27
Sat, Apr
0 New Articles

ዕውት ክትከውን ትደሊ ዲኻ? (Part 1)

Message 4
Typography

ነፍሲ ወከፍ ወዲ ኣዳም ኣብዛ ምድሪ ክነብር እንከሎ ዝምነዮ ትምኒትን ዝብህጐ ባህጊ ኣብ ዘመን ህይወቱ ሕጉስን ዕውትን ኰይኑ ክሓልፍ እዩ፣ ነዚ ድማ እዩ ብዝከኣሎ ኩሉን። ብዘሎዎ ዘበለን ሓርከትኰት እናበለ ዝቃለስ፣ እዚ ይኹን እቲ ኣብዛ ኣሻኽ ዓለም ንዘሎካ ትምኒትን ሕልምን ብቕልል ዝበለ መንገዲ ክውን ክትገብሮ ቀሊል ኣይኮነን፣ ገለ ሰባት ዘትረፍርፍ ሃብትን ዝናን ምእንቲ ኽረኹቡ፦ ብእኡ ኣቢሎም ድማ ሰላም ህይወትን ውሑስ ናብራን ክነብሩ። ዘይተኣደነ ጽዕሪ ይገብሩ፣ እቲ ዚደለዩዎ ምስ ረኸብዎ ግና እቲ ሕልምን ክውንነትን በበይኑ ይከውን እሞ ኣብ ክወጽሉ ዘይክእሉ ዓዘቕቲ ጭንቀት ይኣትዉ፣ ገለ ድማ ስኣን ዓቕሚ ምስኣን ንሕልሞምን ትምኒይቶምን ክውን ክገብርዎ ኣይኽእሉን ይኾኑ፣ ስለዚ ኣብ ናይ ሕልሚ ዓለም እናነበሩ ብምጉርምራምን ብርእሰ ምትሐትን ይሳቐዩ፣


 

ኣብዚ ክመጽእ ዝግብኦ ሓደ ሕቶ ኣሎ፣ ንሱ ድማ። "መሰረት ዓወት ሰብ ኣብ ምህላውን ዘይምህላውን። ኣብ ትሕዝቶን ዘይትሕዝቶን። ኣብ ምዃንን ዘይምኻንን ዝተመርኮሰ ድዩ?" ዝብል እዩ፣ ብፍላይ ኣብዚ ምዕቡል ኩሉ ዘለዎ ዝመስል ዓለም ዘሎ ዓቢ ብድሆ ሓደ ኣብ መንጐ ደቂ ሰባት ዝረኣ ዘሎ ክቱር ጭንቀትን ሻቑሎት ናይ ምንባር ሕቶን እዩ፣ ብፍለይ ድማ እቲ መሰረት ምዕባለ ዓለምና ዝኸነ መንእሰይ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ናይ ህይወት መሰናኽልን። ተስፋ ምቑራጽን ኣብ ህይወቱ ጐሊሑ ይርኣዮ ኣሎ፣ ኣብዚ ክመጽኣ ዘለዎ ሓደ ዓቢ ሕቶ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ "ንሕና ነዚ ዲና ተፈጢርና?" ዝብል ሕቶዩ፣

ዕላማይ ኣብዚ ጽሑፍ ነዚ ምምላስ ኣይኮነን፣ ዕላማይ። ከም መንእሰይ ካብ ጭንቀትና ክንገላገለሉ። ካብቲ ናይ ህይወት መምርሒ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ገለ ምኽሪ ወስ ንምባል እዩ፣

ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ኣብዛ ገጽ ምድሪ ዝነብር መንእሰይ ጽቡቕ ዓላማን ብሉጽ ዝኸነ ክብርን ኣለዎ፣ እዚ ይኹን እምበር። ነዚ ዓላማ ኣምላኽ ተረዲኡ ብውሽጣዊ ቅሳነትን ዕረፍትን ናይ ምምልላስ መሰል ግና ኣብ ምርጫ ነፍሲ ወከፍ መንእሰይ እዩ ዘሎ፣ ዘመንና ሓደገኛ እዩ። ብፍላይ ሰይጣን ንመንእሰያት ዓትዒቱ ብምሓዝ ኣደዳ ስቓይን ውርደትን ይገብሮም ኣሎ፣ እዛ ጊዚያዊት ዝኸነት ዓለምና ብጊዚያዊ ዝዀነ ነገራት እናታለለት ንመንእሰያት ኣብ ክወጽእሉ ዘይክእሉ ኣደራዕ ትሸሞም ኣላ፣ ጊዚያዊ ባህታ ንመጻኢኻ ንኸይትርኢ ዓትዒቱ ዝሕዘካ መፈንጥራ እቶም ሩኹሳት መናፍስቲ እዩ፣ በዚ ከምዚ ድማ ኣብ ገሃንም ዝተደርበያ ህይወት መንእሰያት ቆጻሪኤን ይቑጸረን፣

