20
Sat, Apr
0 New Articles

ኣድያም 2ያ ክፋል

Literature
Typography
ያቆብ ብዛዕባ ኣድያም ክጽልን ክሓስብን ድቃስ ዘይብሉ ሓደረ፣ ምድረ ሰማይ እውን ምውጋሕ ኣበዮ፣ እንታይ ከም ዘጋጠማ ክፈልጥ ከኣ ተሃንጠየ፣ ከም ዘይወግሕ ስለ ዘየለ ኸኣ ወገሐ፣ ንቐዳም ክራኸቡ እኳ እንተ ተቓጸሩ ክሳብ ሽዑ ክጽበ ከም ዘይክእል ተሃንጠየ፣ ብቕልጡፍ ከኣ ንኣዜብ መሓዛ ኣድያም ክድውለላ ሞባይሉ ክፍትሽ ጀመረ፣

 

ብንግሁ ኸኣ ናብ ኣዜብ ደወለ “ሃለው ኣዜባ ከመይ ሓዲርኪ ኣይተሳእክን ዲኺ” “ሃይ ያቆባ ደሓን ዲኺ ደኣ ብንግሁኡ ምትሳእሲ ተስኤ ቃል ኣምላኽ የንብብ ኣለኹ” “ኣንቲ ኣዜባ ሓፍተይ ብዛዕባ ኣድያም በቃ መንፈሰይ ተረቢሹ ከይደቀስኩ እየ ሓዲረ ደሓን ድያ?” ክብል ህውኽ ህውኽ እናበለ ሓተታ ኣዜብ ከኣ እንታይ ከም ትምልስ እናሓርበታ ኣብታ ቴሊፎን ብኽያታ ምቁጽጻር ስኢና ፊቕ ኢላ በኸየት ያቆብ “ደሓን ዶ ኣይኮነትን እያ በጃኺ እባ ንገርኒ ኣይተሻቕልኒ” እናበለ እቲ ዝኾነ ነገር ክትነግሮ ተኹተኻ ኣዜብ ከኣ “እቲ ትማሊ ዘጋጠመ ነገር ኩሉ ሓደ ብሓደ ዘርዚኣ ነገረቶ” ያቆብ ካብ የዒንቱ ንብዓት ወረር ወረር እናበለ ዓው ኢሉ “ደሓን እቶም ንኣምላኽ ዘፍቅሩ ከም ምኽሩ እውን ዝተጸውዑ ኩሉ ነግር ንሰናዮም ከም ዝድግፎም ንፈልጥ ኢና” ኢሉ ንኣዜብ ተዛረባ፣

ኣዜብ ብወገና “እወ ያቆባ ድሕሪ ድቕድቕ ጸልማት ብርሃን ከምዘሎ ንፈልጥ ኢና” እናተነኽነኸት ናይ ምጽንናዕ ቃል ወስ ኣበለትሉ፣ ያቆብ “ኣዜበይ እሞ መዓስ ደኣ ክንራኸብ ማለት ሰዓት ክንደይ ይሕሸና ናብ ሆስቢታል ክንከይድ እሞ ክንርእያ” በላ ኣዜብ ከኣ ትቕብል ኣቢላ “ኣነ ሎሚ ሰዓት ሓደ ናይ ምሸት ክኸዳ ሓሲበ ኣለኹ እሞ ዋላ ሽዑ ብሓንሳብ ንኺድ” በልቶ በዚ ተሰማሚዕም ከኣ ተሌፍኖም ዓጸውዋ፣ ወይዘሮ ጎዖይ ቁርሲ ቀራሪበን ንባዓልቤትን ኣቶ ዓንደ ኣተንስእኦም፣ ኣቶ ዓንደ ግና ዋላ ብንግሁኡ ሕርቃኖም ዝወጸሎም ኣይመስልን እዩ፣ “ኣበይ ኣላ ኣድያም” ክብሉ ንውይዘሮ ጎዖይ ሓተትዎን ውይዘሮ ጎዖይ ከኣ እናንጸርጸራ “እንታይ ዶ ሓዲካላ ኢኻ? ወረግ ጋልና ዶ ኣይኮነትን?” ኣንበላ መለሳሎም፣ ኣቶ ዓንደ “ኣበይ ኣላ እኮ እየ ዝብለኪ ዘለኹ” ወይዘሮ ጎዖይ ንዐአን እውን ከይልክምዎን ፈሪሒን “ትማሊ ስለ ዝደቀስካ እምበረ ሓኪም ኣይትኸይድን እያ ኣሉ በይና ዓራት ሒዛ ደቂሳ ኣላ” ኢለን መልሳሎም፣

