18
Thu, Apr
0 New Articles

ናብ መርበብ ጸሎት እቶ

Message 4
Typography

እግኣብሄር ካብ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ሓደ ዝጽበዮ ነገር ኣለ፡ እ ድማ ጸሎት እዩ። ሰብ ምስ ኣምላ ሕብረት ክገብር ዝተፈጥረ ክቡር ፍጥረት ኣምላ ኣብ ርእሲ ምŽúኑ፡ ከም ክርስትያን ድማ ብትብዓት ኣብ ዝፋን ኣምላኘ፡ ብጸሎት ዝዋርበሉ ጸጋ ብክርስቶስ የሱስ ተ"ሂብ" እዩ። እግኣብሄር ናይ ዕላማን መደብን ኣምላ እዩ። ኵሉ ዝእል ኣምላ እኳ ክነሱ ግን፡ እቲ ዕላምኡ ኣብ ሸትኡ ክወቕዕ ናይ ሰባት ጸሎት ዘድልዮ ገይሩ ሰሪዕ" ኣሎ። እግኣብሄር ክንጽሊ ይደልየና ነይሩ እንተዝውን፡ ኣብታ ንየሱስ ዝፈለጥናላ መዓልቲ ምወሰደና ነይሩ። ስለ ካብቲ እግኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ዳለ ዕዮ፡ እቲ ሓደን ቀንድን ዕዮ ጸሎት እዩ። ዝጽሊ ሰብ መሳርሕቲ እግኣብሄር እዩ፡ ሚስጢሩ ኣ ይገልጸሉ እዩ።


ጸሎት ገድሊ እዩ፡ ገድሊ ድማ ቀሊል ኣይኰነን። ሰብ ብባህርዩ ዓቕሊ ስለ ዝውሕዶ፡ ተጋዲሉ ኣብ ዓወት ክሳዕ ዝበጽሕ ይሕለል እዩ። እቲ ጸኒዑ ክሳዕ መወዳእታ ዝጋደል ግን ይዕወት እዩ። ኤጳፍራስ ብጸሎት ዝጋደል ዝነበረ ናይ ኣምላኽ ሰብ እዩ። ሎሚ እግዝኣብሄር ንነፍሲ ወከፍና ኤጳፍራስ ክንከውን እዩ ዝደልየና። ኤጳፍራስ ኣብ ቈሎ 1፡7 ከም እንርእዮ፡ እቶም ኣመንቲ ብፍልጠት ክዓብዩ ዝምህር ኣገልጋሊ ማሕበር ቈሎሴ እኳ እንተነበረ፡ ንሱ ግና ዝፍለጠሉ ቀዳማይ ኣገልግሎቱ ስለታ ማሕበር ምጽላይን(ምምላድ)፡ ፍቃድ ኣምላኽ ንኽኸውን ብጸሎት ምግዳልን እዩ ነይሩ። ጳውሎስ ከኣ፡ 'ፍቁር መዓይይቲ' 'እሙን ኣገልጋሊ ክርስቶስ' ከምኡ ድማ 'ባርያ ክርስቶስ' ኢሉ እዩ ዝጠቕሶ።

 

እግዝኣብሄር'ውን ነቶም ብጸሎት መሳርሕቱ ዝኾኑ ሰባት ከምኡ ዝበለ ስም እዩ ዝህቦም። ንኣብነት ንሙሴ 'ባርያይ ሙሴ ... ' ዘሁ 12፡7፡ ንሳሙኤል ' ... እሙን ካህን' 1 ሳሙ 2፡35፡ ንዳዊት 'ዝከም ልበይ' ግብ 13፡22፡ ንእዮብ 'ባርያይ እዮብ' እዮ 42፡8፡ ንዳንኤል 'ኣዚኻ ፍትዊ ' ዳን 9፡23፡ ንየሱስ 'ብኣኻ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ' ሉቃ 3፡22፡ ንጳውሎስ 'ሕሩይ ኣቕሓ' ግብ 9፡16።

 

