16
Tue, Apr
0 New Articles

ዘደንቕ ጸጋ ( ዊልያም ዊልበርፎርስ )

Ministry
Typography
ናይ ፈለማ ዓመታቱ

ዊሊያም ዊልበርፎርስ ክውለድ ከሎ ኣዝዩ ደቂቅ። ምህሙን። ተነቃፍን ቆልዓ እዩ ዝነበረ፣ የዒንቱ ተኲረን ክሪኣ ዘይክእላ ኣዝየን ድኹማት ነበራ፣ ዊልበርፎርስ ወዲ 9 ዓመት ምስ ኮነ ኣብኡ ስለ ዝሞተ ናብ ኣዝማድ ክጽጋዕ ነይርዎ፣ ብጽልዋ ናይታ ደጋፊት መቶዲስት ዝኾነት ኣሙኡ። ዊልበርፎርስ ኣብ ክርስትና ተገዳስነት ከሕድር ጀሚረ፣ ምስ ኣሙኡን ኣኮኡን ድማ ብልዑል ፍቅሪ ዓብዩ፣ እዚ ነገር እዚ ኣብ ኣዲኡን ኣብሓጎኡን ምስ ተሰምዐ ግና። ወዲ 12 ዓመት ኣብ ዝነበረሉ ብ1771 ናብ ሃል ከም ዝምለስ ገበሩ፣ ኣብ ፈለማ ናብራን ማሕበራዊ ህይወትን ናይ ሃል ክጻወሮ ፈቲኑ እዩ። እቲ ዝነበሮ ሃይማኖታዊ ጽልዋ እናሃሰሰ ምስ ከደ ግና። ቤት ትያትራት ምኻድ ስረሐይ ኢሉ ተተሓሓዞ። ንጠላዕን ጸወታ ኩዕሶን ውን ከምኡ፣


 

ኣብ ጥቅምቲ 1776 ኣብ 17 ዓመቱ። ዊልበርፎርስ ናብ ካምብሪጅ ሰንት ጆን ኮለጅ ኣምረሐ፣ ሞት ኣበሓጉኡ ብ1776። ሞት ኣኮኡ ብ1777ን ንዊልበርፎርስ እኩል ሃብቲ ከም ዝውንን። ነፍሱ ከም ዝኽእልን ስለ ዝገበሮ። ኣብ መጽናዕቱ ተገዳስነት ኣጉዲሉ እዩ፣ በንጻሩ ግና ነፍሱ ኣብ ማሕበራዊ ሆሆ ናይ ተመሃሮ ከም ትጥሕል ገበራ፣ ናይ ኬፋት (ደስታ ጥራይ ዘገድሶ) ህይወት ክመርሕን ካርታን ጠላዕን ክጻወትን። ክሳዕ እዋን ሕላፍ ኣብ መስተ ተኣሊኹ ከምስን ጀመሩ፣ ዊልበርፎርስ ለጋስን ንፉዕ ተዋዛያይን እዩ ዝነበረ። በዚ ድማ ኣዝዩ ዝተፈልጠ ሰብ ነበረ፣ ኣዝዮም ብዙሓት ኣዕሩኽ ድማ ኣጥረየ። ሓደ ካብኦም እቲ ኣዝዩ ጻዕራም ዝነበረ ድሒሩ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝኾነ ዊልያም ፒት እዩ፣

ናይ ፈለማ ናይ ፖለቲካ ሞይኡ

ኣብ ዩኒቨርስቲ ከሎ እዩ ዊልበርፎርስ ብዛዕባ ሞያ ፖለቲካ ክግደስ ዝጀመረ። ንሱን ፒትን ብቐጻሊ ክትዕ ናይ ላዕለዋይ ባይቶ ኣብ ጋለሪ ይዕዘቡ ነበሩ፣ ፒት ድሮ ኣብ ፖለቲካ ኣትዩ እዩ። ንዓርኩ ድማ ናይ ባይቶ መንበር ንኽረክብ ከተባብዖ ጀሚሩ፣ ኣብ 1780 ገና ወዲ 21 ተመሃራይ ከሎ ዊልበርፎርስ ናይ ኪንግስተን ኣብ ሃል ኣባል ባይቶ ተመርጸ፣ እኹል ድምጺ ንምርካብ ድማ ልዕሊ 8000 ፖውንድ ኣጥፈአ፣

