23
Tue, Apr
0 New Articles

ዉሕስነት ሓዳር 2ይ ክፋል

Marriage & Relationships
Typography

ናይ ሓደ ጊዜ ዕድል!  ቃል አምላኽ ከም ዝሕብረና ናይ ሰብ ዕድመ አብዛ ምድሪ ሱሳ ወይ ሰበዓ ተበዝሐ ድማ ሰማንያ ምዃኑ እዩ ዝነግረና:: ናይ ሰብ ምድራዊ ዕድመ ዘመኑ ምስቲ አብቲ ሰመያዊ ናይ አምላኽ መንግሰቲ ዝነብሮ ዘመን ክወዳደረ እንከሎ ብፍጽም ክነጻጸር አይክእልን እዩ::ብሓጺሩ ጊዚያውን ዘልአለማውን እዩ ዝብል ቃል ነቲ ፍልልይ ብዝግባእ ይገልጾ መስለኒ:: "ንስኻትኩም ነቲ ጽባሕ ዚኸውን አይትፈልጡን ኢኹም:: ህይወትኩም ድአ እንታይ እያ? ንቑሩብ ጊዜ ተራእዩስ ደሓር ዝበንን ትኪ ኢኹም:: ጐይታ እነተፈቀዶ ንሕናውን እንተ አሊና እዚ ወይስ እቲ ክነገብር ኢና አብ ክንዲ ምባልሲ ሕጂ ግና ብምጃሃርኩም ትምኩሑ አሎኹም ከምዚ ዝበለ ትምክሕቲ ኽፉእ እዩ" ያቆ 4፣14-16::

ካብዚ ናይ ሃዋርያ ያቆብ አበሃህላ ብዙሕ እንማሃሮን እነስተውዕሎን ነገር አሎ:: እቲ አብዚ ዘሎ ቀንዲ ቁም ነገር ናይ ሰብ ዕድመ ሓጸርቲ ምኻነን ጥራይ ዘይኰነስ ዝውዳአሉ ሰዓትን መዓልትን ዘይንፈልጦ ምዃና እዩ:: ሰባት ንግዚኦም አብ ትዕቢትን ኩፊእ ምሕሳብን ከሕልፍሉ ዝክእሉ እኹል ጊዜ ከም ዘይብሎም ካብዚ ጽሑፍ ክንርዳእ ንኽእል::            

እቲ ቐንዲ ዋና ዓላማ አምላኽ ንሰባት አብዛ ምድሪ አብዘን ሓጸርቲ ዘመን ህይወቱ ብሰላም ብሓጐስ ብፍቕሪ ዕድመ ሀይወቱ ንምፍጻም እዩ:: አብ ህይወቱ ትርጉም ዝህቦ ጉሩምን ድንቀን ዝዀነ ናይ ሓዳር ሀያብ ድማ ሂብዎ:: ሰብ አብ ናይ ሓዳር ዓለም ዝጸንሐለን ጊዚያት 20 ተሓለፈ ድማ 30ን40 ዓመታት እየን:: እሞ ድአ አብ'ዘን አምላኽ ንሓደ ጊዜ ወይ ድማ ንሓጺር ጊዜ ክሕጐሰሉ ዝሃቦ ሓዳር ስለምንታይ እዩ ምስ መጻምድቱ ብሰላምነ በፍቕርን ከነብር ዘይክእል?

ሓደ ሰብ ኣብ ባንኪ ናይ ገንዘብ ሕሳብ እንተ ኸፊቱ እሞ ድማ ወለዱ ክዓብየሉ እንተ ደልዩ ናይ ግድን እዩ ኣብ ሕሳቡ ቀጻሊ ገንዘብ ከእቱ ዘለዎ። ብኡ እኳ ድማ እዩ መኽሰቡ ከኻዕብት ዝኽእል። ሓዳር ድማ ልክዕ ከምኡ እዩ። ኣብ ልዕሊ ናይ ሓዳር መጻምድትና እነርእዮ ሓልዮትን ፍቕርን ምግዝዛእን ንዓና ተመሊሱ ዝህበና መኽሰብ ካብቲ ዝሃብናዮ ንላዕሊ ዕጽፊ ኰይኑ እዩ ዝመጸና።

