25
Thu, Apr
0 New Articles

ምንጋፍ ካብ ጥንቈላዊ ኣሰራርሓን ህይወትን (ወ/ሮ ኣልማዝ ገብረኣምላክ)

Salvation
Typography

 

ካብ ኦም ህይወት (4ይ ዓመት ቁጽሪ 39 ለካቲት 2002) ዝትወሰደ ምስክርነት 

* እስኪ ንርእስኺ ምስ ኣንበብቲ ኣፋልጢ።

** ስመይ ኣልማዝ ገብረኣምላኽ ይብሃል ዕድመይ 28 እዩ። ብዓልቲ ሓዳርን ኣደ ኣርባዕተ ቈልዑትን እየ። ብግእዝ 1980 (ብ1987/8) እየ ተመርዕየ። ናይ ትምህርቲ ደረጃይ ድማ 8ይ ክፍሊ እየ በጺሔ። ኣስመራ ኣኽርያ ከባቢ ገዛ ታኒካ ኣብኡ እየ ተወሊደን ዓብየን። 

* ብኣጋንንቲ ተኣሲርኪ ከም ዝነበርኪ ምስክርነት ኣሎ እስኪ መዓስ እዩ ጀሚሩኪ ዝርዝር ኣቢልኪ ንገርና?

** ምጅማር ካብ ጓል ሰለስተ ዓመት ከለኹ እዩ ጀሚሩኒ። ኣብዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመትን ፈረቓን ግን ኣእምሮይ ሰዊሮምኒ ሕምምቲ ምዃነይ ኸኣ እንዳተጋህደ ከይዱ። 

 

* ጓል ሰለስተ ዓመት ከለኺ ብኣጋንንቲ ከም ዝተትሓዝኪ ከመይ ጌርኪ ፈሊጥኪ?

** ካብ ቤተሰበይ ብኣጋንንቲ እሱራት ስለ ዝነበሩ ካብ ሽዑ ኣትሒዞም እዛ ቈልዓ ሕምምቲ እያሞ ኣውድኣመት ኣይተዀርይኣ ይብሉ ነይሮም። 

*ካብ ቤተሰበይ ክትብሊ ከለኺ ንስኺ ትፈልጥዮ ብንዳቦኺ ድዩ ብንዳዴኺ ብኣጋንንቲ ዝተታሓዙሞ ኣጋንንቲ ዝጥቀሙሎም ብዓል መን ኣለዉ?

** ኣቦይ ነይሩ ኣቦይ ግና ሞይቱ እዩ ሓፍቱ ኸኣ ነይራ ሕጂ ግና ኣብ ትግራይ እያ ዘላ ተጸሊላ ኣላ። ሓትነይ ኸኣ ነይራ ተኣሲራ ንሸውዓተ ዓመት ኣብ ዓራት ብውጽኣት ኣሳቕይዋ ዋላ ሕክምና እንተ ወሰድናያ ዋላ ሓንቲ ሕማም ከም ዘይብላ እዮም ዝገልጹ ነይሮም። ደሓር ግን 'ሕማም ነፍሳ እየ ሕጂ ድማ ክንቀትላ ኢና ኢሎም' ከም ዝቐተሉዋ ይፈልጥ።

 

* ሕማም ነፍሳ ክትብሊ ከሎኺ እንታይ ማለት እዩ እዚ ኣብሃህላ ዝውቱር እዩ እስኪ ግለጽልና?

** ሕማም ነፍሳ ክብሃል ከሎ በቶም ኣጋንንቲ ውቃበ ማለት ናይ ነፍስኻ ሕማም እዩ እዚ ኸኣ ናይ ነፍስኻ ውቃበ ማለት እዩ። ሕጂ ጐይታ ምስ ተቐበልኩ ግና መናፍስቲ ምዃኖም ፈሊጠ። ሽዑ ኣብ ትሕቲ ኣምላኽ ኰይኖም ድላዮም ክገብሩ ምሉእ ስልጣን ዘለዎም ገይረ ይወስዶ ነይረ።

 

* ስለዚ ከም መላእኽቲ ኰይኖም ድዮም ዝስምዑኺ ነይሮም?

** እወ 

* ጓል ሰለስተ ዓመት ከለኺ ትሓሚ ከም ዝነበርኪ ስድራ ቤትኪ ነጊሮምኺ ብፍላይ ግን ኣብዚ ሰለስተ ዓመትን ፈረቓን ኣጸቢቑ ተጋሂዱ ኢልኪ እስኪ ካብቲ ተጋሂዱ ትብልዮ እንታይ እንታይ ኔሩ ኣብ ህይወትኪ ዝፍጸም?

** መጀመርታ መዓልቲ ክጅምረኒ ከሎ ሓደ ሓወይ ኣሎ ንሱ ጻዕዳ ክዳውንቲ ከም ናይ ኣዕራብ ኣዚዞም በጊዕ ሓሪዶም ክገብሩሉ ከለዉ ኣነ ኣብቲ ገዛ ነይረ። ሽዑ ኣነ ውሽጣ ውሽጢ እየ ዝሓምም ነይረ እምበር ግሁድ ሕማም ኣይኰነን ነይሩ። ነቲ ሓወይ እንዳገበሩሉ ከለዉ ኣነ  ምሉእ መዓልቲ ከቢዱኒ ውዒሉ። ሽዑ ንመጀመርያ ጊዜ ኣብቶም ማእከል ቤተሰበይ ሓትነታተይ በጊዕ ገይረን እንዳጀለጥኦ ቡን ሰቲ ሜስ ኣረቂ ገይረን ክገብራሉ ከለዋ እቲ ሕማም ናባይ መጺኡ ኣውዲቑኒ ንሰለስተ መዓልቲ ዝኣክል ኸኣ ኣፈይ ዓቢሱኒ። ሽዑ ቡን ዝመስል የውጽኣኒ ምኹስታር ዝብሃላ ኣሎ፡ ኣብቲ ምኹስታር ዝብሃላ እቶም ሕሙማት ማለት እቶም መናፍስቲ ዘለዎም ማለት እዩ፡ መጺኦም ነቲ መንፈስ ይልምንዎ  ሽዑ ንመጀመርያ ጊዜ ክዳን ኣዚዘ ቀይሕ ክዳንን ቀይሕ ነጸላን ዝርዝር ዝብሃል ክዳንን ብሩር ሚዶን ዝብጦ ብሩርን ይእዝዝ። ሽዑ እታ ዘዕበየትኒ ሓትነይ ደሓን ኣዲኣ ስለ ዘላታ ነዲኣ ለሚንና ክንገብረላ ኢና ዕድል ሃቡና ተባሂሉ ክሳዕ ጥምቀት ዕድል ሂቦም። ኣብ ጥምቀት ሽዑ እቲ ቀይሕ ክዳንን እቲ ዝርዝር እኳ ኣይገዛእክዎን እቲ ገንዘብ ኣጠፋፊኤዮ። ኣርባዕተ ሽሕ እዩ ነይሩ እቲ ገንዘብ ደስ ስለ ዘይበለኒ ድማ ካልእ ዓይነት ክዳውንቲ ገዛዚኤዮ። ንሳ ከማን እተን ሓትነታተይ እንታይ ክብላኒ ኢለ እታ ቀያሕ ክዳን ምስ ነጸልኣ ጨና መና ደርሁት ገዚኤ ኣደይ ሓዳስ ዝብሃላ ነይረን ሕምምቲ ንሰን ገይረናለይ ሰለስተ መዓልቲ ካብ ገዛ ከይወጻእኩ ንመጀመርያ ጊዜ እዚ ተፈቲነ ማለት እዩ።

 

* እታ ምኹስታር ትብል ቃል እንታይ ማለት እያ፡ ምኹስታር ክኸውን ከሎኸ እንታይ እንታይ እዮም ዝገብሩ?

