16
Tue, Apr
0 New Articles

ዶክተር (doctor / Part 2 )

Literature
Typography

እቲ ናብቲ ዶክተር ዝተላእኸ ዓርኪ ሓወን ከኣ ኣብቲ እቲ ዶክተር ዘለዎ ቦታ በጽሐ፣ ዶክተር ግና ብሑሙማት ተኸቢቡ ነበረ እሞ እቲ ልእኹ ንምራካቡ እኳ ጸገሞ ደሓር ግና እቲ ዶክተር ብማዕዶ ራኣዮ እሞ “ደሓን ዲኻ” ኢሉ ፍሽኽ ኢሉ ሓተቶ “ዓረክይ ሓሚሙ ተወጺዑ እዩ ዘሎ እቲ ኣብ ዓድና ዘሎ ሓኪም ልዕሊ ዓቕሙ ምዃኑ እዩ ነጊሩና ኣሕዋቱ እገሊት ኣገሊት  ግና ንስኻ ክትሕክሞ ከም እትኽእል ስለ ዝፈለጣ እየን ናባኻ ልኢኸናኒ ስለዚ ዝገደፍካ ገዲፍካ ንዓናይ በጃኻ” ህውኽ ህውኽ ኢሉ ነገሮ “ደሓን ሕጂ ከም እትርእየኒ ኣብ ስራሕ እየ ዘለኩ ግና ክመጽእ እየ፣ ደሓር ከኣ ቀሊል እዩ ኣይትሸገራ ክመጽእ እየ ጥራይ ህድእ በላ በለን ነተን ቡሩካት” ኢሉ መለሰሉ፣ እቲ ዓርኩ ብዘረብኡ ተገረም ሕርቃኑ ኣብ ቅድሚኡ ከውጾ ስለ ዘይደለየ እዩ እምበር ውሽጡ ክምትር በለ” ኣቤት ጭካነ ኣብ ቤቶም ኣታውን ወጻእን ኔሩስ ኣብ ሕጂ በጺሑ ዘሕዝን እዩ” በለ ብልቡ “እንታይ ድዩ መሲልካ እቲ ሓኪም ሓቁ እዩ ልዕሊ ዓቕሙ ክኸውን ይኽእል እዩ ንዓይ ግና ከቢድ ኣይኮነን ስለዚ ክመጽእ እየ” በሎ

ዓርኩ ብሓርቖት ዘረብኡ ከይወደኣ ዶክተር ዝብኑ ሂብዎ ናብቲ ዝመጾ ተምልሰ፣ “እሂ እንታይ ኢልካ” ኢለን ክልቴን ብሕቶ ኣዋጠርኦ፣ ንሱ ገጹ በርበረ መሲሉ ስቕ በለ ክዛረበን እውን ኣይደለየን “እይረኸብካዮን ዲኻ” በልኦ “ምርካብ ረኺበዮ እየ’ እፎ ተመስገን እሞ ይመጽእ ኣሎ “ምምጻእ ኣብዩኒ” እንታይ ኢካ ትብል ዘለኻ “ክመጽእ እየ ኣይትረበሻ” ጥራይ በለን ኢሉኒ ኢሉ ዘረብኡ ከይወደኣ ከሎ እቶም ጎሮቤቶም ዓቢ ሰብኣይ መጽእዮም ሓወን ከም ዝዓረፈ ነገርዎን፣

እታ ገዛ ብብኽያትን ብኣውያትን መልኣት፣ ነገር ኩሉ ጸልመተን፣ ዝኾነ ነግር ከኣ ምእማን ጸገመን፣ እታ ሓጎስን ሰሓቕን ዝነበራ ገዛ ብሓዘን ብኽያትን ተዋሕጠት፣ እታ ብርሃን ዝበርሃ ቤት ብጸልማት ተከበት “ስለምንታይ ስለምንታይ ንዓና እንታይ በዲልና እንታይ ኣቢስና ወይ ዕድልና ሓሚቑ” እናበለት እታ ንእሽቶይ ሓፍቱ ኣብ ልዕሊ ፈጣሪ ከተግረምርም ጀመረት፣ “መዓስ ከምዚ ኾይኑ ኔሩ ሕልምና መዓስ ከ ጽጊብናካ በጃኻ እባ ኣይትጨክነልና ፍትው ሓወይ” እናበለት እታ ዓባይ ሓፍቶም ክትበኪ ከላ ሰብ ልቡ ሓቦጭቦጭ በሎ

