18
Thu, Apr
0 New Articles

ዘማሪት ሚለ

Ministry
Typography

ኣብ ባሕሪ ናይ ሓሳብ ጥሒለ፣ ንኣመለኾ ቤተክርስያነይ ይዕዘቦ:: ከም ተንቀሳቓሲ ፈሊመ ኮይኑ ኣብ ቅድሚ ክለተ የዒንተይ ቅጅል ይብለኒ:: ህዝቢ ኣመላኽ ከም ማይ ፈሲሶም: ብተመስጦ ይጽለዩ:: ግዜ ሞባእ ኣኽሉ: ፍታው ልቦም: ኢዶም ፈቲሖም ክልግሱ:: ሰባኺ ወንጌል: ኣብ መበረኺ ስብከት ጠጠው ኢሉ: ቃልኣምላኽ እንዳተዛረበ ይጭድር::

ሃንደበት ድቦላ ሕቶ ንኣእምሮይ ይብሕቶ: ኣምልኾ በዘይ መዝሙር እንታይ ምመሰለ? ኣሰልቻዊ: ድሩቕ: ደይስሕብ: ንዝብል መልስታት ንጎኒ ሓዲገ: ተራ መዝሙር ኣብ ኣምልኾ ክገልጽ እፈቱ:: መዝሙር: ለጠፍ ወይ ውሻል ኣምልኾ ዘይኮነስ: ነብሱ ክፋል ናይ ኣገልግሎት እዩ:: ካብዚ ርትዒ እዚ እዩ: ፍቕሪ መዝሙርይ ዝምነጩ:: መዝሙር ንኣይ ሂውት እዩ:: ንዕምቆት ድልየት ልበይ ዝገልጸሉ: ብዜማ ዝተሰነየ: ቋንቋ ልበይ እዩ::
ስምይ: ሚለ እብሃል:: ብ1971 ካብ ኣቶ ተኽለን ውይዘሮ ሮማን ዝተባህሉ ስድራቤት: ኣብ ከተማ ኣስመራ ተወሊደ:: ኣብታ ከተማ ኸኣ ዓብየ:: ኣብ ኣብያተትምህርቲ: ቀራንዮ: ሃጸይ የውሃንስ: ኢሳቕ ተወልደመድሂን(ገዛ ከንሻ) ተማሂረ:: ድሕሪ 12 ክፍሊ ምዝዛም: ኣብ መሰልጠኒ መምህራን (TTI) ተማሂረ:: ኣብ ደብረብርሃንን ኣዲስ ኣበባን (ኢትዮጵያ): ንሓደ ዓመትን ፈረቓን ዝኣክል ከም መምህር ኮይነ ኣገልጊለ::
ታሪኽ መንፈሳዊ ሂወተይ ካብ ካልኣይ ክፍሊ እዩ ዝጅምር:: ኣብ ቤተክርሰትያን ድብረቢተል ዝመላለሳ ዝነበራ: ደቂ ቤትተምህርተይ: ከዝምራ እሰምዐን ኔረ:: ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኸኣ ፍቕሪ ኣምላኽ ንልበይ ክገዝኦ ጀሚሩ:: ስድራይ ንመንፈሳዊ ኣኼባታታት ንኸይመላልስ ዕነቀፋት ይግብሩለይ እኳ ተነበሩ: እታ ፍቕሪ ኣምላኽ ግን ክትሓድገኒ ኣይከኣለትን:: ጓል 13 ዓመት ምስ ኮነኩ: ኣብ ምሉእ ርድኢት ናይ ምድሓን በጺሐ:: ዘማሪተ ኣውካ ኮፍ መባህልተይ ዝነበረት: መምህር ሰለሙን: ኣብ ምኹሰኳሰይ ዓቢ ተራ ኔርዎም::
ካብ 1993 ጀሚረ: ኣብ ሃገር ጀርመን: ከተማ ፍራንክፈርት እቕመጥ ኣለኹ:: ብ1998 ምስ ወንጌላዊ ሰመረኣብ ሃብተ: ቓልኪዳን ኣሶረ:: ጎይታ ኸኣ ሰለስተ ነፍሲ ሂብና አሎ:: አቤንዔዜር ፡ እልልታ ናርዶስን ይበሃሉ:: ትርጉም ኣስማት ደቅና: ነጸብራቕ መንፈሳዊ ሂወትና እዮም:: ንመጸውዒ ጥራይ ዝመረጽናሎም ዘይኮነስ: ትርጉም መግለጺ ሓቀኛ ኩነታትና እዮም::
