18
Thu, Apr
0 New Articles

ምስክርነት ጐይትኦም ገብረዮናስ

Ministry
Typography
1. ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ድሕሪ ባይታኻን ኣተዓባብያኻንዶ መዕለልካና፧ ስም፣ ዕድመ፣ ዝተወልውድካሉ ቦታ፣ ደረጃ ትምህርትኻ፣ ኩነታት ኣታዓባብያኻ፣ ስም ብዓልቲ ቤትካን ደቅኻን፣

   ስመይ ጐይትኦም ገብረዮናስ እብሃል። 1966 ኣብ ኣስመራ ተወሊደ ዓብየ። ናይ ትምህርቲ ደረጃይ 12 ክፍሊ እየ ወዲኤ። ሕጂ በዓል ሓዳርን ኣቦ ኽልተ ቆልዑን እየ። ፍቕርቲ በዓልቲ ቤተይ ሳራ ብርሃነ ትብሃል። ክልተ ቆልዑ ኣለዉና።ስም እቲ ዓቢ ወደይ ዮያዳ እዩ። ስም ጓለይ ድማ ኤሊም።


      2, ጊዜ ንእስነትካ ብኸመይ ዓይነት ህይወት ተሕልፎ ነይርካ፧  

ጊዜ ንእስነተይ ኣብ ቤቱ እየ ኣሕሊፈዮ። ወዲ 14 ዓመት እየ ናብ ጐይታይ መጺኤ። ታሪክ ዓለም የብለይን። ኣብ ገዛውተይ ይኹን ኣብ ቤት ትምህርተይ ከም ኡውን ኣብ ስርሓይ ከም መንፈሳዊ ሰብ እፍለጥ።