** ምኹስታር ማለት በጊዕ ትሓርድ ጨና፡ ኣረቂ ሜስ ስዋ ኣባዕከ ባልደንጓ ዓተር ተኣሊኹ ይቕኒ እዚ ኲሉ ይቕረብ። በቃ ናይ ምንታይ እሞ ክብለካ እየ ዘይቅረብ ነገር የለን። ሕጂ ኣብቲ ምኹስታር ክኸውን ከሎ ዕጣን ካብ ኲሉ ዓይነታት ኣብቲ ሞቦከርያ ትገብሮ። ነቶም መናፍስቲ ክንምግቦም ኢሎም ይደፍእዎ ሽዑ ምስ ተደፍኤ እቲ ደም ድማ ኣብቲ ገዛ ተፍስሶ ዝዀነ ሰብ እንዳተሳገረ እዩ ዝኣቱ። ሽዑ ኣብቲ ገዛ ዝኣተወ ኲሉ እዩ ዝልከፍ  ደሓር ናይ ሓዋሩ ናቱ ኰንካ ማለት እዩ። ሽዑ እናንየ ትብሃል ኣላ ካልኣይ ሽማ ድማ ሻንቂት ትብሃል ንዓኣ ለሚኖም ገዛ ኮስቲሮም ለይቲ ሰብ ከይረኣዮም ይደፍእዎ። ሽዑ ደፊእካዮ ክትምለስ ከለኻ ብዙሕ ነገራት ኣሎ ከምዚ ሰግሪ ዝብሃል ብኸምኡ ኸኣ ብዙሕ ሰብ ይልከፍ። ስለዚ ንስኻ ተጠንቂቕካ ኢኻ ክትጉሕፎ ዘላካ ስለዚ እቲ ምኹስታር ማለት ነቲ ዝተደፍኤ ንምጽራይ ማለት እዩ ምኹስታር ዝብሃል። 

* እታ እናንየ እትብሃል መንፈስ ድያ?

** እወ ንግስቲ ጠፈር እያ። 

* ሕራይ ንዓኣ ኣብቲ ንግሆ  ኽትኩስትራ ከለኽን እንታይ ትብልኣ?

** ንሳ ትወርድ ብዙሕ ዓይነት ቋንቋታት ኣለዋ። ኣብ ገለ ገለ ሰባት ኣምሓርኛ ትዛረብ ኣብ ገለ ኸኣ ዓረብ ትዛረብ  ኣብ ገለ ኸኣ ናይ ኣሩሲ ጋላ ትዛረብ ብዙሕ ዓይነት ቛንቋታት እዩ ዘለዋ። ኣብይ ኸኣ ብዙሕ ጊዜ ትወርድ ነይራ ብዓረብ ትዛረብ ነይራ። ምሳና ነይራ ሓንቲ  ዓረብ ትፈልጥ፡ ሕጂ ከምዚ ግበሩ ግዓት ግበሩ ኣደሬ ተሸፈኑ ርእስኹም ትብለካ ሽዑ እንተ ተቐሊዕካ ብምሉኡ ርእስኻ ትምለጥ ተሸፊንካ ልኻይ ኩሕሊ ጌርካ ምንጻፍ ጌርካ ትቕበላ ሽዑ ንሳ ወሪዳ ነቲ ግዓት ትበልዖ ክትበልዖ ከላ ኣይትርእያን ኢኻ ጥራይ ኣብቲ ሰብ ወሪዳ እቲ ሰብ ነቲ ግዓት ይበልዖ። ስለዚ ንሳ እያ ንግስቲ ጠፈር ትብሃል ኣብቶም ንጐይታ ዝፈልጡ ኣብቶም ውቃበ ዘለዎም መናፍስቲ ዘለዎም ግና እናንየ ኣንስተይቲ ኣውልያ ኸኣ ትብሃል። ብዙሕ ሽም እዩ ዘለዋ። 

* ሕጂ እቲ ልኻይ ምልካይ ኣደሬ ምሽፋን ዋላ ነወዳት ድዩ ወይስ ንደቀንስትዮ ጥራይ?

** ንሳ ዘላቶ ወዲ ኣይብል ጓል ኣይብል ንዂሉ እዩ። ሓደ ሓደ ሰባት ኣለዉ ካብ ውላድ ትኽልክሎም እያ። ኣንስቶም ምስ ጠነሳ ትሰትዮም(እቲ ድቂ ይጠፍእ) ምስ ሰበይትኻ ኸኣ ኣይትራኸብ ትብሎም። ሰበይቲ እንተ ዀይና ኸኣ ናብ ሰብኣይ ኣይትኺድለይ ኢላ ትእዝዝ። ሕጂ እቲ ልኻይ ምልካይ እቲ ኣደሬ ምግባር ኵሕሊ ምልካይ እንድሕር ንሳ ኣላትካ ኰይና ወድን ጓልን ኣይፈላልን እዩ። 

* ንስኺ ኣብቲ ናይ ምኹስታር ጊዜ እቲ ኣባኺ ዘሎ መንፈስ ተለፋሊፉ  ክዳውንቲ ኣዚዙ እቲ ዝኣዘዞ ክዳውንቲ ኸኣ ገሊኡ ጌርክዮ ገሊኡ ኣይገበርክዮን ካብቲ ጊዜ እቲ ጀሚሩ ንስኺ ከመይ ዓይነት ሰብ እንዳዀንኪ መጺኺ ማለት እዩ?

