18
Thu, Apr
0 New Articles

ክነብር ድየ ክመዉት ምስክርነት ካይ ዱራኮቪክ

Salvation
Typography

ኣነ ኣብ ከባቢ ብልዕተይ ብዘጋጠመኒ ናይ ካንሰር ሕማም ብዙሕ ግዜ መጥባሕቲ ጌረ እየ። እቲ ሕማም ካንሰር ውሽጢ ውሽጢ እናበላዓንን እናሳቐየንን ስለ ዝኸደ ሓኻይም ክሳብ እቲ ንኻልኦት ክፍሊ ኣካላተይ ከጥቕዕ ብዝኽእል ሕክምና ከይተረፈ ሓኪሞምኒ እዮም። እቲ ዝወስዶ ዝነበርኩ ሕክምና ሓደገኛ ካብ ምኻኑ ዝተላዕለ ንመዓናጦይ ኰላሊተይ ስትሞኮይን ካልኦት ናይ ውሽጣዊ ክፍልታት ኣክላተይ ኣጥቅዖ። ሓኻያም ምሟተይ ከም ዘይተርፈኒ ምስ ኣረጋገጹ ናይ መወዳእታ ቃለይ ንምሃብ ነቲ ናተይ ካህን ጸዋዕክዎ።


 

ድሕሪ ብቓላት ክግለጽ ዘይክእል ስቓየየን ቃንዛይን ድሕሪ ማእለያ ዘይብሉ ሕክምናዊ መጥባሕቲ ምግባረይ እቶም ዶክተራት ናይ መጨረሽታ ቃሎም ከምዚ ኢሎም ተዛረቡኒ "ንሕና እቲ ክንገብሮ እንኽእል ኩሉ ጌርናልኪ እንተ ዀነ ምንም ለውጢ የሎን ስለዚ ብሰላም ክትዓርፊ ክንሓድገኪ ኢና"

ንኽመዉት ከዳልውኒ ንኸይበልዕ ንኸብደይ ዓጸውዎ። ቅድሚ ካብ ሆስፒታል ምስንባተይ ግና ብዓረብያ ጌሮም ናብታ ኣባታ ሆስፒታል ዝነበረት ቤት ጸሎት ወሰዱኒ። ንናይ መጨረሽ ግዜ ድማ ድራር ጐይታ ክበልዕ ተዳለኹ። ኣብታ ጸባብ ክፍሊ ኸኣ ዕጻይ ድሕሪ ሞት እንታይ ከም ዝመስል ከሰላስል ጀመርኩ። ምሟት እንታይ እዩ? ነቶም ዝሞቱ ኣቦይን ኣደይንሲ ይርእዮም ዶ ይኸውን? እዚ ስቓየይሲ ኣብቲ ዘልኣለማውንት የኽትም ዶ ይኸውን ወይ ከኣ ናይ ስቓየይ ዝገደደ መጀመርታ?

ነቲ ካብ ንእስነተይ ኣዚዩ ኣግዳሲ ምዃኑ ዝኣምነሉ ዝተዳለወ ወይንን ሕንባሻን ክወስዶ ከለኹ "እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ" ዝብል ከቢድ ድምጺ ኣብ ኣእምሮይ ከቃልሕ ጀመረ። እዘን ቃላት እዚኣን የሱስ ክርስቶስ ዝተዛረበን ቃላት ምዃነን ገና ቆልዓ ከለኹ ዝተመሃርክዎ እዩ። ኣብቲ እዋን እቲ ምስቲ ዝወስዶ ዘለኹ ድራር ጐይታ ሓደ ዝኰንኩ መሰለኒ፣ ብኸመይ ዝብል ሕቶ ግና መልሰይ እንድዒ እዩ። ምናልባት ግና እዚ ቃላት እዚ የሱስ ናብ ሞት እንዳኸደ ዝበሎ ቃላት ስለ ዝዀነ ኣነ ውን ናብ ሞት ገጸይ ይኸይድ ስለ ዘለኹ ክኸውን ይኽእል እዩ ኢለ ሓሰብኩ። ብርግጽ ሕጂ ክመውት እየ ማለት እዩ? ድሕሪ ሞት እንታይ ኣሎ?