     3. ናብ ጐይታ መዓስን ብኸመይን መንገዲ ክትመጽእ ክኢልካ፧

      ናብ ጐይታ ዘምጽኣኒ ጸወታ ኩዑሶ እዩ። ኩዑሶ ምጽዋት ኣዝዬ እፈቱ ነይረ። ካብ 11 ዓመት ጀሚረ ድማ ናይ ህጻናት ኩዑሶ ጸወታ እግሪ ንኮፓ ኣብ ፊት መቓብር እንዳ ማርያም እጻወት ነይረ። ንፉዕ ተጻዋታይ ከም ዝነበርኩ እዝክር። ክሳዕ ሕጂ ዝከታተሎን ዝፈትዎን ጸወታ እዩ። ነዚ ኹሉ ዘምጻእኩዎ ኩዑሶ ኣብ ሂወተይ ትርጉም ስለ ዘለዋ እዩ።
 ሓደ ጊዜ ካብ ገዛውትና ኣኽርያ (ሪጋ ሶማል) ዝጋጠሙና ክንደሊ እናሓተትና ናብ ከባቢ እንዳ  ገብሪኤል ምስ ቀረብና ብርሑቕ ድሃይ መዝሙር ንሰምዕ እሞ ንዑናይ ንኺድ ንርኣ ተበሃሃልና። ኣቲና ድማ ምስኦም ድማ ዘመርና። እቶም ሽዑ ዝረከብናዮም ነጋ፡ ሰመረ፡ ዳኒኤል፡ ሃብተሚካኤል ዝብሃሉ ኣሕዋት ብጽቡቕ ተቐቢሎሙና ኩሉ ጊዜ ክንመላለስ ድማ ይነግሩና።
  እዛ መዓልቲ እዚኣ ንዓይ ፍልይቲ መዓልቲ ነይራ። ኩዑሶ ዚጋጠሙ ኣይረኸብኩን። ምስ ጐይታይ ድኣ ተጋጢመ። ተጋጢመ ድማ ተሳዒረ። ጽቡቕ ስዕረት ዘየጣዕስ ስዕረት ብፍቕሩ ዝተሰዓርኩላ ዝተባረኸት መዓልቲ እያ። ካብታ መዐልቲ ጀሚረ ኣብ ቤት ኣምላኸይ ተተኺለ ኣለኹ።ኽብሪ ንስሙ ይኹን።  
4.ድሕሪ ንጐይታ ክትስዕብ ውሳኔ ምግባርካኸ ካብ ስድራ ቤትካ ኣሕዋትካ ኣዕሩኽትኻን ጐረባብትካን እንታይ ዓይነት ኣሉታውን ኣዎንታውን ግብረ መልስታት መጺኡካ፧
እወ ከምዚ ዝሓተትካኒ  ብጐይታ ምስ ኣመንካ ዝድግፈካን ዚቃወመካን ክህሉ ናይ ግድን እዩ። ብዛዕባ እዚ ዘይርስዖ ሓደ ነገር ከዕልለካ። ኣብ ቤት ኣምላኽ ምስ መጽእኩ መጽሓፍ ቅዱስ ሂቦሙኒ። ኣዝየ ከኣ ፈትየያ። ብፍላይ ወንጌል እየ ዘንብብ ነይረ። ሽዑ እየ ንየሱስ ዝፈተኹዎ። ዘረብኡ ይኹን ንዝሓተትዎ ዚህቦ መልሲ እዚ ኩሉ ባህ እናበለኒ ብተመስጦ ኣንብቦ ነይረ። ኣብ መወዳእታ ንክስቀል ሓዝዎ ጸፍዕዎ ገረፍዎ ዝብል ቃል ምስ ኣንበብኩ ምጽዋሩ እስእን ንብዓት ይስዕረኒ ነይሩ። መጽሓፍ ቅዱስ ንዓይ ካባይ ዘይፍለ መጽሓፍ ንሓሳእ ዝስዕሞ ንሓንሳእ ተተርኢሰዮ ዝድቅሶ ኰነ።
  ሓደ መዓልቲ መጽሓፍ ቅዱሰይ ሒዘ ናብ ቤት ኣምላኽይ እናከድኩ ሓደ ዝፈልጦ መንእሰይ ንዓ ኣታ ቆልዓ እንታይ ሒዝካ ኣሎኻ ይብለኒ። ኣነ ኸኣ መጽሓፍ ቅዱስ ኢለዮ። ርእይዋ ገናጺልዋ ከኣ።  ክህበኒ ከሎ ድማ ንሕጂ ኢኻ እምበር ደሓር መንእሰይ ምስ ኰንካ ክትሓድጎ ኢኻ ይብለኒ። ኣነ ከኣ እንታይ ኰይነ ኢለ ክሓድጎ ኣይሓድጎን እየ ይብሎ። ድሓን ንርእየካ ይብለኒ። በዚ ከኣ ንፈላለ ድሕሪ 2 ዓመት ኣቢሉ እዚ ዘረባ ኣብ ልበይ ይመጽእ መዝሙር ምድራስ ጀሚረ ስለዝነበርኩ ድማ ሓድሽ መዝሙር ይመጸኒ ከምዚ ትብል።
1.ነዊሕ እዩ መንገዱ ኣበይ ከይትኽእሎ
ተበለ ጸላኢ ሕልናይ ከዕርቦ
ክሳዕ ሕጂ ኣለኹ እግዚኣብሄር ይመስገን
ዚመጸ ይምጻእ እምበር ንሕናስ ኣይንፈላለን

2.    ጽባሕ ዘይክሓድጐ ሎሚ እንተሰዓበ
ብምባል ብዙሕ እዩ ምምላሰይ ዚጽበ
ኣብ በሪኽ ኣብ ዓሚቕ ብሓደ ብምዃን
ንሕናስ እሞ ኣሎና ኣይተፈላለናን
ብክርስቶስ የሱስ

ንእግዚኣብሄር ኣቦ
ብክርስቶስ የሱስ
ስብሓት ይኹኖ
ኣይተፈላለናን ምስኡ።
ዚጸውዓና ኣምላኽ ግና እሙን እዩ። እቲ ንኣምላኹ ዚፈልጥ ህዝቢ ኸኣ ሰዓሪ እዩ።

5.ኣብ ጐይታ ክንደይ ምስ ጸናሕኻ ኢኻ ኣገልግሎት ጀሚርካ፧ እቲ ናይ መጀመርያ ኣገልግሎትካከ እንታይ ነይሩ፧ ሕጂኸ ብምንታይ ዓይነት ኣገልግሎታት ተገልግል ኣሎኻ፧

