19
Fri, Apr
0 New Articles

ውሕስነት ሓዳር 3ይ ክፋል

Marriage & Relationships
Typography

 ናይ ምዝርራብ ወይ ኰምኒኬሽን ጸገም ! ኣብ ሓደ ዙርያ ዝተኣከቡ ዓበይቲ ይኹኑ ንኣሽቱ ንሓድሕዶም ብሓሳብን ብቓልን ዘይምስምምዖም ሓደ ክፍታሕ ዘይክእል ሕንቅልቅሊተይ ይምሰለና እምበር ብጠበብቲ ናይ ስነ ፍልጠት ምሁራት ግና ሓደ ጸገም ከም ዘሎ ከስተብህሉሉ ጀሚሮም ኣለዉ። ናይዚ ጸገም ድማ ይብሉ ናይ ምዝርራብ ወይ ኰምኒኬሽን ጸገም እዩ ኢሎም ይጽውዕዎ። ናይ ምዝርራብ ወይ ናይ ኰምኒኬሽን ጸገም ማለት እንታይ ማለት እዩ።

ዝርርብ ወይ ኰሚኒኬሽን ማለት ሰባት ቃላት ተጠቂሞም ሓሳባቶም ዘተሓላልፉሉ ወይ ድማ ምስ ካልእ ሰብ ዝራኸብሉ መንገዲ ወይ ሜላ እዩ። እዚ ዓይነት ናይ ምርኻብ ወይ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ሜላ ወይ መንገዲ ድማ ምስማዕ ምርዳእ ወይ ከኣ ምስትውዓል የጠቓልል። ስለዚ ድማ ምዝርራብ ወይ ኰምኒኬሽን ሓሳብካን ስሚዒትካን ንምግላጽ ኰነ ንምርዳኣ ኣድላዪ መሳሪሒ ስለ ዝዀነ ኣብ ሓዳር ዝጻወቶ ተራ እምብዛ ዓቢ እዩ።

ኣብ መስርሕ እዚ ርክብ እዚ ናይቲ ተዛራቢ ቀንዲ ዓላማ ንሓሳቡ ብትኽክል ኣመሓላሊፉ ነቲ ሰማዒ ሓቀኛ ዝዀነ ርድኢት ከጨብጦ ክኸውን ክንዲ ዝግባእ ብዙሕ ጊዜ ከምዚ ምዃኑ ይተርፍ እሞ እቲ ሰማዒ ካብ ልቡ ኰይኑ ክሰሞዖ ስለ ዝጽግሞ ነቲ ዝባሃሎ መልእክቲ ድማ ከምዝግባኣ ክጭብጦ ስለ ዘይክእል ነቲ ነገር ድማ ብናቱ ኣእምሮ ስለ ዝትርግሞ ከምቲ ነው ነጀው ትብል ጤል ኰይኑ ይተርፍ በዚ ከምዚ ድማ ኣብ ጐነጽን ዘይምርድዳእን ይወድቁ። ብሰንኪ መልእኽትኻ ብዝግባኣ ዘይምምሕልላፍን ነቲ ዝተቐበልካዮ መልእክቲ ብዝግባኣ ሰሚዕካ  ግብረ መልሲ ዘይምሃብን ኣብ ውሽጢ ሓዳር ዝፈጥሮ ኣምባጋሮን ህውከትን ኣዚዩ ብዙሕ እዩ፣፣ ካብቶም ምኽንያታት እቲ ቀንዲ ድማ እዚ ናይ ምዝርራብ ወይ ኰምኒከሺን ጸገም ዝዀነሉ እዋናት ዉሑድ ኣይኰነን።

 

ናይ ስነ ምዝርራብ ወይ ኰምኒኬስን ሙሁራት ከም ዝገልጽዎ ሰባት ሓሳባቶም ንምግላጽ ኣብ ዝገብርዎ ዝርርብ ብዉሑድ ካብ ሽዱሽተ ዘይንእሱ መልእኽታት የማሓላልፉ እዮም። 

  1. 1.እቲ ተዛራቢ ኢለዮ እየ ኢሉ ዝሓሰቦ። 
  1. 2.እቲ ተዛራቢ ብትኽክል ዝበሎ። 
  1. 3.ሰማዒ ብትኽክል ዝሰምዖ። 
  1. 4.እቲ ተዛራቢ ነቲ ሰማዒ ሰሚዕዎ እዩ ኢሉ ዝሓስቦ። 
  1. 5.ተዛራባይ ንዝተዛረቦ እቲ ሰማዒ ዝህቦ መልሲ። 
  1. 6.ሰማዒ ንዝሰምዖ ናይ ተዛራቢ ዘራብ ተዛራቢ ንሰማዒ ዝህቦ ግብረ መልሲ። 

ካብዚ ከም እንርድኦ እምበኣር ዝርርብ ወይ ኰምኒኬሽን ኣዝዩ ዝተወሳሰበን ጥንቃቐ ዝሓትት ምዃኑ ክንርዳ ንኽእል። ከምቲ ናይ ቀደም ኣቦታትና ክምስሉ እንከለዉ "ክትዛረቦ ዝሓሰብካዮ ኩሉ ተዛረቦ ከም ዝሓሰብካዮ ከም ዝተዛረብካዮ ከኣ ኣርጋግጽ" ዝብሉ ናይቲ ተዛራባይ ድሌት ኩሉጊዜ ንዝበሎ ነገር ኩሉ ብዝግባኣ ከም ዝተዛርቦ ምርግጋጽ ክከውን ይግባእ። 

እምበኣርሲኸ ብመሰረት እቶም ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮም ነጥብታት ንሕና ኸ ካበየኖት ወገን ምኻና ገዛኣ ርእስና ንምፍታሽ እስከ ሕጂ በዘም ኣስዒብና እንርእዮም ሕቶታት ገዛኣ ርእስና ንምዘን። 

 

  1. 1.ምስ ናይ ሓዳር ብጻየይ ብጽቡቕ ሃዋህም ንምርድዳኣ ርክብ ንምፍጣርን እሽገር እየ? 
  1. 2.ንናይ ሓዳር ብጻየይ/ብጸይተይ ዘቕርቦ ሓሳብ ክሳብ ክንደይ ትርድኣኒ ወይ ይርድኣኒ? 
  1. 3.ናይ ሓዳር ብጻየይ/ብጸይተይ ብዛዕባ ናይ ምዝርራብ ክእለተይ እንታይ ሓሳብ ኣሎዎ ወይ ኣለዋ?

