16
Tue, Apr
0 New Articles

ዶክተር (doctor / Part 1)

Literature
Typography
ሰሓቕ ሓጎስ ፍቕሪ መለለዪ እታ ስድራ እዩ፣ ጎሮባብቲ ዘመድ ኣዝማድ ብዘለዎም ሕውነትን ፍቕርን ኣዚዮም እዮም ዝግረሙ፣ ብእኦም ዘይቀንእን ከምኦም ክኸውን ዘይምነ የልቦን፣ ምንም እኳ እምብዛ ምርእያትን ዝፈስስ ሃብትን እንተ ዘይብሎም ርእሶም ክኢሎም ዝነብሩ ናይ ዕለት እንጌርኦም ማእሪሮም ዝኣቱ ስድራ እዩሞ፣ “ኣንቲ ደሓን ድዩ ደኣ ክሳብ ክንድዚ ኣምስዩ” በለታ ሓውሲ ምሽቓል ጌራ ነታ ንእሽቶይ ሓፍታ፣ “እንድዒ ንዓይ እውን ገሪሙኒ እዩ ዘሎ” ኢላ ተመሊሳ ሻቖሎታ ገለጸትላ፣ ኣብ ከምዚ ሻቕሎት ከለዋ እየን ማዕጾ ቤተን ዝተዃሕኾሐ፣

ክልቴኣተን ብሓንሳብ ብድድ ኢለን ክኸፍትኦ ተሃወኻ “ኦፍ ተመስገን ኣምላኽ ኣንታ እንታይ ደኣ ጌርናካ ተሻቕለና ደሓን ዲኻ” በለቶ ሕርቕ ኢላ እታ ዓባይ ሓፍቱ፣ “ከምኡ ትገበር ከክፍኡ ክንሓስብ እኮ ኢና ጸኒሕና” ደገመት እታ ንእሽቶይ ሓፍቱ፣ “ኦ ኣይትሓዛለይ ኣጋጣሚ ስራሕ ቁሩብ ጺዒቅኒ ዳሓር ከኣ እዚ ኣብ ጎረቤታና መጺዩ ዘሎ ጋሻ ክንርእዮ ኢልና ኣላጊስና” ኢሉ ምኽንያት መደንጎይኡ ነገረን፣ “ናፊቕናካ ኸኣ ዊዒልና ከመይ ከ ዊዒልካ ዶክተር ረኺብካዮ ዶ ሎሚ ኸ?” በለቶ እታ ዓባይ ሓፍቱ ንሓዋ፣ “እወ ንግሆ ቅድሚ ስራሕ ምእታውና ረኺበዮ ኔረ፣ ክገርመክን ዘረብኡ ኩሉ ሚስጥር እዩ እዚ ኸማን ሰዓት ኣኺሉኒ እምበር ምሉእ መዓልቲ ምስኡ ክውዕል ኣይጸላኩን” ኢሉ መለሰለን፣ “ኣብዚስ ኣጋ ፋዱስ ኣቢሉ መጽዩ ኔሩ እንድዩ ኣነ ዝገርመኒ ናይ ዶክተር ሓንቲ መዓልቲ ደኺመ ኢሉ ዘይፈልጥ ክንደይ ግና ደስ ክብለካ እዩ? ሕሰቦ እሞ ምስ እዚ ኹሉ ፍልጠቱ ክእለቱ ናባና ብዘይምቁራጽ ምምጽኡ?” በለት እታ ንእሽቶይ ሓፍቶም ብምግራም፣

“ኣብ ዘረባ ዶ የእቲናካ ጠሚኻ ትኸውን እንቲ እንታይ ደኣ ተዓኒድኪ ድራር እባ ሃየ ቐርቢ” በለት እታ ዓባይ ሓፍቶም “ደሓን እየ ኣይጠመኹን ከኣ ድሓር ከኣ ገጽ ትፈትዎን ትናፍቖን እንተ ሪኢኻ ትጸግብ እንዲኻ” በለን እናሳሓቐ “እታ ዝበልኩኻ ትህበኒ ዲኻ” በልቶ እታ ንእሽቶይ ሓፍቱ ናብኡ ሕግብግብ እናበለት “ኣንቲ ሓሚምኪ ዲኺ ቅድም እሞ ድራር ቀርቢ” በላታ ሓውሲ መግናሕቲ ወሲኻ፣ “እዚ ኣምላኽ ሲ ክንደይ ይፈትወኒ እዩ ንዓኽን ምሃቡ ንስኹን እኮ ንዓይ ኩሉ ኢኺን ተመስገን መድሃኒኣለም ኣቦይ” ኢሉ ዘረብኡ ከይወደኣ ከሎ “ባርኸልና በል” በልኦ ሓቢረን፣

