27
Wed, Nov
0 New Articles

መልእክቲ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ሃገርና ኤርትራ ( መጋቢት 12, 2009 )

News
Typography

*ኣብ ወርሒ ለካቲት 2009 ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ናይ ጸሎትን ጽሞናን ጊዜ ነይሩኒ። ሰዓቱ ሰዓት ክልተ ናይ ለይቲ ኣቢሉ ይኸዉን። ብራእይ ኣብ ኤርትራ ዞባ ደቡብ ዓዲ ናይ ኣቦይ ዘሎ ቤትና ይራኣየኒ። ኣብቲ ቤት ኣደይ ሕጻን ተጋላጊላ ኣብ ዓራት ምስ ኩሉ ምልክት ናይ ሕርሳ ረአክዋ። ምስታ ሓራስ በጀካ ትሕቲ 7 ዕድመ ዝዀነ ቆልዑ ካልእ ዓቕሚ ኣዳም ሰብኣይ ኰነ ሰበይቲ ሓደ እኳ ኣይነበረን። በይና ባዕላ ከም ዝሓረሰት ይርዳኣኒ።

እቶም ቆልዑ ብዓቕሞም እታ ኣደ ከም ዝሓረሰት ከበስሩ ዕልል ይብሉ ነበሩ። ኣብ ዓዲ ግና ሰብ ከም ዘሎ ይመስል ነበረ እምበር ዝረአስ ኣይነበረን። ዝሓረሰትሉ ጊዜ ኩሉ ሰብ ነናብ ዋኒኑ ምስ ወፈረ እዩ። እዋኑ ካብ ሰዓት 900-1000 ናይ ንግሆ ዘሎ ጊዜ ይመስል ነበረ። እታ ሓራስ ነቶም ቆልዑት ደጋጊማ ኣጆኹም እዞም ደቀይ ዓዉ ኢልኩም ዓልሉ ትብሎም ነበረት።

ኣብዚ ኩነታት እዚ ኣነ ንገዛእ ርእሰይ ከም ቅጽበት ዓይኒ ካብ ካልእ ርሑቕ ቦታ ተመንዚዐ ናብቲ ኣደይ ዝሓረሰትሉ ቤትና ኣተኹ። ነቲ ቆልዓ ኣብ ሕቑፋ ጌራቶ ገና ግና ምስ ኩሉ ምልክታት ናይ ሕርሳ ከይተጻፈፈት ኣብቲ ዝረአክ ዓራት ኰፍ ኢላ ነበረት። እታ ሓራስ ኣብ ኣካላታ ድኻምን ቃንዛን ከም ዘለዋ ይንበብ ነበረ። ነዚ ምስ ረአኹ ኣደይ ብዘይ ሰብ ሓሪሳ ብምባል ከቢድ ዉሽጣዊ ጓህን ድንጋጸን ተሰማዓኒ። ገጽ ገጻ እንዳ ረአኽዋ ድማ ብጣዕሚ ጐሃኹ። ንሳ ግና ንቓንዛኣ ከይተገደሰት ነቶም ሕጻናት መላሊሳ "ዓዉ ኢልኩም ዓልሉ እዞም  ደቀይ" ትብሎም ነበረት።

ኣነ ዓሊለ ዝኽእል ክነሰይ በቲ ኩነታታ ብምጉሃየይ ክዕልል ኣይካኣልኩን። እታ ሓራስ ግና ክዕለል ከም ዝሓረሰት ድማ ሰብ ክሰምዕ ትደሊ ነበረት። ብድሕሪዚ ኣነ ባዕለይ ሸዉዓተ ሳዕ ድዩ ዝዕለል? ኢለ ሓተትክዋ? ንሳ ድማ እወ በለትኒ። ኣነ ድማ ዓዉ ኢለ ሸዉዓተ ሳዕ ዓለልኩ። ድምጺ ናይ ዕልልታይ ክሳዕ ርሑቕ ተሰምዐ። ካብ ዓዲ ሓሊፉ ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ሰባትዉን ነቲ ድምጺ ዕልልታ ሰምዕዎ። ብድሕሪ እዚ ከም ዝሓረሰት ሰምዑ እሞ ንሓድሕዶም ይነጋገሩ፡ ሕቱክቱክ ይብሉ፡ በቲ ፍጻሜ ድማ ከም ዝገረመሞ ኣብ ገጾም ምልክታት የርእዩ ነበሩ። ካብ ርሑቕ፡ ገሊኦም መጺኦም ንኽርእይዋ ንብረቶም ይእክቡ፡ ገሊኦም ድማ ብዙሕ ሸበድበድን ድምጺ ገልጠምጠምን የስምዑ ነበሩ።