** ብድሕሪኡ ኣነ ሕማቕ ኰይነ፡ ቅድሚኡ ደሓን እየ ነይረ መነባብሮይ ጽቡቕ ነይሩ ምስ ሓዳረይ'ውን ጽቡቕ እየ ነይረ።  ብድሕሪኡ ግና  ብኣጋንንቲ እንዳተኣሰርኩ ነፍሰይ ይሓብጥ ብዕጣን ጌረ ኸኣ ክጥንቍል ይረኣየኒ እንታይ እዩ ኢለ ኸኣ ብውሽጠይ ይፈርሕ።  ከምኡ እንዳበለ እንዳገደደኒ ደሓር እንታይ መጺኡ ኣብ ዓራት ምሻን ይጅምረኒ ከምኡ ኢለ ድሕሪ ዓመት ሓደ ለይቲ መንፈስ መጺኡ  ተንስኢ ኣልማዝ ሽጋራ ስተዪ ይብለኒ። ዋእ ከመይ ገይረ ይሰቲ ከም ዘይሰቲ ትፈልጥ ኢኻ ይብሎ ንሱ ኸኣ ስተዪ እየ ዝብለኪ ዘለኹ ይብለኒ እሞ ሽጋራ እሞ ኣበይ ኣሎኒ እንተ በልክዎ ባዕሉ ሽጋራ የምጽኣለይ ኣነ ኸኣ ይሰቲ።  ብድሕሪኡ ለይቲ ለይቲ ሰዓት ሓደ ናይ ለይቲ ክመጽእ ከሎ ምስኡ ኰይነ እሰቲ ዋላ ሓደ ሰብ ከኣ ኣይርእዮን እዩ። ብድሕሪኡ ሰለስተ ዓመትን ፈረቓን ምስ ገበርኩ  ቤተሰበይ እንዳተሸገራ ከይደን። እቲ ሽንቲ ኣነን ብዓል ቤተይን ጥራይ ኢና ንፈልጥ  ብጣዕሚ እየ ዝሽገር ብጣዕሚ እየ ኸኣ ዝበሳጮ ኣነስ እንታይ እየ ኰይነ ኢለ ካልእ ነገር ጥራይ እየ ሓሲበዮ ነይረ። ብድሕሪኡ እታ ሓትነይ ቅድሚ ምማታ ሓደ ጠንቋላይ ጸዊዓ እቲ ክዳውንቲ ክገብራለይ ከለዋ ሽዑ ንሱ ንዓይ ከምዚ ይብለኒ። ብወዲ ጌሮም እዮም ዝጽውዑኻ ገና ከይተበላሾኻ ከለኻ እቲ ሽንቲ ኣብ ዓራት ትሸኖ ዘለኻ ከይተበላሾኻ ከለኻ ሰማያዊ ክዳንን ሰማያዊ ነጸላን ገስማ ዝብሃል ደርሆን ጌርካ ኣብ ገዛኻ ፈትን ኢኻ ይብለኒ።  ሽዑ ኣነ ፍርሂ ይኣትወኒ ገዛ ከይደ መስቀል እዩ ነይሩ፡  ሽዑ እቲ ጠንቋላይ ይገብረለይ እቲ ናተይ ሕማም ድማ ወሪዱ፡' ኣነ ክጻወት እየ ዝደሊ ዘለኹ ብድሕሪኡ ናተይ መንበር ክሕዝ እየ፡ መንበር ባዕለይ ክሕዝ እየ፡ ኣነ ኣብ ሰብ ኣይጉንባሕን እየ ሰብ ኣባይ ይጉንባሕ እምበር ኣነስ ከማኻትኩም ዝኣመሰሉ ንዓይ ኣይገብሩለይን እዮም ዋላ እቲ ፈረስና፡ (ማለት ንዓይ) ባዕለይ ክቆጻጸሮ እየ።' ብእኦም እስርቲ ስለ ዘለኹ ንኣብነት እግዚኣብሄር ባርያይ እዩ ዝብለና ንዓና ንሳቶም ከኣ ፈረሰይ እዮም ዝብሉና ነቶም እሱራቶም። ንሳቶም ብላዕሊ ንሕና ብታሕቲ። ሽዑ ክጻወት ጻውቲ ንሸውዓተ መዓልቲ ሕራይ ተባሂሉ ብውዕል ኣበይከ ኢኻ ትጻወት እንተበልዎ ዓደይ ከይደ ክጻወት እየ ይብል ትግራይ ማለት እዩ ኣብ ትግራይ ዋላ ሓደ ቤተሰብ የብለይን ከመይ ገይሩ ትግራይ ኣዚዙ ግና     እንድዒ፡ ኣሞይ ከማን ሕጂ እያ ከይዳ ቤተሰበይ ኵሎም ኤርትራውያን እዮም ግና ከምኡ ኢሉ ንሱ ብኸምዚ ኸኣ ተዋዓዒልና። 

* እቲ መንፈስ ኣባኺ ወሪዱ እዚ ዅሉ ኣባኺ ኣዚዙ ንስኺ ብወገንኪ ነቲ ዅሉ ትእዛዛት ከመይ ርኢኽዮ?

** ፍቓደኛ ኣይኰንኩን ነይረ ምኽንያቱ ፍቓደኛ እንተ ዝኸውን ነይረስ ንኣባት ነፍሰይ ኣይምጸዋዕክዎምን ነይረ። ግን  ጸዊዔ ከምዚ  እብሎም፡ 'ድገሙለይ ድርሳነ ሚኪኤል ድገሙለይ ርእሰይ ይሓምም ኣለኹ ክጽለል ንእሽተይ ተሪፉኒ ኣሎ ይሓምም ኣለኹ  እሞ እግዚኣብሄር ምሳኹም ኰይኑ እንተ ሓገዘኩም ድገሙለይ'። ንሶም ኸኣ 'ስምዒ እዛ ጓለይ እዞም ውቃበኮ ኣብ ትሕቲ እግዚኣብሄር ዘለዉ እኮ እዮም ስልጣን ኣለዎም ድላዮም ክገብሩ ኣነ ደሓን ክደግመልኪ እየ ግን ናተይ ኢልኪ ሓዝዮም' ይብሉኒሞ ተስፋ የቝርጹኒ። ኣነ ኸኣ እዋእ እንድሕር እግዚኣብሄር ዝፈልጦም ኰይኑ ደኣ እንታይ ክገብር ኢለ ብድሕሪኡ እንዳ መልኬጻድቕ ዝብሃል ማይ ጨሎት ኣሎ ኣብኡ ከይደ ብኽይ ኣቢለ ብድሕሪኡ ቅሩብ ደሓን ኰይነ። ኣነስ ዋላ ሓንቲ ድሌት ኣይነበረንን። 

* ብዕጣን ይጥንቊል ነይረ ኢልኪ እስኪ ዝጠንቖልክዮ ዘጋጠመኪ ነገራት እንታይ ኣሎ?

** ሓደ ጊዜ ዝፋን ትበሃል ሓትነይ ቅድሚ ምሕማማ ምስታ ካልእ ኣጋንንቲ ዘለዋ ሓትነይ ቡን እናሰተኹ ከለኹ እቲ ኣጋንንቲ ክትል ኢሉ፡ 'ሓፍትኻስ ክገይሽ እዩ' ይብላ። ኣነ ኣይተረድኣንን ክዛረባ ከለኹ ተኸቲሉኒ እዩ።ምጋሽ ማለት ከኣ ሙማት ማለት እዩ። ደጊሙ እቲ ሕማም ይወርድ እሞ 'ዝፋን ክበቍል እዩ' ይብል።  ዓርቢ መዓልቲ ልክዕ ሰዓት ሸሞንተ ክመውት እዩ ይብሎም። ልክዕ ከምኣ ኸኣ ትኸውን ሽዑ ብምሉኡ እቲ ገዛውቲ እዚ ይፈልጥ። ሓደ ጊዜ ኸኣ ሰብኣየይ ሃሪሙኒስ ብሽማግለ ገይሩ እንዳለመነኒ ከሎ ነታ ሓትነይ ይዳፈራ እሞ እቲ መንፈስ ኸኣ ንሓትነይ ኣዝዩ  እዩ ዝፈትዋ ነይሩ። ደሓር  ኣቕሽሽቲ ሽማግለታት ከለዉ ሓፍ ኣቢሉ ንላዕሊ ይድርብየኒ 'ክትርእየና ኢኻ በል' ኢሎም ነቲ ሰብኣየይ ይፍክሩሉ ። ቀዳም ከምኡ ዝበሎ ሰኑይ ንኣሰር ሞይቱ ነይሩ ግና እግዚኣብሄር ኣውጺእዎ ሓደ ወዲ ሃሪምዎ ኣፉ ተለኺቱ ማዕረ ክልተ ቅነ ተለኺቱ። ሓደ ሓደ ኣዋልድ ኸኣ ጠንቚልልና ይብላኒሞ እቲ ዝነገርክወን ኸኣ ሓቂ ይኸውን እሞ ይኣምናኒ። ሓንቲ  ቈልዓ ደሓር ኣማኒት ኰይና ዝመስከረትለይ ብኽልተ ትምህርቲ ክትተርፊ ኢኺ ኢለያ ብኽልተ ተሪፋ። ሰብ ክመውት እንተ ዀይኑ ቅድሚ ሰብ ክመውት ምዃኑ እፈልጥ ኣብ ገዛይ ዝተገብረ ነገር ንኣብነት እተን ሓትነታተይ ሰልዲ እንተ ሓቢኤናለይ ኣምጽኦኦ እቲ ሰልደይ ኢለ የምጽኦ ሰልዲ ሰብ ክህበኒ  ክመጽእ ከሎ ቅድሚ ንሱ ምምጽኡ ኣነስ ፈሊጠ ኣለኹ ብኸምዚ ይርድኣኒ። 