 

ምስ ናይ ሓዳር ብጻይና ብከመይ ንዘራረብ? 

ምስ ናይ ሓዳር ብጻይና እንገብሮ ዝርርብ ኣብ መንጐና ጸገም ዝፈጥር እንድሕር ኰይኑ ነዚ ዝተፈጥረ ጸገም ደኣ እሞ ብኸመይ ንፍታሓዮ? እስከ ገለ ነገር ንርኤ። 

ናይ ክልተ ሓደስቲ ተጻመድቲ ሕብረት ዋና መሰረቱ ፍቕሪ ስለ ዝዀነ እናዓበየ መታን ክኸይድን እቲ ምዝርራብን ጸዎታን ዕላልን ድማ ክዓቢ ኣብ መንጐ ክልቲእቶም ናይ ርክብ መስመር ብዝተኻእለ እኳ ኩፉት ክኸውን ይግባእ። እቲ ዘሕዝን ግና ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብና እቲ ኣብ መንጐ ተጻመድቲ ዘሎ ናይ ምዝርራብ ወይ ናይ ርክብ መስመር ብዙሕ ጊዜ ዝተባላሸወ ምዃኑ እዩ። ናይዚ ዝዀነሉ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ኣብ መንጐ ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ውሽጦም ንዝተፈጥረ ገለ ቕር ዘብሎም ነገር ብኽፉት ልብን ብግልጽነትን ኰይኖም ክዘራረብሉ ፍቓደኛታት ስለ ዘይኰኑ ጥራይ እዩ። እዚ ድማ ኣብ መንጐኦም ዝረኣ ናይ ዘይጉሉጽነት ባህሪ እዩ፣፣ ኣብ ውሽጢ ሓዳር እዚ ዓይነት ጸገም ዘጋጥም እቲ ሓደ ንዘለዎ ጸገም ንምፍታሕ ክዛረብን ሓሳቡ ክገልጽን ኣብ ዝደልየሉ እዋን እቲ ሓደ ግና ብትዕግስቲ ክንዲ ምስማዕ ክትዕን ሓርቖት ዝተሓወሶ ዘርባ ስለ ዝዛረብ እቲ ካብ ሰናይ ዓላማን ካብ ጽኑዕ ሃቐናን ዝተበገሰ ወገን እሞ ድማ ሓሳቡ ክስማዓሉ ዘይከኣለ ወገን ካብ ክትዕን ቋይቅን ክሃድም ብምባል ስቕ ናይ ምባል ኣማራጺ ወሲዱ እቲ ርክብ ኣብ ዝቃረጸሉ ጊዚያት እዩ። እንተ ዀነ እዚ ዓይነት ምርጫ ንሓዳር ከፍርስን ሕንፍሽፍሽ ከእቱ ዝኽእል ቀንዲ ምኽንያት እዩ፣፣ 

እስከ ነፍሲ ወከፍና ንገዛእ ርእስና ንመርምርን ንፈትሽን? ንመጻምድትና ብጽሞና ክንሰሞዖ መዕረ ኽንደይ ኢና ፍቓደኛታት? ካብቲ ዝዛረበና ዘረባ ኸ ክንደይ እዩ ብትኽክል ናብ ልብና ዘሊቑ ዝኣቱ? ኣብ ናይ ምዝርራብ ወይ ኰምኒኬሽን ግዜ ኣብ ክንዲ ነቲ ዝዛረብ ዘሎ ዘረብኡ ከይወድኣ ሓሳቡ ምቁራጽን ንዘረብኡ ድማ እንታይ መልሲ ክህበሉ ይግባኣ ኢልካ ምስልሳልን ነቲ ፍረ ነገሩን ዘረብኡ ብጽሞናን ብምስትውዓል ምስማዕን ዓቢ ዝዀነ ፍረ ከም ዘለዎ ምርዳኣ ኣዚዩ ሰናይ እዩ። ኣብ ዓለም እቲ ቐንዲ ሰባት ዝሽገርሉ ነገር ጽቡቕ ሰማዒ ዘይምርካበም እዩ። ካብዚ ዝተላዕለ ድማ ብዙሓት ሰባት ናይ ልቢ ስብራት ይገጥሞም እሞ ኣብ ተስፋ ምቑራጽ ወዲቖም ንዝተፈላለየ ሽግር ይቃልዑ። 

ንጽቡቕ ፍቕርን ንማሕበራዊ ርክብን ንምድልዳል ከም ምስማዕ ዝበለ ነገር የለን። ምስማዕ ማለት ድማ ስቕ ኢልካ ንቓላት ኣብ ኣእዛንካ ምድርዳር ማለት ኣይኰነን። ምስማዕ ማለት ንዝተሓላለፍ መልእኽቲ ምንም ከየትረፍና ከም ዘለዎ ምቕባልን እቲ ተዛራባይ ክብሎ ዝደለየ ብዝግባኣ ኣስትውዒልና እቲ ሓቀኛ ድሌቱ ድማ ተረዲኢና ነቲ ተዛራባይ ዘዕግቦ መልሲ ምሃብ እዩ። 