ዊልበርፎርስ ካብ ዝኾነ ፋይናንሳዊ ተጽዕኖ ነጻ ስለ ዝነበረ። ርእሱ ዝኽእል እዩ ነይሩ፣ ኣብ ገለ እዋናት ዘይቃዶ መርገጺ ስለ ዝነበሮ ግና ይንቀፍ ነይሩ እዩ። ንኽልቲኦም መንግስታት ናይ ቶረይን ናይ ዊግን ብሓደ ይድግፍ ነበረ። ምስቲ ኣብ ስልጣን ዝነበረ ፓርቲ ድማ ብቀረባ ይሰርሕ ነበረ፣ ኣብ ገለ ደረጃታት እውን ከም መጠን ዝንኦም የድምጽ ነበረ (ንተወዳደርቲ)፣ ዊልበርፎርስ ኣብ ባይቶ ብስሩዕ እዩ ዝሳተፍ ማሕበራዊ ናብርኡ ድማ ብስሩዕ ይቅጽሎ እሎ። ኣብ ናይ ጠላዕ ቦታታት ፓል ማል (Pall Mall) ለንደን ከም ጉስትሪስን (Goostree's) ቡድልስን (Boodle's) ስሩዕ ዓሚል እዩ፣

ኣብ ታሕሳስ 1783 ፒት ቀዳማይ ሚኒስተር ኮነ። ዊልበርፎርስ ናይታ ሓዳስ ንእሽቶ መንግስቲ ዋና ደጋፊ እዩ ነይሩ፣ ካብቲ ጥቡቅ ዝኾነ ዕርክነቶም ሓሊፉ ፒት ኣብዚኣ ኮነ ኣብታ ዝሰዓበት መንግስቲ ንዊልበርፎርስ ብዛዕባ ዝሃቦ ናይ ሚኒስተርነት ቦታ ዝተሰነደ ሰነድ የልቦን፣ ናይዚ ምኽንያት ምናልባት ዊልበርፎርስ ኣባል ባይቶ ጥራይ ኮይኑ ብነጻ ክነብር ድሌት ስለ ዝነበሮ ይኸውን፣ ወይ ውን ዊልበርፎርስ ብቀጻሊ ዘርእዮ ዝነበረ ምድንጓያትን ዘይውሁድ ስራሕን። ኣብ ርእሲኡ ውን ሕሱም ሕማም ዓይኒ ሓሚሙስ ከንብብ ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ በጺሑ ስለ ዝነበረን። እዚ ኩሉ ተደሚሩ ንፒት እቲ ዝኣምኖ ዓርኩ ኣብ ቦታ ሚኒስተርነት ክቅመጥ ከም ዘይከኣል የእሚንዎ ይኸውን፣ ኣብ 1784 ባይቶ ምስ ተበተነ። ዊልበርፎርስ ኣብቲ ዓመት እቲ ኣብ ዝነበረ ባይቶኣዊ ምርጫ ናይ ዮርክሻየር ሕጹይ ኮይኑ እዩ ክወዳደር ወሲኑ፣ ኣብ መበል 24 ዓመቱ ብ6 ሚያዝያ ዊልበርፎርስ ኣባል ባይቶ ዩርክሻየር ኮይኑ ተቐልቀለ፣

እቲ ለውጢ

ኣብ ጥቅምቲ 1784። ዊልበርፎርስ ንኤሮጳ ብመርከብ ንኽዞራ ተበገሰ፣ እዚ ነገር እዚ ንመላእ ህይወቱን ሞይኡን ዝቀየረ እዩ ነይሩ፣ ምስ ኣዲኡን ሓብቱን ብመሰነይታ ኣይዛክሚልነር (በሊሕ ንእሽቶ ሓው ንናይ ቅድም መምህሩ) እዩ ተጓዒዙ፣ ኣብ ጉዕዘኦም ብፍሊፕ ዶድሪጅ ዝተጻሕፈት "ትንሳኤን ገስጋስን ሃይማኖት ኣብ ነፍሲ" እትብል ጽሕፍቲ ኣንበበ፣ ናይዛ ጽሕፍቲ ጽልዋ ኣብ ህይወቱ ኣዝዩ ዓቢ ነበረ፣ ንጽባሒቱ ንግሆ ተንሲኡ መጽሓፍ ቅዱስ ከንብብን ክጽልን ጀመረ። ነታ መጺሄት ድማ ንርእሱ ዓቀባ፣ ድሕሪዚ ዝተረፈ ህይወቱ ንእግዚኣብሄር ንምግልጋል ክውፊ ወሰነ፣