  ንከገልግል ጊዜ ኣይወሰደለይን። ቀልጢፈ እየ ክሰብኽን ክዝምርን ጀሚረ። ይዝከረኒ ብዙሕ ኣዝዩ ብዙሕ ጾም ጸሎት ነይሩ። ኣብ ኩለን ኣብያተ ቤተ-ክርስትያን ዝነበሩ መንእሰያት ብፍላይ ኸኣ ከም ፍኖተ ብርሃን ምስ እንዳ ገብሪኤል ጽቡቅ ሕብረት ነይሩና። ብዙሕ ፈውሲ ምንጋፍ ዝተራእዩ ጊዜ ኣሕሊፍና።
    ተወሳኺ ሕዳሪ ጸሎት ነዘውትር ነይሩና። ሓደ ለይቲ ይዝከረኒ ሓው ዳኒኤል በላይ በብሓደ ንጐይታ ብምንታይ ከተገልግልዎ ኢኹም ትደልዩ ኢሉ ይሓተና። ኩላቶም ኣብ ልቦም ዝነበረ ይነግርዎ ግደይ በጺሑ ይሓተኒ። ኣነ ድማ ይሓቶ ከምዚ ኢለ ኣምላኽ ክልተ ህያብ ይህበካ ዶ ኢለዮ። እዚ ዝበልክዎ ብዙሕ ኣፍልጦ ስለ ዘይነበረንን ካልኦት ሓሓደ ስለ ዝመረጹን እዩ። ንሱ ከኣ እወ ይህበካ ኢሉኒ ኣነ ድማ ክሰብኽን ክዝምርን እየ ዝደሊ ኢለዮ። እግዚኣብሄር ድማ ሰሚዑኒ። ቀልጢፈ እየ ክሰብኽን ክዝምርን ጀሚረ። ኣብ መዘምራን ቀልጢፈ ተሐዊሰ። ኣብቲ ጊዜ እቲ ብዙሕ ናይ ትግርኛ መዝሙር ኣይነበረን። ኣምሓርኛ መዝሙር ካብ ቴፕ እናሰማዕካ ትጽሕፍ ኣብ  መዘምራን ተላሚድና ንጉባኤ ድማ ንዝምሮ ። እቲ ኣምሓርኛ ኣጸቢቅና ኣይንፈልጦን ኢና ምስማዕውን ኣብዩና  ክንመልስ ከነሕልፍ ዝተበልሸዋ ቴፕ ብዙሓት እየን። ምስማዕ ይኣብየና እሞ ከም ድላይና ዝዘመርናዮ ብዙሕ እዩ። ኣምሓርኛ ኣጸቢቆም ዚሰምዑ ምስ ዘመርናዮ ይእርሙና። ሽዑ እዩ ኣምላኽ ኣብ ውሽጠይ ቅንኣት ኣቐሚጡ። ኣምላኽ ንኤርትራውያንን ንኢትዮጵያውያንን  ሓደ ኣምላኽ እዩ ንሕናውን ዘይንዝምረሉ ምኽንያት የለን ኢለ። ነዚ ሃሳብ ድማ ነቶም ሽዑ ዝቐርቦም ኣሕዋተይ ንሓወይ ኣማኑኤል ሰሎሞንን ንመሓሪ ወልደማርያምን ኣካፊለዮም ጸሊና ድማ። እግዚኣብሄር ድማ ሰሚዑና። ሰለስቴና ዘመርቲ ኬንና።  ኣፍቂሩና’ዩ ፈትዩና’ዩ ትብል መዝሙር ናይ መጀመርያ መዝሙረይ እያ።

6.ኣብዚ በጺሕኻዮ ዘሎኻ ፍረ ወይ ደረጃ ኣገልግሎት ንኽትበጽሕ ካብ ዝገበሩኻ ረቛሒታትዶ ምገለጽካልና፧    

      ማለት ኣገልግሎተይ ኣብዚ ሕጂ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ንክበጽሕ ዝሓገዙኒ ቅዱሳን ኣሕዋተይ እዮም። ዕድመይ ምሉእ ብመዝሙርን ብቓል ስብከትን ኣብ ብዙሕ መድረኻት ደው ኢለ እየ። ብርኪ ብዙሓት ኣዴታት ኣቦታት ኣሕዋትን ኣሓትን ግና ኣይተፈለየንን። ምትብባዕን ምኽርን ኣይሰኣንኩን። ስለዚ ብቕዱሳን ኣሕዋተይ እዩ ኣገልግሎተይ ዓብዩ። በዚ ድማ ንኣምላኽ ኣመስግኖ።

7.ኣብዚ ተታሒዝካዮ ዘሎኻ ናይ መዝሙር ኣገልግሎት ብውልቅካ እንታይ ዓይነት ራእይ ኣሎካ፧   ኣብዚ ዘሎካ ራእይ’ኸ ቤተ ክርስትያንን ኣሕዋትን እንታይ ዓይነት እጃም ክህልዎም ትጽበ።

