23
Tue, Apr
0 New Articles

ነቲ ዘይከኣል ዘኽእል ጸጋ

Message 4
Typography

ህይወት ክርስትና ትምህርቲ ጎይታ የሱስ ብምስዓብ ዝንበር ናብራ ስለ ዝኾነ ብጥበብን ክእለትን ሰባት ዝከኣል ኣይኮነን። ብጸጋ ኣምላኽ ጥራይ ስለ ዝከኣል ከኣ ኩሉ ሳዕ ናብቲ ወሃቢ ጸጋ ዝኾነ ኣምላኽ ክንጽጋዕ የድልየና። ሓቅን ጸጋን ብየሱስ ስለ ዝመጸ ክልቲኡ ንምርካብ ምስ ጎይታ ጥቡቕ ርክብ ክህልወና የድሊ። እዚ ርክብ እዚ ሓደ ሳዕ ምስ ጀመርካዮ ምስ ጊዜን ኩነታትን ክለዋወጥ ስለ ዝኽእል ምስ ጎይታ ዘሎና ዝምድና ኩሉ ሳዕ ክንጥንቀቐሉ ይግብኣና። ንኣብነት እቲ ኣብ ናይ ከረን ስብከት ዘሎ ትምህርትታት ሓቂ ክንሱ ብዘይ ጸጋ ኣምላኽ ግን ዝከኣል ኣይኮነን። ነቲ ባህርያዊ ኣተሓሳስባና ንሓውኻ ኣይትቆጥዓዮ፣ ንሰበይቲ ብዓይንኻ ርኢኻ ኣይትብሃጋ፣ ክትምሕል ከሎኻ ጥራይ ዘይኮነስ ኩሉ ሳዕ ሓቂ ተዛረብ፣ ንጸላእትኻ ኣፍቅርን ንኽፉእ ኣይትቃወሞን ዝብል ትእዛዛት ገሊኡ ዘይከኣል ገሊኡ ድማ ዕሽነት ክመስሎ ይኽእል እዩ። ብዓቕምን ሓይልን ሰባት ክግበር ስለ ዘይከኣል ብገዛእ ክእለትካ ክትፍጽሞ ምፍታን ዕሽነት እዩ፣ ንምፍጻሙ ዘኽእል ጸጋ ምልማን ግን ጥበብ እዩ።