ናብቲ ሓራስ ዘላቶ ቤት ግና ቀልጢፉ ዝበጸሐ ሰብ ኣይነበረን። ድሕሪዚ ኣነ ነቓሕኩ።ዝዩ ቢድ ሸክ ካብ ዝባነይ ከም ዘራገፍኩ ኰይኑ ተሰማዓኒ፡ ስጋይ ኣካላተይ  ከም ጨርቂ ቀሊሉ ተሰማዓኒ። ኣዝዩ ዘገርም ናይ መንፈስ እፎይታን ሓጎስንዉን ገዛኣኒ። በኣእምሮ ነቒሐ ክነሰይ እኳ እቲ ነገር ጋህዲ ኰይኑ እዩ ዝተሰማዓኒ። ኣእምሮይ በቲ ዝረኣኽ ነገር ስለ ዝተታሕዘ ድማ ብዛዕብኡ ክሓሳብ ጥራይ ናይ ዓይኒ ሰለምታ ከይወሰድኒ ቅሉሕሊሕ ክብል ሓደርኩ።

ትርጉም ናይቲ ራእይ

•1.  እታ ዝሓረሰት ኣደ፡ ብቓል ኣምላክ መሰረት ንሃገር እያ ትዉክል።

2. ኣደይ ምቅማጣ ነዊሕ ዓመታት ኣብ ኣሰመራ ክነሱ ኣብ ዓዲ ምሕራሳ፡ ለዉጢ ናይ ምድርና ብገጠር ብዘይ ተጸበናዮ ቦታ ከም ዝጅምር እዩ።

•3.  እታ ኣደ ህጻናት ጥራሕ ምስኣ ምንባሮም እቶም ህጻናትዉን ዕልል ምባሎም እግዚኣብሄርድሓንን ብስራትን ናይታ ምድሪ ዝጸባበዩ ሓድሽ ትዉልዲ ኣልዒሉ ከም ዘሎ የመልክተና።

•4.  እታ ኣደ በይና ምሕርሳ፡ ለዉጢ ናይ ምድርና ብኻልእ መገዲ ዘይኰነስ ካብ ምድርና ካብ ዉሽጥና ምኻኑ የመልክተና።

•5.  ሕርሳ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓታት ምኻኑ፡ እቲ ምብጻሕ ናይ ሃገርና ብሃንደበት ኣብ ዘይተጸበናዮ ሰዓት ከም ዝኸዉን እዩ።

•6.  እታ ሓራስ ምልክት ናይ ድኻምን ቃንዛን ምርኣያ፡ ሃገርና ኩነታታ ክዉዳእ ከሎ ብፍላይ ድማ ምስቲ ኣብ ዓራታ ዝረአ ዝነበረ ዘይጽቡቕ ነገር የንጸላልዋ ከም ዘሎ የመልክት፡ ኣጸቢቕና ክንጽልየሉ ዘሎና እዩ።

•7.  ኣብ ዓዲ ኣብ ጊዜ ሕርሳ ሰብ ዘይምንባሩ፡ ኩላትና ንሃገርና ረሲዕና ካብ ጸሎትን ምምላድን ርሒቕና ብናይ ዉልቅና ሓልዮት ሓዳር ተታሒዝና ከም ዘሎና እዩ ዘመልክት። ብልብና መገድና ክንምርምር ይግባእ።

