23
Tue, Apr
0 New Articles

ጆን ዊክሊፍ፣ ኮኾብ ጽባሕ ተሃድሶ

Ministry
Typography
ጆን ዊክሊፍ ቅድሚ 700 ዓመታት ኣብ ከባቢ 1342 ኣብ ዩርክሻየር ዓዲ እንግሊዝ ተወሊዱ። ኣብቲ እዋን ከቢድ መንፈሳዊ ጸላም ዳርጋ ንመላእ ኤሮጳ ኣጎልቢብዋ ዝነበረሉ እዋን እዩ። ይኹን እንበር እግዚኣብሄር ነዚ በሊሕ ሰብ ንመንፈሳዊ ኩነታት ዓዲ እንግሊዝ እንተላይ ንመላእ ኤሮጳ ንምጽላው ተጠቂሙሉ'ዩ። ዊክሊፍ ኮኾብ ጽባሕ ናይቲ ተሃድሶ ተባሂሉ ተጸዊዑ'ዩ።
 
ኣብ ታሪኽ ዓዲ እንግሊዝ ዊክሊፍ ኣብ ኣገዳሲ መድረኽዩ ተወሊዱ። እታ ሃገር ከም ፍልይቲ ክትረኣየሉ ዝጀመረት እዋንዩ ነይሩ። ግዝኣት ኖርማን ካብ 1066 እዩ ነይሩ፣ ምስ ወራሪ ዊሊያም ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝኣተዉ ሰብ ፈረንሳይ፣ ምስ ኣገልገልቶም ኣብኡ መሬት ተዋሂብዎም ሰፊሮም ነበሩ። ከም ውጽኢቱ ድማ ክልተ ዝተፈላለየ ቋንቋ ዛዝረቡ ህዝቢ ኣብ ሓንቲ ሃገር ይነብሩ ነበሩ። ቀስ ብቀስ ብምትሕውዋስ ጥንታዊ ሳክሰንን ኖርማን ፍረንችን ቋንቋ እንግሊዝ ክዓቢ ጀመረ። ኣብ እዋን ዊክሊፍ እዞም ክልተ ዓሌታት ኣብ ሓደ ሃገር ሰሚሮም ሓደ ቋንቋ ክዛረቡ ጀመሩ። 

 
 
ኦክስፎርድ ዩኒቨርስቲ ግኑን ዝና ብምርካብ፣ ኣብ ኤሮጳ እቲ መሪሕ ዩኒቨርስቲ እናተባህለ ክጥቀስ ጀመረ። ኣካዳምያዊ ብቕዓት ዓቢ ክብሪ ይወሃቦ ዝነበረሉ እዋንዩ፣ ዊክሊፍ ድማ ብዝነበሮ ዓብዪን ብሉጽን ምህሮ ኣዝዩ ይኽበር ነበረ፣ ይኹን እንበር እቲ እዋን እቲ ስልጣን ጳጳስ  ብዓብላሊ ዝነበረሉ እዋንዩ።  ናይ ሓቂ ቃል እግዚኣብሄር ይስበኽ ኣይነበረን፣ ዝበዝሑ ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ዘይሪኡሉ ዝነበሩ እዋን እዩ፣ ይተርፍዶ ብእንግሊዝኛ ዝተጻሕፈስ፣ እታ ነይራ ትበሃል መጽሓፍ ቅዱስ ውን ክትንበብ ትከኣል ኣይነበረትን። ብዙሓት ሰባት ኣብ ባርነት ቤተክርስትያንን ስርዓታታን ከም ዘለዉ ይኣምኑ ነበሩ።

ናይቲ እዋን እቲ ምእመን፣ ሞባእ (ንቤተክርስትያን ገንዘብ ምሃብ)፣ ስርየት ሓጥያት ከምጽእ ይኽእል እዩ ብምባል ይኣምኑ ነበሩ። ኣብ ዝኾነ ዓውዲ ናይ ህይወት ቤተክርስትያን ማእለያ ዘብሉ ቁጽጽርን ስልጣንንዩ ነይሩዋ። ነዚ ደረት ዘይብሉ ስልጣንን ቁጽጽርን ንምርዳእ ሓደ ኣብነት ንውሰድ፣ ሓደ ሰብ ብፍታዉ ንቤተክርስትያን ገለ ነገር ከይገደፈ ኣንተደኣ ሞይቱ፣ ቤተክርስትያን ኩሉ ዘለዎ ዘበለ ትወርሶ ነበረት።