ሎሚ ከም መንእሰይ ናይዛ ሕጂ ዓለም ዘይኰነስ ናይታ ትመጽእ ዓለም እናሓሰብካ ጉዕዞኻ ክትምርሽ እንተ ተደልዩ። እቲ እንኰ ኣማራጺ ምስ ኣምላኽ ዘለካ መንገዲ ምስትኽኻል እዩ፣ ኣብዛ ንነብረላ ዘሎና ዓለም ዘይሓልፍ ነገር የለን፣ ንስኻ እውን ወትሩ መንእሰይ ኰይንካ ኣይትነብርን ኢኻ፣ እንተዀነ ኣብ ጊዜ ንእስነትካ ዚገበርካዮ ጽባሕ ንግሆ ወይ ንህይወት ወይ ድማ ንሞት ከም ዝዀነካ ክትዝንግዕ ኣይግባእን እዩ፣ ሎሚ "ንብላዕ ንጻወት" ጥራይ ዘይኮነ ብዛዕባ መጻኢ ምሕሳብ ኣዝዩ ዓቢ ብልህነትን ክብርን ምዃኑ ተረዳእ፣ ኣምላኽ ንመንእሰይ ኣዚዩ ክጥቀመሉ ይድለ እምበር ብእኡ መጠን ድማ ሰይጣን ንመንእሰይ ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ባርነት ክእትዎ ይጽዕርን ይጋደልን እዩ፣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ርኢና እቲ ንመድሕን እስራኤላውያን ዝተሓርየ ሲምሶን ብሰንኪ እቲ ዝነበሮ ሸለልትነትን ቅብኣቱ ዘይምሕላውን ንዕኡን ንህዝቡን ኣብ ዓቢ ውድቀት ክሸምም ከሎ ንርኢ፣ ብኣንጻሩ። እቲ ንጊዝያዊ ርውየት ከይንብርኸኽን ንኣምላኽ ክፈርሕን ዝወሰነ ዮሴፍ። ንህዝቢ እስራኤልን ንግብጽን ንብዘለ ዓለምን ንበረኸትን ንምድሓንን ክኸውን ከሎ ንዕዝበ፣

ንስኻ ሎሚ ካበየናይ ወገን ኢኻ? ካብ ወገን ሲምሶንዶ ወይ ዮሴፍ? ሲምሶን ንጊዝያዊ ስሚዒት ተንበርኪኹ ዝወደቕ መንእሰይ እዩ፣ ዮሴፍ ካብ ግዚያዊ ስሚዒት ሃዲሙ ንበረኸት ዝዀነ፣ ሲምሶን ብሰንኪ ሸለልትነት ውርደት ዝተቐበለ መንእሰይ እዩ፣ ዮሴፍ ብሰንኪ እሙንነት ክብሪ ዝተጓናጸፈ፣ ሲምሶን ብሰንኪ ተንበርካኽነቱ ንደሊላ መሳሓቒ ዝኰነ መንእሰይ እዩ፣ ዮሴፍ ግና ብሰንኪ ጽንዓቱ ባርኖስ ክብሪ ዝለበሰ እዩ፣

ሎሚ ከም መንእሰይ እንታይ ትሓሪ? ሰይጣን ኣንጻርካ ምኻኑ ፍለጥ፣ ኣንታ ናይ ኣምላኽ ሰብ ዝዀንካ መንእሰይ፣ እቲ ኣብ ዘመን ሲምሶን ንደሊላ ዝጥቀም ዝነበረ ሰይጣን። ብልሓቱ ከይቀየረ ኣብ ዙርይና ማእለያ ዘይብለን ደሊላታት ኣቐሚጡ ከም ዘሎ ኣይትዘንግዕ፣ ሰይጣን ወትሩ ከም ዝጓዝም ኣንበሳ ኣብ ዙርያና ምስ ጋዘመ እዩ ተጠንቀቕ፣ ሰይጣን ኣብዚ ዘመን እዚ። ንመንእሰያት ብጭንቀትን ወጥርን ብሸለልትነትን ብመንፈስ እንታይ ኣለዎን ክወቕዓና ወትሩ ምስ ተጋደለ እዩ፣ ስለዚ ከምቲ ብየውሃስን ዝተባህለና ንኹን፣ "ኣንቱም ኣጉባዝ ብርቱዓት ስለ ዝዀንኩም ነቲ እኩይ ድማ ሲዒርኩሞ ኢኹም እሞ እጽሕፈልኩም ኣለኹ፣"

ንዓና መንእሰያት ብርቱዓት ዝገብረና ነገር እንታይ እዩ? ከምቲ ሃዋርያ ዮውሃንስ ዝበሎ። እቲ ኣባና ዚሓድር ቃል ኣምላኽ እዩ፣ እዚ ቓል እዚ ጥራይ ኸኣ ናብ ዓወትን ምጥሓስን ክመርሕና ይኽእል፣ ዳዊት ኣብ ጊዜ ንእስነቱ ንጐልያድ በዚ ቃል እዚ ገጠሞ፣ ዳዊት ኣብ ጊዜ ንእስነቱ ንኣምላኽ ፈሪሑ ዝተመላለሰ ኸኣ ነዚ ቓል እዚ ኣብ ልቡ ስለ ዝዓቖረ ጥራይ እዩ፣ ንዳዊት ኣብ ጊዜ መከራን ስቓይን "እግዚኣብሄር ጓሳየይ እዩ" ክብል። ኣብ እዋን ጸልማት ብብርሃን ክመላለስ ዘኽኣሎ እዚ ዚሓዞ ቃል እዚ ጥራይ እዩ፣ ዳዊት ኣብ ጊዜ ድኻሙ ብርተዐ ረኺቡ። በደሉ ክእመን ዝገበሮ። ቃል እቲ ብሩኽ መድሓኒ ጥራይ ነበረ፣