ሓደ ሓደ ጊዜ ናይ ተፈጥሮ ነገር ግዲ ኰይኑ ገለ ገለ ሰባት ንምዝራብ ህውኻት ስለ ዝኾኑ ናይ ምስማዕ ዓቕሞም እምብዛ እዚዩ ንእሱ እዩ። ካብዚ ዝተላዕለ ኸኣ ናተይ ሓሳብ ጥራይ ይሰማዕ ዝብል መንፈስ ስለ ዝሓዙ ናይ ካልኦት ሓስብ ኰነ ምኽሪ ንምስማዕ ፍቓደኛታት ኣይኰኑን። እዚ ድማ ነቲ ናይ ርክብ መስመር ይብተኾ እሞ ናይ ፍቕሪን ናይ ዘይምርድዳእ መንፈስን ይዓስልን ይዕብልልን። 

ንምሳሌ ሰብኣይ ካብ ስራሕ ዊዕሉ ገዛ ክመጽእ ከሎ ሰብይቱ ሎሚ ናይ ገዛ ስራሕ እምብዛ እዩ ኣድኪምኒ ዊዒሉ ኢላ ትዛረቦ፣፣ ሰብኣይ ድማ ክንዲ ነቲ ዝበለቶ ብዝግባኣ ዝርድኦ ብኣንጻሩ እሞ ምስኣ ድየ ኣብ ገዛ ተዀይጠ ክውዕል ደሊያትኒ? ኢሉ ይሓስብ። እዚ ግና ብፍጹም ኣብ ኣእምሮ ሰበይቱ ዘየለ ክነሱ እቲ ሰብኣይ ግና ከምዚ ማለታ እዩ ኢሉ ነቲ ዝበለቶ ባዕሉ ናቱ ግምታዊ ዝዀነ ትርጉም ይህቦ። ብኻልእ ወገን ድማ ካብ ዘረባ ሰበይቱ ተበጊሱ ቀደም እውን ተዀነ ንሰበይቱ ብዘይምሕጋዙ ኩሉ ጊዜ ናይ በዳሊ ስሚዒት እናተሰምዖ ንገዛእ ርእሱ እናዀነን ይነብር። ንነገራት ከም ዝመስለናን ከም ዝስምዓናን ምትርጓም ወይ ምርዳእ ንሓዳር ከም ዘባላሹ ተረድኢና ንዝብሃለና ነገር ካብ ልቢ ብምስማዕ ዘተኣማምን ናይ ርክብ መስመር ንምፍጠር ሰብ ሓዳር ወትሩ ጻዕሪ ካብ ምክያድ ክቕጠቡ የብሎምን።

 

ገዛእ ርእስኻ/ኺ ከመይ ዓይነት ሰማዒ ምዃንካ/ኪ ንምፍታሽ እስከ ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልስ/ሲ።

 

•1.  ናይ ሓዳር ብጸይትኻ/ኪ ክትዛረባ/ክትዛረብዮ ከሎኻ/ኺ ኣእምሮካ/ኺ ብዝግባእ ብምድላው ብጽሞና ንምስማዕ ትጽገም ወይ ትጽገሚ ዶ? 

        ሀ እወ

        ለ ኣይሽግረንን እዩ

        ሐ ሓደ ሓደ ጊዜ ሽግር ኣሎኒ 

2. ምስ ናይ ሓዳር መጻምድትኻ/ኺ ክትዘራረቡ እንከለኹም ነቲ ትዘራረብሉ ዘለኹም ኣርእስቲ ሓዲግካ/ኪ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ እንታይ ይስምዓ ወይ ይስምዖ ኢልኩም ኣብ ምስልሳል ዶ ትኣትዉ?        

    ሀ እወ

 ለ ኣይፋል

 ሐ ሓደ ሓደ ጊዜ 

3. ክትዘራረቡ እንከለኹም መጻምድትኹም ዝጥቀምሎም ሓደ ሓደ ቃላት ደስ ስለ ዘይብለካ ወይ ዘይብለኪ ካብ ልቢ ምስማዕ ኣብያትካ/ኣብዩኪ ንዝርርብኩም ኣቃሪጽኩምዎ ዶ ትፈልጡ?      

        ሀ እወ

        ለ ተቓሪጹ ኣይፈልጥን እዩ

        ሐ ሓደ ሓደ ጊዜ የጋጥም እዩ

 

  1. 4.ናይ ሓዳር ብጻይካ ወይ ብጻይኪ ዘቕርቦ ወይ ተቕርቦ ሓሳብ ወይ ሕቶ ንምዝርራብ ወይ    ንዘተ ዘይምችእ ምስ ዝኸውን ብቕጽበት ነቲ ሕቶ ወይ ሓሳብ ናብ ካልእ ብምልዋጥን ብምስትኽካልን ነቲ ዘተ ትቕጽሎ/ዮ ዶ ወይስ ተቃርጾ/ጽዮ?      

        ሀ ነቲ ሕቶ ብምምዕርራይ ነቲ ዘተ ከም ዝቕጽል ይገብሮ

        ለ ንጊዚኡ ብምቁራጽ ንካልእ ጊዜ የማሓላልፎ

        ሐ ነቲ ጉዳይ ሓንሳብን ንሓዋሩን የቃርጾ

 

  1. 5.ናይ ሓዳር ብጻይካ/ኪ ንሓዳርኩም ዝጠቅም ሓሳብ ምስ ዘቕርብ ወይ ተቕርብ ንምዝርራብ ድማ ጊዜን ትዕግስትን ዝሓትት ምስ ዝኸውን

       

        ሀ ሕራይ ኢልካ/ኪ ጊዜ ሂብካ/ኪ ንምዝርራብ ፍቓደኛ ትኸውን ወይ ትዀኒ?

        ለ ኣድላይነቱ እናፈለጥካ/ኪ ጊዜ የብለይን ትብል ወይ ትብሊ?

        ሓ ንሓዳርካ ምቅናዕ ኣድላዪ ኣይኰነን ኢልካ ትሓስብ/ቢ?