ዊክሊፍ ኣብቲ ዝነበረ ደርብታት  ገለ ክገብር ተበገሰ፣ ነቲ ዝነበረ ቅርጺ (ኣካይዳ)፣ በቶም ኣብ ድኽነት ዝነበሩ፣ ንህዝቢ ወንጌል ዝሰብኩ፣ ዝኣስር መብጽዓ እኳ ዘይብሎም፣ ገለ ናይ ቅዳሴ ዕድል ውን ዘይነበሮም፣ ብ"ድኹማት ካህናት" ዝፍለጡ ተክኦ። ብመገዲ ቀጥታዊ ቀረጽ ማእለያ ዘይብሉ ገንዘብ ናብ ቫቲካን ይግዕዝ ነበረ። ኣብ ርእሲዚ ብዙሕ ናይ እንግሊዛውያን ረብሓታት፣ ብጳጳስ ንጣልያን ከም ዝወሃብ ተገብረ፣፣ እዚ ምግባር እቲ ገንዘብ ብቀሊሉ ናብ ካዝና ቫቲካን ንኽኣቱ ተባሂሉ እዩ። ካልእ ንእንግሊዛውያን ዘቆዐ ኣንተነይሩ እቲ ዝእከብ ገንዘብ ናብቶም ኣንጻር እንግሊዝ ዝዋግኡ ዝነበሩ ይወሃብ ኣሎ ዝብል ጥርጣረ እዩ ነይሩ።

ዊክሊፍ ወዲ ዓሰርተ ሰለስተ ዓመት ምስ በጽሐ፣ ኣብ ሜርቶን ኮለጅ ኦክስፎርድ ተመሃራይ ኮነ። እቲ ዘሕዝን ኣብ ክንዲ ሓቀኛ ጽሑፋት ምጽናዕ፣ ሰባት ግዜኦም ኣብ ናይ ከም ኣኩናስን ዱኑስ ስኮታስን ጽሑፋት ምጽናዕ የሕልፎዎ ነበሩ። ይኹን እንበር ኣብ ሜርቶን ኮለጅ ፕሮፈሰር ዝነበረ፣ ብራድዋርደን ዝተባህለ ናይ ኣምላኽ ሰብ ነበረ።

መንእሰይ ዊክሊፍ ኣብ ኮለጅ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፣ ብራድዋርደን ድማ ስርሑ ዝወድኣሉ እዋን ነይሩ። ብራድዋርደን እቲ ኣብ ቃል እግዚኣብሄር እተገልጸሉ ንምቕባል ድሉው ነበረ። እታ ካልኦት ዝሰሓትዋ መገዲ ክርእያ ድማ ከኣለ። እቲ ልዑል እግዚኣብሄር በይኑ ጥራይ ብጸግኡ ንሰባት ካብ ሓጥያቶም የድሕኖም እናበለ ነቲ ናይ ሓቂ ወንጌል ሰበኸ። ብምኽንያት እዚ ዓቢ ሰብ ኣብ መላእ ኤሮጳ ብርሃን ክበርህ ጀመረ።

ኣብ 1348 እቲ ኣብ ታሪኽ "ብጸሊም ሞት" ዝፍለጥ፣ ናይ ለበዳ ሕማም ጀመረ። እቲ ዘሰክሕ ለበዳ ብኤስያ ጀሚሩ ናብ ምዕራባዊ ወገን ኤሮጳ ከስፋሕፍሕ ጀመረ። ብነሓሰ ናይቲ ዓመት ድማ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ በጽሐ። ኣብ ለንደን ማእለያ ዘይብሉ ሞት ኮነ፣ ፍርቂ ካብ ህዝቢ እታ ሃገር ድማ ሃለቀ።

ዊክሊፍ በቲ መዓት ኣዝዩ ተተንከፈ። ሚርለዲ ኣውቢነ ከም ዘስፈሮ " እዚ መቅዘፍቲ ናይቲ ልዑል እግዚኣብሄር፣ ልክዕ ከምቲ ናይ መዓልቲ ፍርዲ መለኸት ኮይኑ ኣብ ልቢ ዊክሊፍ ኣድመጸ"። ካብቲ ዝመጽእ ፍርዲ ገለ ዘድሕኖ እንተረኸበ ብማለት ብዓቅሊ ጽበት ቃል እግዚኣብሄር ከጽንዕ ጀመረ። ነይሮም