“እቲ ዶክተርሲ ተላኢኹሉ እዩ ኢሎሞ” በላ ዓባይ ሰበይቲ “ጨካን እዩ ግና ኣብቲ ገዝኦም እኮ ኣታዊ ወጻኢ እዩ ኔሩ” በለኣን እተን ኣብቲ ቐብሪ ምስኣን ዝነበራ ሰበይቲ “እሱ ተትመጽእ ኔሩ ኣይምሞተን መድሃኒት ናቱ ፉሉይ እንድዩ” ኢለን ደገማ እተን ጥቀኣን ከይነን ዝሰምዓ ዝነብራ ሰበይቲ፣ እቶም ዓበይቲ ዓድን ካህናትን ንምጽንነዓን ኣዝዮም እኳ እንተ ፈተኑ ግና ኣሕዋት እቲ ዝሞተ ክድበሳ ኣይከኣላን፣ ብፍላይ ተትሓቢኣን ናብቲ መቓብር ከይደን እናበኸያ ኣሸገርኦም፣ “ኣነ ዘሕዘነኒ ናይቲ ጨካን ዶክተር እዩ እንታይ ኣለዎ ድዩ? መጽዩ ተራኣዮ መድሃኒት ተሃቦ” በልት እታ ዓባይ ሓፍቱ ነቲ ከጸናንዖን ኢሉ ኣብ ዙርእየን ዝነበረ ሰብ “ደሓን ብቀዳማይ እቶም ኣብ ፊት ገዛን ዘለዉ ሰብኣይ ወዶም ምስ ሓመም ምስ ጸውዕዎ ቐልጢፉ መጽዩ ወዶም ከኣ ካብ ሞት ሰሪሩ ንዓና ግና ደሓን..” ኢላ ዘርብኣ ከይወደኣት ፊቕ ኢላ በኸይት፣ ክቲኤን ኣሕዋት ንግሆ ንግሆ ተስኤን እየን ዝበኽያ፣ ገጸን ብሓንሳብ እዩ ተደዊኑ ብፍላይ ምስቲ መገለጺ ኤልን ተኸዲነንኦ ዘለዋ ጸሊም ክዳን ተሓዊሱ ደመት ትርኢተን ኩሉ ካብኣን ሃዲሙ እዩ፣ ገጸን ሓዘንን ተስፋ ምቑራጽን ጥራይ እዩ ዝንበብ፣

ንግሆ ተሲኢን ከም ልማደን ክበኽያ ከለዋ ሃንደበት ማዕጾ ገም ገም በለ፣ ዓደ መንእሰይ “ዶክተር መጽዩ” ኢሉ ዘረብኡ ከይወደኣ ከሎ፣ እታ ዓብይ ሓፍቱ “እንታይ ክገብር መጽዩ ሕጂ እንታይ ክዓብሰልና ሓወይ ምስ ሞተ እንታይ ክገብር መጽዩ እንታይ ክገብር” ኢላ ብዓዋታ ተዛረብት “ኣበይ ኣሎ” ኢላ እናገየይት ናብቲ ዶክተር ዘልዎ ቦታ ኸደት “እምበኣር ሕጂ መጺኻ ኣብቲ ዝደለናካ ግዜ ግና ዝባንካ ሂብካና” ኢላ እናበኸይት ኣብቲ ምድሪ ከረውረው በለት “ኣትንስእዋ” በለ እቲ ዶክተር፣ ሓፍታ ኸኣ ደድሕሪኣ ሰዓበት “እንታይ ዶ ጌርናካ ኢና እንታይ ዶ ኣለዎ እዩ” ኢላ እታ ንእሽቶይ ሓፍቱ ብምግርምራም ንዶክተር ተዛረበቶ፣

ዶክተር ኩነታትን ምስ ረኣየ ልቡ ድንጋጸ መልኣ እሞ ናብኣን ቀሪቡ ፊቕ ኢሉ በኸየ፣ እቶም ዝራእዩ ዝነብሩ ሰባት ከኣ “እንታይ ክዓብስ ሕጂ ምስ ለኣኻሉ ክመጽእ ኔርዎ እምበር” እናበሉ ሓመይዎ፣ “ኣበይ ኣሎ” በሎም ዶክተር ዓው ኢሉ፣ “ካብ ዝመዉት እኮ ነዊሕ እዩ ጌሩ ሕጂ ኣርኢናካ ኣይርኢናካ ለውጢ የለን” ኣላ መለስትሉ እታ ዓባይ ሓፍቶም “ደሓን ጸገም የለን ጥራይ ኣርኡይኒ ኣበይ ኣሎ” ናብቲ መቃብር ሒዛሞ ከዱ፣ “ሕጂ እንታይ ክዓብስ ድሕሪ ማይ ኣባዓቲ” ኢላ ብልበን ይሓምያ ነብራ እቶን ኣሕዋት እቲ ምውት፣ ዶክተር ‘እስከ ክፈትዎ” ኢሉ ዘረባ ክቕጽል ምስ ደልየ ዘረብኡ ኣቃርጽ ኣቢላ “ከመይ ጌሮም ክኸፍትዎ ጨኒ መሽምሹ እኮ እዩ ተስፋ የለን ተወዳኢ እኮ እዩ በቃ ቁስልና ዲኻ ክትጎድኣና ደሊኻ ሕጂ ጊዜኡ ኣኺሉ እዩ ተወደኢ እዩ ኣጀንዳ ተዓጽዩ እዩ በቃ” ኢላ ጨደርት