** ክትጥንቍሊ ከሎኺ ገንዘብ ትሓቲዶ ኔርኪ ወይ'ውን ህያብ ዶስ ብነጻ? ብኸመይ ኣገባብከ ትጥንቍሊ ኔርኪ?

** ብነጻ እየ ዘገልግል ነይረ ዋላ ዕጣን ከማን ሰብ ገዚኡለይ ኣይፈልጥን እዩ።

ኣገባቡ ብጣዕሚ እዩ ዝገርመካ ሰቲ ሜስ ኣረቂ ስዋ ጨና ካረሜለ በብዓይነቱ ቀይሕ ብጫ ቀጠልያ ዑደት ይቐርብ ሰብ ከኣ ክኣትወኒ ኣይደልን እየ። ሽዑ እቲ ቡን የፍልሖሞ መጀመርያ ማይ ይርብርብ ጐይታ ማይ ጽሩይ ኢለ ይዛረብ ስዋ ይደፍኣሉ ? ጐይታ ስዋ ይብሎ ሜስ ይደፍኣሉ ? ጐይታ ሜስ ይብሎ ደሓር ኣረቂ ይደፍኣሉ ጐይታ ኣረቂ ይብል ዑድ ከኣ ይውልዕ ጐይታ ዑድ ምስ ትሰምዕ ኢኻ ስምዓኒ ብዑድ ኢለ ዑድ ሰዅዐ ይዛረብ ምስቲ ብዓረብ ዝዛረብ ሽዑ እቲ ቡን ይሰትዮ። እንድሕር ዘሸግረኒ ኣሎ ግን ተንበርኪኸ ይልምኖ መጀመርያ ኲሉ እዩ ዝሰምዓኒ ነይሩ ወላ ሰልዲ እንድየ ሲኢነ እንተ ኢለዮ ሰልዲ የምጽኣለይ ደሓር ደሓር ግን ወርቂ ሚእትን ሽዱሽተን ግራም ነይሩኒ ወርቅኺ ሸጥኪ ዕጣን ግዝኣልና ወርቅኺ ሸጢኪ ቡን ኣፍልሕልና እናበሉ በቃ እዘን ዝነበራኒ ወርቂ ሸይጠ ብምሉኤን ንዖኦም ገይረሎም። ደሓርውን ኣብ ንብረተይ በቃ ዝገደፉለይ የብሎምን ብኸምዚ እየ ኸኣ ዘገልግሎም ነይረ። 

* ብዓል ቤትኪ እዚ ኲሉ ክኸውን ከሎ ማለት ኣጋንንቲ ኣባኺ ሰፊሮም ናይ ኣጋንንቲ እስርቲ ምዃንኪ ፈሊጡ ድዩ ተመርዕዩኪ ወይስ ቅድሚኡ እዩ?

** ቅድሚኡ እዩ ተመርዕዩኒ። 

*ደሓር እሞ እዚ ኲሉ ነገራት ናባኺ ከጋጥም ከሎ እንታይ ይብል ነይሩ?

** ዋላ ሓንቲ ይፈርሃኒ እዩ ነይሩ፡ ንሳቶም ከማን የረሓሕቑና እዮም ነይሮም በይነይ ኰይነ ከም ድልየቶም ክገብሩኒ እዩ ነይሩ ድልየቶም። ሕጂ ዋላ ደቁን ቤቱን እንዳፈተወ ከሎ ምሳይ ብዙሕ ኣይንፋቶን ኢና ኔርና ኲሉ ጊዜ ኸኣ ህውከት ንገብር ኔርና። 

*ንሱ ኸኣ ከማኺ ብኣጋንንቲ ትሑዝ ድዩ ነይሩ ወይስ ኣይኰነን?

** ብጭራሽ ኣይፈትዎምን እዩ ነይሩ። 

*ደቅኽኸ ቅድሚ በጋንንቲ ምእሳርኪ ድዮም ተወሊዶም ወይስ ብድሕሪኡ? ኣብኦምከ እንታይ ዓይነት ኣረኣእያ ነይሩኪ ንሳቶምከ ንስኺ ክትሓሚ ከለኺ እንታይ ዓይነት ሽግር ነይርዎም?

** ቅድሚኡ እየ ወሊደዮም።  ዳርጋ እቶም ደቀይውን ብምሉኦም በቲ ሕማም ትንኩፋት እዮም። ዓባይ ጓለይ ኣላ ብጣዕሚ እየ ዝጸልኣ እቶም ናተይ ሕማማት'ውን ኣይናትናን ኢኻ ይብልዋ። ኣርሴማ ትበሃል ኣላ ንእሽተይ ግና ንሱ እኳ ወድና እዩ ይብልዋ። ልክዕ ከምቲ ንዓይ ዘሽነኒ ዝነበረ ኸኣ ነታ ቈልዓ ኸኣ ኣብ ዓራት የሽና ነይሩ ብኸምኡ ኸኣ ንደቀይ ብጣዕሚ እየ ዝጸልኦም ነይረ።

 

* ሕጂ ኣርሴማ ጓልኪ ኣብ ከመይ ዓይነት ኩነታት ኣላ?

** ኣምላኽ ይመስገን ምሳይ ተፈዊሳ እያ።

 

* እስኪ ብዛዕባ ኣዴኺ ኸኣ ወሲኽኪ ኣዕልልና?

** ኣደይ ዓዲ ጥልያን እያ ዘላ ምስ ሓትነታተይ እየ ዓብየ። ብዙሕ ኣይትግደሰለይን እያ። ንዓይሲ ካብ መጀመርታ ኣምላኽ እዩ ዝሕብሕበኒ ነይሩ ማለት ጓላ ስለ ዝዀንኩ እተን ሓትነታተይ ስደድላ እንተ ኢለንኣ ትሰደለይ።  ካብ ንእሽተይ ጀሚረ ምስ ሓትነይ እየ ዓብየ ሽዑ ምስ ገደፈትኒ እያ።  ማለት ብሽግርን ጸገምን እየ ዓብየ  መርዓን ዘብጽሓኒውን ሓትነታተይ እየን ይኹን ይኹን ኢለን ኣመርዕየናኒ ። ሕጂ ተመሊሰ ክርእዮ ከሎኹ ኣደይ'ውን ብኣጋንንቲ ዝተታሕዘት እያ። ምኽንያቱ ኣነ ቀይሕ ክዳን እየ ዝኽደን ነይረ ንሳ'ውን ከምኡ፡ ድማ ከምቲ ንዓይ ዝገብረኒ ዝነበረ ምስቶም ኣጋንንቲ ከለኹ ክልቴና ንጋራጮ፡ ናተይ መንፈስ'ዩ ሓያል ናተይ'ባ ሓያል ንብሃሃል፡ ግን ዋላ ሓንቲ ኣይርድአናን እዩ ነይሩ።  ቅድሚ ሰለስተ ዓመትን ፈረቓን እዩ ተረዲኡኒ እምበር ቅድሚኡ ሕማም ከም ዘለኒ ኣይፍለጠንን እዩ ነይሩ ብጣዕሚ እያ ትጸልኣኒ ዋላ'ውን እንተ መጺኣ ካባይ ንላዕሊ ነተን ደቂ ሓትነይ ድላየን ትገብረለን ንዓይ ግና ኣይትግደሰለይን እያ ነይራ። ሓደ መዓልቲ ጨኒቑንስ ናብ ሓንቲ ጠንቋሊት ይኸይድ እሞ ከምዚ ኢለ መጺኤ ይብላ ንሳ ኸኣ ኣዴኽስ ሕምምቲ እያ በጊዕን ቀይሕ ክዳንን ትኽደንኪ እሞ እቲ ኣብኣን ኣባኽን ዘሎ ሕማም ክትዓረቁ ሽዑ ንስኻትክን ኸኣ ትፋተዋ ከምኡ ኢሉኒ ብርግጽ ከኣ ከምኡ ኰይኑ። ብርግጽ ብመናፍስቲ እስርቲ እያ ነይራ።