ሓደ ሓደ ሰባት ናይ ባንኪ ሕሳብ ይኸፍቱ እሞ ነቲ ናይ መጣራቐሚ ሕሳብ ወረቐት ጥራይ ሒዞም ኰፍ ይብሉ። እቲ ሓንሳብ ዘቐመጥዎ ገንዘብ ወለዱ ስለ ዘይውስኽ ብዘይመኽሰብ ናይ ባንኪ ሕሳብ ወረቐት ጥራይ ሒዞም ይተርፉ። ልክዕ ከምኡ ኣብ ውሽጢ ሓዳሮም ዝልግስዎን ዘቐምጥዎን ፍቕሪ እንተ ዘየለ ኣብ ነንሕድሕዶም ከኣ ሓልዮት እንተ ዘይኣርእዮም ሓደ ካብቲ ሓደ ዝጽበዮ መኽሰብ ወይ ትርፊ ስለ ዘየለ ሓዳሮም ልክዕ ከምቲ መኽሰብ ወይ ወለድ ዘይብሉ ናይ ባንኪ ሕሳብ ኰይኑ እዩ ዝተርፍ። ዝጠፈሸን ህይወት ዘይብሉን ሓዳር ድማ ኣዚዩ ኣሰልቻውን ኣድካምን ስለ ዝኸውን ምድራዊ ህይወቶም ኩሉ ትርጉም ዘይብሉ ይኸውን። ነዚ ኸኣ እዩ በቲ ዝተዋህቦም ዕድል ተጻዊቶም ክበሃል ዝካኣል።

ሓንቲ ሰብይቲ ክዛረባ ከለዋ "ንሕና ኣንስቲ ኣብ ሓዳርና ናትና ዝዀነ መልክዕ የብልናን ከም መስትያት ኣጉሊሕና እነርእዮ ምስሊ ናይ ሰብኡትና ሃዋህው እዩ። ሰብኡትና ፍቕሪ ከርእዩና ከለዉ፣ ጥዑም ቓላት ምስ ዝዛረቡና፣ ብሩህ ገጽ እንተ ኣርእዮምና፣ ካብ ሓጐስና ዝተላዕለ ኣስናን ጥራይ ዘይኰነ ዝስሕቕሲ ገጽና ከይተረፈ እዩ ከም ጸሓይ ብርሃን ዝበርህ። ኩፉእ ነገር ክንሪኢ ከሎና ግና ከምቲ ደበና ንሰማይ ዝሽፍኖ ልብና ድማ ብሓዘን ይጽልምት። ስለዚ ሰብኡት ብዛዕባ ናይ ኣንስቶም መንነት ክርድኡ ይግባእ" ኢለን ተዛሪበን። ይኹን ኣምበር ሰብኡት ጥራይ ዘይኰኑ ኣንስቲ እውን ከይተረፋ ሓዳረን መታን ዉቅቡን ሕጉስን ክኸውን ክሳተፋ ይግባእ።

ሓዳር ኣብ ዉሽጡ ተቐዲሑ ዘይውዳእ ኩቡር ዝዀነ ሃብቲን ማዕድንን ዘለዎ ናይ ኣምላኽ ቡሉጽ ህያብ እዩ። እዚ ተፍጥራዊ ዝዀነ ሃብቲ ናይ ብሕትኻ ጌርካ ክታሓዝ ዝከኣል ብፍቕሪ ጥራይ እዩ። ፍቕሪ ብዙሕ ኣበሳ እያ ትሽፍን። ፍቕሪ ነቲ ቃልቃል ዝብል ሃልሃልታ ሓዊ እያ ተጥፍእ። ፍቕሪ ንምድረበዳ ተለምልም እያ። ነቲ ሓያል ድማ ትገዝእ እያ። ነቲ ክፍኡ ናብ ሰናይ ነቲ መሪር ድማ ናብ ምቁር ናይ ምቕያር ሓይሊ ዘለዋ መንፈሳዊ መሳሪሒት እያ። ፍቕሪ መሰረት ሓዳር እያ። ፍቕሪ እንተ ዘየለ ሓዳር የለን።

እዚ ንሓደ ጊዜ ጥራይ ዝተዋህበ ዕድል ገነት ወይ ሲኦል ናይ ምግባሩ ሓላፍነት ኣብ ኢድ ሰብኣይን ሰበይትን እዩ ዘሎ። ናይ ሓዳር ዓላማ ኣብ ሸትኡ ክበጽሕ እንተ ተደልዩ ነፍሲ ወከፍ ተጻመድቲ ነናቶም እጃም ከበርክቱ ይግባእ እምበር ተኣምር ክጽበዩ ኣይግብኦምን ከመይሲ ኣብቲ ፍቕሪ ዘለዎ ኣብኡ ኩሉጊዜ ኣምላኽ ኣሎ። ኣብቲ ኣምላኽ ዘለዎ ድማ ኣብኡ ኩሉ ሰናይ ነገር ኣሎ እቲ ሓዳር ድማ ውሕስነት ዘለዎ በረኸትን ሰላምን ዝመልኦ ክኸውን ናይ ግድን ፍቕሪ ክህሉ ኣለዎ። ኣብቲ ፍቕሪ ዘለዎ ኣግዚኣብሄር ኣብኡ ደው ይብል እዩ።