እሞ ሎሚ ጸሎት ዝውሕድ ወይ ጸለይቲ ዝውሕዱ፡ እቲ ዕዮ እቶም ቀዳሞት ስለ ዝዓመም" ድዩ ወይስ ከምኣቶም ኣብ ከባቢና ጠሚትና ልቢ ኣምላኽ ምርዳእ ስለ ዝሓጽረና እዩ? ኣነ በዝ ካልኣይ እየ ዝሰማማዕ። ኵሉ እቲ እንርእዮን እንሰምዖን እንሓልፎን ዘሎና ጸሎት ዘድልዮ እዩ። ሎሚ ጸሎት ዘየድልዮ መዳይ የልቦን። ግሊ ህይወትና ኣባይትና ስራሕና ማሕበርና፡ ዕዮ ወንጌል ኵነታት ሃገርናን ዞባናን ዓለምናን፡ እዚ ኹሉ ጽዕጹዕ ጸሎት ዝሓትት እዩ። እሞ' ንጽሊ ዶ ኣሎና። ገሌና ኣብ ናይ ዓርቢ ለይቲ ምስ ካልኦት ኣሕዋትና ብሓባር ምጽላይ ልምዲ ዝነበረና ሎሚ ግና ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዝገደፍናዮ ክንደይ ኢና? ክንደይ ንዓመታት ዝጸለናሉ ኣርእስተ ጸሎት ኢና'   መልሲ ከይረኽብናሉ ዘቃረረጽናዮ፡ ብፍላይ ስለ ምስፋሕ ወንጌል ዝለመንናዮ? ንተንስእ፡ ካብ ድቃስና ንበራበር፡ ኣብቲ ናይ ጸሎት መርበብ ንእቶ።

እግዝኣብሄር ኣብ ወርሒ ለካቲት 1995፡ ሒደት ኣሕዋት ኣብ ናይ ጸሎት ሱባኤ ኣስመራ ከለዉ፡ ንሓደ ካብኣቶም ብራእይ ዝተገለጸሉ መልእኽቲ ከምዚ ዝስዕብ ነይሩ።

ሓንቲ ሰበይቲ ኮፍ ዝበለት፡ ካብ ላዕሊ ኣርባዕተ ኣእዳው፡ ሰለስተ ብሓደ መንኩባ፡ እታ ሓንቲ ኢድ ከኣ በቲ ሓደ መንኩባ፡ ከይትትንስእ ዝጸቕጥኣ። ቀጺሉ ኸኣ፡ ንሓንቲ ንእሽተይ ተኽሊ ወይ ቖጥቓጥ ነዊሕ ዓመታት ዝገበረት ግና ዘይዓበየት፡ ሓንቲ ኢድ መጺኣ ካብ ሱራ ክትምሕዋ ብዙሕ ትቃለስ፡ ግን ስለ ዘይተኻእላ ትገድፋ። ብኡ ንብኡ ግን እታ ተኽሊ፡ ቆጽላን ጨናፍራን ወጺኡ ንብዝሓት መጽለሊ ክሳዕ እትኸውን ትዓቢ። 'ህዝበይ ግና ደቂሱ ኣሎ፡ ህዝበይ ግና ደቂሱ ኣሎ፡ ህዝበይ ግና ደቂሱ ኣሎ' ይብል እግዝኣብሄር።

እምበኣር ክሳዕ ብኻልእ ኣርእስቲ ጸሎት  እንራኸብ፡ ጸለይቲ ዘበልኩም ኵሉኹም፡ ኣብ ዘለኹም ኣሊኹም፡ በዘን ነጥብታት እዚኤን ኣብቲ መርበብ ጸሎት ክንራኸብ ንቀኒ።

- ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ግጭት ቀልጢፉ ብሰላም ክውዳእ

1 ጢሞ 2፡1-2

- ኵሉ ሰብ ክድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂ'ውን ክመጽእ 1 ጢሞ 2፡3-4 መዝ 67፡1-2

- ብትእምርትን ብተኣምራትን ዝዓዩ ባሮት ከተንስኣልና ማቴ 9፡35-38 ግብ 4፡ 30።