ኣቶ ዓንደ ቃል ከየውጹ ነቲ ተቐሪብሎም ዝነበረ ቑርሲ ሓዲጎም ሽግሌትኦም ኣልዒሎም ናብ ስርሖም ተመርቀፉ፣ ኣቶ ዓንደ ካብ ንቡር ንላዕሊ ሽግሌትኦም እናዘወሩ ኣብ ሓሳብ ተዋሒጦም ስለ ዝነብሩ ኸኣ ንስክል ካብታ ቕድሚኦም ትመጽእ ዝነብረት መኪና ደሓኑ፣ “ወይ ኣነ ተካል በዛ ረሳሕ ጓል እዚኣስ ክብረትይ ክቕንስ እንታይ መረገም እዩ እዚ?” እናበሉ ናብ ስራሖም ኣተዉ፣

ያቆብን ኣዜብን ከም ቆጸርኦም ተራኺቦም ኣውተቡስ ተሰቒሎም ናብ ሆስቢታል ኣመርሑ፣ ያቆብ ከኣ ንኣዜብን ብዛዕባ እቲ ንኣድያም ዘጋጠማ ኩነታት ከምይ ከም ዝነበረ ክትነግሮ ሓተታ፣ ኣዜብ መሓዛ ኣድያም ጥራይ ዘይኮነት ጎረቤታ ስለ ዝነበረት እቲ ኩነታት ኩሉ ሓደ ብሓደ ነገረቶ ዕላሎም ከይወድኡ ኸኣ ኣብ ሆሲብታል በጽሑ፣

ኣድያም ርእሳ ብፋሻ ተጠቕሊሉ ገጻ በርበረ መሲሉ ኣብቲ ዓራት ተጋዲማ ጸንሓቶም፣ ኣዜብ ከኣ እናሰዓመታ ብኽያታ ምቁጽጻር ሰኣነት፣ ያቆብ ከኣ ኣዜብ ኢሉ ዓው ኢሉ ገንሓ፣ ኣድያም ፍሽኽ ኢላ “ኣቱም ቡሩኻት ሰላም ኣምላኽ ምሳኹም ይኹን” ኢላ ብቱሑት ድምጺ ሰላም በለቶም “ኣዜባ ኣይትብከዪ እዚ ንዓይ ክብረት እዩ..” ኢላ ዘረብኣ ከይወደኣት ዋይ ርእሰይ ኣኣ እናበልት ክትቅንዞ ጀመረት፣

ያቆብ ትብዓትን ጽንዓትን ኣድያምን እናገረሞ በቲ ሓደ ወገን ከኣ ስቓያን ቃንዛኣን እናተሰምዓ ኣብ ሓሳባት ኣተወ “ኣድያም ደሓን ዲኪ ትቕንዘዊ ኣለኺ ምሽ ኣብ ምንታይኪ እዩ” ኢሉ ሓተታ፣ ኣድያም ቃንዛኣ ንውሽጢ ሓቢኣ “ደሓን እየ ኣምላኸይ ካብ ሞት ኣውጺኢኒ ኣሎ” ኢላ እናመልስትሎም ከላ ኣብኣ ሁርግ ኢሎም ኣብቲ ዘላቶ ክፍሊ ኣተዉ፣ እቲ ቦታ ኸኣ ጸጥታ ሰፈኖ “እዚ ጹቡቕ ዶ ኣድያም ጓለይ ኣብ ዘይሰይጣነይ የእቲኽኒ” ኣናበሉ እንቀዓ እናተንፈሱ ንኣድያም ተዛረብዎ፣ ኣድያም ንኣቡኣ ምስ ረኣይት ንብዓት ካብ ክልተ ማዓጋጉርታ ከም ማይ ክፈስስ ጀመረ፣ ኣቦይ ዓንደ ልቦም ዓቦጭበጭ በሎም “ስምዒ እዛ ሕዚክያ ዘለኺ መገዲ ኘው በልያ እነን ንስኽን ክንፋቐር እንተ ኾይና” ኣድያም ኣይመለሰትን፣ ንኽትዛረብ እውን ሓይሊ ኣይነብራን፣

ያቆብ ፍርሕ ትብዕ እናበለ “ኣቦይ ዓንደ ብዙሕ ኣይትሕረቑ” ኢሉ ብትሑት ድምጺ ተዛረቦም “ካልእ ከኣ ሕጂ ኣድያም ቃንዛ ኣለዋ እሞ መሊስና እንተ ዘይጎዳእናይ ሰናይ እዩ” ክብል ወሰኸሎም “ዳሓር ከኣ ኣድያም እኮ ናብ መንገዲ ሕማቕ ኣይ ከደትን..” ክብል ዘረብኡ ክይወደኣ “ንስኻ ኸ መን እብሉኻ እንታይ ኢኻ ዝበልካ ንጓለይ ዘባልሽዋ ዘሎ ድኣ ንስኻን ከማኻን ዝኣመሰሉ እንተ ዘይኮይኖም መን ዶ ኣጸሊልዋ እዩ”