 

* እስኪ ንስኺ ኣብ መናፍስቲ ዓለም ኔርኪ ኢኺ ቃል ኣምላኽ ኸኣ ንሓድሕዳ ዝተፈላለየት መንግስቲ ከመይ ኢላ ክትቀውም ትኽእል ይብል። ከመይ ማለት ድኣ እዩ ኣብ ኣዴኺ ዝነበረ መንፈስ ሰይጣን እዩ ኣባኺ ዝነበረ ድማ ንሱ  እዩ ስለምንታይ እዮም ዘይሰማምዑ? ክሳማምዑ እንተ ዀይኖም ኸኣ ንምንታይ እዩ እቲ በጊዕ ምሕራድ ቀይሕ ምኽዳን ኣምጺኡ እስኪ ንስኺ ከመይ ትርድእዮ?

** ኣቦ ሓሶት ስለ ዝዀነ ካብ ርእሱ ሓስዩ እዩ ዝዛረብ፡ ግን ንኸጥፍኣካ ንኸድክየካ ሕማቕ ነገር ንኽትከውን እዩ ዓላምኡ። ንስኻ ኸኣ ዋላ ሓንቲ ርድኢት ስለ ዘይብልካ በቲ ሰብ ዝበለካ በቶም ከምኡ ዝኣመሰሉ ሓደ ሓደ ጊዜውን ባዕሉ ኣውጺኡ ሕሙም እየ ኢሉ ከደናግረካ ከማን ይፍትን እዩ።  ስለዚ ኵሎም ሓደ እዮም ግና ንኽትደኪ ኣብ ሕማቕ ቦታ ናይ ድኽነት ናይ ሕማም ናይ ሞት ናይ ምብራስ ጥራይ እዩ ዓላምኡ።

 

*ከምዚ ዝበልክዮ ንኣጋንንቲ ትኽተሊ ኔርኪ ካብኣቶም ዝሰማዕክዮ ወይ ዝርኣኽዮ ጽቡቕ ነገር እዚኣስ ገይሮምለይ ትብልዮ ነገራት ኣሎዶ?

** ጽቡቕ ዋላ ሓንቲ የለን ሕማቕ ጥራይ እዩ ዘሎ። ንሱ ኸኣ ዘሎ ወርቀይን ንብረተይን ኣጥፊኦምኒ ኣብ ሕማም ኣብጺሖምኒ ሕጂ ትርእየኒ ኣለኻ ሰብ መሲለ ምስኣቶም ከለኹ ግና ብጣዕሚ ዘፍርህ እየ ነይረ። ሰብ ኣይጥምተንን እዩ ነይሩ ኣብ ዓራት የሽነኒ መስተ ሽጋራ የስትየኒ ምስ ሰብ ኣይሰማማዕ ፈቐዶ ገዛ ገዛ እየ ኸኣ ክዘውር ዝውዕል። እዚ እዩ እቲ ፋይዳ ካብ ኣጋንንቲ ጽቡቕ ዝብሃል ነገር የለን። ምስ ጐይታ ክተወዳድሮ ከለኻ እቲ ናይ ኣጋንንቲ ክመርጾ ኣይክእልን እየ።{mospagebreak}

 

* ብኸመይ መገዲ ኢኺ ናብ የሱስ ክርስቶስ ክትመጺ ኪኢልኪ?