ኣብ ውሽጢ ሓዳር ቀጺሎም ተኻፈልቲ በረኸት ዝዀኑ ካብ ኣብራኽ ክልቲኣቶም ዝወጹ ሕጻናት እዮም። ብኻልእ መዳይ እንተ ርኢናዮ ገለገለ ኣንስቲ ሰብ ሓዳር ካብ ሰብኣየን ኣቢልጸን ዝከናኸንኦምን ፍቕሪ ዘርኢኦምን ንዉልደን እዩ። እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ ሰብን ብፍጹም ተቐባልነት ዘይብሉ ነገር እዩ። ዉሉድ ፍጹም ዝዀነ ሓጐስን ሰላምን ዝረኽቡ ስለ ዝበልዑ ወይ ስለ ዝተኸድኑ ጥራይ ኣይኰኑን እንታይ ድኣ እቲ ዝበለጸ ዕጋበቶም ናይ ወለዶም ፍጹም ፍቕሪ ምስ ዝረኽቡ ጥራይ እዩ። ነዚ ድማ እዩ ኣቦታት ዉልድኩም ብኣኹም ባህ ክብሎም ምስ እትደልዩ ነዴታቶም ኣፍቅርወን ተባሂሉ ዘሎ።

በዚ ኣጋጣሚ ብዛዕባ ሓደ ቤተሰብ ተልዓልኩ ደስ ይብለኒ። እቲ ሰብኣይ ዝተማህረ ሰሪሑ ዝኣቱ ቤቱ ብዝግባኣ ዘመሓዳድር እዩ ዝነበረ። ሰበይቱ ድማ ስራሕ ዘይነበራ ኣብ ገዛ ከፍ ኢላ ዉሉዳ ተዕቢ እያ ዝነበረት። እዛ ሰበይቲ ካብቲ ሰብኣያ ንናይ ወርሒ ቀለብን ኣስቤዛን ዝሃባ ገንዘብ እናጉደለት መስተ ትሰቲ ነበረት። ድሕሪ ብዙሕ ጊዜ ድማ ግዝእቲ ናይ መስተ ስለ ዝዀነት ኣብ መንጉኣን ሰብኣያን መዓልታዊ ባእስን ጭቕጭቕን ኰነ። ካብዚ ዝተላዕለ ሰብኣያ ንሰበይቱ ዝነበሮ ፍቕሪ ክጐድል ምስምማዕ ክጠፍእ እቶም ዉልዶም ከስተውዕልሉ ጀመሩ። ድሕርዚ ሓደ ጊዜ ወዶም ንኣቡኡ ብሓደ ቁም ነገር ከዕልለካ ደሌየ ስለ ዘለኹ ኢሉ ናብ ሓደ ግልል ዝበለ ቦታ ወሰዶ። ክልቲኣቶም ኰፍ ምስ በሉ ከምዚ ኢሉ ክዛረቦ ጀመረ።" ስማዕ እሞ ኣቦይ" ኣቡኡ ድማ ድላይካ ተዛረብ እዛ ወደይ ክሰምዓካ እየ በሎ። "ኣብ መንጐኻን ኣብ መንጐ ማማን ዘሎ ርክብ ንርእዮ ኣሎና ኢና። ሓቂ እዩ ማማ ገንዘብ ከም ተባኽን ከም ትሰክር ንፈልጥ ኢና። ካብዚ ዝተላዕለ ድማ ኣብ መንጐኹም ፍቕርን ምስምማዕን ከም ዝጠፈኣ ከም ቀደምካ ድማ ትከናኸና ስለ ዘየለኻ ኣብ ናይ ህይወት ኣዴና ምጉስቓል ንርኢ ኣሎና። ንኣዴና ንስኻ እኳ እንተ ጸላእኳያ ንሕና ግና ንፈትዋ ኢና። ንዓኻ እኳ እንተ ዘይጠቐመት ንዓና ግና ትጠቕመና እያ። ክትንዕቓ ኣይንደልን ኢና። ከም ቀደምካ ተኸናኸና ሕሰበላ" በሎ። እቲ ኣቦ  ንወዱ ይቅሬታ ሓቲቱ ነቲ ዝወደቐ ሓዳሩ ከተንስእ ስርሐይ ኢሉ ተታሓሓዞ። እዚ ዘርእየና  ሰብኣይን ሰበይትን ንዕኦም ጥራይ ዘይኰኑስ ኣብ ህይወት ውሉዶም እውን ከይተረፈ ዓቢ ጽልዋ ከም ዘለዎም ተረዲኦም ንሓድሕዶም ክፋቐሩን ክተሓላለዩን ይግብኦም።