ኣብቲ ግዜ እቲ ውዕዉዕ ሃይማኖታዊ ስምዒት ከም ማሕበራዊ ግህሰትዩ ዝውሰድ ዝነበረ። ከም ትሑት ሕብረተሰባዊ ተግባራትዩ ውን ዝርአ ነይሩ፣ ካብ ላዕለዋይ ደረጃ ሕብረተሰብ ዝኾኑ ወንጌላውያን ከም ሰር ሪቻርድ ሂል ሜቶዲስት ኮይኑ ወካሊ ሽሩፕሻየር (Shropeshire) ኣብ ባይቶ። ከምኡ ውን ሰሊና ሃስቲንግስ ልእልቲ ሁንንቲንግዶን (Huntingdon)። ንንዕቀትን ንላግጽን ተቃሊዖም እዮም፣ ምልዋጥ ዊልበርፎርስ እንበኣር። ኣብ ህዝባውን መንግስታውን ጉዳያት ክቅጽል ድዩ ኣይፋሉን ሕቶ ፈጢርሉ እዩ፣

ዊልበርፎርስ ንጆን ኒውተን (ቀደም ካፕተይን መርከብ ናይ ባራዩ መመላለሲት ዝነበረ ደሓር ሰባኺ ዝኾነ እሞ ነታ ዘደንቅ ጸጋ እትብል መዝሙር ዝጸሓፈ) ምርሒት ንምርካብ ተወኪስዎ እዩ፣ ክልቲኦም ኒውተንን ፒትን ኣብ ፖለቲካ ንኽጸንሕ እዮም መኺረሞ። "ብትግሃትን ንጽህናን" ከምኡ ክገብር ድማ ወሰነ፣ ድሕሪ እዚ። ፖለቲካዊ ኣረኣእይኡ ኣብ መንግስታዊ ኮነ ግላዊ ህይወት ብእምነቱን በቲ ንዕብየት ክርስትናን ክርስትያናዊ ስነ ምግባርን ዝነበሮ ድልየት ክቅጽሎ ጀመረ፣

ኣብ 1786 ባይቶኣዊ ጽፍሑ ተጠቂሙ ንለውጢ ክሕለቅ ጀመረ፣ ኣብ ታሕተዋይ ባይቶ ክጸድቅ ዘይከኣለ ንምምሕያሽ ገበናዊ ሕጊ ዝምልከት እማመ ናብ ላዕለዋይ ባይቶ ኣቕረቦ፣ እዚ ከምዚ ዓይነት ኣብነታዊ ተበግሶ ኣብቲ ስዒቡ ዝነበረ ናይ ምውጋድ ጊላነት ሞይኡ ውን ክድገም እዩ፣

ምውጋድ ንግዲ ጊላነት

ብርጣንያ ኣብ 16 ክፍለ ዘመን ካብ ፈለምኡ ኣትሒዛ ኣብ ንግዲ ጊላነት ኣትያ እያ፣ ብ1783 እቲ "ስሉሳዊ መገዲ"- ኣብ ብርጣንያ ዝፈረዩ ኣቕሑ ንኣፍሪቃ ሰዲድካ ባራዩ ምግዛእ። ነቶም ዝተገዝኡ ባሮት ናብ ምዕራብ ኢንዲስ ምጉዓዝ። በቶም ባሮት ዝፈረዩ ምህርቲ ሽኮርን ትንባኾን ጡጥን ዝኣመሰሉ ድማ ናብ ብርጣንያ ምምጻእ። 80 ሚእታዊት ካብ ናይ ብርጣንያ ናይ ወጻኢ ኣታዊ ይሽፍን ነበረ፣ ንግዲ ባርነት ብመራክብ ብርጣንያ ተዓብሊሉ እዩ። ናብ ፈረንሳይ። ስጳኛ። ሆላንድ። ፖርቱጋልን ግዝኣታት ብርጣንያን ድማ ቀረብ ባራዩ የብጽሓ፣ ኣብ ዓመት ከባቢ 40 ሽሕ ባራዩ ሰብኡትን ኣንስትን ህጻናትን ጽዒነን። ብኣዝዩ ዘስካሕኽሕ ኩነታት ናይ ጉዕዞ ብኣትላንቲክ ኣቢለን ይጓዓዛ፣ ካብኣቶም ብገምጋም 11 ሚልዮን ዝኾኑ ዝተጓዕዙ ኣፍሪቃውያን እቶም 1.4 ሚልዮን ኣብ ጉዕዞ ዝሞቱ እዮም፣

