካሉን ነገር እንታይ ምዃኑ ይፈልጦ እዩ። እግዚኣብሄር ነዘን እዋናት እዚአን ንምልዋጥካን እቲ ንርእስኻ ጥራይ ዝሓሊን ዝጭነቕን ልብኻ ለዊጡ ዓቢ ልቢ ክህበካ ይጥቀመሉ እዩ። ብርቱዕ ስምዒትን ሃረርታን ንኽብሪ ጐይታ፡ ቅንኣት ንምምጻእ መንግስቲ ኣምላኽን፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ፍቓዱ ኣብ ምድሪ ክፍጸም ክህበካ ይደሊ። ኣምላኽ ይለውጥካ! ጸሎትካ ንሱ ይምራሕካ! ምምብርካኽካ ኣይተቋርጽ፡ ንስልጣንን ንክብሪ ኣምላኽን ምምራኽካ ቀጽሎ፡ ኣምላኽ ንቕቡኡ ከምዝለኣዀ ፍለጥ። ‘’መንግስቲ ዓለም ናይ ኣምላኽናን ናይቲ ቅቡእን ኰይና እያ እሞ ንዘለኣለም ኣለም ኪነግስ እዩ’’ (ራእይ 11፡15)። ኣሜን!

Hannah – A Passion for The Glory Of God  ብዝብል ኣርእስቲ  ብ Nancy Leigh DeMoss  ተዳልዩ ኣብ Herald Of His Coming, July 2005  2005 ካብ ዝወጸ ጽሑፍ ተወሲዱ ዝተተርጎመ