25
Thu, Apr
0 New Articles

“ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም” ማቴ.7፣20

Message 4
Typography

 መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ጊዜ ብዛዕባ ሓቀኛታትን ሓስውትን ነብያት ተዛሪቡ ኣሎ። ኣብ ብሉይ ኪዳን ኮነ ኣብ ሓዲሽ ኣገዳሲ ግደ ስለ ዘለዎም ከኣ ቃል ኣምላኽ ብዕቱብ ተዛሪቡሎም ኣሎ። እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ሓደ ነብይ ሓቀኛ ምዃኑን ዘይምዃኑን ብከመይ ከለልይዎ ከም ዝኽእሉ ክነግሮም ከሎ ክልተ ምልክታት ሂብዎም። እቲ ቀዳማይ ተፈጻምነት ናይቲ ትንቢት ክኸውን ከሎ እቲ ካልኣይ ድማ ናብ ኣምላኽ የጥብቐካዶ ወይስ ካብኡ የርሕቐካ ዝብል እዩ (ዘዳ.18፣22 ፣ ዘዳ.13፣1-5)። ብስም እግዚኣብሄር ተነጊሩ ዘይፍጸም ትንቢት ናይ ሓሶት ትንቢት እዩ፣ እቲ ዝተዛረቦ ነብይ ከኣ ሓሳዊ እዩ። ተፈጺሙ ክንሱ ካብ ኣምላኽ ዘርሕቐካ ትንቢት ካብ ኣምላኽ ኣይኮነን፣ እቲ ዝተዛረቦ ነብይ ከኣ ሓሳዊ እዩ። ነቲ ዘይተፈጸመ ትንቢት ሓሶት ምዃኑ ከተለልዮ ቀሊል እዩ፣ ነቲ ድሕሪ ምፍጻሙ ንልብኻ ካብ ጎይታ ዘዝብል ትንቢት ምልላይ ግን ከቢድ እዩ። ዝበዝሕ ናይ ደቂ እስራኤል ጸገምውን እዚ እዩ ኔሩ። ንሓደ ትንቢት ብተፈጻምነቱ ጥራይ ይኣምንዎ እሞ ካብ ኣምላኽ የዝብሎም ኔሩ።


 

ናይ ዘመንና ትንቢትን ነብያትንከ ብኸመይ ንመዝኖ ኣሎና? ጎይታ የሱስ ንሓሰውቲ ነብያት ብኸመይ ከም እነለልዮም ኣብቲ ናይ ከረን ስብከቱ ገሊጽዎ ኣሎ። ኣብኡ "ካብ ነብያት ሓሶት ተጠንቀቑ፣ ብውሽጦም ዚምንጥሉ ተዃሉ ኽነሶምሲ፣ ክዳን ኣባጊዕ ተኸዲኖም እዮም ዚመጹኹም። ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም።" ኢሉ (ማቴ.7፣15-17)። ንሕና ከም ኣባጊዕ ጎይታ ስለ ንግለጽ ሓሰውቲ ነብያት ኣብ ማእከልና ክኣትዉ እንተ ኾይኖም ክዳን ኣባጊዕ ክኽደኑ ከድልዮም እዩ። ነቲ ተኹላዊ ባህርዮም ግን ክሽፍንዎ እምበር ከጥፍእዎ ኣይክእሉን እዮም። ጥዑይ ሰረተ እምነት፣ ምስ ቃል ኣምላኽ ዝሰማማዕን ዝፍጸምን ትንቢት ከመሓላልፉ ይኽእሉ እዮም። እዚ ግን ንሓቀኝነቶም ዋላ ሓንቲ መለክዒ ኣይከውንን እዩ። ብዙሕ ጊዜ መምዘኒና እዚ ጎይታ ዝሃበና መለለዩ ዘይኮነስ ሓንቲ ካብተን ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝተዋህባ ማለት እታ ተፈጻምነት ናይቲ ትንቢት እትምልከት መምዘኒት ጥራይ ስለ ዝኾነት ነቲ ትንቢት ብመንጽር ጊዜ ኣብ ምልላይ ጊዜና ነጥፍእ ኢና። እዚ ግን ኣድላዩ ኣይኮነን። መንጣሊ ባህርይን ጥዑይ ፍረን ዘይብሉ ነብይ ትንቢቱ ተፈጺሙዶ ኣይተፈጸመን ብዘየገድስ ሓሳዊ ነብይ እዩ። እቲ ኣብ ገላ.5፣22 ዝተጠቕሰ ፍረ መንፈስ ዘይብሉ ሰብ ሓሳዊ ነብይ እዩ።