“ስራሕ እሞ ከመይ ዊዒሉ” ኢሉ እናበለዑ ነታ ንእሽቶይ ሓብቱ ሓተታ “እዚኣስ ወደይ እንታይ ሲኢና እያ ኣየነይ ከ ዝጠቅም ይህብዋ ኾይኖም እዮም” በለት እታ ዓባይ ሓፍቶም “ኣነ እናሰራሑኩ ኣንቲ ብርኽቲ ሓፍተይ ደሓር ከኣ መዓስ ሲኢና ዘይትሓድግዮ” ኢሉ ብስኽፍታ ነታ ንእሽቶይ ሓፍቱ ሓተታ “ደሓን እኮ እዩ እቲ ስራሕ ከኣ ኣይጸላእክዎ” ኢላ ብትሑት ቃላት መለሰትሎም መሊሳ ድማ “እተን ዝበልኩኻ ግዳ ሃበኒ” “ጸገም የለን ግና ንምንታይ ኢኺ እዚ ገንዘብ ተዋህህልልዮ ዘለኺ” በላ ሓዋ “ሓቂ ክዛረብ ንዶክተር ስለ እቲ ዝገብረልና ዘሎ ሓለፋታት ሓንቲ ህያብ  ገዚኤ ክህቦ ስለ ዝደለኹ እየ” ኢላ እና ሓፈረት ድሌት ልባ ነገረቶም፣ ክልቲኣቶም ካዕ ኻዕ ኢሎም ሰሓቑ “ንዶክተር ዝኸውን ህያብ ደኣ ኣበይ ክርከብ” በላ ሓዋ “እንቱም እዚ መኣዲ ይዝሕል ኣሎ በጃኹም እባ ብልዑ” ኢላ ካብ ዕላሎም ኣቓራጸቶም “ጸጊብና ጥዑም ምግቢ” ኢሎም ንሓፍቶም መለሱላ “በጃኹም እባ ሕጂ ኸ ክጋሕፍ ድዩ” እናበለት እታ ሸሓኒ ክሳብ እትሕንኮኽ ንኽልቲኦም ኣኸለስቶም፣

 “እሞ ኣነ ደኺመ ኣለኹ ርእሰይ ከኣ ቁሩብ የሕመኒ ኣሎ እሞ ክድቅስ በጃኽን” በለን ሓወን “እዋእ ተጸሊልካ ዲኻ በጃኻ የዕልለና ገና እንድዩ ዘሎ ዘይኣመልካ” ኢለን ከዕልለን ግዲ በልኦ፣ ሓውን ስለ ዝተሰከፈ እዩ እምበር ርእሱ ኣዚዩ የሕምሞ ነበረ ኣካላቱ ኹሉ ኸኣ ይቐራጥሞ ነበረ፣ “ደሓን ደሓን ኢሉ ብድድ ኢሉ ናብ መደቀሲ ገጹ ሰገሞ፣ “ንሕና እውን ንደቅስ እንታይ ደኣ” ኢላ ብሓውሲ ሕርቃን እታ ንእሽቶይ ሓፍቶም ተዛረበት፣ ነናብ መደቀሲኦም ከኣ ኣመርሑ፣ “እዋይ እንታይ ኣውናኡ ደኣዩ ወጊሑ ኢላ ነታ ንእሽቶይ ሓፍቱ ነቕኒቓ ንሓዋ ከተትንስኦ ኣተሰኣታ፣ ጎያ ኸይዳ ኸኣ ንሓዋ ኣብ ግንባሩ ሲዒማ ነቕነቐቶ፣ “ኣንታ ተንስእ እባ በጃኻ ሰዓት ኣኪሉካ እኮ እዩ” እናበለት ነውነወቶ፣ ምንም ድምጺ ግና ኣይነብረን፣ ነታ ገዛ ብኣውያት ጨደደታ፣

እታ ዓባይ ሓፍቱ ዝርኣየት ዘይብላ ናብቲ ሓዋ ዘለዋ ኽፍሊ ኸይዳ ኣእወየት “ሞይቱ እዩ መስለኒ” በለት እታ ንእሽቶይ ሓፍቱ፣ “ውይ ኣምላኽ በጃኻ ውይ ፈጣሪ ኣይትጨክን” ኢላ እታ ዓባይ ሓፍቱ ኣውያታ ቐጸለት፣ ኣውያት ዝሰምዑ ገረባብቲ ናብቲ ቤት ወረር ወረ በሉ፣ “ደሓን ዶ ኣይኮንክንን እንታይ ተረኺቡ” ዝብላ ቓላት ነታ ቤት መልኣ፣ እቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ዓቢ ሰብኣይ ጎረቤተን ናብቲ ሓወን ዘለዉ መደቀሲ ከይዶም ኩነታት ሓወን ተኸታተሉ እሞ “ኣንትን ተጸሊልክን ዲኺን ደሓን እዩ ዘሎ በጃኽን ስቕ በላ” ኢሎም ገንሕዎን ነትን ክልተ ኣሓቱ፣ “ደሓን እዩ ኣቦ ደሓን እዩ” ኢለን እናነበዓን እናተንቀጥቀጣን ተዛረብኦም፣