መጀመርታ ምስ ተመርዓና: ወዲ ከም ዝወልድ ውሸጠይ ይስመዓኒ ኔሩ:: ኤቤንዔዘር ንኽንሰምዩ: ምስ ባዓልቤተይ ነታ ሰም መሪጽናያ:: ትርጉማ: ‘እግዚኣብሄር: ክሳዕ እዚ ረዳእና’ እዩ:: እንተኾነ ግን ን4 ዓመት ዝኣክል: ብዘይውላድ ንጸንሕ:: ቅድሚ ምውላደይ 2 ግዜ ጥንሲ ይኸደኒ:: ግን ብምሕረት እግዚኣብሄር: ንረዲኤት ዝእውጀሉ ስም: ’ኤቤንዔዘር’ ክንንደይ መሰናኽል ሓሊፉ ህያው ኮይኑ:: ኤቤንዔዘር ዝባሃል ህጻን ሓቚፈ:: ካብ ሰዓት ናብ ስዓት እግዚኣበሄር ረዳኣና: ብምባል እእውጅ ኣለኹ:: ብፍላይ እቲ ብወንጌላዊ ተመስገን ፍስሃየ: ዝተዋህበኒ መልእኽቲ ኣምላኽ: ድሕሪ ሓደ ዓመት ክውን ምስ ኮነ: እግዚኣብሄር: ንትግባረ ቃሉ ዕጡቕ ከም ምዃኑ ብተሞኩሮ ፈሊጠ:: እታ ካልኣይቲ ትርጉም ናይ ስም ጓልና: ‘እልልታ’ ኻኣ: ከምቲ መጵሓፍ ቅዱስ ዝብሎ: "እቲ እልልታ ዝፈለጥ ህዝቢ ብጹእ እዩ:: ኣብ ድነኳን ጻድቕ እልልታ ይስማዕ":: ኣብ ውሸጠይ ፍቕሪ ኣምላኽ ኩሉ ግዜ እዩ ዝነደኒ:: እልልታ መግለጲ ሓጎስ ልበይ እዩ::
ኣብዚ ግዜ እዚ ኣብ ቤተክርስትያን ሙሉእ-ወንጌል ኤርትራ ፍራንክፈርት እየ ዝጓሰ ዘለኹ:: ከም ኣባል መዘምራንን ሶሎ ዘማሪት ኮይነ የገልግል:: ኣብዚ ክፍሊ ኣገልግሎት እዚ: ብዙሓት ይጽልዩለይን የተባብዑንን እዮም:: ብፍላይ ግን ተራ በዓል ቤተይ ኣዝዩ ዕዙዝ እዩ:: ዋላ ብዙሓት ንውለድ: ንመዝሙር ኣዝየ ክጸቕጠሉ ከም ዘለኒ ይነግረኒ:: ኣብ መዝሙር ምእራም: መስርዕ ምትሓዝ: ቃላት ኣብ ምምራጽን ይተሓጋገዘኒ:: ልዕሊ ኹሉ ግን ንቕድሚት ክደፍእ የተባብዓኒ:: ንደገፍ ባዓል ቤተይ ኣዝየ እየ ዘድንቖ::
ምዝማር ኣብ አዲስ ኣበባ እየ ጀሚረዮ:: ኣብ መጀመርታ ናይ ካልኦት ኣሕዋት መዜሙር ይዝምር ነይረ:: ብ1994: ኣብ ሃገር ጀርመን ናተይ መዝሙር ክደርስ ጀሚረ:: መዝሙር ንኣይ ህያብ እዩ:: ብመዝሙር ንጎይታ ከገልግሎ: ዝስመዓኒ ባህታ ወስን የብሉን:: ንሱ መዝሙር ይህበኒ:: በቲ መዛሙራት ከኣ: ህዝቢ ኣምላኽ ክባርኽ ብዙሕ ግዜ ርእየ:: ባሮት ኣምላኽ ከኣ: ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ኣረጋጊጾምለይ እዮም::
ቀዳማይቲ መዝሙረይ: "ኩሉ ሓሊፉ: ኩሉ ሓሊፉ: ኣብዚ በጺሐ: ንኸዘንትወሉ በቒዐ" ትብል እያ:: ካብ ዝሓለፍክዎ ኩነታት እያ እትብገሰ:: ኣብ ቤተሰበይ: ንጎይታ ከገልግል ነጻነት ኣይነበረንን:: መጽሓፍ ቅዱሰይ ዝሕደገሉ: መዛሙራተይ ዝቓጸለሉ ብዙሕ ግዜ ነይሩ:: እዚ ግን ኩሉ ሓሊፉ! ሕጂ ብነጻነት ንጎይታ አገልግሎ ኣለኹ:: ብዙሕ ሰብ ኣብ ሃገር ጀርመን: ሰሪሑ ንገዛእ ረእሱን ስድራቤቱን ከማሓይሽ: ክማሃር እዩ: ልዑል ትጽቢት ዘለዎ:: ንዓይ ግን ሓለፋ ኹሉ: ናይ ኣምልኾ ነጻነት ሰለ ዘለኒ: ጀርመን ንዓይ ጥዕምቲ እያ::