ዊልበርፎርስ ንቀሺ ጀምስ ራምሰይ ረኸቦ፣ ራምሰይ ሓኪም ናይ መርከብ። ኣብ ደሴት ሰንት ክሪስቶፈር ኣብ ከባቢ ደሴታት ሌዋርድ ኸኣ ካህን ዝኾነን። ኣማኻሪ ሕክምና ሕርሻ ኣብቲ ቦታ ዝነበረን እዩ፣ ራምሰይ ብዛዕባ እቲ ባሮት ኣብ ባሕርን ኣብ ቦታ ሕርሻን ዘሕልፍዎ ዝነበሩ ከቢድ ኩነታት ምስ መስከረ። ንዊልበርፎርስ ኣዝዩ ኣሰንበዶ፣ ድሕሪ 15 ዓመታት ናብ ዓዲ እንግሊዝ ተመሊሱ ንሰር ቻርለስ ሚድልተን። ሌዲ ሚድልተን። ቶማስ ክላርክሰን። ሃናህ ሙርን ካልኦትን ረኸበ። እዛ ጉጅለ ድሒራ ብ ተስቶኒተስ (Testonites) ዝብል ስም ተፈሊጣ፣ ኣዛ ጉጅለ በቲ ካብ ራምሰይ ትረኽቦ ዝነበረት ጸብጻብ ብዛዕባ ብዕሉግ ናብራ ወነንቲ ባራዩን። ጨካን ኣተኣላልያ ባራዩን። ኣዝያ ኣስካሕከሐት፣ ብናይታ ጉጅለ ምትብባዕን ደገፍን ራምሰይ 3 ዓመት ዝወሰደት ቴማ ብዛዕባ ኣተኣላልያን ለውጥን ኣፍሪቃውያን ባራዩ ኣብ ናይ ብርጣንያ ናይ ሽኮር ግዝኣታት ጸሓፈ (ዌስቲ ኢንዲስ እቲ ኣስጋኢ ዝበሃል ባርነት ዝነበሮ ቦታ እዩ ነይሩ)፣

ኣብ መጀመርያ 1787 ቶማስ ክላርክሰን ካብ ሴንት ጆን ካምብሪጅ ዝተመረቀ ብጻዩ። ንግዲ ጊላነት ከብቅዕ ከም ዘለዎ ኣሚኑስ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ንዊልበርፎርስ ተወኪስዎ እዩ፣ ክልቲኦም ኣብዛ እዋን እዮም ንፈለማ ግዜ ዝተራኸቡ፣ ምድግጋፎም ድማ ዳርጋ ንከባቢ 40 ዓመታት ቀጸለ፣ ብዛዕባ ንግዲ ጊላነት ዝረኸቦ ቀጥታዊ ሓበሬታ ሒዙ ክላርክሰን ሰሙናዊ ንዊልበርፎርስ ክበጽሖ ጀመረ፣ እታ ብኩዋከርስ (Quakers) እትፍለጥ ንጸረ ጊላነት ዝቆመት ኮሚቴ ድሮ ስራሓታ ጀሚራ ኣላ። ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ኣብ ባይቶ እኩል ኣፍልጦን ጽልዋን ክህሉ ከም ዝግባእ ድሮ ኣሚናትሉ እያ፣ ንክላርክሰን ድማ ካብ ዊልበርፎርስ ገለ ናይ ውሕስነት መብጽዓ ክረክብ ከም ዘለዎ ደፋፍእዎ፣ እዚ መብጸዓ እዚ ዊልበርፎርስ ንጉዳይ ምውጋድ ጊላነት ኣብ ላዕለዋይ ባይቶ ንከልዕሎ እዩ፣