•8.  እታ ሓራስ ነቶም ቆልዑት ደጋጊማ ዓልሉ ምባላ፡ ሰብ ክመጻ ትጽዉዕ ከም ዘላ የመልክት። ነቲ ናይ ሕርሳ ነገራት ክላዓለላ ዝድገፍ ሰብ ትደሊ ከም ዘላ የርኢ። እቲ ዝነበረቶ ዓራት ተጽያይቑ ዘይተጻፈፈ ከም ዝረኣኽ ዘክሩ።

•9.  ሸዉዓተ ግዜ ምዕላል፡ ብቐዳምነት ወዲ ከም ዝወለደት የመልክት፡ ካልኣይ ድማ ጊዜ እግዚኣብሄር ከም ዝበጸሐ የርኢ። ሸዉዓተ ሙሉእ ቁጽሪ ናይ እግዚኣብሄር ስለ ዘመልክት።

•10. ሰባት ምሕራሳ ሰሚዖም ዝተፈላለየ ምልክታት ምርኣዮም፡ እግዚኣብሄር ንምድርና ምስ በጽሓ ክሳዕ ጫፍ ምድሪ ተሰሚዑ ዓቢዪ ናይ ዓለምና ወረ ከም ዝኸዉን፡ ንብዙሕ ሰብ ድማ እቲ ፍጻሜ ከም ዘገርሞ የመልክት።

11.ናብቲ ሓራስ ዘላቶ ሰብ ቀልጢፉ ዘይምብጽሑ፡ ሰብ ናብ ሃገሩ በተግ ኢሉ ከም ዘይምለስ የመልክት።

12.ሸኽሚ ምርጋፉ፡ ዓቢዪ እፎይታን ሓጎስን፡ እግዚኣብሄር ንሃገርና ምስ በጽሓ ናይ ሰላም፡ ዕረፍቲ፡ ዘመን ምጽንናዕን ከም ዝመጸልና የመልክት።

መዘኻኸሪ

ፍቑራት ኣቦታት፡ ኣዴታት፡ ኣሕዋት፡ ኣሓት ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ነዚ ዝመስል ተመሳሳሊ ሕልምን ራእይን ኣብ ዝተፈላለየ ጊዜ ይቕበል ነይረ። እዚ ናይ ሎሚ ግና ኩላትና ክንሰምዖ ሰሚዕና ድማ ግዴና ምእንቲ ክንገብርን ክንጽልየሉን ክትፍኖ ከመዘለዋ ዉሽጣዊ ድርኽቲ ተሰሚዑኒ ጺሒፈያ ኣለኹ።

ናይ እዚ ሕልሚ፡ ራእይ፡ ትንቢት ናይ መርታ መልእኽቱ "ጸልየሉ" ምዃኑ ኣቐዲመ ከዘኻኽረኩም ይደሊ።  እታ ሓሪሳ ዝተራኣየት ኣደ እግዚኣብሄር ንሃገርና ዝበጽሓሉ ጊዜን ሰዓትን ከም ዝኣኸለ እዩ። ኣብቲ ራእይ ዘይጽቡቕ ዝመስል ነገራት ተራእዩ ኣሎ። ብፍላይ ድማ ኣታ ኣደ፡ መሕረስቲ ኣብ ዘይብሉ በይና ብጻዕሪ ምዉላዳ ከቢድ ጾር የሰክመና። እምበኣር ምድርና ካብ ዘላቶ ጻዕርን ጭንቅን ብሰላም ምእንቲ ክትገላገል ብጸሎትን ምህለላን ደዉ ንብሉላ ናይ መንፈስ መሕረስቲ ትደሊ ኣላ።

እግዚኣብሄር ንኤርትራ ይባርኽ

ስምኦን የማነ

ካርቱም ሱዳን

Email:- thekingdom1@yahoo.com

Telephone:- 00249-122629826/ 249-922636578

Email:- This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.