ዶክተር ፍሽኽ ኢሉ ኣይትተሃውኺ፣ ኣነ እንታይ ይገብር መዓስ ይመጽኣ ይፈልጥ እየ” ኢሉ ብሓውሲ ምግንሕ ተዛረባ ደጊሙ ነቶም ኣጋባዝ ክፈትዎ በለዎ ‘እንታይ ከርኣየና እዩ፣ ሕጂ ከኣ ሬሳ ክኽፍት ዝጨነወ” እናበሉ ኣግሮምሮሙ “ኣንታ ዝብለኩም እንዶ ስምዕዎ ዶክተር እኮ” በለት እታ ንእሽቶይ ሓብቶም፣ ነቲ መቓብር ከፈትዎ ናይቲ ሬሳ ጨና ነቲ ኸብቢ በከሎ፣

ኣንታ ንዓና እውን ክቐትለን እዩ ወይ ጉድ ክንሪኢና ኢና ዝብል ድምጺ ነቲ ኸባቢ መልኦ፣ዶኽተር ዓው ኢሉ “ኣንት ሬሳ ብሰባት ዝተቐብርካ ተስፋኻ ዝጸልመተ ናብ ምውታት ዓለም ዝኸድካ ናትካ ነገር ብሰባት ዘብቀዓ ብርሃን ከሎ ዝጸልመተካ ጎልጎል ከሎ ዓቐብ ዝነካ ራኢኻ ምስኻ ዝተቐበረ ኣታ ሬሳ ተስእ” ኢሉ ጨደረ፣ እቲ ሬሳ ፍንሕንሕ ክብል ጀምረ ብድድ ኢሉ ኸኣ ተንሰኣ “መጋንዙ ዝኣሰሮ ፍትሕሉ” ኢሉ እንደገን ብዓውታ ኣዘዘ፣ ዶክተር

ኣሕዋቱ ኣእዳወን ኣብ ኣፈን ኣንቢረን ምዝራብ ሰኣና “ዶክተር ዶክተር ንስኻ ዶክተር የሱስ ህያው ኢኻ ዓቢ ኢኻ ኣምላክ ታሪኽ ኢኻ ኣምልኽ ተኣምራት ኢኻ ኣምላኽ ብርሃን ኢካ” ኢለን ብጉያ ኣብ እግሪ ዶክተር የሱስ ተደፍኣ፣ ኣንቱም ሰባት “ዝሞተ ህያው ዝገብር ዘይከኣል ዝኻል ንዝተቐብጸ ከም ብሓድሽ ዝጅምር ኣምላኽ እዩ እሞ እመንዎ፣ በላ ብዓውታ ነቲ ኣምልኽ ተኣምራት የሱስ እናንመልከታ፣ መሊሰን እውን ወሰኻ ከምዚ ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላለፋ ብፍልይ ኤርትራውያን “ኣብኡ ተስፋ ኣሎ ገና ኣይተወደኣን ምረትኩም ምቁር ዝኾነሉ ግዜ ጸልማትኩም ዝግፈፈሉ ሰዓት ርሑቕ ኣይኮነን፣ ኣዚ ናይ ሕጂ እሮማዩኩም እዚ ናይ ሕጂ ንብዓትኩም እዚ ንይ ሕጂ  ስለምንታይኩም መኸትምታ ክገብረሉ ዶክተር ይመጽእ ኣሎ፣ እቲ ንሓውና ኣልኣዛር ካብ መቃብር ዘትንሰኣ እቲ ንብዓትና ዝድርዘ ኣቲ ዘኽበረና የሱስ ናባኹም ከም ዝመጻእ ንሕና ኣሕዋትኩም ማርታን ማርያምን ርግጸኛታት ኮይና ንነግረኩም ኣሎና፣ ስምዑና ዘርባና ኣብ ልብኹም የእትውዎ፣ እቲ ዝኸውን ክይኮን ኸሎ ንቲ በዓል ግርማ የሱስ ባርኽዎ ዓልሉ፣ ናብ ዶክተር ዝለኣኽኩውሞ ልእኹ በጺሑ እንሆ ድክተር ነቲ መቓብር ክኸፍቶ ብቕልጡፍ ይምጽእ ኣሎ ኤርትራውያን፣
 
 
ተፈጸመ !!!