** ኣምላኽ ይመስገን ቀደም መንፈሳውያን ከም ዘለዉ ኣይፈልጥን እየ ነይረ። የሕዋት ኣብቲ ልዕሊ ገዛና ኣለዋ ክርእየን ከለኹ ሽዑ መናፍስቲ ኣለኒ ቀይሕ ተኸዲነ ኣብቲ ገዛውትና ውራይ እንተሎ ይኸይድ እሞ ምስኣተን ይራኸብ ምስተን የሕዋት ምስተን ክርስትያናት ሽዑ ኲሉ ጨረምረም ክብል ከሎ ንሳተን ስቕ ይብላ። ክትርእየን ከለኻ ብጣዕሚ የፍርሓኻ ደስ ከኣ ይብላኻ። ካብኤን ዝበልጽ ክዳን ተኸዲነ ከለኹ እቲ ናተን ክዳውንቲ ደስ ይብለኒ በዚ ኸኣ ይቀንእ ነይረ እውይ ከምዚኤን መዓስ እየ ዝኸውን ይብል ነይረ። ደሓር ጓለይ ጓል 13 ዓመት ኣላትኒ፡ ፌበን ትብሃል ቈልዓ ኸኣ ሓፍተን ነተን መንፈሳውያን፡ ኣነ ኸኣ ነታ ጓለይ ምስ ፌበን ኪዲ ኢለ ይሰዳ። ደሓር ምስ ሰደድክዋ ምስኣ ኣብ ጸሎት ትመላለስ ኸኣ ነይራ። የማነኣብ ዝብሃል ሓው ኣሎ ነታ ጓለይ ንስኽስ  መጺእኪ ኣሎኺ ኣዴኺኸ ፍቓዳ ድዩ ሓቢርክያ ዲኺ ይብላ ንሳ ኸኣ እወ ኣደይ ድኣ ንሳ 'ንድያ ኪዲ ኢላትኒ ትብሎ። ሽዑ እታ ፌበን፡ 'ኣዲኣኳ የማነኣብ ጠንቋሊት እያ ኣብ ገዛውትና ትጥንቁል እያ ንዓይ ከማን ብኽልተ  ዓይነት ትምህርቲ  ክትተርፊ ኢኺ ኢላትንስ ከምቲ ንሳ ዝበለትኒ ተሪፈ፡  ግን ልባ ንጐይታ ይደልዮ እዩ ክጅምር እየ ኸኣ ትብል ንጓላ ከማን ኣፍቂዳትላ እያ ኪዲ ኢላታ' ትብሎሞ ንዓኣ እንድዩ ደኣሞ ምምስካር ዘድልየና ኢሉ የማነኣብ ኣርእስቲ ጸሎት ሒዙ ንሰለስተ ቅነ ይኸውን ጸልዩለይ፡ ኣብ እንዳ ማማ ገነት ኰይኖም ምስ ኣሕዋት ይጽልዩለይ። ሽዑ ንሰለስተ ቀዳም ንዕናይ ትብለኒሞ ኣይከይድን ይብላ። ልበይ ይደሊ ኣሎ ግና ማእሰርቲ ነይሩኒ ኣብ ሳልሰይቲ ቀዳም ነታ ፌበን ትብሃል ኣዲኣ ዓለማዊት እያ መጺኣ ቡን እባ ኣፍልሒ ትብለኒሞ ኣፍሊሔ ዕጣን ገይረ ከም ናይ ቀደመይ ይሰቲ ምስ ሰተኹ ምስ ፌበን ሎሚ መዓልቲ ክትከዲ ኢኺ ትብለኒ ኣይከይድን እየ ይብላ። ንሳ ኸኣ፡ ክትከዲ ኢኺ ንዓኣ እሞ ሓሳዊት ክትገብርያ ይጽበይዋ እንድዮም እሞ ዘለዉ፡ ኣጋንንቲ ኸኣ ጥራሕ እግርኻ እዮም ዝሰዱኻ፡ ትብለኒ ኣነ ኸኣ እወ ይርድኣኒ እንታይ ድየ ኰይነ ዘለኹ ጽልልቲ ይመስል ግን ኣነ ኣይከይድን እየ ደሓርከ (እቶም ኣጋንንቲ)ñ ክሓንቁኒ ይብላሞ ኖኖእ ክትከዲ ኢኺ ደሓን ትብለኒ። ሽዑ  እዚ ልበይሲ ሂግ ሂግ ይብለኒ። በቃ ብስልጣን ክትመጽእ ኣለዋ ኢሎም ይጽልዩለይ ነይሮም። እሞ ክዳን ዘይብለይ ይብላ ደሓን ክዳን ኣለኒ ኣነ ክህበኪ እየ ትብለኒ ጫማ የብለይን ጫማ ኣነ ክህበኪ እየ ሰልዲ ኸኣ የብለይን ሰልዲ ኣነ ክህበኪ እየ ትብለኒ። እንታይከ ዘይ ንዓይ ኢላትለይ እያ ኢለ ምስታ ቈልዓ ተታሒዝና ንኸይድ። እንዳኸድና ከለና ክሳደይ ይጉዕጸጽ ኣብኡ ምስ ከድና  የማነኣብ ቃል ኣምላኽ ይነግረና እሞ ልበይ ይርታዕ። መጀመርታ እዋእ ከመይ ኢሉ እዩኸ ዝጥምተካ ፈጣጥ ኢለ ብውሽጠይ ይጸርፎ ነይረ። ሽዑ ኣይርድኣንን እዩ ነይሩ ክጥምቶ ከለኹ ኲሉ ነፍሱ ደም ዝተኣለኸ ዀይኑ እዩ ዝስምዓኒ ነይሩ ክዛረብ ከሎ ኸኣ ካብ ኣፉ ሃልሃልታ ሓዊ ዝወጽእ ዘሎ ኰይኑ ይስምዓኒ። እዋይ እዝስ ሰብ ድዩ ኸኣ ይብል ሽዑ ክንጽልየልኪ ይብሉኒ እሞ ይጽልዩለይ ኣሜን ኢልኪ ኸኣ ተቐበልዮ ይብሉኒ ሕራይ ኢለ ኣሜን ይብል። ሽዑ ርእሰይ ብፍላይ መንበስበስታይ ሓዊ ይተክኽ ኰይኑ ይስምዓኒ ንዒ በሊ ሕጂ ኣብ ቸርች እተዊ ይብሉኒሞ ሚኪኤለ መዘምራን ይዝምር ነይሩ እቲ ዝዝምረሉ ዝነበረ ቋንቋ ዋላ ሓንቲ ኣይርድኣንን እዩ ግና እንታይ ከም ዝዀነ እንድዕሉ ውሽጠይ ብጣዕሚ ይሰራሰር። ተጨኒቐ ሓሚመ መጺኤስ ኣብኡ ምስ ኣተኹ ውሽጠይ ሓጐስ ንሓጐስ ይመልእ ምስተን ኣሕዋት ክዛረብ ከለኹ ከምዚ ናይ ብዙሕ ዓመታት ኣብ ጐይታ ዝጸናሕኩ ከምኡ ኰይነ እየ ዝዛረብ  ንማማ ገነት ኸኣ የሱስ ጐይታ እዩ ይብላ ከምኡ እንዳበልኩ ኸኣ ምስ ጐይታ ጠቢቐ።

 

*ቅድም ኢልኪ ኣደ ፌበን ኢልክኒ ኔርኪ ኣደ ፌቨን ግን ጐይታ ትፈልጥ ድያ?

** ኣይትፈልጥን። ግን ብዙሕ ተገዲሳትለይ።

 

* ከመይ ጌራ ድኣ ንዓኺ ተገዲሳትልኪ ንርእሳ ጐይታ ዘይትፈልጥከ ከመይ ገይራ ጐይታ ፈዋሲ ምዃኑ ፈሊጣ?

** ኣብ ጐይታ ዝግበር ኵሉ ነገር ትፈልጥ እያ ኣጋንንቲ ኸኣ ከም ዘይፍውሱ ትፈልጥ እያ። ኣነ ሕጂ ብዛዕባኣ ዓቢ ጾር እዩ ዘሎኒ፡ ይገርመካ እዩ ብጀካ የሱስ ክርስቶስ ካልእ መድሓኒ ከም ዘየለ ትፈልጥ እያ ብጀካኡ ኸኣ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኣይትሰግድን እያ፡ ቤተክርስትያን ኣይትሳለምን እያ መድሃኒ ኣለም ጥራይ እየ ዝኣምን እያ ትብል ግን እንታይ ከም ዝጐታ ክፈልጦ ኣይከኣልኩን ።

 

* ካብቲ ዝነበረኪ ናይ ሰይጣን ማእሰርቲ ሰንሰለት በንጢስኪ ሓራ ወጺእኪ ሽዑ ድሕሪ ሓርነትኪ እቶም ኣባኺ ሰፊሮም ዝነበሩ ኣጋንንቲ የሸግሩኺዶ ነይሮም?