ነቲ ሕምባሻ ቀጥቀጥ እናበልኩ ክበልዖ ኣብ ኣፈይ ኣእተኽዎ። ነቲ ተምሳል ደሙ ዝኸነ ወይኒ ሰተኽዎ እዚ ደም እዚ ንብዘሎ ሓጥያተይን ሓጥያት ኩላ ሰብ ክብል ዝፈሰሰ ምዃኑ ብንእስነተይ እየ ተማሂረዮ። ነታ ወይኒ ምስትኽዋ ድማ እዚኣ ናይ መጨረሻታ መዓልቲ ቅዱስ ቁርባን ዝወስደላ መዓልቲ እያ ኢለ ሓሰብኩ። እወ ናይ መጨረሻ መዓልቲ። እዚ ከምዚ ካልኣ ግዜ ከ ምዘይገብሮ ፈሊጠ ካብ ኣዒንተይ ንብዓት ክፈስስ ጀመረ። ብድሕር እዚ ናብ ገዛይ ከድኩ። እቶም ዶክተራት ንባዕልቤተይ ኣብ ፍርቂ ፍርቂ ሰዓት ፈሳሲ እንተ ዘይኰይኑ ደረቕ ምግቢ ከይህበኒ ኣጠንቀቕዎን ኣዘዞን። ዳጋማይ ምግቢ ዝበሃል ከይህበኒ ኣዘዙኒ።

ኣብ ገዛይ ናይ ሕኽምና ጥርሙስን ማሽንን ተተኽሊኒ ነበረ። ናይ ግዜ ጉዳይ እዩ እምበር ቀስ እናድበልኩ እመውት ነበርኩ።

ሓንቲ ኣዚያ ውፍይቲ ክርስትያን ኩነታትይ ብቐረባ ትኸታተል ዝነበረት ሓፍቲ ተጸናንዓንን ተባራታዓንን ብፍላይ ከኣ ናይ ክርስትያን ቴለቪዥን ክርኢ ትምዕደኒ ነበረት። ንዓኣ ከሕጉስ እምበር ድሌት ዝብሃል ኣይነበረንን ሓራይ ክርእየ በልክዋ። ከይተሓለለት ግና ትትኹትኾኒ ነበረት። ሓደ ናይ ቴለቭዥን መደበር ክርኢ ኸኣ ሓበረትኒ። ናብታ ዝበለትኒ ቻንል ወሊዔ ድማ ክርኢ ጀመርኩ ፓት ሮበርትሶን ዝተባህለ ፉሉጥ ኣገልጋሊ ኸኣ ይዛረብ ነበረ። ነቶም ነዚ መደብ ዝከታተሉ ሰባት ድማ ክጽሊ ጀመረ። ከምዚ ኢሉ ክዛረብ ጀመረ፣ እቲ ሽግር መንፈሳዊ ይኹን ስጋዊ ወይ ስነ ኣእምራዊ ካልእ እውን ብዘየግድስ ክንጽሊ ኢና እስከ ኣእዳውኩም ኣብቲ ዘሕመኩም ክፍሊ ኣካልኩም ግበርዎ ምሳይ ኰንኩም ንኣምላኽ እምነዎ እወ ጥራይ እምንዎ። "ንዕእ ጥራይ እመን" ዝብላ ቃላቱ እምብዛ ሓያላት ኔረን።