መንእሰያት ኣሕዋተይ። ንዓና ንመንእሰያት ዝኸውን መምርሒ ኣብዚ ቃል እዚ እዩ ዘሎ፣ መንገዲ ዓወት ዘርእየና። ባና ብርሃን ድማ ዘብርሃልና። ፍልስፍና ዓለምን ካልእን ኣይኮነን፣ እዚ ቃል እዚ እዩ፣

ቅድም ኢልና ንዳዊትን ዮሴፍን ጠቒስና። ሰዓሪ ህይወት ነቶም ንኣምላኽ ዝፈርሁ ጋሻ ወይስ ሓድሽ ነገር ከም ዘይኮነ ርኢና ኣሎና፣ ነዚ ሰዓሪ ህይወት ክንምኮሮ ግን እቲ ንሳቶም ዚነበሮም ባህሪ ክንወርስ ግዲ እዩ፣ እቲ ንሳቶም ዚነበሮም ንሕናውን ኪንለብሶ ዚግብኣና ባህሪ እንታይዩ?

ካብዚ ቀጺልና ነዘን ዝስዕባ ዕዉት ህይወት ክትነብር ዚሕግዛ ነጥብታት ክን ርኢ ኢና፣ ንሰን ኸኣ።

1.ገዛእ ርእስኻ ኩን

2. ብዝገጥመካ ብድሆታት ኣይትሰንብድ

3. ንኻልኦት ሰናይ ሕሰብ


1. ገዛእ ርእስኻ ኩን

ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ክፈጥሮ ከሎ ኣወቂቡን ኣማዕሪጉን ፈጢሮ፣ ይኹንምበር እዚ ብሰንኪ ምትእትታው ሰይጣን ፍጥረት ሰባት ተበላሸወ፣ ኣምላኽ ግና ንወዱ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ብምልኣኽ ንሰብ ናብቲ ዝነበሮ ክብሪ መሊስዎ ኣሎ፣ እቲ ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ከም ናይ ውልቂ መድሓኒኡ ተቐቢሉ። ምስኡ ብሕብረት ክነብር ዝወሰነ ሰብ እዚ ክብሪ እዚ ብጐይታና የሱስ ናቱ እዩ፣ ስለዚ ኸኣ። ኣማኒ መንእሰይ ከምቲ ቃል ኣምላኽ ዝብሎ ኰይኑ ክመላለስ ይግብኦ፣

ሃዋርያ ጳውሎስ። ኣብ ሮሜ 12።3 ከምዚ ይብል። "ከምቲ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ዝዐደሎ መስፈር እምነት ጌሩ ድኣ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ይሕሰብ እምበር ካብቲ ዝግብኦ ኣዕዚዙ ኸይሓሰብሲ ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ በቲ እተዋህበኒ ጸጋ እብል ኣለኹ፣" ንሰብ ኣዚዩ ዘሸግሮ ነገር ንገዛእ ርእሱ ተቐቢሉ ከምቲ ዝተባህሎን ዝዀኖን ኰይኑ ክመላለስ እዩ፣ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብዚ ክልተ ነገር ይምዕደና፣ ሓደ። ሓለፋ ዘሎናን ዝዀናዮን ነገር ከይንሓስብ እዩ፣ እቲ ካልኣይ ኸኣ። ትሕቲ ዝዀንናዮ ነገር ከይንሓስብ እዩ፣

ሰብ ኣብ ህይወቱ ናብ ውድቀት ገጸን ዘምርሕኦ እዘን ነገራት እዚኣተን እየን፣ ሰይጣን እውን ናብ ውድቀትን ዚመርሓቶ። ሰፈሩ ድማ ገሃንም እሳት ክኸውን ዚፈረደቶ ቀንዲ ምኽንያት። ልዕሊ እቲ ዚኾኖ። ነቲ ልዑል ክመስል ስለ ዝደለየ ጥራይ እዩ፣ ሎሚ ንገዛእ ርእስካ ልዕሊ ካልኦት በሊጻ ምእንቲ ክትርኣ። ዘይዀንካዮ ትኸውን እንተ ሃሊኻ። ናብ ውድቀትን ዕንወትን ገጽካ ተምርሕ ምህላውካ ዘየጠራጥር ሓቂ እዩ፣ ኣምላኽ ንወዱ የሱስ ክርስቶስ ክንመስል እምበር። ንኻልኦት ክንመስል ወይስ ሓለፋኦም ጸብለል ኢልና ክንወጽእ ብፍጹም ኣይጸዋዓናን፣ እዚ ዓይነት ኣከያይዳ ናብ ጉጉይ ኣንፈትን ናብ ውድድርን ጥራይ እዩ ዘምርሕ፣ ብፍላይ ኩሉ ጊዜ ሓለፋ ዝዀናዮን ንኻልኦት ንኸነርከብን ንጓየ እንተ ኬንና ኣብ ህይወትና ዝረኣያ ክልተ ኣሸገርቲ ባህሪያት። ዘይዕጋበትን ቅንእን ክለግባና ግዲ ይኸውን፣