ዊክሊፍ ኣዝዩ ብሉጽ ምሁር እኳ እንተነበረ ኣብቲ ዝነበሮ ዩኒቨርስቲ ግና ኣገዳሲ ዝበሃል ኦፊስ ኣይሓዘን። ይኹን እንበር ጸላእቱ ከይተረፉ ከም ዝምስክርዎ ዊክሊፍ  "ዕንባባ ኦክስፎርድ" እዩ ነይሩ። መጽናዕትታቱ ሰፊሕ ዓውድታት የጠቃልል ነበረ፣ ገለ ካብኣቶም law of optics, chemical analysis, physiological genesis of sleep, geometrical and arithmetical rules, and national economics  ነይሮም።

ጽሑፋት ሮበርት ግሮሰቲተ (ጳጳስ ናይ ሊንኮን)፣ ልክዕ ከም ናይ ብራድዋርደን፣ ኣብ ዊክሊፍ ልዑል ተቐባልነት ኔርዎም። ሽሕ እኳ እግዚኣብሄር ነዞም ሰባት ፍልጠት ዊክሊፍ ምስፋሕ እንተተጠቅመሎም፣ ፍልጠቱ ኣብ ቅዱሳን ጽሑፋት ግና ካብ ናቶም ዝዛየደ ነበረ፣ ኣድላዪ ኮይኑ ኣብ ዝተሰምዖ እዋን ምሳቶቶም ዘይሰማምዓለ ዘበለ ነገራት ከፍልጦም ውን ድሉው ነይሩ። ዊክሊፍ ልዕሊ ኩሉ ዝሰርዖ ነገር እንተ ነይሩ ቃል ኣምላኽ እዩ፣ ቃል ኣምላኽ ንዕኡ ኣብዛ መንፈሳዊ ጸላም ዝመልኣ ዓለም ከም ማሕታን ዘንጸባርቅ ብርሃንን እዩ ነይሩ ( ኣብቲ እዋን ብላቲን እምበር ብእንግሊዝኛ ዝተጻሕፈ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይነበረን)። ዊክሊፍ ሓቂ ኣብ ዝርእየላ እዋን ክትግብራን ክእውጃን ድሕር ኣይብልን። እዚ ኩነታቱ ድማ ኣብ  ንምግማቱ ዘየጸግም ግጭት ሸመሞ፣ ሽሕ እኳ እግዚኣብሄር ንስርሓቱ ንምስፋሕ ሓቀኛ ወንጌል እንተተጠቅመሉ፣ መዘከርታ ሂወቱ ግና ጻዕርን ጸገማትን እዩ። ብኣገላልጻ ፈላጣትን ምሁራትን ሰባት ንታሪኽ ዓዲ እንግሊዝ ንምቅያር ከም ዊክሊፍ ገይሩ ተራ ዝተጻወተ ኣይነበረን። ገለ ከም ጆን ፎክስ ዝኣመሰሉ ከም ዝብልዎ ውን ዊክሊፍ ኣብ ዕዮ ተሓድሶ(ለውጢ) ዓዲ እንግሊዝ ልዕሊ እቲ ሉተር ዝተጻወቶ ተራ እዩ ተጻዊቱ።
ዊክሊፍ ኣብ ታሪኽ ክህልዎ ዝግባእ ቦታን፣ ኣፍልጦን፣ ክብርን፣ ከምቲ ዝግባእ ኣይረኸቦን ኢሎም ዝኣምኑ ብዙሓት እዮም። ገለ ምሁራት ከምዚ ይብሉ፣ ነቲ ዊክሊፍን ሉላርድስ ዝበሃሉ ተኸተልቱን ዝዓየይዎ ዕዮ ከይፈለጥካን ከይተረዳእካን፣ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ተሃድሶ ምርዳእ ዝከኣል ኣይኮነን።
ሓያል ጎድኒ ዊክሊፍ ኣብ ንቃል ኣግዚኣብሄር ምእዛዝን ኣብኡ ምጥባቅን እዩ ነይሩ። እቲ በቶም እሙናት ሰባት ተኣውጁ፣ ዝተሰብከን ዝተማህረን ቃል እግዚኣብሄር ብዙሕ መፈጸምታ ረኺቡዩ።