ኣብዛ ምድሪ ብሓጐስ ክነብሩሉ ዝተዋህቦም መድረኽ ብስንኪ ዝተፈጥረ ጌጋ ነቲ መጋረጃ ክዓጽውዋ ዘይኰኑስ ደጋጊሞም እናጻዓሩ ንምሕዳስ ሓዳሮም ክጋደሉ ይግባእ። እዚ ንምግባር ከኣ ካብ ኣምላኽ ዝተቐበልናዮ ሓደራን ሓላፍነትን ምዃኑ ክንርዳኣ ኣሎና። ሓደ ናይ ሓዳር ትርጉም ዝተረደኦም ኣቦ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ሰበይቶም ዝነበሮም ፍቕሪ ክገልጹ ከለዉ ከምዚ ይብሉ "ሰበይተይ ጥራይ ባህ ይበላ እምበር ንገዛይ እንዳ ከብቲ ተገብርክዎ ግዲ ኣይብለንን እዩ"። ስለዚ እምበኣር እዚ ንሓደ ጊዜ ጥራይ ዝተዋህበና ዕድል በኣገባብ ክንጥቀመሉ ዓቢ ጥበብ እዩ።

ብዝሑን ተባዝሑን

እግዚኣብሄር ንሰብ ከም መልክዑን ከም ስሉን ምስ ፈጠሮ "ብዙሑን ተባዙሑን ንምድሪ ድማ ምልእዋን ግዝእዋን ኢሉ ባረዀም" ዘፍ 1፣28። ሎሚ ንቡዝሕ ሓዳር ምፍራስ ኰይኑ ዘሎን ሰብኣይን ሰበይትን ድማ ሕቖ ንሕቖ ተዋሃሂቦም ክድቅሱ ዝገብር ዘሎ ቀንዲ ምኽንያት ነዚ ብዙሑን ተባዙሑን ዝብል ጥቕሲ ከም ናይ ሕጊ ሜዶንን ፋርስን ጌሮም ብጥርኡ ይወስዶዎ ስለ ዘለዉ እዩ።

ኣዳምን ሄዋንን ክባረኹ ከለዉ ክበዝሑ ጥራይ ዘይዀንስ እንተላይ ንምድሪ ክገዙኡ እዩ። ነታ ዝነበረት ገዛፍ ዓለም ዝገዙኡ ዝነበሩ እቶም ናይ ፈለማ ቤተሰብ ዝነበሩ ሰለስተ ኣወዳትን ሓንቲ ጓልን (ኣብቲ እዋን ክንደይ ኣዋልድ ከምዚ ነበራ ብወግዒ ኣይተገልጸን) ከምዝነበሩ መጽሓፍ ቅዱስ ይገለጸልና። ካብቶም ዝነበሩ ስለስተ ኣወዳት ድማ ኣቤል ብሓዉ ቃየል ከም ዝተቐትለ መጽሓፍ ቁዱስ ይነግረና። እሞ ድኣ ኣዳምን ሄዋንን ምስቶም በጻብዕቲ ዝቑጸሩ ዉሉዶም ኰይኖም ንዓለም መሊኦምን ገዚኦማን ኔሮም ማለት ድዩ? 

ኣብርሃም ኣብቲ በይኑ ብዘይ ዉሉድ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣምላኽ መጺኡ ከምዚ ኢሉ ባሪኽዎ "እንሆ ኸኣ ቃል እግዚኣብሄር ናብኡ መጸ ከምዚ ድማ በሎ ንግዳም ኣውጺኡ ድማ ንሰማይ ጠምት ምቑጻሮም እትኽእል እንተኰንካ ኰዋኽብቲ ሰማይ ቑጸሮ በሎ ዘርእኻውን ከምኡ ክኸውን እዩ ኣህዛብ ምድሪ ድማ ብኣኻ ክባረኹ እዮም"። ኣብርሃም ከኣ ኣብ መበል ሚኢቲ ዓመቱ ንኢሳቕ ወሊዱ ካልኦት ድማ ካብ ካልእ ዝወለዶም ቁሩባት ዉሉድ ነበርዎ። ስለዚ እግዚኣብሄር ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ከብዛሓካ እየ ክብሎ ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ?