 

  1. 6.ናይ ሓዳር ብጻይካ/ኪ ብዛዕባ ሓደ ቁም ነገር እናዕለለኪ ወይ እናዕለለትካ ከላ ኣብ ካልኣ ሓሳብ እናሃለኻ/ኺ ክነስኻ/ኺ ትሰምዖ ወይ ትሰምዕዮ ከምዘለኻ/ኺ ኰይንካ/ኪ ዶ ትቐርባ/ቢ 

          ሀ እወ

          ለ ኣየምስልን እየ

          ሐ ሓደ ሓደ ጊዜ

 

  1. 7.ንብጻይካ/ኪ እናሰማዕካ/ኪ ከሎኻ/ኺ ናይ ከባቢኹም ድምጺ ንሓስብኩም ስለ ዝወስዶ ንምስማዕ ትሽገሩ ዶ? 

         ሀ እወ

         ለ ምንም ኣየሸግረንን እዩ

         ሐ ሐደ ሓደ ጊዜ 

 

ናይ ቃላት ሓይሊ 

ኣብ ምዝርራብ እንጥቀመሎም ቃላት ንምህናጽን ንምፍራስን ዓቢ ተራ ኣለዎም። "ስልጣን ሞትን ህይወትን ኣብ መልሓስ እዩ ዘሎ ዘፍቅርዋ ድማ ፍሬኣ ይበልዑ" ይብል ኣብ ምሳሌ 18፣21። " ኩላትና ብብዙሕ ነገር ንስሕት ኢና እሞ ሓደ ብቓል ዘይስሕት እንተሎ ንሱ ንብዘሎ ስጉኡ ዝለጉም ዝከኣሎ ብቑዕ ሰብኣይ እዩ" ያቆ 3፣2-10። 

ያቆብ ካብ ኣፍና ንዝወጽእ ናይ ቃላት ሓይሊ ምስትን ዓበይቲ መራኽብን ኣፍራስን ዝቆጻጸር ልጓምን ስካንን ብምውድዳር ካብ ኣፍና ዝውጹ ቃላት ማዕረ ኽንደይ ንመንፈስናን ንሓሳብናን ንስጋናን ንምልዋጥን ንምትእስሳርን ሓይሊ ከምዘለዎም ብምግንዛብ ኣብ ኣዘራርባና ጥንቃቐ ክንገብር ከም ዝግባኣና ይምዕደናን ይምህረናን። 

ብፍላይ ኣብ ያቆብ 3፣8 ማንም ንልሳን ክገዝኣ ከም ዘይከኣለ ይዛረበና። ዘይተገዝረ መልሓስ መዓረ ኽንደይ ሓደገኛ ምዃኑ ንምግላጽ "ልሳን ሓዊ እያ" ኢሉ ገሊጽዋ ኣሎ። ስለዚ ድማ ሓዳር መታን ከይባላሾን ካብ እግዚኣብሄር ዝተዋህበና ሰናይ ነገር ድማ መታን ከይዓኑ ሰብኣይን ሰበይትን ወትሩ መልሓሶም ክገዝሩ ሓላፍነት ከም ዘለዎም ክርድኡን ክፈልጡን ይግባእ።

 

 

ንገዛእ ርእስኹም እትፍትሹሉ መንገድታት 

  1. 1.ኣብ ውሽጢ ሓዳርኩም ናይ ምዝርራብ ክእለት ደረጃኹም ብትኽክል ዝገልጽ ኣስምርሉ 

        ሀ ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ስለ ዘሎ ምምሕያሽ ኣየድልዮን እዩ።

        ለ ጽቡቕ እዩ ግና ብዙሕ ምምሕያሽ የድልዮ እዩ።

        ሐ ካብቲ እንደልዮ ንታሕቲ እዩ።

        መ ዝቕጽል ኣይመስለናን ተስፋ ዘቑርጽ እዩ።

 

  1. 2.ምስ ናይ ሓዳር መጻምድትኹም ዘሎኩም ናይ ምዝርራብ ወይ ናይ ኰምኒኬሽን መስርሕ ንምዕባይ ክጠቕሙኹም ዝኽእሉ ባኣታታ እንተለዉ ሓቢርኩም ንምዝታይ ድሕር ኣይትበሉ። ናይ ምዝርራብ ብቕዓትኩም ንምዕባይ ድማ ሓቢርኩም ተጋደሉ። 
  1. 3.እቶም ናይ ምዝታይ መንፈስ ይሕጉዙ እዮም ዝበልክዎም ሓሳባት ካብ ሎሚ ጀሚርኩም ኣብ ግብሪ ንምውዓሎም ወስኑ። 
  1. 4.ቆጸራ ብምሓዝ ድማ ምስ ናይ ሓዳር ብጻይኩም ኣብ ግብሪ ተውዕልሉ መዓልቲ ወስኑ። ነታ መዓልቲ ውሳኔ ድማ ኣብ መዝገብ ኣስፍርዋ። 
  1. 5.ኣብታ ዝወሰንኩምላ መዓልቲ ምስ ናይ ሓዳር መጻምድትኹም ሓቢርኩም ብዛዕባ ዘለኩም ናይ ምዝርራብ ደርጃ ኣብይ ከም ዝበጽሐን እንታይን ከመይን ከምዚ መስል ብዑምቀት ተዛተዩ። 
  1. 6.እቲ መፍቲሒ ይኸውን እዩ ዝብልኩሞ ሓሳብ ምስ ናይ ሓዳር መጻምድትኹም ተዛተይሉ። 
  1. 7.እቲ ብዛዕባ ናይ ሓባር ናይ ምዝዝርራብ መንፈስ ከተማዕብሉሉ ዝኣትኹሞ ቃል ኣብ ግብሪ ንኸተውዕልዎ ሓቢርኩም ወስኑ። 
  1. 8.ነቲ ዘርኣኽምዎ ዕቤትን ደረጃን ንምግምጋም እትኽእሉሉ መዓልቲ ቁረጹ ቀጻልነት ክህልዎ ድማ ተጋደሉ።