ፍልጠትን ምርዳእ ቃልን ብዝረኸቦ መጠን መንፈሳዊ ህይወት ዊክሊፍ እናዓበየ ከደ። ኩሉ ቅድን ኣካይዳን ሮማ ኣንጻር ጽሑፍ ሙዃኑ ክዕዘብ ውን ከኣለ። ፎክስ ከምዚ ይብል፣ ዊክሊፍ ነቲ ጉዳይ ከመይ ከም ዝገጥሞ ይሓስብ ነይሩ፣ ደረጃ ብደረጃ ክገብሮ ከም ዝግባእ ድማ ወሰነ። ብናኣሽቱ ጉዳያት ብምጅማር ንሳቶም ብዝኸፍትሉ መገዲ ተጠቂሙ ዓበይቲ ጉዳይት ከልዕል ወሰነ። ድሕሪዚ ናይ ቅዱሳን ምስጢራት ጉዳያት ክትንክፍን፣ ናይታ ቤተክርስትያን ዓመጽ ከቃልዕን ጀመረ።

ጆን ዊክሊፍ ኣንጻር ጳጳስ

ንጉስ ሪቻርድ ካልኣይ ምስ ጳጳስ ኣብ ዝነበሮ ዘይምርድዳእ፣ ዊክሊፍ ምኽሪ ሂብዎ ስለ ዝነበረ፣ ኣብ ላምበዝ ኣብ ቅድሚ ኣቡናት ከም ዝጽዋዕ ተገብረ። ዊክሊፍ ኣንጻር ጳጳስ ምሙጓትን፣ ነቲ ቤተክርስትያን ትፍጽሞ ዝነበረት ዘስደምም ዓመጻት ምቅዋምን ቀጸሎ። እግዚኣብሄር ግና ሓለዎ።

ንዝክር እንተደኣ ኮይና ኣብቲ እዋን እቲ ካብ ናይ ሮማ ቤተክርስትያን ወጻኢ ካልእ ኣማራጺ ዝበሃል ኣይነበረን፣ ትብዓት ዊክሊፍ እንበኣር ኣብዚዩ ዘሎ። ነታ ሂወት ነፍሲወከፍ እንግሊዛዊ ተቆጻጺራ ዝነበረት ቤተክርስትያን ልምዳን ኣቃውማኣን ኣጥቀዖ። መጥቃዕቱ ኣብታ ቤተ ክርስትያን ብምቅላዕ ክፍኣት ናይ "ተማሕጸንቲ ፈለስቲ" ጀመሮ። ንህዝቢ ከቢድ ጉድኣት ይፈጥርሉ ስለ ዝነበሩ እዚዩ ንዊክሊፍ ድምጹ ንኸስምዕ ዝደረኾ።

ዓዲ እንግሊዝ ካብ እዋን ንጉስ ጆን ጀሚራ ካብ ሮማ ናጽነታ ንምርካብ ትፍትን ነይራ። ብሰንኪ ምስሕሓብ ኣብ ጉዳይ ምርጫ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ካንተርባርይ፣ ንጉስ ጆን ብጳጳስ ተወጊዙዩ ነይሩ። ንጉስ ጆን ንጉስ ዓዲ እንግሊዝ ኮይኑ ክቕጽል እንተደኣ ኮይኑ፣ ንጳጳስ ብዘይ ቅድመ ኩነት ክምእዘዝን ማእለያ ዘይብሉ ዓመታዊ ገንዘብ ክኸፍልን ነይሩዎ። እዚ ንእንግሊዛውያን ከቢድ ሕፍረት ኮኖም፣ በዚ ምኽንያት እዝን ካልእን እዮም እንበኣር ኣንግሊዛውያን ደቀባት ብ 1215 ንንጉስ ጆን "ማግና ካርታ" ክፍርም ዝደፋፍእዎ።  እቲ ዝነበረ ክፍሊት ኣብቅዐ፣ ግናኸ ጳጳስ ኡርባን ሓሙሻይ ኣብ 1365 እንደገና ስልጣን ቤተክርስትያን ኣብ ልዕሊ እንግሊዝ ከርኢ ብምብጋስ፣ ዓመታዊ ክፍሊት ሓተተ። እዚ ግዜ እዚ እንግሊዝ እናሓየለት ትኸደሉ ዝነበረት ግዜዩ ነይሩ። እንግሊዛውያን ብንጉስ ኤድዋርድ ሳልሳይ ተመሪሖም ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ፈረንሳይ ብ1346 ኣብ ኩናት ክረስይ ዓቢ ዓወት ተጋናጺፎም እዮም። እዚ ነገር እዚ ገና ካብ ኣእምሮኦም ከይሃሰሰ፣ ጳጳስ ገንዘብ ኢሉ ምሕታቱ፣ ቅኑዕ ግዜ ዘይምምራጹ እዩ ዘርኢ። እቲ ገንዘብ ንሓይልታት ጸረ እንግሊዝእዩ ዝወሃቦ ዝብል እምነት ስለ ዝነበሮም እቲ ጉዳይ ንእንግሊዛውያን ተወሳኺ ቅርሕንቲ ኮኖም።