"ኣምላኽ ድማ ኣነ እቲ ኩሉ ዝኽእል ኣምላኽ እየ ፍረን ብዙሕ ህዝብታት ካባካ ኺመጹ እዮም ነገስታት ከኣ ካብ ሕቖኻ ኪወጹ እዮም" ዘፍ 35፣11 ኢሉ ንያቆብ ተዛረቦ። ያቆብ 12 ዉሉድ ከም ዝነበርዎ ንሳቶም ድማ ካብ ኣርባዕተ ኣንስቲ ዝተወልዱ ምንባሮም መጽሓፍ ቁዱስ ይነግረና። ናይ ያቆብ ቤተሰብ ስፍሓት ዝነበሮ እኳ እንተ ነበረ ንሳቶም ጥራይ ግና ንምድሪ ከገዝእዋ ኣይክእሉን እዮም። ሕዝብን ኣህዛብን ካባኻ ከውጽእ እየ ክብሎ ከሎ፣ ንናይ መጻኢ ተስፋ እዩ ዘመልክት ዝነበረ። እምበኣር ካብዚ ተበጊስና ኣግዚኣብሄር ንኣዳምን ንሄዋንን ብዝሑን ተባዝሑን ክብሎም እንከሎ ንሳቶም ጥራይ ክልተ ቖልዑ ወሊዶም ነዛ ምድሪ ሰብ ብሰብ ክገብርዋ ጥራይ ዘይኰንስ እንታይ ድኣ እቲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ኣዳም ዘቐመጦ ናይ ዘሪኢ በረኸት በዚሑ ንመጻኢ ምድሪ ብሰብ ተሸፊና ከምዚ ሎሚ ንርእዮ ዘሎና ዘርኢ ሰብ እምብዛ ዓብዩ በቲ ኣምላኽ ንሰብ ዝሃቦ ጥበብ ንምድሪ ከማሕድርዎን ክገዝእዋን ከም ዝኽእሉ ንምሕባር እዩ። 

ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ 15 ሓደ ዛንታ ነንብብ። ኣብቲ ጳውሎስን ባርናባስን እናዘሩ ወንጌል ዝምህርሉ ቦታ ገለ ሰባት ነቲ ናይ ጸጋ ወንጌል ናብ ሕጊ እቲ ናይ ናጽነት ወንጌል ድማ ናብ ናይ ሃይማኖታዊ ማእሰርቲ እቲ ናይ ዕረፍቲ ወንጌል ድማ ናብ ናይ ሰቓይን ጭንቀትን እናለወጡ ንሰባት ክግዘሩን ሃይማኖታዊ ናይ ሕጊ ስርዓታት ድማ ክገብሩ ዝምህሩ ሰባት ኔርም። 

እዚ ጉዳይ እዚ ድማ ንጳውሎስን ንባርናባስን እምብዛ ስለ ዘተሓሳሰቦም ምኽሪ ንምሕታት ናብቶም ኣብ ዮርሳሌም ዝነበሩ ሽማግሌታት ከዱ ዘጋጠሞም ጸገም ድማ ኩሉ ነገርዎም። እቶም ሕግን ናይ ወንጌል ጸጋን ሓዋዊስካ ምምሃር ንወንጌል ክርስቶስ ሕንቅፋት ምዃኑ ዝተረድኡ ሃዋርያትን ሽማግለታትን ድማ ኣኬባ ጸዉዑ። ብዛዕባ እቲ ኣጋጢሙ ዝነበረ ጉዳይ ድማ ብዕምቀት ድሕሪ ምዝታይ ድማ ኣብ ሓደ ውሳኔ በጽሑ። 

"እምብኣርሲኸ ነቲ ኣቦታትናን ንሕናን ክንጸሮ ዘይከኣልና ኣርዑት ኣብ ክሳድ ደቂ መዛሙርቲ ብምንባርኩምሲ ስለምንታይ ንኣምላኽ እትፍትንዎ? ንሕና ከማታትቶም ድኣ ብጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ከም እንድሕን ንኣምን ኣሎና" ግብ 15፣10-11። 

