እሙናት ምንጭታት ካብ ኣስመራ ከም ዘረጋገጽዎ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ብጅምላ ማእሰርቲ ጀሚሩ ኣሎ እዚ ካብ ገዛ ስራሕን ቤት ምህርትን ኣብ ዞባ ዓንሰባ ዝጀመረ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ናብ ዞባ ደቡብ ድሕሪ ምልሓዉ ኣብዚ ሰሙን እዚ ኸኣ ኣብ ኣስመራ ከም ዝቐጸለ ተረጋጊጹ ኣሎ። ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ግፍዒ ኣብ እዚ መበል 21 ክፍለ ዘመን መዳርግቲ ዘይብሉ ዓቢ እዩ። እዞም ተኣሲሮም ዘለዉ ኣዴታት ኣቦታት መንእሰያትን ህጻናትን ኣሕዋት ናብ ኣዚዩ ከርፋሕ ወተሃደራዊ መዓስከር ተወሲዶም ከም ዘለዉ ተረጋጊጹ ኣሎ። እዚ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝግበር ዘሎ ንኣመንቲ ምእሳርን ምግፋዕን ኣብ ኩሉ ኤርትራ ክቕጽል ምኻኑ እዩ ተኣውጁ ዘሎ። ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ ኣይእሰርን እዩ። ስለዚ ኩላትና ኣምላኽ ሰማይ ኣብዛ ምድሪ ረድእየት ክሰድድ ንጸሊ ነዞም ብዝተፈላለየ ግፍዕን ኣደራዕን ስቓይን ሕሰምን ዝሓልፉ ዘለዉ ኣመንቲ ኣሕዋትና ኸኣ ንጸልየሎም ስሊኦም ደው ንበል።
መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኣስመራ ንኣመንቲ ብጅምላ ምእሳር ጀሚሩ
Typography
- Font Size
- Default
- Reading Mode