ኣመንቲ ዕጋበትና የሱስ ክኸውን ኢና ተጸዊዕና፣ ይኹን እምበር ነዚ ገዲፍና ሓለፋ ዝኰናዮ ነገር ንመጣጠር እንተ ኬንና ሳዕቤኑ ዘይምዕጋብ እዩ፣ ውጽኢት እዚ ድማ ጭንቀትን ወጥርን ይኸውን፣ በቲ ዘሎና መመስገንቲ ክንዲ ምዃን እቲ ዘይብልና እናረኣና በቶም ካልኦት ድማ ኣናቐናእና መጉረምረምቲ ንኸውን፣ ሓደ ዓቢ ነገር ኽንጥንቀቐሉ ዝግባእ ነገር። ብጐይታና የሱስ ዘሎና ክብሪ ብዘይምርዳኣ። ውሕስነትን ክብርን ክንረክብ ኢልና ነቲ ዝዀንናዮ ሸለል ኢልና። መዛግብቲ ልባትና ኣብዛ ምድሪ ከይነንንብር እዩ፣ ካልኦት ዝበጽሕዎ ምብጻሕ ሓጥያት ኣይኮነን፣ ምምናዩ እውን በደል ኣይከኮነን፣ የግዳስ ገለ ከም ዘይከነካ ኰይኑ እናተሰማዓካ ነቲ ናትካ እናናኣኣሰካ ናብቲ ናይ ካልኣኦት ምምጥጣር ግና ነቲ ኣወቂቡ ዝፈጠረካ ኣምላኽ ኢዱ ምስባር እዩ፣

ካልእ እቲ ዝዓበየ ፈተና ድማ ንገዛእ ርእስካ ገለ ከም ዘይብልካ ምቑጻር እዩ፣ እዚ ብሱሩ ሰይጣናዊ እዩ፣ መምዘኒና ገንዘብን ክዳንን ደጋዊ መልክዕን ካልእን ኣይኮነን፣ መምዘኒና እቲ ኣብ መስቀል ዝሞተ የሱስ ክርስቶስ ጥራይ እዩ፣ ኣምላኽ ድማ ንዓና ብኣዒንቱ ወዱ የሱስ ክርስቶስ እምበር ብኻልእ ኣይጥምተናን እዩ፣ ንስኻ ንገዛእ ርእስካ ገለ ከም ዘይብላ እትቆጽራ ሰብ። ገለ ነገር እንተ ዘይገበርካ ኣይትገረም፣ ከም መንእሰይ ኩሉ ጊዘ ሓለፋ ዝዀንካዮን ትሕቲ ዝኸንካዮን ከይትሓስብ ተጠንቀቕ፣ ንስኻ ከምቲ ኣምላኽ ዝበለካ ኢኻ፣ የሱስ። "ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ ክቡር ኢኻ" እንተ ኢሉካ ንምንታይ ነቲ ካብዚ ዘይበልጽ ነገር ክትከውን ትጋደል? ዘይቦታኻ ምድላይ መዘዙ ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ፣

ወዲ ንጉስ ዳዊት ዝነበረ ኣቤሰሎም ንንግስነት ኣቡኡ ምድላዩ ኣብ ህይወቱ ዘጋጠሞ ኣደራዕ እንታይ ምዃኑ ኣንቢብኩም ትዀኑ ኢኹም፣ ኣቤሰሎም ብሰንኪ ንግስነት ኣብኡ ምድላዩ ኣብ ህይወቱ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ዘላ ሃገር እስራኤል ዘእተዎ ሕንፍሽፍሽ ኣዚዩ ክቢድ ከም ዝነበረ እቲ ቅዱስ ቃል ይነግረና፣ መንእሰይት እቲ ኣምላኽ ዝሃበኩም ነገር ጥራይ ንዓኹም እኹል እዩ፣ ኣብቲ ዘይተዋህብኩሞ ቦታ ክትኣትዉ ምምጥጣር ግና ንዓኹም ጥራይ ዘይኰነስ ንህዝቢ ኣምላኽ ከይተረፈ ጋህሲ ክትኰኑዎም ምዃንኩም ኣይትረስዑ፣ ደቂ ኤሊ ዝግብኦም ቦታ ሓዲጎም ኣብ ዘይቦቶኦምን ዘይኰንዎን ምስ ኰኑ ኣብ ብዘላ እስራኤል ክሳብ ታቦት ኣምላኽ ዝማረኽ ንመርገምን ስቓይን ኮኑ፣ ሓፍ ሓፍ ምባልካ ኣይኮነን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ዘንእደካ፣ ኣብቲ ዝግባኣካ ስፍራ ምቕማጥ እዩ መጐስ ዘምጻልካ፣ ኣብ ህይወት እቲ ሓለፋ ርእሱ ዝሓልም ሰብ ዚረአ ትዕቢት እዩ፣ ኣብ ህይወት እቲ ትሕቲ ዝግብኦ ዝሓሰብ ሰብ ዚግሃድ ኸኣ ርእሰ-ምትሓት እዩ፣

ርእሰ ምትሓት ዘለዎ ሰብ ኩሉ ጊዜ ኣብ ወጥርን ጭንቀትን ምስ ተሸመ እዩ፣ ዝገብሮ ኩሉ ድማ ብማንታ ልቢ ይኸውንሞ ብፍጹም ኣይሰልጦን እዩ (ያእ 1።7-8)፣ ውሕስነት ድማ የብሉን፣ ካብ ኣምላኽ ንላዕሊ ካልእ መጸጊዒ ኸኣ ከናዲ ይፍትን፣