ኣብዚ ጊዜ ድማ ሃዋርያትን እቶም ሽማግለታትን ካብቲ ቤተክርስትያን ዝተመርጹ ሰባት ጌሮም ምስ ጳውሎስን ባርናባስ ክሰድዎም ተሰማምዑ። ንሳቶም ድማ ኣብ መንጐ እቶም ኣሕዋት ሙሩኡያት ንዝነበሩ ሲላስን በርሳብን ነበሩ። "ንሕና ዘይኣዘዝናዮም ገላ ካባታትና ወጺኦም ክትግዘሩን ሕጊ ክትሕልዉን ብቓሎም ከም ዝህውኽኹምን ንልብኹም ከም ዘዕገርጉሩን ስለ ዝሰማዕና ምስ እዞም እነፍቅሮም ባርናባስን ጳውሎስን ምእንቲ ስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ህይወቶም ኣሕሊፎም ዝሃቡ ሰባት ናባኻትኩም እንሰዶም ሰባት ክንሓሪ ሰሚርና ብሓደ ኬይና መደብና። ስለዚ ዩዳን ሲላስን ንሳቶም ነዚ ብኣፎም ድማ ኪነግርኹም ሰዲድናልኩም ኣሎና። ብዘይ እቲ ኣተገብኤ ማለት ንጣኦታት ካብ እተሰዊኤ ደምን ካብ ሕንቑን ዝሙትን ደኣ ክትክልከሉ እምበር ገለ ሓለፋ ጾር ኸይንጽዕነኩም ንመንፈስ ቁድስን ንዓና ተራእዩና እዩ እሞ ርእስኹም ካብዚ እንተ ሓለኹም ጹቡቕ ክትረኽቡ ኢኺም። ደሓን ኩኑ።" ግብ 15፣24-29። ብማለት ነቲ ኣጉል ዝዀነ ናይ ሕጊ ትምህርቲ ክቃወምዎ ከለዉ ነንብብ። 

ንምዃኑ ሕጊ ማለት ኣንታይ ማለት እዩ? ሕጊ ማለት ሰባት ካብ ድሌትም ወይ ፍቕቃዶም ወጻኢ ዝገብርዎ ሳዕቤን ወይ መቕጻዕቲ ዘለዎ ዘገድድ ሓይሊ እዩ። ሎሚ ኣብ ናይ ጸጋ ዘመን ሰባት ኣሚኖሙሉ ካብ ፍቕሪ ዝተላዕለ ድማ ንናይ ኣምላኽ ፍቕሪ ኢሎም ዝገብርዎ ኩሉ ብናቶም ፍቕድ ስለ ዝገብርዎ ሰላም የምጻሎም ምስ ካልኦት ድማ ሓቢሮም ክነብሩ የኽእሎም። 

እቲ ቀንድን መሰረታዊ ዕላማ ናይ ሓዳር እምበኣር ሰባት ዘይተበረዘን ዘይተሓዋወሰን ሓቀኛ ፍቕሪ ኣብ ውሽጢ ሓዳሮም ክለማመዱ እዩ። ፍቕሪ ኣብ ሓዳርና እቲ እንኰ ወሳኒ ነገር እዩ። ኣምላኽ ብሓዳርና ባህ ዝብሎ ንሕና ብሓዳርና ሕጉሳት ምስ እንኸውን ጥራይ እዩ። ዉሉድና ድማ ናይ ፍቕርና ውጺእታት ምስ ዝዀኑ ጥራይ እዮም ኣብ ህይወቶም በረኸትን ሰላምን ክለማመዱ ዝኽእሉ። ገለ ገለ ኣንስቲ ናታተን ስራሕ ቆልዓ ምውላድን ምዕባይን ጥራይ ስለ ዝመስለን ኣብ ዘመነን ናይ ፍቕሪ ጣዕሚ ከይጣዓማ ይሓልፋ። ኣረሓሒቕቃ ምውላድ ቁጽሪ ቤተሰብካ ምውሳን ንጥዕና ዘለዎ ህይወት ንምምራሕ እኳ ኣዚዩ ኣገዳሲ እንተ ዀነ ብሰንኪ ዘሎ ናይ ኣረኣእያ ፍልለይ ግና ቤተክርስትያን ብዛዕባ ናይ ምቁጽጻር ወሊድ ዝምልከት ክሳብ ሕጂ ግልጺ ዝዀነ መምርሒ ወይ ቅዋም የብላን። ነዚ ድማ እዩ ነፍሲ ወከፍ ምእመን ከም ዝኣመነሉን ከም ዝተሰመዖን ክገብር እቲ ማዕጾ ጋህ ኣቢላትሉ ዘላ።  እቲ ዘሕዝን ግና እቲ የማኑ ካብ ጸገሙ ዘይፈሊ ኣብ ገጠር ዝነብር ህዝቢ ኣምላኽ እዩ። ምስ ዘሎ ናይ ናህሪ ዋጋታት ተደምሩ እቲ ክልተ ሰለስት ዝወለደ ወላዲ ካብኡ ሓሊፉ ድማ  ነቶም ብዘይ መደብ ዝተወልዱ ቆልዑ ከዕቢ ዘሎ ላዕልን ታሕትን ኣዚዩ ዘሸግርን ከቢድን ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ ዉሉድ ምውልድ ክንዲ በረኸት ከም መርገም እናወስዱ ናብርኦም ዝመርሑ ወለዲ ኣዚዮም ማእለያ ዘይብሎም ብዙሓት እዮም። ናብ ሕክምና ኸይዱ እቲ ዝግባእ መምርሕን ማዕዳን ወሲዱ መድሃኒት ከይወስድ እቶም ኦሪታውያን ሕጊ እናምጽኡ ስለ ዘሸግርዎ ናብ ሕክምና ገጹ ቅልቅል ኣይብልን እዩ። ገለ ገለ ድማ ቆሎዑ ምብዛሕ ንዘይተደልየ ሽግርን ድኽነትን ከምዝመርሕ ይዝፈልጡ እዮም እንተዀነ መድሃኒት ከይወስዱ ድማ ሓጥያት ኰይኑ ስለ ዝስምዖም እታ ዘላቶም እንኰ ኣማራጺት እናተናፋፈቑ ክነሶም ንኸይወልዱ መታን ነናቶም ዓራት ምፍላይ እዩ እዚ ድማ ዝገደደ ሓጥያት እዩ። 