ኣብ ኣገልግሎት መዝሙረይ: ኣነ ሕጂ ክገጥም ኣለኒ ወይ ዜማ ከውጽእ ኣለኒ ኢለ ኣይኮነኩን ንምድራስ መዝሙር ዝብገስ:: ኣብ ኣምልኾ ከለኹ: ዕብየት ኣምላኽ ቅጅል ይብለኒ እሞ: ሸዑ ዜማን ቃላትን ይመጸለይ:: መዝሙር ኣብ ግዜ ኣብ ግዜ ኣምላኾ እዩ ዝፈሰኒ:: ኣብ ግዜ ፈተና ከለኹ እውን ይመጸኒ:: ዜማን ግጥምን ኣብ ሓደ ግዜ እዩ ዝወሃበኒ:: ስም እግዚኣብሄር ይባረኽ ! ስለቲ ዘይነጽፍ: ዒላ መዝሙሩ::
ኣባል መዘምራን ኮይነ: ነ10 ዓመት እየ ኣገልጊለ:: ኣብዚ ዓመታት እዚ ናተይ መዝሙር ከውጽእ: ፋሕተርተር ይብል ነይረ:: ሕጂ እግዚኣብሄር ረዲእኒ: ኣብ መዝሙር ምሕታም በቒዐ ኣለኹ::10 ዓመት ነዊሕ እዩ:። ካሰት ምሕታም ቀሊል ኣይኮነን:: ክሓልፎ ዝነበረኒ ቶሞኩሮ ነይሩ:: ብሓጺሩ ብሱል ግዜ እጽበ ነይረ:: ኣብ መወዳእታ: ‘መፍትሕ‘ እትብል ካሰት ታሓቲማ ተዘርጊሓ ኣላ:: ነዛ ካሰት ንኸሕትማ: ብዙሕ ምትብባዕ ዝገበረልይ: ሙዚቀኛ ሄኖክ ገብረሚካኤል: ልባዊ መሰጋናይ ከቕርበሉ እፈቱ:: ከመኡ እውን ንየማነ በራኺ: ምኽንያቱ: ነቲ ገበር ናይታ ካሰት ንሱ እዩ ጌርለይ:: ብሓፈሻ ግን: ንኹሎም ቅዱሳን ብጸሎትን ምትብባዕን ዝደደገፉኒ: እግዚኣብሄር ይባርኽኩም እብል::
እዛ ካሰት እዚኣ ፈላሚት ዳኣ እንበር ናይ መወዳእታ ኣይኮነትን:: ኣብ ምድላዋ ብዙሕ ተሞኩሮ ወሲደ ኣለዅ:: ርሕቀት ናይ ቦታ ዝፈጦሮ ጸገም: ኣብቲ ቴክኒካዊ ኣተሓታትማኣ: ትሕቲ ትጽቢተይ እኳ እንተኾነት: ግን ህዝቢ ኣምላኽ ብመጠኑ ይባረኸላ ምህላዉ: ዓቢ ምትብባዕ እዩ ንኣይ እዩ:: ሐጂ ግን ነኹሉ ዝነበረኒ: ሕጽረታት ኣወጊደ: ብሉጽ መዛሙራት ንጎይታ ከበርክተሉ ምኳነይ ንዓቢ ስራሕ ራእየይ የሐድስ ኣለኹ::
ኣብዚ ግዜና: በዙሕ መዛሙራት ይፈሪ ኣሎ:: ኣዝዩ ኻኣ የሐጉሰኒ! ቀደም ከም ናይ በዓል ዘማሪ ዑቕባስላሰ ሃይለን ካልኦት ሓደት ዘመርትን እንተዘይኮይኑ: ዳርጋ ብውልቂ ዝዝምሩ ኣይነበሩን ክበሃል ይከኣል እዩ:: ካብዚ ሕጽረታት እዚ ዝተበገሰ: ኣመንቲ ናይ እንግሊዘኛ: ኣምሓረኛ ብብዝሒ ይሰምዑ ነይሮም:: ሕጂ ግን እግዚኣብሄር ባሪኽና: ብቋንቋና ትግርኛ ንኣምላኽ ንባርኾ ኣለና:: ክብሪ ንእግዚኣበሄር ይኹን! ጎይታ: ብትግረ: ኩናማ:......