ሕብረት ወንጌላውያን ኤርትራውያን ኣብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ከምቲ ዓመት ዓመት ዝገብሮ ነዚ ዓመት ድማ ግንቦት 10 2009 ኣህጉራዊ መዓልቲ ጸሎት ኤርትራ ክትከውን ኣውጁ ኣሎ።
ኣብዚ ሰዓት እዚ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ከቢድ ነውጺ ኣትያ ከም ዘላ ካብ ማንም ዘይሰወር ሓቂ እዩ። ኩነታት ሃገርና ከምዚ እንተ ቐጺሉ እቲ ኣንፈት ናበይ ምኻኑ ዝሰሓት ኣይኰነን ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብዛዕባ እዛ ኣብ ከቢድ ኢኮኖሚያን ፖሎቲካውን ሰልሚ ተሸሚማ ዘላ ሃገርና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብትሑት ልብን ብስቡር መንፈስን ብሓድነትን ልዝብን ብፍቕርን ምጽዋርን ተታሓሒዝና ክንጽሊ ይግብኣና።
ቃል ኣምላኽ እዚ ብስመይ ዝተሰምየ ህዝበይ ትሕት እንተ በለ ካብ ኩፉእ መንገዱ ኸኣ እንተ ተመልሰ ኣነ እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ክሰምዕ ንምድሮም ከኣ ክፍውስ እየ ዝብል ኣምላኻዊ ተስፋ ኣሎ እሞ ነዚ ተስፋ እዚ ሒዝና ኣብ ቅድሚ ልዕሉ ፈጣሪ ንቕረብ።
ግንቦት 10, 2009 ኣህጉራዊ መዓልቲ ጸሎት ኤርትራ
Typography
- Font Size
- Default
- Reading Mode