29
Fri, Nov
0 New Articles

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ዘካይዶ ዘሎ ሃድን ይቕጽል ኣሎ

News
Typography

ብመሰረት መንግስቲ ኤርትራ ዘውጾ ኣዋጅ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ኤርትራ ንኣመንቲ ምእሳርን ምብስባስን ይቕጽሎ ኣሎ። ብፍላይ ከኣ ኣብዚ ሰሙን እዚ ብጥቆማ ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ከአማ ኣስመራ ብመንግስቲ ካብ ገገዝኦም ተገፊፎም ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ተወሲዶም ኣለዉ። እዚብመንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ዝወርድ ዘሎ ኣረሜናዊ ተግባር ኣምላኽ መዕለብን መፈጸምታን ክገብረሉ ኩሉ ምእመን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብጸሎት ክቐርብ ይግባእ። እዚ ኣንጻር ክርስትና እምነት ዝካየድ ዘሎ ሰይጣናዊ ሓሳብ በቲ ሓይሊ ክርስቶስ ከም ዝሰዓር ይፍለጥ። ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ብዝተፈላለየ መከራን ሞትን ይሓልፉ ኣለዉ። ኣብ ዝሓለፈ እዋንት ልዕሊ 1800 መጽሓፍ ቁዱስ ኣብ ሳዋ ካብ ተማሃሮ መንዚዖም ከም ዘቃጸልዎ ይዝከር። ብሓፈሻ ኩሉ ህዝቢ ኣምላኽ ስለ እዚ ጉዳይ ብጸሎት ክንቅዕን ብዘድሊ ኩሉ ደው ክብልን ነማዕጽን።