ብግንቦት 12,1787። እቲ ገና ኣብ ውልውል ዘሎ ዊልበርፎርስ ምስ ዊሊያም ፒትን ምስ ድሒሩ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝኾነ ዊልያም ግረንቫይልን ኣብ ናይ ፒት ገዛ ኣብ ኬንት ኣብ ትሕቲ ዓባይ ገረብ ኮፍ ኢሎም ተዘራረቡ፣ ኣብታ ድሒራ ኣብ ሆልዉድ ናይ ዊልበርፎርስ ዓባይ ገረብ ተባሂላ ዝተጸወዐት። ፒት ንዓርኩ በዲህዎ እዩ፣ ከምዚ ድማ በሎ። "ንምንታይ ኢኻ ብዛዕባ ንግዲ ጊላነት ዝምልከት ናይ መጠንቀቅታ እማመ ዘይተቕርብ። ዝኣክል ጭብጥታት ንምእካብ ድሮ ብዙሕ ተሳቂኻ ኣሎኻ። እዚ ብምግባርካ ድማ ገለ ክብሪ ከም ትረክብ ተመልከት። ስለዚ ግዜ ኣይትቅተል። እንተዘይኮነ ግና እቲ ባይታ ብኻልእ ሰብ ክትካእ ከም ዝኽእል ውን ሕሰብ" በሎ፣ ዊልበርፎርስ ኣብቲ እዋን እንታይ መልሲ ከም ዝሃበ ዝተሰነደ ነገር የልቦን። ግናኸ ድሒሩ ኣብ ግዜ እርግንኡ ከም ዝገለጾ። "ነታ ኣብ ጥቃ ፒትን ግረንቫይልን ኮፍ ኢለያ ዝነበርኩ ኩጀት ብፍሉይ እየ ዝዝክራ" ኢሉ፣ እታ ናይ ውሳኔ ቦታ እዚኣ እያ ፣

ናይ ዊልበርፎርስ ተሳትፎ ኣብ ምንቅስቃስ ምውጋድ ጊላነት በቲ ንክርስትያናዊ መትከላቱ ኣብ ግብሪ ከውዕሎን። ንእግዚኣብሄር ኣብ መንግስታዊ ናብራ ከኽብሮን ዝነበሮ ድልየት እዩ ተደሪኹ፣ ዊልበርፎርስ ናይ እግዚኣብሄር ጻውዒት ተገንዚቡ እዩ፣ ኣብ 1787 ኣብ ናይ መጋዜን መእተዊ ከም ዝጸሓፎ። "እቲ ኩሉ ዝኽእል ኣግዚኣብሄር ኣብ ቅድመይ ክልተ ዓበይቲ ነገራት ኣቐሚጡለይ። ምድቋስ ንግዲ ጊላነትን ምሕዳስ ሞራላዊ ስነ ምግባርን"፣

ብዙሕ ፍሽለታት

ምስ ክላርክሰን ብቐረባ እናሰርሐ። ዊልበርፎርስ ኣብ 1788 ንኮሚቴ ምስጢራዊ ቤት ምኽሪ ገለ ጭብጥታት ብዛዕባ ጊላነት ኣቅሪቡ እዩ፣ ገለ ካብቶም ቀንዲ ምስክራት ኣንጻር ንግዲ ጊላነት። ብብላዕን (ጉቦ) ብምፍርራህን ብግህዶ ሓሳባቶም ተቐይሮምሲ ንደገፍ እቲ ንግዲ ተመስከሩ፣ ብግንቦት 12, 1789። ብዛዕባ ንግዲ ጊላነት ክቀርቡ ኣለዎም ዝበሎም ዋና ነጥብታት ንፈለማ እዋን ኣብ ላዕለዋይ ባይቶ መደሮም፣ ምናልባት እዛ መደረ እዚኣ። ኣብዛ ጉዳት እዚኣ ኣብ ህይወት ዊልበርፎርስ ኣዝያ ኣገዳሲት እያ ነይራ፣ ጋዜጣታት እቲ ዝበለጸ ውርጹጽ መደረ ኣብ ባይቶ እናበላ ኣብ ዓምድታተን ወደሰኦ፣ ይኹን እንበር ድሕሪ እታ መደረ ናይ ምጉታት ጸወታ እዩ ክርአ ዝጀመረ፣ ተወሰኽቲ መርትዖታት ተጠልቡ። ኣብ ወርሓት ክራማት ድማ ተሰምዑ። እንደገና ድማ 25 ሰነ 1789። ድሒሩ ኸኣ እቲ ጉዳይ ንዝቅጽል ግዜ ተሰጋጊሩ ተባህለ፣