ኣዜብ ትቕብል ኣቢላ “ኣቦይ ዓንደ ከምኡ ኣይኰነን እኮ ኣይትሕረቑ እሞ” “ኣነ ወደያቱ ዶ ጋል ቐሺ በራኺ ደኣ ኸ መዓስ ተጸንቢርክዮም ንዓኺ ኸኣ ኣታሊሎምኺ? ኣንቲ በትኪ ጓል ኣቕሽሽትን ካህናትን ድያቆናትን ዶ ኣይኮንክን ምኻን ሓቕኺ መላኺ ስኢንኪ ደሓን ሕጂ ክርእየኩም ኣይደልን እየ ካብዚ ቦታ ትወጹ ዲኺም ኣይትወጹን ኢኹም ኣብ ዘይሰይጣነይ ከይተእትውኒ” ኢሎም ብነድሪ ገንሕዎም፣ ያቆብ “ምኻድ ክንከይድ ኢና ግና ክንጽልየላ ዶ ቕድም” “ወዳጀ ቐሺ ውጻእ ኢሎም ክጸፍዕዎ ኣእዳወም ሰደዱሉ፣

ኣድያም “ኣቦ በጃኻ እንዶ ኣይትሕረቕ ክበጽሑኒ እዮም መጽዮም” ኢላ ሓጺር ቃል ተዛሪባ ናብ ዝነበራ ቓንዛ ተመልሰት ያቆብን ኣዜብን ከኣ ዋዕ ዋዕ ጸሊኦም ቀስ ኢሎም ንኣድያም ሰላም ኢሎም ወጽኡ፣ ኣቦይ ዓንደ ኸኣ “ርጉማት ፍጥረት ክንጽልየላ ኢና ጸሎትኩም ኣይትሓሽ ደቂ ርግምቲ” እናበሉ በይኖም ተዛረቡ፣ ኣድያም ኣድያም ኢሎም ብዓውታ ነታ ኽፍሊ ጨደድዋ፣ “ኣነ ናተይ ሃይማኖት ዘለኒ ሰብ እየ ተኸቢረን ተሓፊረን ዝነበርኩ ሰብኣይ ኣየ ካብዚ ዝገደድ ከይረኽበኪ ነዛ ሒዝክያ ዘልኺ ናይ ጴንጠ የበንጥቶም ደኣ እምበር ሕደግያ” ኢሎም እናጨደሩ ኸለዎ ነርስ መጽኣ “ኣቦ እዛ ሰብ እኮ ኣብ ቃንዛ እያ ዘላ ስለዚ ህድእ በሉ ሰዓት ከኣ ኣኺሉ ኣሎ እሞ ሕጂ ሓኪም ክርኣያ ስለ ዝኾነ ተወጻኹም ጹቡቕ ይመስለኒ” ኢላ ተዛረበቶም “ሓቅኺ ረቢሸ ዶ” ኢሎም ንጓሎም ቻው ከይበሉ ካብቲ ሆስፒታል ብቕጽበት ወጹ፣{mospagebreak}

ያቆብ ብዛዕባ ኣቦ ኣድያም እናሓሰበ “ከመይ ዝበሉ ሰብኣይ ድዮም ወደይ” በላ ንኣዜብ፣ ኣዜብ ትቕብል ኣቢላ “ያቆባ ሓወይ እዞም ኣቦ ኣድያም ሓያል እዮም፣ ብቐዳማይ ማለት ዝሓለፈ ቀዳም ንኣድያም ደልየ ገዛ ኸይደ ኣበይ ዓንደ ኣይነበሩን በቃ ናጽነት ተሰሚዕና ነዕልል ኔራና ይገርመካ” እናበለት ዘረበኣ ከይወደኣት “ድሕሪኡ ኸ” በላ ያቆብ “ሳሚኤል ሓዋ ሰኺሩ መጽዩ ቐትሪ ምድሪ እንድዒ ከምኡ ዓይነት ጸርፍን እሱ ደሓን ማህረምቲ ኣለዎ በቃ ኣይትብላዕ ኣይትስተ ጌርዋ ንዓይ ከኣ ነዛ ገጸይ ብጥፍጣፍ መሊእዋ ኣነ ኸኣ ሃዲመ ወጽየ” ወይ መከራ በለ ያቆብ፣ “እዛ ቖልዓ ግና እዚስ ትኽእሎ ዶ” ኢሉ ንኣዜብ ሓተታ “ክገርመካ ኣድያም ሓዳሽ ኣማኒት እያ ግና ንኣምላኽ ዘለዋ ፍቕሪ ክቱር እዩ፣