 

ንናይ ሓዳር መጻምድትኻ ንምድጋፍ ዝሕግዝ ሜላ 

ንናይ ሰብኣይን ሰበይትን ሓዳር ሕብረት ዘባላሹውን ዘጠውልጉን ምኽንያታት ኣዚዮም ብዙሓት እዮም። ሓደ ሓደ ኣንስቲ ናይ ሰብኡተን ቁድስ ተግባር ብምትዕንቓፍን ብስሚዒት ድማ ናይ ላዕላዋይ ኢድ ሒዘን ክኸዳ ስለ ዝደልያ ኣብ ውሽጢ ሓዳረን ዓቢ ዕንቅፋት ይዀና እየን። እዚ ማለት ድማ ንዘለወን ጸገም ብዘተ ወይ ምዝርራብ ክፈትሕኦ ፍቓደኛታት ኣይኰናን ማለት እዩ። ሓደ ሓደ ድማ ድሕሪ ምምርዓወንን ቆልዓ ምውላደንን ገና እቲ ቐደም ኣብ ጊዜ ሕጸ ዝነበረን መንፈስ ስለ ዘይሓድገን ከም ቖልዓ ክሕንቅቓ ዝደልያን ኣቃባጥረለይ ኣናበላ ንሰብኡተን ዘጨንቓ ኣለዋ። ብዝዀነን ዘይኰነን ነገር ይሓርቃ ይኹርያ ይነጫነጫ። እዚ ድማ ነቲ ሓላፍነቱ ንምውጻእ ላዕልን ታሕትን ዝብል ሰብኣይ ዓቢ ዕንቅፋት ይዀኖ እሞ ኣብ ዓቢ ጭንቀት ክወድቕ ድማ ይገብሮ። 

ከምኡ ድማ ሰብኡት ከምዚ ዓይነት ጌጋ ብምግባር ነንስቶም ዝጐድኡ ኣለዉ። ንምሳሌ ዝኣክል ኣንስቲ ካብ ባህሪኤን ዝተላዕለ ቁሩብ ዘሕጉሰንን ዘጉህየንን ምዃኑ ዘንጊዖም ኣብቲ ጥንቃቐ ክግበረሉ ዝግብኦም ሓደ ሓደ ጉዳያት ሸለል ብምባል ንሰሚዒት ኣንስቶም ይጐድኡ። እቲ ኣዚዩ ንእሱን ቀም ነገር ድማ ዘይብሉ ዝመስል ነገር ንኣንስቲ ግና ዓቢ ትርጉም ከም ዘሎዎ ብዙሓት ኣሰብኡት እዮም ዝዝንጐዑ። ናይ ብዙሓት ኣንስቲ ስሚዒት ዝጉዳኣ ሰብኡት ጊዜ ወሲዶም ምስ ኣንስቶም ዘዕልልሉን ዝዛናግዑሉን ጊዜ ስለ ዘይብሎምን ከምኡ ድማ ነንስቶም ክዛረባ ከለዋ ቁም ነገር ከም ዘይብለን ጌሮም ወሲዶም ስለ ዘይሰሞዕወንን እዩ። እዚ ግና ናይ ሰብኣይ ጸገም ጥራይ ዘይኰነስ ዋላ ኣብ ኣንስቲ እውን ዝንጸባርቕ ባህሪ እዩ። 

ካልኣ ካብቲ ናይ ሰብ ሓዳር ርክብ ክዓግት ዝኽእል ምኽንያት ሓደ ኣብ መንጐ ዝርርብ ሓደ ነቲ ሓደ ብዝግባኣን ብጽሞናን ክንዲ ዝሰምዖ ክልቲኣቶም ናተይ ይብልጽ ናተይ እባ ይሓይሽ እናበሉ ኣብ ዘይረብሕ ናይ ሓሸውየ ውድድርን ከምኡ ድማ ሓደ ነቲ ሓደ ክስዕሮን ክስማዕን ስለ ዝደሊ እዩ። ክልቲኣቶም ብዙሕ ይዛረቡ እምበር እንታይ ከም ዝተዛረቡ ዘስተውዕል ኣካል የለን። ብዝግባኣ ዘይተዋደደን ዓላማ ድማ ዘይብሉ ምዝርራብ ናብ እስኺ እባ እስኻ እባ ናብ ዝብል መንፈስ ኣምሪሑ፣ ነቲ ሓንሳብ ዝተኸፍተ ናይ ምዝርራብ መንፈስ ምሉእ ብምሉእ ይርግጦ። 

ኣብ ውሽጢ ሓዳር ኣዚ ዓይነት ኣበሃህላን ኣቀራርባን ኣዚዩ ኣዕናዊ እዩ፣፣ ናይ ሓዳር ጠቢባንን ኣማኸርትን እቲ ቐንዲ ናይ ሓዳር ምፍራስ ዋና ምኽንያትን ቀዳማይን መበገሲኡ ኣብ መንጐ ሰብኣይን ሰብይትን ዝግበር ዝርርብ ግልጽነትን ቅንዕናን ዘይምህላውን ናይ ምዝታይ መንፈስ ዕላማ ድማ ብዝግባእ ዘይምርዳኣን ምዃኑ እዮም ዝገልጹ። እቲ ኣብ መንጐ ክልተ ተጻይ ጾታ ንዘመን ዕድሜኦም ሙሉኣ ዝምስርትዎ ናይ ሓዳር ምሕዝነት መሰረቱ ሓደ ኣብቲ ሓደ ብዘለዎ እምነት ጥራይ እዩ። ምትእምማን ዝፍጠር ድማ ስቕ ኢልካ ብተኣምር ዘይኰነስ እንታይ ድአ ብግልጽነትን ብተኣኣማንነት እዩ። ናይ ሓደ ሰብ መንነት ዝፍለጥ ብዘረብኡን ብዝህቦ ሓሳባትን እዩ። እዚ ነንሓድሕዶም ሓሳቦም ንምግላጽ ዝጥቀምሉ ስልቲ ወይ ሜላ ድማ ኣዚዮም ዓቢ ትኩረት ክህብዎ ይግባእ። 