** ኣነ ንየሱስ ምስ ተቐበልኩ ከምዚ ሓድሽ ህይወት ዝረኸብኩ ከምኡ ኰይኑ እዩ ተሰሚዑኒ ከምኡ እዩ ኸኣ። ምኽንያቱ እንድዒ ምርዳእ ኣብዩኒ ሓንቲ ቀዳም መጺኤ ብሓንቲ ቀዳም እየ መንፈስ ቅዱስ መሊኡኒ። ጽቡቕ ሓርነት ኰይኑ ተሰሚዑኒ ይመላለስ ነይረ እቶም የሕዋት ከየቋረጹ እዮም ስለይ ዝጽልዩ ነይሮም። እቶም መናፍስቲ ክወጹልኪ እዮም ኣልማዝ ይብሉኒ ኣነ ኸኣ ከመይ ኰይኑ ይስምዓኒ እዋእ እንድሕሪ ዝወጹ ኰይኖም ድኣ እቶም ናተይ'ውን ክወጹ ኣለዎም ኢለ ኣብ ገዛይ በይነይ ተዓጽየ ይጽሊ። መዓስ እዮም ዝወጹለይ ኢለ ተሃዊኸ ክልተ ወርሒ ምሉእ ጸልየ ምስ ጐይታ ኸኣ ጽቡቕ ርክብ ገይረ።  ጐይታ ንዓይ ማዕረ ክንደይ ይደልየንን ይግደሰለይን ከም ዝነበረ ኸኣ ብጣዕሚ ይገርመኒ ሽዑ ሓደ ቀዳም ኣጋ ምውጽኦም ኣሕዋት እንዳዘመሩን እንዳጸለዩን ከለዉ ንዓይ በይነይ የንባህቖኒ። ሓፊረ እምበር ሽዑ ምስ ወጹለይ ነይሮም እየ ዝብል። እቲ ምንብሃቝ ኸኣ ይቕጽል እሞ ነቲ መራሒ ጸሎት ከይደ ጸልዩለይ እንተዝብሎ ሽዑ ንሽዑ ምስ ወጹለይ፡  ኣነ ግን እዋይ ዘይፈልጦም ኢለ ስቕ ኢለ ገዛይ ይኸይድ እሞ ኣብ ገዛይ ይሓምም። እቶም የሕዋት መጺኦም ጽልይ እንተቢሎምለይ ኸኣ ይሓዊ። ውግእ ከም ዝዀነ ይርድኣኒ ነይሩ ደሓር መጨረሻ ሓንቲ ቀዳም ምልኣት መንፈስ ቅዱስ ነይሩ የማነኣብ ምጺ ይብለኒ። ኣነ ኸኣ ኣይመጽእን እየ ይብሎ ኖኖእ ምጺ ይብለኒ። በል ሕራይ ግን ሰዓት ክልተ ስለ ትጅምሩ ቅድም እንዳ ቤተ ሰበይ በጸሐô ክመጽእ እየ ይብሎሞ ከይደ ኣብቲ ገዛ ውዒለ ኣደይ ተሌፎን ደዊላትለይ ምስኣ ተዘራሪብና ንሳ ኸኣ ተጉህየኒ'ሞ ኣብኡ ሓሪቀስ ናብ ቸርች እንዳኸድኩ ብጣዕሚ ይነብዕ ነይረ። ኣምላኸይ እንታይ ደኣ ነዚ ነገር እዚ ዘይተስልጠለይ ኢለ ብጣዕሚ ይነብዕ። ሽዑ እቲ ኣጋንንቲ ሕጂ ኪዲ ገዛኺ ንቸርች ኣይትኺዲ ይብለኒ ኖኖእ ክኸይድ እየ ኢለ ቸርች ይበጽሕ እሞ ይኣቱ። እንዳጸለና ከለና መሓሪ ዝብሃል መንፈስ ቅዱስ ሓቢርዎ ትኽ ኢሉ መጺኡ ንዓይ ይጽልየለይ። ሰዓት ስለ ዝኣኸለ ኣብ ካልእ ቦታ ኬድና ጸሎትና ንቕጽል ሽዑ ይወድቕ ሽዑ ንዓይ ኣይርድኣንን እዩ። ግን የሕዋት ከም ዝነገሩኒ 19 መናፍስቲ ሓዊ ነዲድና እንዳበሉ ወጺኦምልኪ ይብሉኒ።

 

*ስለዚ ጐይታ ምስ ተቐበልኪ ድሕሪ ክንደይ ማለት እዩ እዚ ኲሉ ዝኸውን ዘሎ?

**ድሕሪ ክልተ ወርሒ። 

*ድሕሪ ክልተ ወርሒ ጨሪስኪ ተናጊፍኪ እስኪ ሕጂ ንስኺ ካብቲ ዝርድኣኪ ቅድሚ ምንጋፍኪ ዝነበረኪ  ደሓር ምስ ተናገፍኪ ኣብ ኣካላትኪ ወይ ኣብ መንፈስኪ ዝረኸብክዮ ለውጢ እንታይ እንታይ እዩ ነይሩ?

**ቀደም ምስቶም ኣጋንንቲ ከለኹ  ንባዕለይ'ውን ሕምስምስ ዝበልኩ እየ ነይረ እምበር ንሰባት ዋላ ሓንቲ ኣይነበርኩን። ሕጂ ግን ዋላ ክምስክር ከለኹ ኣይጥምቱንን እዮም ብጣዕሚ እዮም ዝፈርሁኒ እቲ ገዛውቲ ቀደም ዝነበርክዎ ኸኣ ይገርሞም እዩ ወላ ሰብኣየይ ጸሎት ኣምስየ ክመጽእ ከለኹ ሰኺርኪ ዲኺ ጥራይ እዩ ዝብለኒ እምበር ኣይደፍረንን እዩ። እቶም ከማይ መናፍስቲ ዝነበሮም ከማን ኣይደፍሩንን እዮም ብዙሕ ለውጢ እየ ርእየ ኣብ ህይወተይ ጐይታ ጸጋ ስለ ዘብዝሓለይ። 

*ዝርድኣኪ ኣብ ኣካላትኪ ዝነበረኪ ሕማም እሞ ሕጂ ግን ድሕሪ ጐይታ ምቕባልክን ኣጋንንቲ ምስ ወጹን  ዝተፈወስክዮ  ኣሎዶ ብጀካ እቲ ናይ ኣጋንንቲ ማእሰርቲ?