ዊልበርፎርስ እታ ትቅጽል ናይ ኣኼባ ግዜ ናይቲ ሙጉት መዕለቢ ከም እትኸውንን ምውጋድ ጊላነት ከም ዝኸውንን ተኣማንነት ነይርዎ፣ ኣይኮነን ግና፣ እንደገና ብጥሪ 1790 ናይቲ መርትዖታት ግምገማ ክግበር እዩ ተባሂሉ እቲ ጉዳይ ናብ ዝተመዘዘት ፍልይቲ ኮሚቴ ተላኢኹ፣ ደገፍ ነቲ ንግዲ ዝህቡ መርትዖታት ክሳብ ሚያዝያ ቀረቡ። ነቲ ንግዲ ዝቃወሙ መርትዖታት ድማ ተከቲሎም ሰዓቡ፣ ኣብ ሰነ ፒት ቅልጡፍ ሓፈሻዊ ምርጫ ጸውዐ፣ ዊልበርፎርስ ከም ናይ ዩርክሻየር ወኪል ኮይኑ እንደገና ኣብ ባይቶ መጸ። ዝካየድ ዝነበረ ዕዮታት ባይቶ ግና ኩሉ ተሰናኸለ፣ ወረ ናይቲ ኣብ ዶመኒካ ዝተገብረ ናይ ገላዩ ናዕቢ ኣብ ለካቲት 1791 ኣብ ብርጣንያ በጽሐ፣ እዚ ድማ ነቲ ኣብ ልዕሊ ምውጋድ ጊላነት ዝነበረ ተሪር ኣመለኻኽታ መሊሱ ኣትረሮ፣ ይኹን እንበር ዊልበርፎርስ ነቲ ጉዳይ መሊሱ ጸቐጠሉ፣ ድሕሪ ናይ ከባቢ 2 ዓመታት ምድንጓይ። እቲ ክትዕ እንደገና ቀጸለ። ዊልበርፎርስ ኣብ ላዕለዋይ ባይቶ ብ18 ሚያዝያ 1791 ደጊሙ መደረ፣

ኣብ ላዕለዋይ ባይቶ ኣብዚ ጉዳይ ናይ ዝቀረበ እማመ ድምጺ ዝወሃበሉ ግዜ ምስ ኣኸለ። ትሕቲ ፍርቂ ካብ ኣባላት እዮም ንኸድምጹ ዝተረኽቡ፣ እቲ እማመ ብኣግኡ ተሳዕረ። 163 ድምጺ ኣንጻር እቲ ምውጋድ ብ88 ድምጺ ንምውጋድ፣ ዊልበርፎርስን እቶም ካልኦት ኣባላት ናይ ምውጋድ ኮሚቴን ምውጋድ ጊላነት ኣብ ኣባላት ባይቶን ተራ ህዝብን ንኽጉስጉሱ ኣብ ዕዮ ተጸምዱ። ብዛዕባዚ ጉዳይ ዝያዳ ጥርዓናት ተኣከቡ። ተወሰኽቲ ኣኼባታት ተገብሩ። ተወሰኽቲ ፋንፍለታት ተሓትሙ። ኣድማ ሽኮር ከኣ ተወደበ፣

 

ኲናት ምስ ፈረንሳይ

ብ26 ለካቲት 1793። ካልኣይ ምድማጽ ንምውጋድ ንግዲ ጊላነት ብጸቢብ ድምጺ ማለት ብ8 ድምጺ ተሳዒሩ ተረፈ፣ ኲናት ምስ ፈረንሳይ ምውልዑ ነቲ ዛዕባ ካብ ዝነበሮ ከም ዘይቅጽል ገበሮ፣ ናይዚ ምኽንያት ድማ ምሉእ ኣድህቦ ፖለቲከኛታት ኣብ ሃገራዊ ቅልውላውን ስግኣት ወራርን ስለ ዝኸደ እዩ፣ እንደገና ኣብታ ዓመት እቲኣ ኣብ 1794። ዊልበርፎርስ ንመራክብ ብርጣንያ ንወጻእተኛታት ግዝኣታት። ገላዩ ከየቅርባ ዝኽልክል ዘይዕዉት እማመ ናብ ባይቶ ኣቅረበ፣ ዘሎዎ ተገዳስነት ብዛዕባ እቲ ውግእ ድሕሪ ምግላጹ ድማ። ንፒትን መንግስቱን ተጻብኦታት ንምውጋድ ጻዕሮም ከሐይሉ ከም ዘለዎም ደፋፍአ፣

ህዝቢ ምውጋድ ጊላነት ምስ ምልዕዓል ፈረንሳን። ብርጣናውያን ሕሉፋት ጥሩፍነታን ኣተኣሳሲሩ ክሪኦ ጀመረ፣ በዚ ድማ ህዝባዊ ደገፍ ኣብቲ ጉዳይ እናኣንቆልቆለ ከደ፣ ኣብ 1795 ማሕበረሰብ ንትግባረ ምውጋድ ንግዲ ጊላነት ዝተባህለ ጉጅለ ርክቡ ኣቋረጸ። ክላርክሰን ድማ ብሰንኪ ከቢድ ሕማም ስራሕ ኣቋሪጹ ኣብ ኣውራጃ ሌክ ኮፍ በለ፣ ይኹን እንበር ምስናይ እዚ ኹሉ ምጉዳል ተገዳስነትን ጻዕርን ኣብ ልዕሊ ምውጋድ። ዊልበርፎርስ ኣብ መላእ 1790ታት ኣብ ባይቶ ብዛዕባ ምውጋድ እማመታት ካብ ምቕራብ ኣይተቆጠበን፣

 

ሓድሽ ዘመን

እተን ቀዳሞት ክልተ ዓመታት ናይ ሓድሽ ዘመን። ኣብ ምውጋድ ዝኾነ ተስፋ ዘብለን እንተዝኾና ነይረን። ኣብ 1804 እቲ ኩነታት በንጻሩ ምተገላበጠ ነይሩ፣ ኣባላት ባይቶ ብፍላይ ድማ ሓደሽቲ ኣባላት ካብ ኣየርላንድ ዝምባለኦም ኣብ ምውጋድ እናዓበየ መጸ፣ ማሕበረሰብ ምውጋድ ብምትሕውዋስ ምኩራትን ዓበይትን። ከምኡ ውን ሓደስቲ ኣባላት እንደገና ከም እትቀውም ተገብረ፣ ዊልበርፎርስ እቲ ናይ ቅድም ሞይኡ ተረከቦ። ከም መራሒ ባይቶን ምቅራብ እማመታት ኣብ ዛዕባ ምውጋድ ጊላነትን፣ እቲ ኣብ 1804ን 1805ን ዝፈሸለ እማመ ንደገፍቲ ምውጋድ ናይ ደገፍ ድምጾም ዘስምዕሉ ዓቢ ደገ እዩ ነይሩ፣ ብ1806 ዊልበርፎርስ ንምውጋድ እትድግፍ ኣዝያ ጸላዊት ትራክት (ንእሽቶ ጽሕፍቲ) ጸሓፈ፣ ብሰነ ናይታ ዓመት ኣብ ባይቶ ንምውጋድ ዝድግፍ ውሳነ ሓለፈ፣ ነቲ ውሳኔታት ዘዛይድ ህዝባዊ ጎስጓሳት እናዓበየ መጸ፣ ሓድሽ መንግስቲ ዊግ ድማ ደጋፊ ናይቲ ሓሳብ ኮነ፣ ብጥሪ 1807 ናይ ምውጋድ ኣማመ እንደገና ቀረበ። ኣብዚ እዋን እቲ ሓሳብ ኣዝዩ ገዚፍ ደገፍ ረኸበ። በዚ ድማ ዳርጋ ድሕሪ 15 ዓመታት ሓያል ጻዕሪ ዊልበርፎርስ ንዕንወት ጊላነትን በብእዋኑ ዝገብሮም ዝነበረ ደረጅኦም ዝሓለዉ ምትእርራማትን። ባይቶ ብ23 ለካቲት 1807 ንደገፍ ምውጋድ ጊላነት ብዓብላሊ ድምጺ ኣድመጸ፣

ኣብ እዋን ክትዕ እቲ ደሓር ዋና ፈጻሚ ጀነራል ጠበቃ ዝኾነ ሰር ሳሙኤል ሮሚሊይ። ኣንጻር እቲ ንግዲ መጎተ። መደርኡ ነዊሕን ስምዒት ዝህብን ንዊልበርፎርስ ኣኽብሮት ዘሎዎንዩ ነይሩ፣ ንሱ ነቲ ኣብ ዓራቱ ሕጉስ ሰለማዊ ድቃስ ዝድቅስ ዊልበርፎርስ። ምስቲ ኣሳቃይን ድቃስ ዘይብሉን ገበነኛ ናፖልዮን ቦናፓርተ ኣነጻጸሮ፣ እዚ ካብ ጽሑፋት ታሪኽ ህይወት ሮሚሊን እተወስደ እዩ።

