26
Fri, Apr
0 New Articles

ቕንያቱ ኽፉእ እዩ'ሞ ...

Message 4
Typography

ኣብ መራቢ ብሓት ማለት ሬድዮ ቲቪ ጋጣታት መጽሔታት ንከታተሎ ከም ሎና፡ ዓለምና ኣብï ቅሩብ ኣርሕ ሓደ መስመር ሰጊራ ኣብ ኣስጋኢ ኩነታት ዝኣተወት ትመስል። ንምጥቃስ እንተ ኣድለየ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተስተ ትጽቢት ይተገብረሉ ዶባ ግጭትን ምስጓግ ኤርትራውያን ካብ ኢትዮጵያን፡ ከባቢ ዓበይቲ ቀላያት ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣርሕ መሊሱ ብውግእ ምሕማሱን ኣብ መንጎ ኡጋንዳን ርንዳን ምስ ኮንጎ ዝነበረ ኪዳን ምፍራሱን፡ ኣብ ኣንጎላን ላይበርያን ተበጺሑ ዝነበረ ስምምዓት ሰላም ብዋጻሊ ጸገማት ይገጥሞ ምህላውን፡ ኣብ መንጐ ህንድን ፓኪስታንን ኑክሌራ ውግእ ትል ስግኤ ምትፋንን፡ ኣብ መንጐ ደቡብ ኮርያን ሰሜን ኮርያን፡ ኢራንን ኣፍጋኒስታንን፡ ቱርኪን ሶርያን ከምኡ'ውን ዒራቕን፡ ብዓቢኡ'ኣ እቲ ኣብ ዝነ ደቕ ከም ብርቱዕ እሳተ ጐመራ ክትኰስ ዝእል ሳንኩፍ ኩነታት እስራኤልን ኣዕራብን ብፍላይ ከኣ ፍልስጥኤም።


 እቲ ኣጸቢቁ ዘሰክፈካ ከኣ፡ ውግእን ምትንኻይን ከምቲ ኣብ ማቴ 24፡7 ዝብሎ፡ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ጥራይ ዘይኰነ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ማለት 'ዓሌታዊ ምጽራይ' ብዘፍርህ መገዲ ንዓለም የንጸላልዋን ይትንክፋን ኣሎ። ዓመጽ እናበዝሐ ጽልኢ ኣብ መንጐ ህዝብታት እናጎልሐ ይመጽእ ኣሎ። ነቲ መስፍን ሰላም ዝዣነ የሱስ ክርስቶስ ወጊዶም ሰባትን ህዝብታትን መንግስታትን ብሰላም ክነብሩ ማለት ዘይሕሰብ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ይብል 'እቶም ረሲኣንሲ ሰላም የብሎምን ይብል ኣምላኸይ' ኢሳ 57፡21።

ብኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ እቲ እናጸንከረ ዝመጽእ ዘሎ ቁጠባዊን ክሊማውን ምምዝባላት፡ ናይ ቀዛፊ ሕማም ኤይድስ ወራር ተወሲኹ" ንዓለም ኣብ ዝዓበየ ደረጃ ስግኣት ኣእትይዋ ኣሎ። እቶም ካብ ተስዓታት ጀሚሮም ኣብ ዓለም ሓድሽ ቁጠባዊ ስርዓት ይኣቱ ምህላው ዝሓበሩ ሎሚ ብምኽንያት እቲ ኣብ ርሑቕ ምብራቕ (ኮርያ ታይላንድ ኢንዶነዝያን ማሌዝያ ጃፓን) ከምኡ ድማ ሩስያ ተኸሲቱ ዘሎ ናይ ቁጠባዊን ፊናንስን ጸገማት፡ ንርእሶም ፈሪሆም ኣጽቂጦም ኣለው።

 እዚ ኵሉ ንውልቀ ሰባትን ኣህዛብን መንግስታትን ዘናውጾም ዘሎ ኩነታት ርኢኻ ከም ካብ ብርቱዕ ማዕበልን ሃጽፊን፡ ንርእስኻ መዕቆቢ ክትደሊ ሃሰውሰው ከብለካ እዩ። ገለ ሰብ፡ ኣፍሪቃ ተስፋ ስለዘይብላ ዝሃብካ ሂብካ ዝገበርካ ጌርካ ናብ ኣሜሪካ ወይ ኤውሮጳ ምኻድ እዩ ዝዋጽእ ዝብል ይህሉ። ገለ ኸኣ ገንዘብን ስንቅን ኣብዚሕካ ምእካብን፡ ኣብኡ ጸግዒ ምግባርን እዩ ዝሓይሽ ዝብል ይህሉ። ገለ ኸኣ ኣብ ሰብን መሳፍንትን ደኣ ምውካል ይሓይሽ ዝብል ኣይስኣንን። ነፍሲ ሰብ ግን ኣብዚ ኹሉ ዑቕባ ክትረክብ ኣይትኽእልን እያ። ነፍሲ ሰብ ኣብ ኣምላኽ ጥራይ እያ ዓሪፋ ከተዕቑብ እትኽእል። እስኪ ነዚኤን ጥቕስታት ነድህበለን።

 'ስም እግዝኣብሄር ጽኑዕ ግምቢ እዩ፡ ጻድቕ ናብኡ ጐይዩ የዕቑብ።' ምሳ 18፡10

 'ብዘይ እግዝኣብሄር እሞ መን እዩ ኣምላኽ ብዘይ ኣምላኽና' መን እዩ ከውሒ።' መዝ 18፡31

 'ብእግዚኣብሄር ተማዕቈብ ሰናይ ድማ ግበር፡ ኣብታ ሃገር ተዋመጥ እምነት ከኣ ድለ።' መዝ 37፡3

 እምብኣርከስ ህዝቢ ኣምላኽ ናብ ጸሎትን ናብቲ ቃልን ንእቶ። ሽዑ ንየሱስ ኣብ ዝፋኑ ተዋሚጡ፡ ኣኽሊል ክብሪ ተኸሊሉ ንኹሉ ወኻዕታ ኣብ ትሕቲኡ ኣግዚኡ፡ ብኽብሪ ክንርእዮ ኢና። መዝ 46

 ቕንያቱ ኽፉእ እዩ እሞ ጊዜ ዓዲግኩም ከም ለባማት እምበር ከም ዓያሱ ዘይኰነ ከመይ ብጥንቃዋ ከም እተመላለሱ ተመልከቱ። ኤፈ 5፡ 15-16