**ሕበጥን ሽንትን ነይሩኒ ቅድሚ እቶም ኣጋንንቲ ምውጽኦም ገጸይ ድማ ሰለስተ ዓይነት ይቕየር ነይሩ ብጫ ቀጠልያ ሓጺን ዝመስል። ሕጂ ግና እዚ ኲሉ ተፈዊሰ እየ ኣምላኽ ይመስገን ሕጂ ግና ሓንቲ ነገር ተሪፋትኒ ነይራ። ንሳ ኸኣ ናይ ሽጋራ ወልፊ እያ ንሳ ብጣዕሚ እያ ተጨንቐኒ ነይራ። እቶም የሕዋት ክጽልዩ ከለዉ ኣነ የባልሽወሎም ኣለኹ ኣታ ጐይታ በጃኻ ርድኣኒ ኢለ ጾምን ጸሎትን ገይረ ይጽሊ ንዋላ ሓደ ሰብ ኣይነገርኩን ስለ ዝኸበደኒ ጐይታ ግን ንገርዮም ኢሉኒ። ንመን ድኣ ክነግሮ ኣለኒ ይብሎሞ ንየማነኣብ ንገርዮ ጸዋር እዩ ይብለኒ እሞ ንየማነኣብ ከምዝን ከምዝን ኣለኒ እሞ እንታይ ክገብር ኣሎኒ ክትጽልየለይ ድማ ደልየ ኣለኹ ይብሎ። ኣጆኺ ኣይትሸገሪ እግዚኣብሄር ብምሉእ ልብኺ ድለይዮ እምበር ንሱ ክቖርጸልኪ እዩ።  ሓንቲ ሽጋራ ሒዝኪ ምጺሞ ጸሊና ክንሰብራ ኢና ሽዑ ኣይትምለሰክን እያ ይብለኒ። እቲ ሽጋራ ኣይሃብክዎን ሒዘ ኣይከድኩን ምኽንያቱ እቲ ሓደ መንፈስ ኣብቲ ገዛይ ንብረት ስለ ዝነበሮ ብዙሕ ጊዜ ይመላለሰኒ ነይሩ። የማነኣብ ግና ጐይታ ከም ዝቖርጸለይ ይኣምን ነይሩ። ደሓር ሰትየ ይኸይድ ሓደ ሓደ ጊዜ ድማ ይተርፍ ምኽንያቱ ከይጨንዎምን በታ ኣነ ዝሰተኽዎ ንኹሎም የባላሽወሎም ዘለኹ ኰይኑ ስለ ዝስምዓኒ ከምኡ ሓሳባት ነይሩኒ። ጐይታ ግን ንስኻ እንዲኻ ደሊኻኒ ዘለኻ ስለዚ ክኸይድ ኣሎኒ ኢለ ይኸዶም ነይረ። ሓደ ጊዜ ኣበርቲዐ ይጽሊ ኔረ ሎም መዓልትስ ክፍወስ ኣለኒ ኢለ ጸልየ ከይደ ኣብኡ ኰይነ እንዳጸለኹ ከለኹ የማነኣብ ኣይነበረን። እንዳጸለኹ ንሄኖክ ዝብሃል ክጽልየለይ ከም ዘለዎ መንፈስ ቅዱስ ይሕብረኒ ፕሮግራም ምስ ተወድኤ ኸኣ ሄኖክ ደልየካ ኣለኹ ይብሎ ሕራይ ምስ በለኒ ከምዝን ከምዝን ሽግር ስለ ዘሎኒ ጸልየለይ ይብሎ። ሕራይ ብእምነት ክንጽሊ ኢና'ሞ ሽዑ ጐይታ ክቆርጽርልኪ እዩ ይብለኒ። ሕራይ ኢለ ተንበርኪኸ ይጽልየለይ ሽዑ ገዛ ከይደ ጐይታ ዕላማ ስለ ዘለዎ ክቈርጸለይ ስለ ዝደለየ ኣርማድዮ ይኸፍት እሞ ናይታ ቀያሕ ክዳን ኣብ ማዓንጣኻ ትእሰር ኣብቲ ኣርማድዮ ይረኽባ። ወይለይ ኣብዚ ኰንኪ እንዲኺ ደኣ ትጻወትለይ ዘለኺ ኢለ እታ ኽዳን ይረግጻ ሓደ ምስክርነት ሰሚዔ ነይረ፡ ሓንቲ ሓፍቲ እያ መስኪራትለይ፡  'ሓንቲ ሓፍትስ ከምዚ ናትኪ መናፍስቲ ኔሮማ ፌኮ በቶም መናፍስቲ ዝተገዝኤ ኸኣ ነይርዋ ኲሉ መዓልቲ ኸኣ ይዋግእዋ ሓደ መዓልቲ እንዳ ተጸለየላ ከሎ እቲ ሕማም ኣብ ፌኮ ኣሎኒ ኢለ ተዛሪቡ ሕጂ ተጠንቀቒ ኢኹ ንብረት ናታቶም ከይህልወኪ' ኢላ መስኪራትለይ ነይራ። ንዓይ እቲ ምስክርነት ጠቂሙኒ ኣብዚ ኴንካ እንዲኻ ደኣ ንዓይ ትጻወተለይ ዘለኻ ኢለ እታ ኽዳን ብስም የሱስ ኢለ ይረግጻ ሽዑ በቃ እታ ሽጋራ ኸኣ ኣቋሪጸያ ኣምላኽ ይመስገን።

 

*ኣሜን፡ ሕጂ ናብ ሰብኣይኪ ክንምለስ ኢና፡ ቅድም ንስኺ ኢኺ ሰብኣይ ኔርኪ ኣብቲ ገዛ ድሕሪ ናብ ጐይታ ምምጻእኪኸ ናይ ገዛኹም ሃውህው ናብ ምንታይ ተለዊጡ?

**እቲ ቀደም ወላ ክዛረበኒ እንተ ደለየ ኣይዛረቦን እየ ኔረ። ሕጂ ግን ጐይታ ምስ ተቐበልኩ ኣትን ኣንስቲ ንሰብኡትክን ፍርህኦም ዝብል ቃል ስለ ዘሎ ኣነ ኸኣ ከም ጓል ጐይታ መጠን ብፍቕሪ ክሕብሕቦ ኣሎኒ ኢለ ይሕብሕቦ ግን እቲ ኣብ ኣጋንንቲ እስርቲ ከለኹ ክንድኡ ዘይጸልኣኒ ሕጂ መንፈሳዊት ምስ ኰንኩ ብጣዕሚ እዩ ዝጸልኣኒ ካብ ምጽልኡ ዝተላዕለ ኸኣ ኲሉ ጊዜ ህውከት ይገብረለይ። ሽንትን ሓርእን ይደፍኣለይ ኣነ ኸኣ ብጣዕሚ ናብ ጐይታ ይጽሊ፡ ኣታ ጐይታ በጃኻ ለውጦ ፈትዩ ኣይኰነን ተኣሲሩ ስለ ዘሎ እዩ ከምቲ ኣነ ምሕረት ዝረኸብክዎ ንዕኡ ኸኣ ምሕረት ግበረሉ ኢለ ይጽልየሉ መመሊሱ ኸኣ ገዲዱ ግን ንዕኡ ዝኸውን ጸጋ ጐይታ ሂቡኒ  ሲዒረዮ ኸኣ። እቲ ዘይኣማኒ ክፍለ እንተደለየ ይፈለ እዩ እሞ፡  ፍትሒ ተውጽእ ንስኻ ኢኻ ጐይታ ስለዚ ፍትሒ ኣውጽኣለይ ኢለዮ። ሽዑ ብራእይ ለይቲ ገዛ ክቕይር ከሎ ኣቕሽሽቲ ተኣኪቦምሲ ኣነ ኸኣ ተንበርኪኸ ይጽሊ ይመስለኒ እንታይ ኢኺ ኰንኪ ይብሉኒ እሞ ከምዚ ኢሉ ሰብኣየይ ሞኽ ዘብለኒ ዘሎ ይብሎም ደሓን ክቅይረልኪ እዩ ገዛ ይብሉኒ ኣምላኽ ይመስገን ኸኣ ኣብ ወርሑ ገዛ ቀይሩ። ሕጂውን ከምኡ እዩ ዝብል ጴንጠ ኰይና እያ ገዲፈያ እዩ ዝብል ምስቶም ኣጋንንቲ ከለኹ ተጸቒጡ እዩ ዝሓልፍ ነይሩ ንጐይታ የሱስ ምስ ተቐበልኩ ግና ኣርባዕተ ቈልዑት ገዲፉ ጠንጢኑኒ ከይዱ።

 

*ሕራይ እስኪ ናብ ደቅኺ ክንምለስ ቅድም ንደቅኺ ትጸልእዮም ኔርኪ ሕጂኸ ምስ ደቕኺ ከመይ ዓይነት ሕብረት ኣሎኪ ካልኣይ ነገር ኸኣ ደቀኺኸ ብዛዕባ መንፈሳውነቶም ኣብ ከመይ ደረጃ ኣለዉ? 

**ኣምላኽ ይመስገን ደቀይ ብጣዕሚ እየ ዝፈትዎም ሕጂ ቸርች ሒዘዮም እየ ዝመጽእ ቁሩብ እታ ዓባይ ጓለይ ኣቦኣ ምስዞም ጴንጠ ኣብ ቴንዳ ኴንኪ ከተምልኺ እንዳበለ ብጣዕሚ ይሰብራ ነይሩ ሕጂ ግና ኣምላኽ ይመስገን ጽቡቕ ኣላ።

(ሓብትና ኣልማዝ ስለቲ ዝሃብክና ምስክርነት ጐይታ ይባርኽኪ።)