ብሓያል ደምዳሚ መልእኽቲ ሮሚሊን። ዊልበርፎርስ ስዒሩ እዩ፣ ዊልበርፎርስ ነዚ ብዝሰምዐ ኣብ ወንበሩ ኮፍ ኢሉ ርእሱ ብኢዱ ደጊፉ ንብዓት ሰዓሮ፣ ሮሚሊን ሓሳባቱ ናብ ምውዳእ ኣብ ዝተቃረበሉ። ባይቶ ዓቢ ኣጋጣሚ ክጽንብል ዝተዳለወ ይመስል ነበረ፣ ኣባላት ተንሲኦም ብዓቢ ዋዕዋዕታ ፍስሀኦም ገለጽሉ፣

ኣዋጅ ምውጋድ ብ25 መጋቢት 1807 ሕጊ ኮነ፣ ይኹን እንበር ሽሕ እኳ ንግዲ ጊላነት ኣብ መራክብ እንግሊዝ ዘይሕጋዊ እንተኾነ። ኣብ ገለ ግዝኣታት እንግሊዝ ግና ጊላነት ነይሩዩ፣ ዊልበርፎርስ ንባዕሉ ከኣ ልምዲ ጊላነት ምሉእ ብምሉእ ክጠፍእ ከም ዘሎዎ እዩ ዝኣምን። ነገር ግን ንምሉእ ሓርነት ገለ ውሑድ ፖለቲካዊ ድልየት ጥራይ ከም ዝነበረ ተረድአ፣

ብቅድሙ ውን ጽቡቅ ዘይነበረ ጥዕና ዊልበርፎርስ ከንቆልቁል ጀመረ፣ ዋላ እኳ ኣብዚ እዋን ብዛዕባ ሓርነት ክዛረብ ነጻ እንተኾነ። ግናኸ ከምቲ ቀደም ኣብ ምውጋድ ጊላነት ዝገብሮ ዝነበረ ብምሉእ ሓይሉ ክጉስጉስ ኣይከኣለን፣ ይኹን እንበር ኣብ ዝኾነ ህዝባዊ ኣኼባታትን ናይ ባይቶ ርክባትን ንጊላነት ካብ ምጥቃዕ ድሕር ኣይበለን፣ ኣብ 1823 ንጊላነት እተጥቅዕ ካልእ ፋንፍለት ኣሕተመ፣

መሪሕነት ዘመተ ባይቶ ካብ ዊልበርፎርስ ናብ ቶማስ ፎወል ቡክተን ተሰጋገረ፣ ብ1825 ዊልበርፎርስ ካብ ባይቶ ብፍቃዱ ስልጣኑ ለቀቀ፣ እታ ናይ መወዳእታ ኣብ ህዝባዊ ኣኼባ ዝተራእየላ ብ1830 ኣብ ሕብረተሰብ ጸረ ጊላነት እተገብረት እያ፣ ኣብኣ ብናይ ቶማስ ክላርክሰን ርእይቶ ኣቦመንበርነት ሓዘ፣ እማመ ንሓርነት ኣብ ባይቶ ደገፍ ክረክብ ጀመረ። ብ26 ሓምለ1833 ድማ ናይ መወዳእታ ህዝባዊ ቱኽረት ረኸበ፣ ጊላነት ክውገድ ተኻኢሉ። ግናኸ ንሓረስቶት ግቡእ ካሕሰኦም ክወሃቦም ነይርዎ፣ "እግዚኣብሄር ተመስገን" በለ ዊልበርፎርስ "ነታ እንግሊዝ ንምውጋድ ጊላነት 20 ሚልዮን ስተርሊን ክትህብ ፍቃደኛ ዝኾነትላ መዓልቲ ክርኢ ስለ ዘብቃዕካኒ"፣ ድሕርዚ ድሕሪ 3 መዓልታት ኣብ ሓምለ 29, 1833 ዊልበርፎርስ ሞተ፣

ስነ ስርዓት ቀብሩ ብዙሓት ኣባላት ባይቶን ህዝብን ተሳተፍዎ፣ ኣብ ቀብሩ ሬሳ ዝተሰከሙ መስፍን ናይ ግሎሰስተርን። ልኡል ቻንስለር ሄንሪ ብሮግሃምን። ኣፈኛ ባይቶ ቻርለስ ስቶንን ይርከብዎም፣ ዊልበርፎርስ ዋጋ ናይ ተግባራቱ ሪኡ ናብ ዕረፍቱ እንተኣተወ እኳ። መርኣያ ኣብኡ ዘሎዎም ክብሪ ግና ላዕለዋይን ታሕተዋይን ባይቶ ስርሖም ኣወንዚፎም እዮም፣