እቲ ሓለፋ ገዛእ ርእሱ ዝሓስብ ሰብ። "መን ከማይ?" በሃሊ እዩ፣ ወትሩ ኸኣ ብትዕቢት ምስ ዘቕበበ እዩ፣ ትዕቢት ኸኣ ንውድቀት ትቕድማ ስለ ዝዀነት ግን ኣውዳድቕኡ ኣዝዩ ኩፉእ ይኸውን፣

ግን ከመይ ጌርና ከምቲ ዝተባህልናዮ ንኸውን? ወይስ ነቲ ኣምላኽ "ከምኡ ኢኹም" ዝበለና ነገር ክንቅበል ንኽእል? ናይዚ መልሲ ኣብ ሮሜ 12።1-3 ተጠቂሱ ኣሎ፣ "እምበኣርሲ ኣሕዋተይ ንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዘብልን ወስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎ ብምሕረት ኣምላኽ እምዕደኩም ኣለኹ፣ እዚ ማለት እቲ ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ፣ እቲ ሰናይን ባህ ዘብልን ሙሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ክትፈልጡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ፣"

ኣብዚ ጽሑፍ ክልተ ነገራት ተጠቂሰን ኣለዋ፣ ንሳተን ኸኣ ተውፋይነትን ኣእምሮኻ ምሕዳስን እየን፣ ንኣምላኽ ከተኽርብዎ፣ እዚ ዘይኮንናዮ ክንከውን ወይስ ሓለፋ ዝዀንናዮ ክንከውን ለይትን መዓልትን ኣንጻርና ዝላዓል ሰይጣን እዩ፣ ነቲ ብእኡ ገይሩ ዝቃለሰና ስጋና ወትሩ ኣብ መሰቀል ክርስቶስ ክንድርብዮ ይግብኣና፣ ንሕና ናትና ኣይኮንናን፣ ናይ ኣምላኽ ኢና፣ ብዛዕባና ሓላፍነት ዝወስድ ድማ ባዕሉ ኣምላኽ እዩ፣ ንስጋና ክመልኽ ዝኽእል ድማ መንፈስ ቁዱስ እዩ፣ ስለዚ ገዛእ ርእስና ንኣምላኽ ንወፊ፣

እቲ ዝበለጸ ኣገልግሎት ንኣምላኽ ገዛእ ርእስካ ምውፋይ እዩ፣ እቲ ገዛእ ርእሱ ንየሱስ ዝወፈየ ሰብ ብዘዕባ ገዛእ ርእሱ ኣይጭነቕን እዩ፣ ሰባት እኰ ልዕሊ ዓቕሞም ዝሓስቡ ወይ ድማ ትሕቲ ዝግብኦም ዝኾኑ እቲ ሚስጥር ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም እምብዛ ስለ ዝሓስቡ እዮም፣ እቶም ንገዛእ ስግኦም ንኣምላኽ ዝወፈዩ ሰባት ግና ከምቲ ኣምላኽ ዝበሎም እናተመላለሱ ይነብሩ እምበር "እንታይ ክኸውን እየ? ናበይ ክኸይድ እየ?" ኢሎም ኣብ ወጥርን ሓሳብን ኣይሽመሙን እዮም፣

እታ ካልኣይቲ ኣብዚ ተጻሒፋ ዘላ። "ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰሉ" ትብል፣ ዓለም ኩሉ ጊዜ ብጊዝያዊ ነገር ሓባቢላ። ነቲ ዝሓልፍ ነገር ክንመጣጠር ትገብረና፣ በዚ ከምዚ ኣንተ ተወቒዕና ድማ ኩሉ ጊዜ ነቲ ዘሎና ዘይኮነ ወይስ ነቲ ዝዀንናዮ ዘይኮነ ኣሰር ኣሰር ፍትወትን ዓለማውነትን ንሓስብ፣ በዚ ከምዚ ኸኣ ኣብ ዘይንኸእሎ ውድድር እቲና ኣደዳ ጭንቀትን ስቓይን ንኸውን፣ ሰላምና ውሑድ ዕግበትና ድማ ዱሩት ይኸውን፣ ሓሳብና ግና ናይ ላዕሊ ጥራይ እንተ ኾይኑ ዓላማ ኣምላኽ ኣባና እንታይ ምዃኑ ስለ ንፈልጥ ብዝረኸብናዮ እናተሓጐስና ንነብር እንበር። እቲ ዘይብልናን ዘይኰናዮን እናሓሰብና ብፍጹም ኣይንጭነቕን ኢና፣ ናብ ጐደና ዓወት ዝመርሓካ ሓደ መንገዲ። ከምቲ ኣምላኽ ዝበለካ ኰይንካ ምምልላስ እዩ፣