ዊክሊፍ ንሓሳባቱ ተግባራዊ ኮይኑ ክርእዮ ተመነየ። መሰረታዊ እምነቱ ቤተክርስትያን ልኽዕ ከም ናይ ሃዋርያት ነዳይ  ክትከውን ይግባእ ዝብል እዩ ነይሩ። ንጉስ ኤድዋርድ ባይቶኡ ብምጽዋዕ ናይ ጳጳስ ጠለብ ንዘተ ኣውረዶ። እቲ ኣባላት ባይቶ ዝሃብዎ መልሲ ፍሉጥ እዩ ነይሩ (ዊክሊፍ ከም ዝሰነዶ)፣ ናይ ዊክሊፍ ሓሳባት ኣብ ህዝቢ ድሮ ተቐባልነት ረኺቡ እዩ። ውሳኔ ባይቶ ምሉእ ብምሉእ ጠለብ ጳጳስ ምንጻግ ኮነ። ብዛዕባ እዚ ዊክሊፍ ካብ ዝጸሓፎ፣ "ኣብ ሓንቲ ሃገር ክልተ ገዛእቲ ክህልዉ ኣይክእሉን፣ ወይ ኤድዋርድዩ ንጉስ ወይ ድማ ኡርባን፣ ምርጫና እዚዩ፣ ንኤድዋርድ እንግሊዝ ንቅበሎ፣ ንኡርባን ሮማ ግና ንነጽጎ"።

እዚ ክርክር ንዊክሊፍ ኣረኣእይኡ ኣብ ልዕሊ መንበረ ጵጵስና ከነጽርን፣ ናይ ጳጳስ ጽልዋ ኣብ ልዕሊ እንግሊዛውያን ከዳኽምን ዓቢ ደገ ከፈተሉ። ናይ ስልጣን  ኩናት ኣብ መንጎ እንግሊዝን ሮማን ቀጸለ። ሓደ እዋን ዊክሊፍ ኣብ ቡርገስ ነዘርላንድ ምስ ተወከልቲ ጳጳስ ኣብ ዝተገብረ ኣኼባ፣ ሓደ ካብ ኮምሽነራት ኮይኑ ተላኢኹ እዩ። ድሕሪ ክልተ ዓመት ናብ እንግሊዝ ኣብ ዝተመልሰሉ ነቲ ዘሕለፎ ግዜ ፍረ ዘይብሉ ክሳራ እዩ ነይሩ ክብል ገለጾ።

ይኹን እንበር ምስቶም ንጳጳስ ናይ ቀረባ መሳርሕቱን፣ ፈለጥቱን ዘተ ብምኽያዱ፣ ንመምርሕን ዓላማን ናይዞም ሰባት ምንጹር ክርድኦ ኪኢሉ እዩ። ንጳጳስ ጸረ ክርስቶስ እዩ ኢሉ ክገልጽ ውን ደፈረ። ንጉስ፣ ዊክሊፍ ኣብ ቡርገስ ንዘርኣዮ ጻዕሪ ብምሙጓስ፣ ናይ ሉተርዎርዝ ካህን ሰበኻ ክኸውን ዝሸሞ መሲሉ ተራእየ።

ጽልዋ ዊክሊፍ ኣብታ ሃገር እናዓበየ ኸደ። ኣብ ኦክስፎርድ ዝተኸበረ ሰብ ኣብ ርእሲ ምንባሩ፣  ኣብ ኣባላት ባይቶ ውን ኣዝዩ ጸላዊ እዩ ነይሩ። ጳጳስን ሰዓብቱን ብዊክሊፍ ኣዝዮም ተናደዱ፣ ብዝኾነ ሜላ ድማ ንዊክሊፍ ኣሲሮም ብመናፍቕነት ክቐጽዕዎ ይደልዩ ነበሩ።