እዘን ቃላት ከኣ ሰንጢቐን ኣብ ልበይ ኣተዋ፣ ከምዚ ኢለ ድማ ሓሰብኩ ሕጂ ማንም ኣይርእየንን እዩ ዘሎ ከምኡ ከምዝገበርኩ ድማ ዝፈልጠኒ የሎን ስለምንታይ ከምቲ ዝብሎ ዘሎ ዘይገብር እንታይ ከይጐድለኒ እዩ። ምስ ኣምላኽ ድማ ክዛረብ ጀምርኩ ዘሕፍር እዩ ክፍትኖ ጀመርኩ። "ሕራይ ኣምላኽ ከምቲ ብህጻንነተይ ኰለኹ ዝኣምነካ ኣምላኽ እንተ ዀንካ ክርኢ እየ። እስከ ሕጂ ትገብሮ ክንርኢ ኢና ክመውት ድየ ክነብር እቲ ውጺት ክንርእዮ ኢና። እቲ ዝበልክዋ ቃላት ማለተይ ኰይነ ዝተዛረብክዎ እየ። ኣእዳወይ ኣብ ከብደይ ጌረ ነቲ ጸሎት ክደጋግሞ ጀመርኩ። ገለ ነገር ኣብ ውሽጥየ ክፍጠር ጀመረ። ብቕጽበት ገለ ነገራት ይፍጸም ከም ዘሎ ምስ ኣስተውዓልኩ እምብዛ ክድነቕ ጀመርኩ። ከምዚ ዓቢ ደበና ካባይ ዝተቐንጠጠ ኰይኑ ተሰማዓኒ። ከም ክንቲት ፈኳስ ዝዀንኩ ተሰማዓኒ። ካብቲ ዝጸዓነኒ ነገር ነጻ ኰንኩ። ኣብ ሓደ ግዜ ክበክን ክስሕቕን ጀመርኩ።

እታ ምሸት ከኣ ሰላም ኣምላኽ መሊኤ ክድቅስ ከድኩ። ኣብቲ ግሩም ኣእዳዉ ኣጸጊዑ ዘደቀሰኒ መሰለኒ። ንጽባዒቱ ተስእየ ከምቲ ኩሉ ግዜ ዝገብሮ ነቲ ዝተዓንገጥክዎ ፈሳሲ ጥርሙስ ሽንተይ ዝእከበሉ ረኣኽዎ። ግና እቲ ጥርሙስ ጥርሑ ምንም ፈሳሲ ኣይነበሮን። እታ ካልኣይ ንኽኣምኖ ዘጸገምኒ ነገር ግና ኣብ ውሽጠይ ሓደ "ንቑስልኺ ረኣዮ" ዝብል ድምጺ እዩ። ሕጂ ነቲ ቑስለይ ክርእዮ ኣይደልን እየ። ኣዚዩ ሕማቕን ጨናውን እዩ። ዝተጣባብሐ ንኽትርእዮ ዘፈንፍን ብደም ዝጨቀወ እዩ። ነቲ ዝሰማዕክዎ ድምጺ ክእዘዝ ስለ ዘሎኒ ግና ቀሊዔ ነቲ ውሽጠይ ረኣኽዋ። ቅድሚ ምርኣየ ነቲ ዝዛረበኒ ዝነበረ ድምጺ ናይ ምኻኑ ክፈልጦ ደለኹ። ምስ ከፈትክዎ ግና ክኣምኖ ዘጽግመኒ ነገር ረኣኹ። ቑስለይ ጠፊኡ ምሉእ ብምሉእ ሓወኹ። ካልኣይ ሳዕ ድማ "ኣነ ፈዊሰኪ እየ ደጊምኪ ኣይትሓምን ኢኺ" ዝብል ድምጺ ሰማዕኩ። ኣብዚ እዋን እዚ ናይ መንፈስ ቁዱስ ድምጺ ምዃኑ ፈለጥኩ። ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ምሉእ ብምሉእ ሓወኹ። ደጊም ኣይተጠባሕኩን። ኣምላኽ ንስጋይ ፈዊስዎ። ካብኡ ንላዕሊ ግና መንፈሳዊ ፈውሲ ተፈወስኩ።

እዚ ዝዀነ ቅድሚ 20 ዓመት ኣቢሉ እዩ። ንመድሓኒ የሱስ መድሓንየይ ጥራይ ዘይኰነ ጐይታይ ጌረዮ እየ። ኣምላኽ ዝፈወሰኒ ንኻልኦት ብዛዕብኡ መታን ክነግር እየ። ንኣምላኽ ስለ እቲ ዝገበረለይ ብዙሕ ውዕለት ከመስግኖ ቃላት ይሓጽረኒ እዩ።