ኣብዚ እዋን እዚብመንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ክርስትያናት ዝገብሮ ዘሎ ግፍዕን ማሰርትን መቕተልትን ኣዚዩ ልዕሊ ዓቐን ብዝዀነ መንገዲ ጠርዚ በጺሑ ኣሎ። ብተወሳኺ ሕጂ ብግልጺ መንግስቲ ኤርትራ ብማዕከናት ዜንኡ ኣንጻር ኣመንቲ ጹዑቕ ጐስጋስ ጀሚሩ ይርከብ። ብዙሓት ኣመንቲ ኸኣ ንብረቶም ተራስዩ፣ ኣባይቶም ተዓሺጉ፣ ናብ ፈቐዶ ዘስካሕክሕ ቦታታትን ቤት ማእሰርትን ይውሰዱ ኣለዉ። እቲ ዘሕዝን ናይዚ ከምዚ ተግባር መወዳእትኡ ውድቀትን ጥፍኣትን ምኻኑ እዩ።
ኣብ ታሪኽ ኩሉ ኣንጻር ቤት ኣምላኽን ሰዓብቲ ክርስቶስን ተባኢሱን ኣሳዲዱን ዝተዓወተ መንግስቲ የሎን ብድሕሪ ሕጂ እውን ኣይክህሉን እዩ። ምስ ኣምላኽ ተባኢሱ እሞ ዝሰለጦ፣ ምኽሩ ኸኣ ዝቐንዓሉ መን እዩ? እቶም ኩሉ ግዜ ኣንጻር ህዝቢ ኣምላኽ መከራን ስቓይን ዘምጹ ሰበ ሰልጣን ውድቀቶም ሓደገኛ እዩ። እዚ መጽሓፍ ቁዱስ ብግልጺ ዝዛረቦ ምልእኽቲ ስለ ዝኰነ ንሕና ኸኣ ንምድጋሙ ኣይንፈርሕን ኢና።
ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ኣንጻር እስራኤላውያን ምስ ተላዕለ ኣምላኽ ንህዝቡ ብዘደንቕ ተኣምራት ኣሳጊሩ ንፈርኦን ሰዓብቱን ግና ባሕሪ ዊሒጥዎም ተሪፉ። ኣንጻር ቁዱሳን ዝተንስኣ ሄርዶስ እውን እንተ ዀነ ሓሲኹ መሽምሹ ተሪፉ። እቶም ኣብ ግዝኣት ሮማ ዝነበሩ ኣንጻር ኣመንቲ ዝግስግሱ ዝነበሩ መራሕቲ ብሙሉኣቶም ታሪኾም ተደምሲሱ ጠፊኡ። ነዊሕ ከይከድና ኣብ እዘን ኮሚኒስታውያን ዝበሃላ ሃገርት ኣንጻር ክርስትና ምስ ተላዕላ ዘጋጠመን ውርደትን ሕስረትን ንፈልጥ ኢና። ሕጂ ግና ታሪኽ ተቐየሩ ኣመንቲ ከም ቃሕታ ልቦም እኳ ደኣ በጃኹም እናተባህሉ ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ የስፍሑ ኣሎና። ናይ ቅድሚ 18 ዓመት ተዘክሮ ደርጊ እውን እንተ ዀነ ካብ ኣእምሮና ኣይሃሰሰን። ደርጊ ንክርስትና ንምጭፍላቕ ዘይፋሓሮ ጉድጋድ ዘየገበሮ ነገር ኣይነበረን ግና ወዲቑ።
ሓቒ እዩ እዚ ሎሚ ብመንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ዝግበር ዘሎ ግፍዒ ኣብ ኣፍሪቃ ይኹን ኣብ ካልኦት ክፍሊ ዓለማት ኣብዚ መበል 21 ክፍለ ዘመን መዘና ኣልቦ እዩ። እዚ ግና ፈቲና ጸሊእና ናብ መርገምን ውድቀት እንተ ዘይኰይኑ ናብ ካልእ ከም ዘየምርሕ መራሕትን ሰበ ስልጣን ኤርትራን ከምኡ ኸኣ እቶም ኣብዚ እኩይ ሰይጣናዊ ተግባር ተዋፊሮም ዘለዉ ሰባት ክፈልጡ ይግባእ። ሰብ ምስ ሰብ እንተ ተባኢሱ ኣምላኽ ይዓርቆ ሰብ ምስ እግዚኣብሄር እንተ ተባኢሱ ግና መን ይዓርቆ። ኣብ ኢድ ኣምላኽ ምውዳቕ ከኣ ዘስካሕክሕን ዘሰንብድን እዩ። ከምቲ ደም ኣቤልን ቁዱሳንን ናብ ሰማይ ጠሪዑ ፍረን ሕነን ኣምላኽ ሒዙ ዝተመልሰ ሎሚ እውን ኣብ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ክርስትያናት ዝግበር ዘሎ ግፍዒ ናብ ኣምላኽ ምጥርዑ ኣይተርፍን እዩ።
ብፍላይ እቲ ዘሕዝን እቶም ዓበይቲ ውርዙያት ካህናትን መራሕቲ ክርስትያናትን ኢና ዝብሉ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ስቓይ ክወርድ ከሎ ስቕ ምባሎም ካብ ፍርዲ ዝመልቁ ዶ ይመስሎም? እቲ መሰረት እምነት ክርስትና ዝዀነ መጽሓፍ ቁዱስ ብሰበስልጣንን ብመንግስቲ ኤርትራ እናተቓጸለን እናነደደን ያዕ ዘይምባሎም ካብ ዝወርድ መቕጻዕቲ ዝሃድሙ ዶ ይመስል? ኣይፋል ንኹሉ ፍርድን ዓስብን ኣለዎ። ንኹሉ ግዜ ኣለዎ ነቶም መሳደድትን ጨቆንትን ከኣ ንዘልኣለም ኣይኰኑን ኣብ ስልጣን ዝነብሩ። ኣብ ስልጣን ዘምጽእ እግዚኣብሄር እዩ ካብ ስልጣን ዝኣሊ ኸኣ ባዕሉ እግዚኣብሄር እዩ። ነቶም ዝፋኖም ብጽድቂ ዘጽንዑ መራሕቲ ኢዱ ንበረኸት ነቶም መንበሮም ብርኽሰትን ጸይቅን ዘቖሙ ኸኣ ኢድ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊኦም ንፍርዲ ክትዝርጋሕ እያ። እዚ ታሪኽ መጽሓፍ ቁዱስ እዩ።
ኩቡራት መራሕቲ ኤርትራ እዚ ትገብርዎ ዘለኹም ግፍዒ እዚ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ክርስትያናትን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ተወርድዎ ዘለኹም ኣደራዕ ካብ ኣምላኽ ዘለዎ ፍዳ ዓቢ እዩ እሞ በጃኹም ኢድ ኣምላኽ ንፍርዲ ከይተዘርገሐት ከላ ተመለሱ ደሓኑ ካብ ግብርኹም ተመለሱ። እንተ ዘይኰነ ኣብ ኣፍ ብልሒ ሰይፊ እንተ ኣድሓርሒርኩም ግና ንዓኹም ይገደኩም። ወንጌል ኣይእሰርን እዩ። ኣመንቲ ኸኣ ብመጠን እቲ ዝጨቆንክምዎም ክዓብዩ ክሰፍሑ ክዕንብቡ እምበር ኣይክጠፍኡን ኣይክበርሱን እዮም። ክብሪ ኣምላኽ ንኤርትራ ክሽፍን እዩ። የሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘልኣለም ንሱ እዩ። ኣንጻር ኣምላኽን ህዝቢ ኣምላኽን ዝለዓል መንግስትን መራሕን ኩሉ ግዜ ውድቀቶም ቀረባ ፍርዶም ከኣ ዓቢ እዩ።
ኣምላኻዊ መጠንቀቕታ ንመንግስቲ ኤርትራ
Typography
- Font Size
- Default
- Reading Mode