2. ብዝገጥመካ ብድሆታት ኣይትሰንብድ

ዘመን ህይወት ሰብ ሰልፊ ምዃኑ እዮብ ባርያ ኣምላኽ ይዛረብ፣ ብርግጽ ሰብ ዘለዎ ብድሆ ኣብዚ ዘመን ብፍላይ ኣዚዩ ብዙሕን መሸገርን ምዃኑ ኣዚዩ ርግጽ ኰይኑ ኣሎ፣ ብፍላይ ኣብ ጉዕዞ ህይወትና ዘጋጥሙና ስነ ኣእምራዊ። መንፈሳዊ ቁጠባዊን ካልእን ብድሆታት ኣዚዩ ከቢድ ምዃኑ ንሕና ባዕላትና ንሓልፎ ዘሎና ጐደና ስለ ዝኾነ ምትንታኑ ኣድላዪ ኣይመስልን፣ ሓደ ኩላትና ክንፈልጦ ዘሎና ሓቂ ግና ኣሎ፣ ኣብ ዘለና ንሃሉ ካብ ፈተናን ብድሆታትን ነጻ ክንከውን ኣይንኽእልን ኢና፣ ይውሕድ ይበዝሕ ይፈላለ እምበር። ነፍሲ ወከፍ ወዲ ኣዳም ነናቱ ዘዀነ ብድሆን ፈተናን ኣለዎ፣ እቲ ሕቶ ብዝገጥመካ ፈተና ትሰዓርዶ ወይስ ኪኒኡ ሓሊፍካ ነቲ ኣምላኽ ክትኮኖ ዝፈጠረካ ዓላማ ደው ትብል እዩ፣ ኣብ ዓለም እቶም ኣዚዮም ሕጉሳት ሰባት እቶም ካብ ፈተና ነጻ ዝዀኑ ሰባት ዘይኰኑስ እቶም ልዕሊ ፈተናኦም ዝመላለሱ ሰባት እዮም፣ ኣብ ታሪኽ እንተ ርኢና ድማ እቶም ኣብ ዓለም ዓቢዪ ቕያ ሰሪሖም ዝሓለፉ በዓል መን እዮም? እቶም ኣብ ዘመን ህይወቶም ብመከራን ስቓይን ዝተፈተኑ ሰባት እዮም፣

ኣብ ዘመን ህይወትና ክንፈልጦ ዘለና ጉዳይ ከመይ ጌርና ካብ ፈተና ንሃድም ዘይኰነስ ብኸመይ ንፈተናን ብድሆን ንጋፈጦን ንገጥሞን ክኸውን ይግባእ፣ ብፍላይ እቶም ንኣምላኽ እንፈርሕ መንእሰያት ኣብ መንገድና ዝገጥመና ፈተናን ማሕለኻን ኣዚዩ ብዙሕ እዩ፣ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ዘለዎ ኣረኣእያ ኣዚዩ ኣዚዩ ሰፊሕን ዓብዪ እዩ፣ እቲ ጸላኢ ጽድቂ ግና ነዚ ዓላማ እዚ ተግባራዊ ምእንቲ ኰይከውን ዝከኣሎ ጻዕሪ ይገብር፣

ብድሆን ፈተናን ክገጥመና እንከሎ ግን ግብረ መልስና እንታይ ክኸውን ይግብኦ? መንእሰያት ብርቱዓት ምዃኖም ቃል ኣምላኽ ብግልጺ ይምህር እዩ፣ ብርተዐና ግና ኣብ ምንታይ እዩ? ንዝገጥመና ፈተናን ናይ ንእስነት ሕልኽላኻትን ብሓይልና ክንሰግሮዶ ይካኣል ድዩ? ወይ ድማ ንዝመጹና ፈተናታት ብዘሎና ክእለትን ትሕዝቶንከ ክንሓልፎ ይካኣል ድዩ? መጽሓፍ ቁዱስከ ብዛዕባዚ እንታይ ይምህረና?

ኣብ ህይወትና ዝመጽእ ፈተና ንዓና ናብ ዝለዓለ ደረጃ ከብጸሓና እምበር ንውድቀትና ኣይመጽእን እዩ፣ ስለዚ መንእሰይ ኣብ ጉዕዞ ህይወቱ ብዝመጾ ብድሆ ሰንቢዱ ንድሕሪት ክምለስ ኣይግባእን እዩ፣ ነዚ ነገር እዚ ሓሊፋ ናብቲ ዝተዳለወሉ ክብሪ ክኣቱ ከሎ ኸኣ ህይወቱ መቐረት ኣለዋ፣ ህይወት መቐረታ ንዕርፊ ሒዛ ንቕድሚት ክትሕንበብ እምበር ተሰኒፋ ንድሕሪት ክትምለስ ኣይኰነን፣ እዛ ንነብረላ ዘለና ዓለም ምስቲ ደጋፊኣ ሰይጣን ኰይና ካብቲ ኣእጋርና ተቐሚጥዎ ዘሎ መስመር ዓወት ከተዝብለና ኩሉ ጊዜ ድልውቲ ኣላ፣ ንሕና ድማ ከምቲ ጹሑፍ ዝብሎ ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣባና ዘሎ ስለ ዝዓቢ ክንገጥመላ ድልዋት ንኹን፣

መንእሰያት ኣብ ዝለዓለ ቦታን ክብርን ንምብጻሕ ክቱር ባህጊ ኣሎና፣ ይኩን እምበር እዚ ብዘይ ገለ ዋጋ ክርከብ ብፍጹም ኣይከኣልን እዩ፣ ብዙሓት መንእሰያት ኣብ ጉዕዞ ህይወት ዝሰናኸሉ ዋጋ ክኸፍሉ ዘይምድላዮም እዩ፣ ማእለያ ዘይብሉ ክብሪ። እለያ ዘይብሉ ዋጋ ከፊልካ ኢኻ ትረክቦ፣ ኣብ ጉዕዞና ዘጋጥመና ሰልፊ። ነቲ ዝመጽእ ክብሪ ኣይወዳደሮን እዩ፣ ስለዚ ነቲ ክብሪ እናራኣና ክንጓዓዝ እምበር በዚ ጊዚያዊ ዋዒ ተሰናቢድና ንድሕሪት ክንምለስ ኣይግባኣን እዩ (እብ 10።39)፣