ሰብኣይን ሰበይትን ሓደ ብዛዕባ እቲ ሓደ ሓፈሻዊ ፍልጠት ክህልዎ ይኽእል እዩ። እንተ ዀነ ሓደ ናይቲ ሓደ ህይወት ብዝግባእ ክፈልጦ እንተ ዀይኑ እቲ ዝዓበየ መቀራረቢ መንገዲ ወይ ድማ ድልድል ምዝርራብ ስለ ዝዀነ ሰብኣይን ሰበይትን ናይ ግድና ናይ ምዝታይ ወይ ምዝርራብ መንፈስ ከማዕብሉ ይግባእ።

 

ናይ ምዝርራብ ወይ ርክብ ዕንቅፋታት 

ብዙሓት ሰብኣይን ሰበይትን ተቓራሪብካ ናይ ምዝራብ ሜላ ስለ ዘይብሎም ሓቢሮም ክኸዱን ኰፍ ክብሉን ብጣዕሚ እዩ ዘሽግሮም። 

ስለምንታይ ኢና ምስ መጻምድትናን ናይ ሓዳር ብጻይናን ክንዛተን ክንዘራረብን ዘይንኽእል? ነዚ ብዙሕ ምኽንያታት ኣለዎ ንኣብነት ንምጥቃስ ጥራይ፣- 

  1. 1.ሓደ ሓደ ሰባት ካብ ዘለዎም ናይ ኣተዓባብያ ጸገም ዝተላዕለ ሓሳባቶም ንምግላጽ ዘይክእሉ ሰባት ኣለዉ። 
  1. 2.ሓደ ሓደ ድማ ሰብ ከ እንታይ ክብለኒ? እንታይ ከ ክግምተኒ? ስለ ዝብሉ ሓሳባትን ርእይቶን ክህቡ እናኸኣሉ ክነሶም ሰባት እንተ ዘይተቐበሉኒ ወይ ምሳይ እንተ ዘይተሰማምዑኸ ወይ ድማ ተቐየምክዎምከ ብዝብል መንፈስ ኩሉጊዜ ካብ ምዝራብ ስቕ ምባል ይመርጹ። እዚ ንገዛኣ ርእስካ ናይ ምክልካል ሜላ ይበሃል።ካብዚ ዝተላዕለ ድማ ናይ ሰብኣይን ሰበይትን ልቢ እናተረሓሓቐ ይኸይድ እሞ ንምቅርራብን ጸገሞም ንምፍታሕ ንዝነበሮም ተስፋን ድሌትን እንዛሕተለ ይኸይድ ኣብ መጨረሻ ድማ ምሉኡ ብምሉእ ይጠፍእ። 
  1. 3.ካልኦት ድማ ብፍላይ ኢቲ ሓደ ወገን ናይ ምዝርራብ ወይ ኰምኒኬሽን መንፈስ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ክምዕብል ብዙሕ ጺዒሩ ምስ ዘይሰልጦ ተዛሪበ ኣይተዛሪበ ለውጢ የለን ብማለት ገዛእ ርእሱ ካብቲ ናይ ምዝርራብ ወይ ናይ ርክብ መንፈስ ምሉእ ብምሉእ ይኣሊ። 
  1. 4.ገለ ገለ ድማ ንገዛእ ርእሶም ኣነኣኢሶም ስለ ዝርእይዎ ንናይ ሓዳር መጻምድቶም ዝህብዎ ሓሳብ ትርጉም ወይ ጥቕሚ ዘለዎ ዀይኑ ኣይስምዖምን። ብስነኪ እቲ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ዘለዎም ጉጉይ ኣረኣእያ ዝተላዕለ እቲ ሓደ ክዛረብ እንከሎ ሓስብ ወይ ርኢቶ ክህቡ ብጣዕሚ እዮም ዝሽገሩ። ብሓፈሻ ብርእሶም ስለ ዘይተኣማመኑ ንመንነቶም ክቕበሉ ኣዚዮም እዮም ዝሽገሩ።

 

እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ናይ ዝርርብ ወይ ኰምኒኬሽን ዕንቅፋታት ኣብ መንጐ ሰብኣይን ሰበይትን ዕዉት ዝዀነ ናይ ምዝርራብ መንፈስ ከይህሉ ዝዓግቱ ባእታት እዮም። እስከ ናብቲ ቀደም ዝሓለፍኩምዎ ናይ ሓዳር ህይወት ብዓይኒ ሕሊና ተመለሱ እሞ እቲ ኣብቲ እዋን እቲ ንናይ ምዝርራብ መንፈስኩም ከቋረጽ ዝገበርዎ ባእታትን ክትዝክሩ ፈትኑ። እቲ ቐንዲን ሓቐኛን ዝዀነ ንኸይትዘራረቡ ምኽንያት ዝኸነ እንታይ ምዃኑ እስከ ሕጂ ንሓድሕድኩም ተዘራረብሉ። 

ገዛእ ርእስኻ ምርኣይ። 

  1. 1.ካብዞም ኣብ ላዕሊ ዝርኣናዮም ነጥብታት ምስ ናይ ሓዳር ብጸይትኻ/ብጻይኪ ብምዃን ክትዘራረበሎም ወይ ክትዘራረብሎም ዝገብሩኻ ወይ ዝገብሩኺ ነገራት ኣየኖት እዮም? 
  1. 2.ካብ ቁጽሪ 1 ክሳብ 4 ተጠቂሶም ብዘለዉ ነጥብታት መሰረት ናይ ሓዳር ብጸይትኻ ወይ ብጻይኪ ሽግር ኣብይ እዩ?
  2. 3.ኣብዚ ትምህርቲ እዚ ካልእ ተውሳኺ ናይ ዝርርብ ወይ ኰምኒኬሽን ጸገም ኣሎ ትብሉ እንተ ዀይንኩም ኣብ ወረቐት ጸሓፍዎ። 