      እቲ ዝዓበየ ኣብ መዝሙር ራእየይ ካብዚ በጺሕዎ ዘሎ ንላዕሊ ክኸይድ እዩ። እዚ ኸኣ ንመዘምራን ስልጠና ምሃብ፡ ዘመርቲ ክኾኑ ዝብገሱ ምትብባዕ ምኽርን ዝኣመሰሉ እናገበርኩ መጺኤ ኣለኹ። ንኹሉ ብሓደ ንምብጻሕ ክኽእል ግና ንዘመርትን ንኹሉ ኣማኒ ዝኸውን መጽሓፍ ብዛዕባ መዝሙር ብዝምልከት ክጽሕፍ ጀሚረ ኣለኹ። ጸሎት ኩሉ ምእመን ከኣ እደሊ።

8. ካብ ኣብ ዓድና ብጐይታ ዘለው ሙዚቀኛታትን ዘመርትን ኣሕዋት ንህይወትካ እንታይ ትምህርቲ   ክትቀስም ኽኢልካ፧  

    ብዘመርትናን ሙዚቀኛታትናን ኣዝየ ሕጉስ እየ። ምኽንያቱ ድማ ምሉኣት ጸጋን ቅንኣት እግዚኣብሄርን ቤቱን ዝበልዖም ሰብ ራእን ስለዝዀኑ። ኣብ ኣስመራ ከለኹ ጽቡቅ ሕብረት ዘምርቲ ነይሩና። ንኹሎም ድማ ብቐረባ እፈልጦም እየ። ባህ ዘብሉ መንእሰያት እዮም ዘለዉና። እቲ ዘሓጉስ ኣብ ኤርትራ ናይ መዝሙር ዓይኒ ማይ ተረኺቡን ይፍልፍልን ስለ ዘሎ ቁጽሪ ዘመርቲ እናበዝሓ ይመጽእ ኣሎ። ዝተንስአ ዘማራይ ድማ ናቱ ናይ ኣዘማምራ ዓይነት  ጸጋ ሒዙ ይመጽእ። እቲ ዘገርም ድማ ባዕሎም ደረስቲ ግጥሞም ባዕሎም ቃነይቲ ዜማኦም እዮም። ካብዚ ዝዓቢ ነገር የለን። ጸጋ ኣምላኽ ርእየ ካብ ምሕጓስ ንላዕሊ እንታይ ክብል፧ እዚ ከኣ መልሲ ጸሎት እዩ። ብፍላይ ድማ ናይቶም ቀዳሞት ዓበይቲ ኣሕዋትን ኣሓትን ዘመርቲ ክትንስኡ ናይ ዝፈሰሰ ንብዓት መልሲ እዩ። ስለዚ መልሲ ጸሎት ካብ ኰኑ ዘመርትና ነፍቅር ነኽብር ንሓግዝ።

9. ዘማራይ ምስ ዘማሪት እንተተመርዓው ዝሓሸ እዩ ዚብል ኣበሃህላ ብኸመይ ትግምግሞ ፧ ብዓልቲ ቤትካኸ ኣብ ኣገልግሎትካ እንታይ ተራ ትጻወት ኣላ ፧

    ሓወይ እዚኣ… ከባድ ሕቶ እያ።  ቀዳማይ ህያብ ኣምላኽ ንሰብ፡ ሰብ እዩ።ስለዚ ካብ ኣምላኽ ሰበይቲ ምርካብ እዩ እምበር እንታይ እያ ተገልግል ኣይኰነን። ከምኡ’ውን ካብ ኣምላኽ ሰብኣይ ምርካብ እምበር እንታይ የገልግል ኣይኰነን። ሰብ እዩ ዝቕድም እወ ሰብ ምርካብ። ኣምላኽ እዩ ዚህብ ዜጋጥም ከኣ። ዘማራይ ምስ ዘማሪት ተተመርዓወ ጽቡቕ እዩ። ብዙሓትውን ኣለውና። ኣዝዩ ጽቡቕ ፍረ ድማ ንርእየሉ ኣሎና። እዚ ኸኣ እቲ ብሓንሳእ ምግልጋል ዝያዳ ምፍላጥን ምውህሃድን ስለ ዘምጽእ እዩ። ምስ ጸላያይ ሰባኻይ ካልእ ኣገልግሎት እንተኰነውን ጽቡቅ። ሓንትስ ብጐይታ ጥራይ ይኹን። ዝሓተትካኒ ሕቶ ንምምላስ ብዓልቲ ቤተይ ዘማሪት ኣይኰነትን ኣብ ጸሎት እዩ ሓይላ። ብጸሎት ድማ ንኣገልግሎተይ ድጋፍ ትዀነኒ ኣላ።        