ንሕና ንሓደ ዓቢ ክቡር ነገር ዝተጸዋዕና ኢና፣ ነዚ ዝተጸዋዕናሉ ዕላማ ድማ ኣብ ሸቱኡ ምእንቲ ከንበጽሖ ድማ ንቕድሚት ምጉዓዝ ከድልየና እዩ፣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ከማና መንእሰያት ነቲ ዝገጥሞም ብድሆ። ፈተና። ሰጊሮም። ኣብቲ ክበጽሕዎ ዘለዎም ደረጃ ዝበጽሑ ማእለያ የብሎምን፣ ተስፋ ቖሪጽካ ትማሊ ዝሓለፍካዮ ጎደና ውድቀት እናዘከርካ ኣብ ግብ ዝበለ ጸልማት ትህሉ ትኸውን፣ ግና ኣጆካ፣ የሱስ ምሳኻ ኣሎ፣

እቲ ሕቶ ንስኻ ምስቲ ሰዓሪ የሱስ ኰይንካ ንዝመጸካ ፈተናታት ክትገጥሞ ድልዊዶ ኣለኻ ዝብል እዩ? ሕልናና በቲ ዝመጸና ፈተና ክዓርብ ኣይግባኣን እዩ፣ ብኣንጻሩ ናብ ዝበለጸ ክብሪ ህይወት ይመርሓና ከም ዘሎ ተገንዚብና "በቲ ሓይሊ ዝህበኒ ንኹሉ እኽእሎ እየ" ቢልና። ንሰይጣን ዕድል ከይከፈትና። ንክርስቶስ የሱስ ብምሓዝ ዝተሓንጸጸልና መንገዲ ክንውድኣ ኣጅገና ሰብሲብና ማዕናጡና ተዓጢቕና ንመርሽ፣ መንእሰይ ኣማኒ ዓቢ ሓላፍነት ከም ዘሎካ ከይዘንጋዕካ። የዒንትኻ ከፍቲካ ነቲ ኣብ ቅድሜኻ ዘሎ ክብሪ ተመልከት፣ ኣስተውዕል ፈተና ናብ ዝበለጸ መንገዲ ዓወት እዩ ዝመርሓና፣

ብርግጽ ኣብ መንገዲ ጉዕዞና ዘጋጥሙና ድኻምን ፈተናን ውድቀትን ከም ዘሎ ዘይንኽሕዶ ሓቂ እዩ፣ እዚ ግና መወዳእታ ዕጫና ከም ዘይኰነ ክንርዳእ ኣሎና፣ ሰይጣን ትማሊ ኰነ ሎሚ። ዝሓለፍናዮን ዘሎናን ውድቀት እናምጽኣ ኣብቲ ክንበጽሖ ዘሎና ናይ ዓወት ጐደና ከይንበጽሕ ካብ ምፍታንናን። ካብ ምኽሳስናን ኣይዓርፍን እዩ፣ ይኹን እምበር ካብ ኣምላኽ። ከንዕወትሉ እንኽእል ኩሉ ጸጋ ከም ተዋህበና ተረዲኢና በዚ ምጉብዕባዕ ሰይጣን ክንሰናበድ ኣይድልን እዩ፣ ንሕና መንእሰያት ኣብ ትማሊ ክንበር ዘይኰነስ ኣብ ሎሚ ከይና ንጽባሕ ከነማዕዱ ዝተጸዋዕና ሰባት ኢና፣ እቶም መጽሓፍ ቅዱስና ንመጻኢ እናማዕደዉ ዝተጓዕዙ መንእሰያት ኣብ ዝበለጸ ናይ ክብሪ ቦታ ከም ዝበጽሑ ብግልጺ ይነግረና እዩ፣ እቲ ዕውት መንእሰይ ኩሉ ዝመላኣሉ ወይስ ዝና ዝረኸበ ኣይኰነን፣ እቲ ንዕላማ ኣምላኽ ክውን ንምግባር ዝጋደልን። ነቲ ናይ መጻኢ ክብሪ እናጠመተ ድማ ንዝገጥሞ ናይ ህይወት ሕልኽላኻት ሰጊሩ ዝጓዓዝ እዩ፣

ሓደ ጊዜ ሓደ ወትሃደር ኣሜሪካ ንባዓልቲ ቤቱ ናብቲ ንሱ ዝነበሮ ኣጻምእ ምድረበዳ ካሊፎርኒያ ምስኡ ንኽትነብር ወሰዳ፣ ሰበይቱ ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት ነቲ ቦታ ኣዚያ ጸልኣቶ፣ ነዲኣ ድማ "ኣነ እዚ ዘለኽዎ ቦታ እምብዛ ጸሊኤዩ ኣለኹ፣ ኣብ ዝሓጸረ ጊዜ ድማ ናብቲ ምቹእ ቦታይ ክመጽእ እየ" ኢላ ጸሓፈትላ፣ ኣዲኣ ድማ ከምዚ ኢላ መሊሳትላ፣ "ጓለይ ሓደ ጊዜ ክልተ እስራት ነበሩ፣ እቲ ሓደ እሱር በታ ተሓዪሩ ዝነበረ መስኰት ጭቓ ክሪኢ ከሎ እቲ ሓደ ግና ኣብ ሰማይ ዝነበራ ከዋኽብቲ ይዕዘብ ነበረ" ቢላ ጸሓፈትላ፣ ጓላ ነዛ መልእኽቲ ምስ ተቐበለት ብናይ ህይወት ብድሆታት ከይተሰናበደት ናብራኣ ክትመርሕ ጀመረት እሞ። ኣብ ዓለም ኣዝያ ንፍዕቲ ደራሲት ኰነት፣

