ኣብዚ እዋን እዚ ብመንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ሰዓብቲ ጐይታ ዝወርድ ዘሎ ኣደራዕን ሕሰምን ፈተናን መከራን ብቓላት ክገልጽ ዘይክእል ኣዚዩ ዓቢ እዩ። ገለ ብመግረፍቲ ገለ ኣብ ኮንቴነር ገለ ንዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ፣ ገለ ኸኣ ድሮ ብሰማእትነት ሓሊፎም ኣለዉ። እዚ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋት ሰዓብቲ ክርስቶስ ዝወርድ ዘሎ መከራን ስቓይን ግና ነቲ ጐይታ የሱስ ክርስቶስ ዝሃበና ሓደራ ወንጌል ንቕድሚት ዝውንጭፍ እምበር ንድሕሪት ዝመልስ ኣይኰነን።ኣምላኽን ሰዓብቲ ኣምላኽን ኣብ ታሪኽ ተሳዒሮም ኣይፈልጡን እዮም። ዝተፈላለየ ኣዋጅ ይተኣወጅ ዝተፈላልየ መከራ ይምጻእ እቶም ናይ ኣምላኽ ኣገልገልትን ሰዓብትን ብጸጋ ኣምላኽ ኩሉ ግዜ ኣብ ኩሉ ቦታ ጸኒዖም ደው ክብሉ እዮም። ኣብ ዘሓለፈ ኣዋርሕ ብዙሓት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣቦታትናን ኣዴታትናን ህጻውንቲ ከይተርፉ ብሰንኪ እምነቶም ኣብ ኣዚዩ ኩፉእ ሃሩር ዘለዎ መጢረ ዝበሃል ቦታ ብመንግስቲ ኤርትራ ተወሲዶም ኣለዉ። እዚ ናይ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ፍጻሜ እዩ። ገለ ኸኣ ኣብ ዊዓ ሳዋ ማይ ስርዋ ኣስመራ ካልእ ካልእ ኣዝዩ ኢሰብኣዊ ዝዀነ ስቓይን ሕሰምን ይወርዶም ኣሎ። እዞም ጀጋኑ ግና ብጸጋ ኣምላኽ ንስም የሱስ እናኽበሩ ደው ኢሎም ኣለዉ። ስለዚ ኩላትና ብዛዕባ እዞም ኣሕዋት እዚኣቶም ክንጽልን ኣምላኽ ከኣ ጸጋ ከብዝሓለዎን ንጸሊ። ጸሎት ጻድቕ ብግብራ ብዙሕ ተስልጥ እያ እሞ ሃየ ደኣ ብጸሎት ንደግፎም ንሓግዞም ከመይሲ መከራ ኣሕዋትና ኣብ ኤርትራ ንኽብሪ እምበር ንጥፍኣት ስለ ዘይኰነ።
መከራ ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ኣመንቲ ንኽብሪ እምበር ንጥፍኣት ኣይኰነን
Typography
- Font Size
- Default
- Reading Mode