ወዘተ ዝዝምሩ ኣሕዋት ከተንስኣልና ቤተክርሰትያን አበርቲዓ ክትጽሊ ይግባእ:: ግን ምስቲ ዋሕዚ መዛሙር ካብ ህዝቢ ኣምላኽን ዓለማውያን: ድወሃብ ነቐፌታታት ኣሎ:: ንሱ ኸኣ: ‘መዛሙራት ነንሕድሕዱ ይወራረስ ኣሎ:: ካብኡ ሓሊፉ: ዶብ ስጊሩ: ናብ ናይ ዓለማውያን ደርፍታት ይጎዛጎዝ ኣሎ:‘ ዝብል እዩ:: እዚ ነቐፌታ እዚ: ከፊላዊ ሓቂ ኣለዎ:: ሓቀኛ መዝሙር: ምነጩ ካብ ኣምላኽ እዩ:: ኣምላኽ: ካበቲ ሓደ ዜማ ጨሊፉ: ካብቲ ካልእ ከኣ ዜማ ቦጊሉ ኣይህብን እዩ:: ኣግዚኣብሄር: ዛርዩ ዘይውዳእ: ዓይኒ ዜማ ኣለዎ:: እቲ ናይ ሓቂ ዘማራይ ከኣ: ካብዚ ዜማ ወቅያኖሰ እዩ:፡ክቐድሕ ዘለዎ:: ኣብ ኣምላኸ ዋሕዲ ዜማታት የልቦን:: ካብ ሓደን ክልተን: በጂልካ: ጨሊፍካ: ዘሚርካ: መዛረቢ ትኸውን: በዓቕሊ ምጽባይ ከም ዝበለጽ ክመክር እፈቱ:: ቕድሚ ምዝማርካ: ሰለምንታይ ትዝምር ኣለኻ: ሃቐናኻ ምፍላጥ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ:: ክሳብ ሓቀኛ መዝሙር ካብ እግዚኣብሄር ትቅበል: ብኣሓት ወይ ኣሕዋት ዝተዘመረ መዝሙር እናተባረኸካ መጽናሕ: ዝበለጸ እዩ::
ንኹሎም ዘመርቲ ሃገርና: ብማዕረ አፍቅሮም:: ብመዛሙራቶም ኣዝየ ተባሪኸ እየ:: ንኽሰምዖ ኸኣ አዝየ ሃንቀው እብል!!
ናይ መጻኢ ራእየይ: ኣብዚ ዓውዲ ኣገልግሎት: አዝየ ክሰጉም እዩ:: ኣገልግሎት መዝሙር ዶብ የብሉን:: ክሳዕ መረዓ ወይ ውላድ ኣይኮነን:: ብወገነይ ንዓይ እዚ ዘምጽኣኢለይ ለወጢ የልቦን:: ኣብቲ ተበግሶን ድልየትን ማለተይ እየ:: ብተወሳኺውን: እዚ ማለት ነጻ ኮይንካ ብሙሉእ ሓይልኻ ንኸይትኸይድ ሓላኺ ማለት ኣይኮነን:: ጌና ከዝምር እኢ:: ዋላ 10 ቖልዓ ይውለድ:: ምዝማር ኣይኮቋርጽን እየ:: ብዓል ቤተይ ኣብዚ መዳይ እዚ: ኣዝዩ ርዱእ እዩ:: የማናይ ኢደይ እዩ::
ኣብ ቤተክርሰትያና ዝግበር ዘሎ ናይ መዝሙር ፍኒሕኒሕ ምባል ኣዝዩ እዩ ዘሐጉሰኒ:: ድሮ ሓውና ሃብቶም ምራጭ: ካሰት ኣሕቲሙ ዘርጊሑ ኣሎ:: መዘምራነውን ካሰት ከሕትሙ ኣብ ምድላው ይርከቡ:: እዚ ዋሕዚ እዚ: ከየቋረጸ ክቕጽል ሙሉእ ተስፋ ኣለኒ:: እዋኑ ፍረ ራኢና እንሓፍሰሉ ወቕቲ እዩ::
‘መፍትሕ‘ ኩሉ ዜማታት እግዚኣብሄር እዩ:: ራሕሲ መዛሙራቱ: ኣብ ህዝቡ ኣንጀርቢቡ ክሪኢ ድልየቱ እዩ:: ደበናታት መዝሙር ንብርቱዕ ዝናብ ንሰማይ ትጻዒኖሞ ይረኣየኒ:: ጌና ንኽብሪ: እቲ ገነሸል ኣምላኸ ክዝምር እየ: ሎሚ: ጽባሕ: ንዘልኣለም: ኣብ ሰማይ ምስ ጭፍራ መላእኽቲን ኩሎም ቅዱሳንን ኮይነ: ኣብ ቅድሚቲ: ልዕሊ ምሰትውዓል ኣእምሮ ጽባቐ ዘለዎ ሰማያዊ ዝፋን እግዚኣብሄር:: ኣብ ቅድሚኡ: ኣኽሊል ክብሪ ለቢሰ ክዝምር ክነብር እየ!!!!!
ኣሜን!!