ጎይታ ትእዛዝ ክእዝዝ ከሎ ንዕኡ ንምፍጻም ዘኽእል ሓይሊ ስለ ዝህብ ትእዛዛቱ ኩሉ ኣይከቢድን እዩ (1ዮሃ.5፣3)። ብክእለትና ዋላ ሓንቲ ክንገብር ኣይንኽእልን እኳ እንተኾንና በቲ ካብ ጎይታ ንቕበሎ ሓይሊ ግን ዘይከኣል ዝበሃል ነገር የለን (ፊሊ.4፣13)ጸጋ ኣምላኽ እንተ ተቐቢልና ነቲ ጎይታ ዝኣዘዘና ኩሉ ንምግባር ዝኸውን ሓይሊ ኣሎና። ትእዛዛት ኣምላኽ ዝኸብደና እምበኣር ኣምላኽ ከቢድ ትእዛዝ ስለ ዘለዎ ዘይኮነስ ንሕና ጸጋ ስለ ዘይተቐበልና እዩ። ቆልዑ ከሎና ሓደ ኪሎ ዝኽብደቱ ኣቕሓ ክኸብደና ይኽእል እዩ፣ ኣባጽሕ ምስ ኮንና ግን ተሰኪምናዮ ከም ዘሎና ከይተፈለጠናውን ክንስከሞ ንኽእል ኢና። ኣብቲ መንፈሳዊ ነገራትውን ከምኡ እዩ። ብዙሕ ዘይከኣል ዝመስለና ዝነበረ ነገራት ካብ ኣምላኽ ጸጋ ምስ ተቐበልና ስለምንታይ ይኸብደና ከም ዝነበረ ይገርመና እዩ። ልክዕ ከምኡ እምበኣር ጸጋ ኣምላኽ እናዓዘዘልና ክኸይድ ከሎ ኣብ ልዕሊ ነገራት እናወጻእና ንኸይድ ኢና። ነዚ ጽቡቕ ኣብነት ዝኾነና ታሪኽ ኣብ ማቴ.14 ኣሎ። ጎይታ የሱስ ንሃዋርያ ጴጥሮስ ብማየ ማይ ናብኡ ክመጽእ ምስ ጸውዖ ብማየ ማይ ክኸይድ ጀሚሩ። ጴጥሮስ ብስግኡ ኣይተለወጠን፣ ሕጊ ስሕበትውን ስርሑ ኣየቋረጸን፣ ፍሉይ ነገር እንተኔሩ ጎይታ ንጴጥሮስ በቲ ማይ ክመጽእ ‘ንዓ' ምባሉ ጥራይ እዩ ኔሩ። ጎይታ ሓይሊ ከይሃበ ከምዚ ግበር ስለ ዘይብል ድማ ሕጊ ስሕበት ካብኡ ብዝዓቢ ሓይሊ ኣምላኽ ተሳዒሩ፣ ጴጥሮስ ከኣ ብማየ ማይ ክኸይድ ክኢሉ። ካብዚ፣ እግዚኣብሄር ትእዛዛቱ ንምግባር ዘኽእል ጸጋ ከም ዝህብ ንርኢ። ጴጥሮስ ግን ብማየ ማይ እናኸደ ከሎ ምጥማቱ ካብ ጎይታ ኣልጊሱ ነቲ ብርቱዕ ንፋስ ክርኢ ምስ ጀመረ ክጥሕል ጀሚሩ ‘ጎይታይ ኣድሕነኒ' ኢሉ ከኣ ጨዲሩ። ንጴጥሮስ ከጥሕሎ ዝጀመረ እምነት ምጉዳል እምበር ብርታዐ ናይቲ ንፋስ ወይ ማዕበል ኣይነበረን። ሎሚውን ጎይታ ‘ንዓ' ኢሉናን ዘኽእል ሓይሊ ኣዳልዩልናን ከሎ ብማየ ማይ ምኻድ ጽላለ ዝመስለና ብሰብኣዊ ስነ መጎት ንምራሕ ኣመንቲ ብዙሓት ኢና። እቶም ካብኡ ሕልፍ ዝበልና ድማ ነቲ ምስ ብማየ ማይ ምኻድ ክመሳሰል ዝኽእል ጎይታ ዝመሃሮ ሓቀኛ ናብራ ክንነብሮ ንጅምር እሞ ከባቢና ምስ ረኣና እቲ ‘ኣይከኣልን እዩ' ዝብል ሓሳብ ይዕብልለና ሽዑ ክንጥሕል ንጅምር ከም ሰብና ከኣ ንኸውን። ትእዛዝ ኣምላኽ ንምግባሩ ከቢድ እዩ ምባልን ንርእስኻ ካብ ምግባሩ ኣብኩርካ ነቶም ክገብርዎ ዝደልዩ ተስፋ ምቑራጽን ጎይታ ንጴጥሮስ ምእንቲ ከጥሕሎ እዩ ‘ንዓ' ኢልዎ ካብ ምባል ዝፍለ ኣይኮነን። ኣምላኽና ንዕኡ ዘኽእል ሓይሊ ከይሃበ ትእዛዛት ስለ ዘይህብ  እቶም ትምህርቲ ጎይታ  ዕሽነት ወይ ዘይከኣል ክመስለና ዝጸንሐ ጸጋ ኣምላኽ ሓቲትና ከምቲ ንሱ ዝመሃሮ ንምንባር ንወስን። እቶም ከም ጴጥሮስ ጽቡቕ ዝተበገስና እሞ ከባቢና ርኢና ክንጥሕል ዝጀመርና ከኣ "ጎይታይ፣ ኣድሕነኒ" ኢልና ንጨድር ንሱ ድማ ክረድኣና እዩ (ማቴ.14፣30-31)