ብቃል ኣምላኽ እንተ መርሚርናዮ ነብይ፣ ራእይ ዘለዎ፣ ጾር ዝጸውር፣ ናይ እግዚኣብሄር ኣፈኛን ሓላዊ ህዝቢ እግዚኣብሄርን እዩ። እቲ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ድማ ንሰብ ዚሃንጽ፣ ዚምዕድን ዜጸናንዕን እዩ (1ቆረ.14፣3)። ነብይነት እምበኣር ብተግባር ዝግለጽ ኣምላኽ ዝህበካ ኣገልግሎት እምበር ባዕልኻ ተምጽኦን ከም ድላይካ እትጥቀመሉን ኣይኮነን። ስለዚ እዩ ድማ ጎይታ ኣብ ኣገልግሎቶም ዘይኮነ ኣብ ህይወቶም ከነተኩር ዝመሃረና። ከምቲ ተኹላ ኣብ ማእክል ኣባጊዕ እንተ ኣትዩ ዝፈጥሮ ዕግርግር ነብያት ሓሶትውን ኣብ መጓሰ ኣምላኽ እንተ ኣትዮም ከምኡ እዮም ዝፈጥሩ። ጎይታ ወሃቢ እምበር መንጣሊ ስለ ዘይኮነ ኩሎም ዘሎካ ዘበለ ከይፈተኻ ዝወስዱልካ ወይ ዝምንጥሉኻ ሓሰውቲ ነብያት እዮም። ዘሎናዮ ዘመን ኣብ ውልቃዊ ህይወት ኣመንቲ ኣትዮም ንኽትውስን ዘገድዱኻ፣ ዝተባህልዎ ኣብጺሖም ኣብ ክንዲ ዝኸዱ ክቆጻጸሩኻ ዝፍትኑ፣ ብገለ ጥቕስታት ኣመኻንዮም ንትንቢቶም ብገንዘብ ዝሸጥዎ ነብያት ብመጻሕፍቶም፣ ቪድዮ ካሴታቶምን ወረኦምን ህይወት ብዙሓት ኣመንቲ ዘናወጹሉ ጊዜ እዩ። ቃሉ እቲ ዘንብብ የስተውዕል ስለ ዝብለና ካብተን ጎይታ ዝጠቐሰን ክልተ መንገድታት ኣበየነይተን ምህላውና ከነስተውዕል ይግብኣና። ሓቀኛ ነብይ ንሰባት ዘገልግል እምበር ብሰባት ዝግልገል ስለ ዘይኮነ ንነብይነቱ ከም መገባበሪ ረብሓን መደለቢ ዝናን ኣይጥቀመሉን እዩ። ጥዑይ ፍረ ማለት ፍቕሪ፣ ሓጎስ፣ ዕርቂ፣ ዓቕሊ፣ ለውሃት፣ ሕያውነት፣ እምነት፣ ህድኣት፣ ይኣኽለኒ ዘይብሉ ሰብ ሓቀኛ ነብይ ኣይኮነን። ኣብ ክንዲ እምነት ተስፋ ምቑራጽ፣ ኣብ ክንዲ ሓጎስ ጽቕጠት፣ ኣብ ክንዲ ይኣኽለኒ ምባል ስስዐ፣ ኣብ ክንዲ ዓቕሊ ቁጥዓ፣ ኣብ ክንዲ ለውሃት ጭካነ ዝርኣዮ ሰብ ሓቀኛ ነብይ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ኣብቲ ኣብ ማቴ.7 ዘሎ ክፍሊ እንተ ርኢና ሓሰውቲ ነብያት እቶም ብዘይካ ኣገልግሎቶም ህይወቶም ዘይግድሶምን ነቲ ዘለውዎ ኩነታት ብጥቕስታት ቃል ኣምላኽ ዘመሳምሱን እዮም (ማቴ.7፣21-23)። ሓሳዊ ነብይ ብዛዕባ ዝገበሮን ዝገብሮን እምበር ብዛዕባ ዝኾኖ ዘይሓስብ እዩ። እቶም ሓሰውቲ ነብያት ከማና ሰባት ስለ ዝኾኑ ህይወትና ክንምርምርን ፍረ መንፈስ ካብ ዘይብሉ ናብራ ንኽንወጽእ ሓይሊ ኣምላኽ ክንደሊን ኣሎና። ንሰባት ንምምሳጥ፣ ንገሊኦም ንምሕጓስ፣ ንካልኦት ንምምዝማዝ ተባሂሉ ዝግበር ኣገልግሎታት ብዙሕ ስለ ዝኾነ ሃቐናና ከነጽሪን ክንንሳሕን የድልየና። ናትና ምስ ወዳእና ከኣ ካብቶም ጎይታ ዝነገረና ሓሰውቲ ነብያት ክንጥንቀቕ ኣሎና። ንሓቀኝነት ናይ ነብይ እንመዝነሉ ቀንዲ ነገር ኣብ ህይወቱ ዘሎ ፍረ ስለ ዝኾነ ብዝነፍስ ንፋስ ንየው ነጀው ክንክብከብ ፍቓድ ኣምላኽ ኣይኮነን።              ነብይነት ጎይታ ንምህናጽ ማሕበሩ ዝሃበና ውህበት ስለ ዝኾነ ውልቃዊ ንብረት ናይቶም ነብያት ኣይኮነን። ቃሉ ብከምኡ ተቐቢልኩም ብከምኡ ሃቡ ስለ ዝብል ዝሽየጥ ትንቢት ካብ ኣምላኽ ኣይኮነን። ዝኸስስ ዘፈራርህን ዘርዕድን ትንቢት ካብ ኣምላኽ ኣይኮነን። መንፈስ ክርስቶስ ዘይብሉ ትንቢት ኮነ ነብይ ናይ ኣምላኽ ኣይኮኑን። ንነብያት ሓሶት ምስ ፈለጥናዮም ክንርሕቀሎምን ንመጓሰና ካብኣቶም ክንሕልዎን እምበር ክንፈርዶም ኣየድልየናን እዩ። ፍርዲ ንዓና ዝምልከት ስለ ዘይኮነ ኣምላኽ ንኹሉ ከም ዝደለዮ ክሳዕ ዝገብሮ ንዝኾነ ሰብ ክንፈርድ ኣይግብኣናን።