10.መዝሙርካ ብካሴት ደረጃ ክትሓትም ክንደይ ጊዜ ይወስደልካ፧ ስለምንታይ፧

   ብጊዜ ክንድዚ ይወስድ እኳ እንተዘይበልኩ፡ ኣገልግሎት መዝሙር ካብ ኩሉ ኣገልግሎት ንላዕሊ ኣድካምን ጊዜ ዚደልን እዩ። ካብ ምድራሱ ክሳዕ ኣብ ካሴት ምሕታሙ ዘሎ ድካም ከቢድ እዩ። ኣገልግሎት መዝሙር  ንዕኡ ዝኸውን ጸጋ ኣለዎ እምበር ጊዜስ ካብ ዝዀነ ኣገልግሎት ንላዕሊ ይሓትት እዩ። በዚ ኣጋጣሚ ንኹሎም ኣመንቲ ስለ ዘመርቶም ክጽልዩን ክነቅሑን ከተባብዑን ክድግፉን እላቦ። ብፍላይ ድማ መራሕቲ ቤተ-ክርስትያናት ጓሶትን ሽማግሌታትን ንመዝሙር ዓቢ ቦታ ክህብዎን ምስኦም ንዘለው ዘመርትን ሙዚቀኛታትን ከተባብዑን ክሓልዩን ይግባእ። 

11. ኣደራርሳ መዝሙር ንዝምልከት ካብ ምንታይ ተበጊስካ ኢኻ መዝሙር ትደርስ ፧ ነታት ህይወትካ፣ ቤተ-ክርስትያን፣ ከምኡውን ኩነታት ሃገርናኸ ፣ንኽትደርስ ማዕረ ክንደይ ይድርኹኻ፧    

  እቲ ብቐዳምነት ክፍለጥ ዘለዎ እዚ እዩ። ብዛዕባ እዚ ዓይነት መዝሙር ክደርስ እየ ኢልካ ዝድረስ መዝሙር የልቦን። ንመዝሙር ምድራስ ዝቅድሞ ልብኻ ብሓደ ነገር ክምላእ ኣለዎ። መዝ 45፡1 ካብ ልበይ ጽቡቕ ነገር ይግንፍል ድርሳናተይ ንንጉስ እዩ እብል ትብል። ምግንፋል ንኹልና ትርድኣና ቃል እያ። ሓንቲ ጀበና ቡን እንተለዋን ብድሕሪ እዚ ድማ ሓዊ ምስ ረኸባን እያ ምግንፋል ተርኢ። ጀበና ስለ ዝዀነት ኣይኰነትን እትግንፍል ምልኣታ እዩ ዝግንፍል። ብዙሕ ጊዜ መዝሙር ንዓይ ከምኡ እዩ። ኣብ ልበይ ዝመላእኩዎ ኣፈይ ደፊኡ ይወጽእ። ስለዚ ካብዚ ብምብጋስ ብዛዕባ ዝዀነ ነገር ክዝምር እኽእል። ከም ዝሓተትካኒ እቲ ዝብዝሕ መዝሙራተይ ምስ ኩነታት ህይወተይ ዝተተሓሓዘ ክኸውን ይኽእል እዩ። ብዛዕባ ሃገርውን ብዙሕ ኣሎኒ። ኣብ ቁ,2 ዘላ ክምለስ እዩ የሱስ ትብል መዝሙር መበገሲኣ ኣብ 1993 ካብ ዝሰማዕናዮን ዘዛራረብናዮን ኣብ ዚብል መደብ ሬድዮ የሱስ ክምለስ እዩ  እናበሉ ንመንእሰያት የልምሱ። ዝብል ዘረባ ምስ ሰማዕኩ ክልተ መዛሙር ዘሚረ እየ። ገለ ካብቲ ግጥሚ    

1. ካብ ሓሳብ ርእስና ኣይተዛረብናን
   ዘይተጻሕፈውን መዓስ ኣንቢብና
   ክምለስ እየ ስለ ዝበለ ክምለስ እዩ
   ኩሉ ክሳዕ ዝርእዮ ግርማ ለቢሱ።    