ኣርባዕተ ደረጃታት ናይ ምዝርራብ ወይ ኰምኒኬሽን 

ሰብ ሓዳር ንፍቕሪ ክብሉ እንተ ተመርዕዮም ስለምንታይ እዮም ናይ ውሽጢ ስሚዒታቶምን ድሌታቶምን ንሓድሕዶም ዘይገላለጹ? ናይ ስነ ዝርርብ ወይ ድማ ናይ ኰምኒኬሽን ምሁራት ከም ዝነጉሩና ኣብ መንጐ ሰብኣይን ሰበይትን ዝግበር ናይ ምዝርራብ ወይ ናይ ምዝታይ ሃዋህው ኣርባዓተ ደረጃታት ከም ዘጠቓልል እዮም ዝዛረቡ። እዚ ናይ ምዝርራብ ወይ ድማ ኰምኒኬሽን ደረጃታት ድማ ካብ ሰላምታ ጀሚሩ ናብ ብእምነት ዝግበር ዕምቑ ዝበለ ምዝርራብ ከይዱ ክሳብ ናይ ውሽጢ ድሊትካን ስሚዒታትካን እትገልጸሉ ደረጃታት ኣለዎ። 

ኣቕድም ኣቢልና ከም ዝረኣናዮም ኣብ መንጐ ሰብኣይን ሰበይትን ዑምቀት ዘለዎ ምዝርራብ ከይህሉ ዝዕንቁፉ ነገራት ከምእኒ ፍርሒ ከይብሉኒ እንታይ ገዲሱንን ናይ ትሕቱነት ስሚዒታትን እዮም። ካብዞም ንዕቤት ዝዕንቅፉ ንገራት ዝተላቐቑ ሰብ ሓዳር ሕብረቶምን ሓድነቶምን ናብ ዕቤትን ዕግበት ናብ ዝረክብሉ ፍቕሮም ናብ ዝልምልመሉ ናብቲ ልባዊ ዝዀነ መንገዲ ክጓዖዙ ይኽእሉ እዮም። 

  1. 1.ልምዳዊ ወይ ክላሽ ዝዀነ ዝርርብ ወይ ዘተ፣- ኣብዚ ናይ መጀመርያ ደረጃ ዝርርብ እዚ ተዛተይቲ ሰብኣይን ሰበይትን ናይ ማንም ህይወት ከይተንከፉ ኣብ ነናቶም መጋረጃ ብምዃን ዝገብርዎ ዝርርብ ኰይኑ፣ ከምይ ሓዲርካ ከመይ ሓዲርኪ ደሓን ዲኻ ደሓን ዲኺ ኣበይ ደኣ ጸኒሕካ ኣብይ ደኣ ጸንሒኪ ካብ ምብህሃል ዘይሓለፍ ምዝታይ ወይ ዝርርብ እዩ። 
  1. 2.ዝሰምዕዎን ዝረኣይዎን ነገር ሪፖርት ምግባር፣- 
  1. 3.ግላዊ ዝዀነ ርእይቶ ዝዋሃበሉ ደረጃ፣- ሰብኣይን ሰበይትን ካብ ዘለውዎ መጋረጃ ወጺኦም ጥንቃቐ ብዝተመልኦ ኣገባብ ሓደ ነቲ ሓደ ግላዊ ርእይቶ ዝህበሉ መድረኽ እዩ። ኣብዚ ፈተነ እዚ እቲ ርእይቶ ዝህብ ሰብ እንተ ድኣ ተቐባልነት ዘይረከበ ወይ ድማ ዘይተሰምዐ ኰይኑ ኣንተ ተሰሚዕዎ እቲ ብቕጽበት ዝገብሮ ነገር ከምታ ድሙ ዝረኣየት ኣንጭዋ ቐልጢፋ ናብ ጉድጓድ እትኣቱ ንሱ ድማ እቲ ዝወስዶ ቕጽበታዊ ስጉምቲን ናይ መጨረሻ ውሳኔን ብቕልጡፍ ናብ ናይ ስቓት ዓለም እዩ ዝኣቱ። ኣብዚ ሃዋህው ድማ ነቲ ዝርርብ ወይ ዘተ ንምቕጻል ሓይሊ የብሉን። 
  1. 4.ብምትእምማንን ብግልጽነትን ዝግበር ናይ ምዝርራብ ወይ ናይ ምዝታይ መድረኽ፣- እቲ ናይ መጨረሻ ናይ ምዝርራብ ወይ ኰምኒኬሽነ ደረጃ ድማ ሰብኣይን ሰበይትን ነቲ ዘተኣሳሰሮም ናይ ፍቕሪ ዓላማ ንምዕባይ ንሓድነቶምን ሕብረቶም ንምድንፋዕ ይጠቅም እዩ ዝበልዎ ኩሉ ናይ ውሽጢ ስሚዒታቶምን ድሊታቶምን ከይሓብኡ ብግልጽነት ዘካይድዎ ናይ ምዝርራብ ወይ ኰምኒኬሽን ደረጃ እዩ። ናብዚ ደረጃ ንምብጻሕ ምናልባት ሓደ ሓደ ጊዜ ነቲ ግልጽን እሙንን ዝዀነ ሰብ ገለ ዕንቅፋት ከጓጥሞ ይኽእል እዩ። እንተ ዀነ ኣብ ውሽጢ ሓዳር ግልጽነትን ሓቀኛ ዝዀነ ምትእምማን እንተ ዘየለ ከምቲ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣብ ማቲዎስ 19፣6 ዝበሎ "ደጊም ሓደ ስጋ እዮም እምበር ክልተ ኣይኰኑን" ዝብሎ ቃል ክውን ክኸውን ስለ ዘይክእል ብርቱዕ ጻዕሪ ክገብሩ ይግባእ።

 

ካብዞም ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮም ናይ ምዝርራብ ወይ ኰምኒኬሽን ደረጃታት ኣበየናይ ደረጃ ከም ዘለኹምሲ ትፈልጥ ዶ? ገና ኣብቲ ራብዓይ ደርጃ እንተ ዘይበጻሕኩምሲ ኣብኡ ንኽትበጽሑ እንታይ ክትገብሩ ይግባኣኩም? 