ሎሚኸ ንሕና ኪንዮ ብድሆና እናረኣና ነቲ ዝመጽእ ክብሪዶ ንርኢ ኣሎና ወይሲ ካብ ብዝሒ መከራና ዝተላዕለ ቦታና ክንሓድግ ንደናደን ኣሎና? ብርግጽ ብድሆ ህይወት ካብ ሰብ ናብ ሰብ። ከምኡ ድማ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ይፈላለ እዩ፣ ናይ ገለ ጽንኩር ናይ ገለ ድማ ቅልል ዝበለ እዩ፣ እዚ ኰይኑ እቲ ግና ነፍስ ወከፍ ሰብ ኣብ እምነት ክጸንዕ ብጸጋ ኣምላኽ ግዱድ እዩ፣ ከምኡ እንተ ዘይኰይኑ ተማቓሊ ዓወትን ክብርን ምዃን ኣይከኣልን እዩ፣

በቲ ኣብ ህይወት ክገጥመና ዝኽእል ብድሆታት ህይወት ተሰናቢድና ተስፋ ብምቑራጽን ብምሕላልን ንድሕሪት ምጥማትን ዘይከነስ። እንታይ ድኣ ጽባሕ ብርሃን ከም ዘሎ ፈሊጥና ብምጽናዕን ናብ ኣምላኽ ብምጥማትን ክንጸንዕ እዩ ዝግባእ፣ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ክዛረበና እንከሎ ህይወት ምሳይ ብዘይ ፈተናን ጥጥሕትን እያ ኣይበለናን እዩ፣ ብኣንጻሩ። "ተማሃራይ ካብ መምህሩ ኣይበልጽን እዩ፣ ኣብ ዓለም ብድሆ ህይወትን ፈተናን ኣለኩም፣ ግናኸ ኣጆኹም። ኣነ ንዓለም ሲዒረያ እየ" እዩ ዝበለ፣ ንሱ ንፈተናን መውጺኢ ዝኸውን ደኣ እዩ ዘዳልወልና እምበር ካብ ፈተና ሓራ ኣይገብረናን እዩ፣ ብብዝሒ ተስፋ ዝቖርጹ ሰባት እቶም ብፈተና ተሰኒፎም ንድሕሪት ዝምለሱ ሰባት እምበር እቶም ፈተና ዝበርትዖም ሰባት ኣይኰኑን፣ ሎሚ ዘለካ ጽንኩር ኩነታት ነቲ ዝመጽኣ ናይ ዘልኣለም ክብርን። ከምኡ ድማ ነዚ ኣብ ምድሪ ዝረከብ በረከትን ድማ የዳልወካ ከም ዘሎ ፍለጥ፣ ሓቂ እዩ ብኸምዚ ዝዓይነቱ ጹሑፍ ኣቢልካ ብዛዕባ ብድሆታት ህይወት ክትዛረብ እምብዛ ቀሊል እዩ፣ እቲ ኽብደቱ ክትሓልፎ ከለኻ እዩ፣ እዚ ዀይኑ እቲ ግና ኣብ ኣምላኽ ምጽናዕን። ነቲ ንሱ ዘዳለወልና ዓወት ንምውራስን ቃልሲ ከድልየና እዩ፣ "ኣቱም ብእግዚኣብሄር ተስፋ እትገብሩ ኣጀኹም" ተባሂሉ ከም እተጻሕፈ። ብኣምላኽ ተስፋ እናገበርና ኣብቲ ፈጣሪ ኩሉ ዓለም ንጸጋዕ፣ ሓደ ጸሓፋይ ክዛረብ እንከሎ። "መቐረት ህይወት

ኣብ ፈተና እምበር ኣብ ጣዕሚ ጥራይ ኣይኰነን" ኢሉ ኣሎ፣ ካብዚ ጸሓፋይ ንላዕሊ ግና የሱስ ክርስቶስን ሃዋርያ ጳውሎስን እቶም ዝሓለፉ ኣቦታትና ነዚ ገሊጾሞ እዮም፣ ድሕሪ ብኽያት ሰሓቕ ኣሎ፣ ድሕሪ ውድቀት ድማ ምትንሳእ ኣሎ፣ ድሕሪ ጸልማት ድማ ብርሃን ኣሎ፣ ነዚ ዝዝክር መንእሰይ ድማ ወትሩ ብጐደና ዓወትን ሰላም ህይወትን ምስ ተመላለሰ እዩ፣ ከምቲ ዝበልናዮ መጽሓፍ ቁዱሳና

ኣብነት ብዙሓት መንእሰያት ስለ ዘለዎ ገለ ካብቲ ንዓና ንትምህርቲ ክኾነና ዝተጻሕፈ ክንርኢ ኢና፣

ይቕጽል!