ካልእ ነዚ ሲዒቡ ዝመጽእ ናይቶም ቆልዑት ወይ ዉሉድ ሕቶ እዩ። እቲ ቆልዓ ከምዕባዩ እዩ ዝዓቢ ዝበሃል ኣበሃህላ ኣብዚ ዘመን እዚ ከም ዘይሰርሕ ቆልዑ ድማ ከምዘይቅበልዎ ኣዚዩ ርዱኡ ኰይኑ ኣሎ። ቆልዑ ዝውለዱ ካብ ፍቓዶም ወጻኢ ብናይ ወልዶም ፍቕድ እዮም። ነዚ ድማ እዮም ወለዲ ናይ ደቆም ሓላፍነታዊ ግዴታ ከም ዘለዎም ዝርድኡ። ስለዚ እቲ ወላዲ ኪኢሉ ኣይኪኢሉ ንውሉዱ ጠለባቶም ከቕርብሉ መሰሎም እዩ። 

ኣይንኽእልን ኢና ተበሉ ድማ ወለዲ ክምልስዎ ዘይክእሉ ሕቶ ክሕተቱ እዮም እሱ ድማ " ስለምንታይ እሞ ትወልደኒ" ዝብል እዩ። እዚ ኣገባብ ዘሎዎ ሕቶ ይመስል፣፣ ምኽንያቱ መሰልና ይከበረልና እዮም ዝብሉ ዘለዉ። ዉሉድ እቲ ዝግብኦ እንተ ዘይረኺቡ መሰሉ ድማ እንተ ዘይተሓሊሉ ምውላድ ትርጉምን ጥቕምንን የብሉን ማለት እዩ። 

ነዚ ዝምልከት እስከ ብዛዕባ ሓደ ታሪኽ ናይ ሓደ ቤተሰብ ክንርኢ ኢና። ልዕሊ ዓቕሞም ብምውላድ ዝሽገሩ ወለዲ እዮም። እቶም ቖልዑ ተጨቓጪቖም ኣብ ሓንቲ ጸባብ ክፍሊ እዮም ዝቕመጡ። ኣብዛ ቤት እዚኣ ድማ ካብቲ ኩነታት ዝተላዕለ እቶም ሰብኣይን ሰበይትን በበይኖም እዮም ዝድቅሱ ዝነበሩ። እቶም ቆልዑ ምንም እኳ ኣእምሮ ዘይብሎም እንተ መሰሉ ብናብሮኦም ግና እምብዛ እዮም ዝሓዝኑ። እቲ ንቡር ኣይተርፍን ስለ ዝዀነ ከኣ ሓደ ምሸት ሰብኣይ ካብ ዓራቱ ተንሲኡ ናብ ሰብይቱ ቀስ ኢሉ ክኸይድ ጀመረ። እቶም ናብራ እምብዛ ዝመረሮም ቆልዑ ድማ ይበራበሩ። ነቲ ናብ ሰበይቱ ክኸይድ ንዝተበገሰ ኣቦኦም እቲ ዝሓልፍዎ ዘለዉ ምረት እናተራእዮም " ናበይ ኢኻ ትኸይድ ዘለኻ ትድቅስ እንተዀይንካ ዓሪፍካ ደቅስ ንሕና ዊሒድናካስ ሕጂ ድማ ተወሳኺ ቆልዓ ከተምጻልና" ብምባል ብነድሪ ነቦኦም ናብ መደቀሲኡ መለስዎ። ኣብኦም እምብዛ ብምሕፋር ሰላሕ ኢሉ ናብ መደቀሲኡ ከደ። 