እስከ ንምዝርራብ መታን ክጥዕመኩምሲ በዞም ኣብ ታሕቲ እንጠቕሶም ነጥብታት ተዛተዩ። 

ሀ ኣብቲ ራብዓይ ደረጃ ምስ መጻምድትኹም ክትዛተዩሉ ዝደለኹም ነጥብታት ኣብ ወረቐት ጸሓፍዎ። 

ለ ኣብቲ ራብዓይ ደረጃ ከይትዛተይሎም ዝደለኹም ኣርእስቲ እንድሕር ሃልዮም ኰይኖም እቶም ነዚኦም ከይትዛተይሎም ዝኽልክልኹም ባእታት እንታይ እዮም? 

ሐ. ኣብቲ ራብዓይ ደረጃ በጺሕኩም ብግልጺ ክትዘራረብሎም ዘለኩም ነጥብታት ምስ ናይ ሓዳር መጻምድትኹም ሓቢርኩም ጸሓፍዎ። 

መ. ነዚ ሽግር መፍቲሕኡ እንታይ እዩ ኢልኩም ትሓስቡ? ምስ ናይ ሓዳር ብጻይኩም ናብዚ ደረጃ ንምብጻሕን ብዕምቀት ንምዝርራብ ዘኽእሉኹም መፍቲሒታት ድሕሪ ምዝርዛርኩም ምስ ናይ ሓዳር ብጻይኩም ሓቢርኩም ተዛተይሉ።

 

ናብ ግልጽን ፍጹምን ዝዀነ ዝርርብን ወይ ኰምኒኬሽን ንምብጻሕ ዝሕጉዙና ናይ መፍቲሒ ሓሳባት 

ንምዃኑ ሰበይቲ ንሰብኣያ ሰብኣይ ድማ ንሰበይቱ ብምሉእ ልቦም ዝፈትውዎን ናይ ልቦም ኩሉ ዝነጋገሩን እንታይ እንተዀይኖም እዩ? 

ሓደ ሰብ ንኻልእ ሰብ ቅድሚ ምፍቃሩ ኣቐዲሙ ንገዛእ ርእሱ ፍቕሪ ዘለማመደ ክኸውን ኣለዎ። ቅድሚ ኣቐዲሙ ንኻልእ ምፍቃሩ ንገዛኣ ርእሱ ከም ዘፍቅር ኣቐዲሙ ርግጸኛ ክኸውን ይግባእ። ሓደ ሰብ እንተ ደኣ እቲ ሓቀኛን ኩነታዊ ዘይኰነ ፍቕሪ ክርስቶስ ከይተለማመደ ከመይ ጌሩ እዩ ንገዛእ ርእሱን ንናይ ሓዳር መጻምድቱን ከፍቅር ዝኽእል? እቲ ንገዛእ ሰበይቱ ዘፍቅር ንገዛእ ርእሱ ድማ የፍቅር። ኤፈ 5፣28 ኣምላኽ ፍቕሪ ስለ ዝዀነ እቲ ዘፍቅር ድማ ካብ ኣምላኽ ስለ ዝተወልደ ንኣምላኽ ይፈልጦ ንሓድሕድና ድማ ንፋቐር። 1ዮዉ 4፣7-8 " ፍርሃትሲ ስቓይ እያ እተምጽእ እቲ ዝፈርህ ኸኣ ብፍቕሪ ፍጹም ኣይኰነን እታ ፍጽምቲ ፍቕሪ ግና ንፍርሃት ተባርራ ደኣ እምበር ኣብታ ፍቕሪስ ፍርሃት ይልቦን" 1ዮው 4፣18።

ክርስትያናት ሰብኣይን ሰበይትን ዉሉድ ኣምላኽ ዝዀኑ ምሕረትን ይቕሬታን ድማ ዝተገብረሎም ጽቡቕ ግብሪ ሃልይዎም ዘይኰነስ እንታይ ድኣ በቲ እቲ ንሓጥያተኛ ዘፍቅር ወዱ የሱስ ክርስቶስ ዝተረኽበ ናይ ምሕረት ስራሕ እዩ። ሓጢያተኛ ሰብ ብኣምላኽ ዘፍቱን ምሕረት ዘግብርን ተግባር ምንም ነገር የብሉን። ንሱ ዝደሓነ ካብ ናይ ኣምላኽ ምሕረት ዝተላዕለ ጥራይ እዩ።

 

ብዙሓት ሰብኡትን ኣንስትን ግና ኣብ ነንሕድሕዶም ብዝሑ ባህ ዘብል ነገር ከለዎም ናኣሽቱን ዘይጠቕሙን ነገራት ንዘለዎም ፍቕሪ ስለ ዝሸፈኖ ንሓድሕዶም ምሽኽኻም ተሳኢንዎም ካብ ሰላምን ሓጐስን ሪሒቖም ይነብሩ።

ናይ ዝሓለፈ ክፋላት ንምክትታል ነዞም ኣብ ታሕቲ ዘለዉ ሊንክታት ጠውቑ

ዉሕስነት ሓዳር ቀዳማይ ክፋል

ዉሕስነት ሓዳር ካልኣይ ክፋል

 

 ብዳታን ወዳጁ

ትርጉም ብኣገልግሎት ኤሪ ወንጌል