2. ንብላዕ ንስተ ኣይኰነን ይጥዓሞ ስጋና
   ኩሉ ሓላፊ እዩ ንሕሰብ ንመንፈስና
   ኣይንጽዓር ኣይኰነን ኣይንስራሕ ኣይንዕየ
   ከምቲ ንስጋናስ ንነብሲ ውን ንጒየ።
   ኢና ንብል ዘሎና እምበር
   የሱስ ስለ ዚምለስ ኣይንስራሕሲ ኣይበልናን።
 
ብዘይካኣ ድማ እዛ ኣብ ቁ.3 ኣብ ገበር ሲዲ ዘላ ግጥሚ ኣብ ሓደ መዓልቲ እየ
ደሪሰየን። ስለዚ መዝሙር ንዓይ “ምልኣት ልብኻ ብዜማ ምፍሳስ እዩ”።

12,ብዛዕባ እተን ዝሓተምካየን ኣልቡናት ዛጊት እንታይ ዓይነት ኣውንታውን ኣሉታውን ምስክርነታት ሰሚዕካ ኣሎኻ፧


     ብዛዕባ ዘውጻእክዎ መዛሙር ኣሉታውን ኣዎንታውን ዘረባ ክሰምዕ ናይ ግድን
እዩ። ምኽንያቱ ድማ እቲ ሲዲ መሊእካ ስምዑኒ ማለት ፍረዱኒ’ውን ከም ዘጠቓልል ምፍላጥ የድሊ። ኩሉ ግና ንዕቤት ኣገልግሎትካ ክትጥቀመሉ ክትክእል ብትዕግስቲ ምርኣዩ ጽቡቕ እዩ። ብዙሕ ጊዜን ጻዕርን ዝኸፈልካሉ ሲዲ ንኹሉ ሰብ ከዕግብ እዩ ክትብል ኣይትኽእልን ኢኻ። በብናቱ ኩሉ እዩ ፈራዲ ዝኸውን። ገለ ኣብ ዜማ ገለ ኣብ ሙዚቃ ገለ ኣብ ግጥሚ ገለ ኣብ ገበሩ ብትገብሮ ጽሑፍ ወይ ስእሊ።
     
     ንምሳሌ ብዛዕባ እታ ሳልሰይቲ ሲዲ ደንጉየ ስለ ዘውጻእኩዋ ብዙሓት ኣሕዋት ጸሎትና ተሰሚዑ ደንጒኻ ኢልና ንሓምየካ ኔርና ብፍላይ ኣብዚ ሕጂ ጊዜ ደሃይካ ብምስማዕና ኣዚና ተሓጒስና ንምጽንናዕ ኰይናትና ኣላ ዝብሉ፡ ገለ ኣሕዋት ሓድሽ መዝሙር የብሉን እቲ መዝሙር ንፈልጦ እዩ ኢሎም ከም እተዛረቡ ሰሚዔ። ጽቡቕ ሓሳብ እዩ። ስለዚ ቀልጢፈ ክመልእ ከም ዘሎኒ ተማሂረ።

13 እዞም  ብካሴት ደረጃ ዝወጹ ዘለዉ መዝሙራት፣ብርዝነት መልእኽቶም ትሕዝቶ ሙዚቆኦምን ፍረ ቃላቶምን ብኸመይ ትግምግሞም ፧ ክምሓየሹ ኣለው እትብሎም ነገራትከ  ኣለዉዶ ፧

  ኣነ ውን ንባዕለይ ኣብኡ ስለዘለኹ እዚ ሕቶ እዚ ንኻልኦት ሰማዕቲ መዝሙርና እንተዝሕተት ምጸብቐ። ንዓና ከይርኣየና ዚኽእል ነገራት ክህሉ ስለ ዚኽእል ። ብሰማዕቲ ክመጽእ ይሓይሽ።  

14 ገለ ዘመርቲ ብውልቆም መዝሙር ካሴት ሓቲሞም ክዝርግሕዎ ተራእዮም። እዚ ኣገባብ ብወገንካ ከም ዘማራይ እንታይ ዓይነት ኣሉታውን ኣዎንታውን መልሲ ትህበሉ፧ናይ ቤተ ክርስትያንን ናይቲ ዘማራይን ተራን ሓላፍነትንከ ብኸመይ መልኽዕ እንተተወሃህደ ይምረጽ?