ልዕሊ ዓቕምኻ ምውላድ ድኽነት ከም ዝዕድም ንፍለጥ፣፣ ምንጻል ጥንጺ እምበር መከላኸሊ ጥንሲ ምውሳድሲ ሓጥያት ከም ዘይኰነ ንረዳእን ንፍለጥን። ካብ ኩሉ ንላዕሊ ግና ሰብኣይን ሰበይትን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ብግልጺ ክዘራረቡ ይግባእ። ካብኡ ሓሊፉ ምስቶም ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ሓበሬታ ዘለዎም ሰባት ክመኻኸሩን ክሓቱን ኣለዎም። እዚ ኸኣ ሕጉስን ዉቅብን ሓዳር ከሕልፉ ክረድኦም እዩ። 

ኣብቲ ኣቐድም ኣቢልና ዝረኣናዮ ክፍልታት ጹሑፍና ብዛዕባ ኣመጻጽኣ ሓዳርን ኣብ ዉሽጡ ዘለዉ በረኸታትን ጣዕሚ ህይወትን ከምኡ ድማ ኣብቲ ግልጽነትን ኣገባብን ዝሰኣነ ሓዳር ዘሎ ሽግርን መሰናኽላትን እንታይ ምዃኑ ክንሪኢ ፈቲና ኣሎና። 

ሓዳር እንተ መቂሩ ንቤተሰብ ጥራይ ዘይኰነ ካብኡ ሓሊፉ ናብ ሕብረተሰብን ናብ ሃገርን ወርዱ ምቁር ፍረ ዘምጽእ ብኣንጻሩ ድማ ፍሪኡ እንተ ጠውሊጉን ሓሪሩን ኣብ ሃገርን ሕብረተሰብን ሕንፍሽፍሽን መርገምን ከስዕብ ይኽእል እዩ። 

ኣብ ናይ ሓዳር ዘጽንዑ ኣማኸርቲ ተሞርኪሶም ሓደ እትዮጵያዊ ምሁር ብዛዕባ እዚ ጉድይ እዚ ናይ ስባት ትኹረት ናብ ሓዳር ከምጽኡ ፈቲኖም ኣለዉ እቲ ፍረ ሓሳቦም ድማ ከምዚ ዝስዕብ ነበረ። "ሓደ ሰብ ኣብቲ ዝሰርሓሉ ቦታ ዕውት ምስ ዘይከዉን መጀመርያ ክገብሮ ዘሎዎ ኩነታት ሓዳሩ ምፍታሽ እዩ። ከመይሲ ሰብ ዉጺት ናይ ሓዳሩ እዩ ማለት እዩ። ንገዝኡ ድማ እዩ ዝመስል።" 

ከምቲ ንሓዳር ወይ ንመርዓ ዕውታት ክገብርዎ ዝክእሉ ባእታታት ወይ ረቓሒታት ዘለዉ ከምኡ ከኣ ብኣንጻሩ ንሓዳር ዘባላሽዉ ወይ ዘዕንዉ ማእለያ ዘይብሎም ሕማማት ከም ዘለዉ ምርዳእ ሰናይ እዩ። ብምቕጻል እምበኣር ኣብ ዝቕጽል ሞዕራፋትና ነዞም ጉዳያት ምስ መፍቲሕታቶም ክንድህስሶም ክንፍትን ኢና።

ናይ ዝሓለፈ ቀዳማይ ክፋል ንምክትታል ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሊንክ ተጠቀሙ።

ዉሕስነት ሓዳር ቀዳማይ ክፋል

ብዳታን ወዳጁ

ትርጉም ብኤሪዎንጌል