ንጽባሒቱ ሰንበት ረኺበያ እንታይ ከም ዝበለትኒ ትፈልጥ ዲኻ? “ንመንግስቲ ኣምላኽ ብብዙሕ ጸበባ ክንኣቱ ይግብኣና እዩ ክትብል ዘረባ ሃዋርያ ጳውሎስ ደጊማትለይ” “ይገርም እዩ ክንጽልየላ ይግብእ በላ” ያቆብ ኣዜብ “ያቆብ ኣድያም ቀደም ከመይ ከም ዝነበረት እንተ ዝነግረካ እሞ ኸኣ ምስ እዚ ረኺባቶ ዘላ ለውጢ ኣገናዚብካ ምስ ተገረምካ ኔርካ” ኢላ ንያቆብ ብዛዕባ ኣድያም ክፈልጥ ኣብ ህንጡይነት ኣእተወቶ ያቆብ ከኣ “ኣዜብ ዝሓለፈ ግዜ ምስ ክርነተይ ክንግረካ እየ ኢላትኒ ግና ኣብ መንግኡ ሰብ መጺና ኣይነገረትንን” “እሞ ኣነ ዶ ክንግረካ” ክልቲኻትክን ሓደ በላ ያቆብ ክሰምዕ እናተሃንጠየ፣ “ደሓን ኣይትተሃወኽ ኣዱ ባዕላ ክትነግረካ እያ” በል ሰዓት ሰለስተ ክላስ ስለ ዘለኒ ክሓድገካ “ወረገ ካምፓስ ፈተና ቐሪቡ እዩ ንሰምዕ ኣሎና እሞ ኣጽንዓ ደኣ እምቤተይ” በላ ክልቲኣቶም ከኣ ነናብ ዝመጽዎን ነናብ ጉዳዮም ተመልሱ፣ ያቆብ ግና ታሪኽ ኣድያም ክፈልጥ ኣዚዩ ተሃንጠየ፣ ዘረባ ኣቡኣ ኣብ ኣእምርኡ እናመጸ ኸኣ ኣስሓቖ፣

“ደሓን ዲኹም ደኣ በይንኹም እናተዛረብኩም ትኣትዉ” በልኦም ኣደይ ጎዖይ ንኣቶ ዓንዳይ “ይገርም እዩ ጉድ ክንሪኢ ኢና ጉድ” ኣይደሓንኩምን ዲኹም “ነዝኦም ወሊድካ እምበኣር ደሓን ኣሎ እዩ” “ንኣድያም ከ ርኢኹማ ዶ” በልኦም ወይዘሮ ጎዖይ “ርእየያ ዝሓደኩላ ዘይብለይ ገና ወረግ ክትሕድጎ ኣለዋ ኣብቲ ሆስፒታል ክልተ ደቂ ማሕበራ ጸኒሖምኒ ሓንትስ ጋል ቐሺ በራኺ ወይ ምጾታት ወይ ምጾታት በቃ ስብከቶም ኣስሚዖምኒ ደይ እሶም ንጋለይ ዘባላሽውዋ ዘየለ በጃኪ ምሳሕና ሃብና ኢሎም ዘረብኦም ኣቃረጹ”

“እሞ ሳሚኤል ከኣ..” ኢለን ዘረብኣን ከይወድኣ ከለዋ “ኢሂ እሞ ሳሚኤል እንታይ ኮይኑ..” ሓደጋ ረኺቡ ኣሎ “ኣነ ወደያቱ ዶ እንታይ ሓደግኡ እንታይ ድዩ ወሪድዎ ኣይሓደረን ድዩ” “ምሕዳር ካብ ዝገድፎ ደኣ.. ከም ደቅ ትሕድርትና ለይቲ ዝወጽእ እንተ ኾይኑ ደኣ” እንታይ እዩ ኾይኑ? “እንቱም ተኣሲሩ ኣሎ ተባኢሱ” “ምስ መን”  “እንድዒ ኣነ እሞ እንታይ ፈሊጠ ሰኺሩ እዩ ተባእሱ፣ ስለዚ ዋሕስ ኢሎሞ ኣለዉ እሞ ኪድዎ” ወይ ወዲ በረንብራስ ወልዱ ትረኽቦ ዘይብልካ ኢሎም ክልተ ኹላሶ ኮሊሶም ናብ እንዳ ፖሊስ ሃፍ እንዳበሉ ኸዱ፣ “ኣንታ መድሂኒ ኣለም ኣቦይ እንታይ ዶ በዲለ እየ ኣየ ብወለደይ ሙሩቕ እንድየ እዚኣ ሽመይ ኣኽፊኣቶ እዚ ብስኽራን ብባእሲ ኣላዲኒ ተሓኒቐ ደ እሞ ክመወት እንታይ ዕድል እዩ እዚ” እንዳ በሉ በይኖም እንዳ ተዛረቡ እንዳ ፖሊስ በጽሑ፣

ይቅጽል !