  በዚ ኣርእስቲ እዚ ብዙሕ ተባሂሉን ተዘሪቡን እዩ። ኣብ 1995  ብቤት-ኤል ቤተ-ክርስትያን ዓዲ እንግሊዝ ዚዳሎ መጺሄት ማራን- ኣታ ተሓቲተ ኣለኹ። ከም ኣነ 1ይን  2ይን ካሴተይ ንቤተ-ክርስትያን እየ ሂበ። ሳልሰይቲ ሲደይ ድማ ሓገዝ ንስድራ ቤት እሱራት ክትከውን ኢለ ንነህምያ ፕሮጀክት ወፍየያ። እዚ ኹሉ ምርጫይ እዩ። እቲ መሊኡ ንቤተ-ክርስትያን ዚህብ ጽቡቕ ገበረ። እቲ ዘይሃበ ኸኣ ኣይበደለን። በዚ ዚመጸስ ኣብ መንፈሳዊ ሂወቶም ኣብ ፍርዲ ኣይንእቶ። እቲ ንኸምኡ ክገብሩ ዝደፍኦም ገለ ናይ ዝፈልጦም ዘመርቲ ሽሞም ከይጠቐስኩ ክዛረብ። ንቤተ-ክርስትያኖም ክህቡ ዝጀመሩ ኣብ ምዝርጋሕ ግና ስለዘይጸበቐ ኣብ ዝቐጸለ ካሴቶም ባዕሎም ክዝርግሑ ዚጀመሩ ኣሎው። ነዚኣቶም ንምንታይ ኣይትብሎምን ኢኻ። ክነግዱ ደልዮም ኣይኰኑን። ዚሓይሽ ንምግባር እዩ። ገለውን ብምሉእ ጊዚኦም ከገልግሉ ስለዚደልዩ ቤተ-ክርስትያን ድማ ንዘማራይ ብምሉእ ጊዜ ምቕባል ስለዘይተገልጸላ ዘሎ በቲ ኻልእ ሓቁ ከኣ ክንደይ ዘመርቲ ኢልካ ክትቅበል ስለዘጸግም እቶም ዘመርቲ ከም ምርጫ ይወስድዎ ይኰኑ ክንፈርዶም ከኣ ኣይንኽእልን። ገሊኦም ድማ ከም ዘመርቲ ሙዚቃ ክህልዎም ይደልዩ እዮም። ሸይጦም ጊታር ይኹን ኪቦርድ ዚዕድጉ ኣለው። ስለዚ ምሻጦም ጥራሕ ዘይኰነ ንምንታይ ይሸጡ ድማ ምፍላጥ ኣድላይ እዩ። ንቤተ-ክርስትያን እንተሃብካያ እታ ቤተ-ክርስትያንካ ድማ ንኻልእ ኣብ ምብዛሕ ካሴት ዝተዋፈረ እንተሀበቶ ገለ ኣፍሪፉ ዝህባ እንተኾይኑ እቲ ዘማራይ ብገዛእ ካሴቱ ብኻልኦት ካብ ዚባዛሕ ባዕሉ ዘይገብረሉ ምኽንያት የለን። ዘመርቲ ተጠመትቲ ኮይኖም እምበር ብዛዕባ እቶም መጽሓፍ ጽሒፎም ዚሸጡ ብዛዕብኦም ዝተዘርበ የለን። ግና ካብቲ ዘእትውዎ ንላዕሊ እቲ ዘረባ ይዓቢ። እታ ሓንቲ ክትከውን ዘይብላ ንንግዲ ንመኽሰብ ተተጌይሩ ዕላማና ክንስሕት ንኽእል ኢና። ኣብዚ ጊዜ እዚ ዘፍርሃካ ነገር የለን ማለት ግና ኣይኰነን። እቶም መዘምራን ባዕሎም ክሸጡ ስለዝርኣዩ ሙዚቀኛታትውን ከኽፍሉ ጀሚሮም ኣለው። ሓቆም እዮም ኣይበደሉን። ጽባሕውን ተቐበልቲ መዝሙር ክምቀሉ ይሓቱ ይዀኑ፧  ምናልባትውን ብድርሰትን ብዜማን ዚደጋገፉ እንተኣልዮም ድርሰትን ዜማን ይሽየጥ ይኸውን፧ ኣምላኽ ካብዚ የድሕነና።   