ብ 1377 ኮርተናይ ጵጳስ ለንደን፣ ንዊክሊፍ ኣብ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ቅድሚኦም ከም ዝጽዋዕ ገበሩ። ክልተ ኣዝዮም ሓያላት ኣዕሩኹ ንዊክሊፍ፣ ጆን ናይ ጋውንትን ሎርድ ፐርስን (ናይ ቅድም ማርሻል ናይ እንግሊዝ)፣ ኣብ ጎድኑ ደው ብምባል ደገፍዎ። ነቲ ክሲ ንምክትታል ኣዝዩ ብዙሕ ህዝቢ ካብ ምእካቡ እተላዕለ፣ ኣዞም ሰለስተ ኣዕሩክ ናብቲ ኣኬባ ዝግበረሉ ዝነበረ ቤት ጸሎት ክኣትዉ ክሳብ ዝጽገሙ ኮኑ። ከምዚ ዓይነት ደገፍ ንውክሊፍ፣ ዘይተጻወሮ ጳጳስ ኣዝዩ ተናደደ። ምስ ጆን ናይ ጋውንት ድማ ብርቱዕ ናይ ቃላት ክርክር ገበረ። ዕግርግርን ያዕያዕን ኮይኑ፣ መርመራ ብዘይ ፍረ ተበቲኑ፣ ፣ ዊክሊፍ ድማ ንገዝኡ ተመልሰ።

ንጉስ ኤድዋርድ ሳልሳይን ልኡል ጸሊምን ኣብታ ዓመት እኳ እንተሞቱ፣ ሰይቲ ልኡል ጸሊም (ኣደ ሓድሽ ተካኢ ንጉስ፣ ወዲ 11 ዓመት ሪቻርድ ካልኣይ)፣ ደጋፊት ዊክሊፍ ነበረት። ኣረኣእያኣ ንምግሃድ ድማ ፍርሂ ዝበሃል ኣይነበራን። ባይቶ ኣብ ምስ ጳጳስ ዝነበሮም ክርክር ሓገዝ ዊክሊፍ ምሕታት ቀጸሉ፣ ተፈላጥነት ዊክሊፍ ድማ ንግዚኡ ቀጸለ።

ካብ 1378 ንደሓር ግና ተፈላጥነቱ ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት እናማህመነ ዝኸደ መሰለ። መንፈሳዊ ጽልውኡ ግና እናዓበየ ይኸይድ ነበረ፣ ኣብ ዝሰዓበ ዕድሚኡ ድማ ብደገፍ እግዚኣብሄር ብዙሕ ዓወት ተጓናጺፉዩ ዊክሊፍ።

ናይ ሉተር ሕታም ኣብ ቛንቛ ጀርመን ዓቢ ጽልዋ ከም ዝገበረ፣ ልክዕ ከምኡ ናይ ዊክሊፍ ናይ እንግሊዘኛ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ውን ብኑጽርነታ፣ ጽባቐኣን ሓይላን ንቛንቛ እንግሊዝ ክትጸሉ ኪኢላያ ( ከምቲ ድሒሩ ዝሰዓበ ናይ ኪንግ ጄምስ ሕታም)። ናይ ጳጳስ ማሕተም ዘለዎ ሰነድ ናብ እንግሊዝ ተላእከ፣ እዚ ሰነድ እዚ ንሰብ መዚ ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፣ ንዊክሊፍ ኣብ ቅድሚኦም ንኸቅርብዎ ዕድል ሃቦም። እዚ ኣብ ላብበዝ ኣብ ሚያዝያ 1378 ኮነ። ብዙሕ ጭፍራ ህዝቢ ምስ ዊክሊፍ መጸ፣ ኣቡናት ድማ ዘለዎ ደገፍ ህዝቢ ክርድኡ ከኣሉ። ኣብ መንጎ እቲ መስርሕ ፍርዲ፣ ካብ ንግስቲ ኣደ፣ ንጳጳሳት ኣብ ልዕሊኡ ውሳነ ከየመሓላልፉ ዝእግድ መልእኽቲ መጸ። እቲ ኩነት ኣብ ጳጳሳትን ሰዓብቶምን ዓቢ ፍርሂ ኣኸተለ፣ ንዊክሊፍ ክጎድኡ ከም ዘይከኣሎም ውን ተረድኡ። ንሱ ግና ሓደ ወረቐት ብምድላው፣ ንኽሉ ጌጋ እዩ ዝበሎ ናይ መንበረ ጵጵስና ኣካይዳ ብምዝርዛር ሓሳባቱ ብንጹር ኣቀመጠ። እታ ቤተ ክርስትያን ናይ ብሓቂ ናይ ክርስቶስ ክትከውን ትእዛዛቱ ውን ክትክተል እንተ ደኣ ኾይና፣ ክትጽግኖም ኣለዋ ዝበሎም ነጥብታት ውን ኣቅረበ። ኣብ ምጽራር ጸላእቱ፣ ሓለዋ እግዚኣብሄር ምስኡ ነይሩ።