“ማይ ዝሑል ጥራይ ሃባኒ” በልዎን፣ ማይ ዝሑል ከኣ ኣፈሰስሉ፣ ኩቱር ዝኮነ ረስኒ ነበሮ፣ እቲ ኣብ ዓራት ዘሎ ሓወን እንትርፎ የዒንቱ ቁሊሕሊሕ ምባል ክዛረብ ኣይከኣለን፣ “በጃኽን እስከ ስቕ በላ እሞ ናብ ሕኽምና ተቐላጢፍና ጥራይ ንውሰዶ” በልዎን ኣቶም ዓቢ ሰብኣይ፣ ተሰኪሞም ከኣ ናብ ሕኽምና ወሰድዎ፣ ሓኪም ምስ ረኣዮ እምብዛ ሰንበደ “ኢሂ ደሓን ዶ ኣይኮነን እዩ” በለት እታ ዓባይ ሓፍቱ፣ “ሓውኺ ኣዚዩ ተወጺዑ እዩ ዘሎ ኣብ ሕማቕ ኩነታት እዩ ዘሎ፣ እዚ ንዓይ ልዕሊ ዓቐመይ እዩ፣ ክስብ ሕጂ ምጽንሑ እውን ይገርም እዩ ብዙሕ ኣይትድከማ” ኢሉ ዘረቡ ከይወደኣ ከሎ ክልቲኣተን ኣሕዋቱ ኡይ እንዳበላ ክበኽያ ጀመራ “ደሓን ሓወይ ኣይመውትን እዩ ኣይመወትን እዩ” እናበለት እታ ዓባይ ሓፍቱ ነታ ንእሽቶይ ጎቲታ ካብቲ ገዛ ኣውጻታ “ኣጆኺ ሓውና ኣይሞውትን እዩ፣ ንስኺ ቐልጢፍኪ ብዝረኸብኪ ሰብ ንዶክተር ለኣኽሉ፣ ንሱ ጥራይ እዩ ጥዑይ መድሃኒት ዘለዎ፣ በጀኩኡ ንሕማሙ ክፈልጥ ዝኽእል የልቦን ስለዚ ብቕልጡፍ ከይደንጎኺ ለኣኽሉ” ኢላ ንሓፍታ ሓደራ ሂባ ናብቲ ሓዋ ደቂስዎ ዘሎ ሕክምና ከደት፣

 እታ ንእሽቶይ ሓፍቱ ኸኣ ናብ ዓርኪ ሓዋ ኸይዳ “በጃኻ ዓርክኻ ሓሚሙ ኣሎ ስለዚ ንዶክተር ከይድካ እባ ጸውዓዮ” ኢላ ተኽቶኾቶ “ዘየለ ትማሊ ብስራሕ ናብዛ ጥቓና ዘሎ ዓዲ ከም ዝገይሽ ሰሚዒ ኣለኹ” “በጃኻ ዝገበርካ ጌርካ ዋላ ናብኡ ኸይዳካ ንገሮ ምሕማሙ እንተ ሰሚዑ ከም ዘይኣብየካ ካልእ ስርሑ ሓዲጉ ከም ዝመጻ ርግጸኛ እየ” ኢላ ግዲ በለቶ፣ ንሱ እውን “ሓራይ ደሃን ይኸይድ ጥራይ ይምጻኒ እምበር” ኢሉ ብጉያ ተመርቀፈ፣ “ኣንትን ተጸሊልክን ዲኽን በጃኽን እባ ስቕ በላ” እናበሉ ነትን ዝንዛሕ ዝበኽያ ዘለዋ ኣሕዋቱ ከደዓኦስዋን ፈተኑ፣ ኣሕቱ ግና ልበን ብሓዘን ተሰብረ ውሽጠን ከኣ ተሳፍ ምቑራጽ መልኣ፣ “ምስ መን ሓድግካና ክትከይድ ኣይትጨክነልና እባ መን ዶ ኣሎና እዩ በጃኻ ኣንታ ቡሩኽ ሓውና” እናበላ ክበኽያ ከለዋ እቲ ምስኣን ከሰንይን ዝመጸ ሰብ ከኣ ብድንጋጸ ምስኣን ይደናግጸን ይበክን ነበረ፣ እታ ሓኪም ነቶም ዓቢ ሰብኣይ ጸዊዑ “እሞ ተስፋ የብሉን ስለዚ ካብ ኣብዚ ዝዓርፈኩም ገዛ ውሰድዎ” ኢሉ ሕሹኽ በሎም፣ ሒዞሞ ኸኣ ናብ ገዛ ተምልሱ፣ እቲ ዝሓመመ ሓወን ኣሕዋቱ ክንብዓን ክበኸያን ምስ ረኣየ ኣብ ርእሲ ዘለዎ ሕማም ተወሳኺ ቃንዛ ኾነ ኢድ ጌሩ ኸኣ ጸወዓን ነሕዋቱ “ክልተኢን ሕቑፍ ኣቢለን ከኣ “በጃኻ ንፈትወካ ኢና ኣይትኽደና ንዓና ኸ ምስ መን ምስ መን” በልኦ ኣናበኸያ ሓወን ቁሩብ ርእሱ ስለ ዝፈለጠ ብትሑት ድምጺ “ኣይትብከያ ተሞትኩ ናብ ኣቦይ እኮ እየ ናብ ሰማይ” ኢሉ ዘረብኡ ከይወደኣ ከሎ ኣፉ ልኽት በለ፣
 
ይቅጽል !