15. ናይ መዝሙር ጽልዋ ኣብ ሓንቲ ሃገር ወይ ድማ ሕብረተሰብ እንታይ እዩ ትብል፧

ናይ መዝሙር ጽልዋ ኣብ ሓንቲ ሃገር ወይ ድማ ሕብረተሰብ እንታይ ምዃኑ ክርድኣና ምእንቲ ደርፍን ኣመጻጽኡን ሓይሉን ቅድም ንርአ።
         ሎሚ ኣብ ዓለምና እቶም ዝዓበየ ኣብ ሕብረተሰብ ጽልዋ ዘለዎም ብስነ ጥበባውያን ዚፍለጡ ደረፍቲ እዮም። ኣብ ዝዀነ ሕብረተሰብ ድማ ሙዚቃ ዘይስሕቦን ዘይፈቱን ፍጡር ስለዘየለ ሓይሊ ደርፊ ብቐሊል ዚርኤ ኣይኰነን። እዚ ብምኽንያት ሓጥያት ምግባሩ ጥበቡ ዘበላሸወ ሰይጣን ምስቲ ክፍጠር ከሎ ዝተዳለወሉ ከበሩኡን ዕንዱሩን ናብ ምድሪ ስለ ዝተደርበየ ህዝ 28፣13-16 ኣብ ሰማይ ከም ኣምላኽ ክኸውን ፈቲኑ እንተዘይሰለጦ እኳ ኣብ ምድሪ ግና እቲ ዝተበላሽዎ ጥበቡ ዚቕበሎ ኣይሰኣነን። ዘፍ 4፣21። እተበላሸወ ጥበብ እንታይ ማለት እዩ፧ ናብቲ ዚግብኦ ዘይወዓለ ወይ ዘይኰነ። እቶም ሎሚ ኣብ ዓለም እንርእዮም ደረፍቲ ኩሎም ኣብ ክንዲ ንፈጣሪ  ንፍጡር ወዲ ተባዕታይ ንጓል ኣንስተይቲ እታ ጓል ኣንስተይቲ ንወዲ ተባዕታይ ከድንቑን ክውድሱን ይውዕሉ። ገለውን ንመሬትን ንጀግናን ክምጉስ ይርኣ። በዚ ይኹን በቲ ኣምላኽ ክብሩ ተወሲዱ ንኻልእ ስለዝተዋህበ በዚ ሰይጣን ሕጉስ እዩ። እግዚኣብሄር ቀናእ ኣምላኽ እዩ። ሰይጣን ድማ ቀዳሕን ሰናዕን እዩ። እቲ ኣምላኽ ዚኰኖን ዚደልዮን ክምነ ይነብር። እታ ቀንዲ ስራሕ ሰይጣን ኣብዛ ምድሪ ድማ ንዘይእዙዛት ሰባት ብምጥቃም ንኣምላኽ ዘዀርዮ ነገር ክገብር ይውዕል። ይኹን እምበር ባቢሎን (ዓለም) ስለትፍረድ መጨረሻኦም ጥፍኣት እዩ። ራእ 18፣21-22  እቶም ከምዚ ዝገብሩ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይወርሱን። ገላ 5፣19-21 ጴጥሮስ ውን ከምዚ ኢሉ ጸዊዑ ኣሎ፡ 1ጴጥ 3፣3 እቲ ብዕብዳን ብፍትወት ስጋ ብስኽራን ብጓይላን ብመስተን ብርኹስ ምምላኽ ጣኦት ክትነብሩ ከሎኹም ፍቓድ ኣህዛብ ዝገበርክምሉ ዝሓለፈ ዘመን ይኣክል። እወ ይኣክል።
   ስለዚ እቲ ዝዓበየ ቃልሲ ሰይጣን ንቤተ-ክርስትያን ብሙዚቃ እዩ። እቲ ዝዓበየ
ድኻም ቤተ-ክርስትያን ድማ ነዚ ነቂሓ ንኣገልግሎት መዝሙር ከምቲ ዚግባእ
ዘይምዕጣቓን ንመዘምራንን ንሙዚቀኛታትናን ዘይምስናቓን እዩ። ዓለም እንበጽሓ
ብኣታቶም ኢና። ሎሚ ሰብ ንሙዚቃ ኣብ ቤቱ ኣብ መኪናኡ ኣብ ድኳናት ኣብ
መገዱ ብሓጺሩ ሙዚቃ ክሰምዕ እዩ ዚውዕል።
  ስለዚ እቲ ብርቱዕ ህዝቢ የኽብረካ
  ከምኡ ናይቶም ጨካናት ደርፊ ዓወት
  ይዝሕል ኣሎ። ይብል ኢሳ 25፣1-5  
እዚ ማለት ብደሃይ መዝሙር ንእግዚኣብሄር ብውዳስን ብምኽባርን  ናይቶም ጨካናት ደርፊ ዓወት ዝዝሕል። ንዓለም እንበጽሓ ብመዝሙር እዩ። እወ ብመዝሙር።