ዳቪድ ፎንተይን፣ ኣብታ - "ጆን ዊክሊፍ፣ መፈለምታ ናይቲ ጽገና" እትብል መጽሓፉ፣ ኣገደስቲ ነጥብታት ኣስፊሩ ኣሎ። ናይ ጵጵስና ናይ መርመራ ማእከል ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ንኽትቀውም፣ ጳጳስ ድልየቶም ገለጹ። ዊክሊፍ ግና ነቲ ኣብ ግዜኡ ዝነበረ መንግስቲ፣ ጳጳስ እዚ ክገብሩ ከም ዘይክእሉ እዩ ለባም ምኽሪ ዝሃበ። ዋላ እኳ ኣብ ዝሰዓባ 200 ዓመታት ናይ እንግሊዝ መናፍቕ ዝበሃሉ ዝነበሩ እንተ ተሃድኑ፣ ጳጳስ ከምቲ ዝተመነይዎ ኮይንሎም እንተዝኸውን ግና እቲ ስደት ኣዝዩ ዝኸፍአ ምኾነ።

ምፍንጫል ጵጵስና፣ ሓደ ኣብ ኣቪግኖን ፈረንሳይ፣ እቲ ሓደ ድማ ኣብ ሮማ፣ ኣብዚ እዋንዩ ተጋሂዱ። ክልቲኦም ኣነየ ፍጹም ብምባል ነንሓድሕዶም ተወጋገዙ። ምስቲ ኩሉ ከጋጥም ዝጸንሐ ተደሚሩ፣ ኩሉ ስርዓት ጵጵስና ጸረ ክርስቶስ ሙዃኑ፣ ዊክሊፍ ብንጹር ክርኢ ከኣለ። ከምዚ ድማ በለ ልክዕ ከምቲ ኣብ 2 ተሰ 2፣4 ዝብለና፣ "ጳጳስ ንርእሱ ልዕሊ እግዚእብሄር ሓፍ ዘብል ረሲእ ሰብዩ"።


ጆን ዊክሊፍን፣ ምትርጓም መጽሓፍ ቅዱስን

ኣብ ስራሕ ምትርጓም መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ኢንግሊዝኛን፣ ኣብ ምልኣኽ ሰበኽቲ ወንጌልን፣ ዊክሊፍ ዘርኣዮ ጅግንነት፣ ንተጻረርቱ ከም ዝመከቶም ዘነጽርዩ።

ብዝነበሮ ናይ ስራሕ ክብደትን ዝገጥሞ ዝነበረ ተጻብኦታትን፣ ተሰቅዩ ሕማም ክስምዖ ጀመረ። ምሕማሙ ዝሰምዑ ፈለስቲ ቅድሚ ሞቱ ሓሳባቱ እንተሓደገ ብምባል ናብ ዓራት ሕማሙ ተጓየዩ። ይኹን እንበር ዊክሊፍ ሓሳቡ ዝቕይር ኣይነበረን። ንኣኣቶም ዝሃቦ መልሲ ከምዚዩ ነይሩ፣ "ክነብር እየ ኣይክመውትን ድማ እየ፣ ነቲ እከይ ተግባራት ፈለስቲ ድማ ከቃልዖ እየ"። እዚ ትንቢታዊ ቃል ምልኣት ረኺቡዩ። ዊክሊፍ ናብቲ ኣገዳሲ ዝበሃል ዕዮ መጽሓፍ ቅዱስ ተጸሚዱ፣ ሎላርድስ ዝበሃሉ ሰበኽቲ ወንጌል ድማ ልኢኹ።

ጆን ዊክሊፍ ኣብ ዓራት ሕማሙ ከሎ ብኣብ ኦክስፎርድ ዝነበሩ ፈለስቲ ተጨነቀ፣ ኣረኣእይኡ ኣብ ጌጋታት ስግኡ ወደሙ ብኑጹር ምስ ገለጸ፣ ካብ ኦክስፎርድ ተሰጒጉዩ፣ ደገፍ ጆን ናይ ጋውንት ውን ሲኢኑዩ። ፖለቲካዊ ጽልውኡ እናማህመነ ድማ ከይዱ፣ ኣገዳስነቱ ኣብ መንፈሳውነት ግና ይዓቢ ነበረ። ኣብ ምልዕዓል ገባሮ ብ1381 ኣቡን ሳድባርይ፣ ብሙማቱ ፣ ንቦትኡ ዊልያም ኮርተናይ ስለ ዝተከኦ (ናይ ቀደም ተጻራሪ ዊክሊፍ)፣ ዊክሊፍ ናብ ሉተርዎርትህ ኣንሳሓበ።  ብ1382 ኮርተናይ ንዊክሊፍ ንምቅጻዕ ሲኖዶስ (ጉባኤ ቤተክርስትያን) ጸውዐ። ጉባኤ ውን ተጀመረ፣ ግናኸ እቲ ዝተኣከቡሉ ህንጻ ሃንደበት ክንነው ጀመረ፣ መላእ ለንደን ድማ ብኸቢድ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ተናወጸት።  በቲ ምንቅጥቃጥ ዝተፈጥረ ራብሻ ከይገደሶ ኮርተናይ ንመስርሕ ፍርዲ ዊክሊፍ ቀጸሎ።

ኣብ ዝሰዓበት ዓመት ዊክሊፍ ብዛዕባ ምሕደራ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝልወጠሉ መገዲ ናብ ባይቶ ጥርዓን ኣቅረበ። ምኽንያታቱ ውን ብኑጹር ኣቅረበም። ሓፋሽ ደገፉ ንዊክሊፍ ኣስመዐ። ድሕሪ መርመራ ዊክሊፍ ናብ ሰበኻኡ ናብ ሉተርዎርዝ ተመልሰ፣ ኣብኡ ድማ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝጸውዖ ብእሙንነት የገልግል ነበረ።

ድሕሪዚ ዊክሊፍ ንክልተ ዓመታት ጥራይ እዩ ጸኒሑ፣  ግናኸ ብደገፍ ገለ ካልኦትን፣  ነቲ ኣብ ኦክስፎርድ ዝነበሮ ናይ ስራሕ መብጽዓ ብምሕዳግን፣ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ኢንግሊዝኛ ክውደኣ በቅዐ። ዊክሊፍ ንሓዲሽ ኪዳን ከም ዝተርጎማ ርዱእ ኮይኑ፣ ኒኮላስን ፐርቨይን ድማ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምክትታል ዊክሊፍ ኮይኖም ንብሉይ ኪዳን ተርጎሙ። ከምቲ ብዙሓት ምሁራት ዝብልዎ ንዊክሊፍ ከም ኣቦ ናይ ኢንግሊዘኛ ስዲ ንባብ ክንቅበሎ ደኣ እንበር፣ ኣብ ምትርጓም ዘራኣዮ ጸዓትን ኣበርክቶን ክንጠቅስ ጥራይ ኣይኮነን ዝግባእ። ዊክሊፍ ካብ ስራሕ ትርጉም ሓሊፉ፣ ንስነመሎኮታዊ ኣረኣእይኡ ከማዕብልን፣ ክትንትንን፣ ክሓትምን ክኢሉዩ። ሰበኽቲ እናኣሰልጠነ ውን ልኢኹ እዩ። ምስናይ እዚ ኩሉ ከቢድ ሓላፍነት፣ ንሕብረት ሉተርዎርዝ ናይ ሓቂ ጓሳ ኮይኑ ኣልይዋ እዩ። ገለ ቅዳሕ ናይ ኣብኡ ዝምህሮ ዝነበረ ትምህርትታት ንሕትመት በቂዑስ ክሳዕ ሎሚ ውን ኣሎ።


ሎሚ ዘመን መጽሓፍ ቅዱስ ብቛንቛና ከነንብቦ ከሎና ከም ተራ ነገር ንወስዶ ንህሉ፣  ኣብ እዋን ዊክሊፍ ግና እቲ ኩነታት ከምኡ ኣይነበረን። ናይ ዊክሊፍ ስርሓት ክሳዕ ትሕተም፣ እታ እንኮ ቅዱስ ጽሑፍ ንእንግሊዛውያን ኣንበብቲ ናይ ጀሮም ላቲን ቩልገይት  እያ ነይና። ኣብ ርእሲ እዚ ውን እታ መጽሓፍ ብዘይካ ንካህናት ንካልእ ከንብብ ዝደሊ ክልክልቲ ነበረት። ምቅራብ ስራሓት ዊክሊፍ ንተራ ኣንባቢ፣ ብካህናት ከቢድ ተቃውሞ ገጢምዎዩ። ገለ እዋን ጸኒሓ ውን እታ ቤተ ክርስትያን ንዝኾነ ይኹን ቃል እግዚኣብሄር ምትርጓም፣ ዝኽልክል ሕጊ ኣጽዲቓያ።