30
Sat, Nov
0 New Articles

ብሰንኪ እምነቱ ብዝወረዶ ኣደራዕ ሓደ ክርስትያን ብሰማእትነት ሓሊፉ

News
Typography

ተኽለሰንበት ገብርኣብ ክፍሎም ዝተባህለ ወዲ 36 ዓመት ኣብ ዊዓ ሳእን ግብኡ ሕክምናዊ ክንክን ምግባር ብሕማም ዓሶ ዓሪፉ። ተኽለሰንበት ገብርኣብ ክፍሎም ዓሚ ኣብ መንፈሳዊ ጉባኤ ተረኺብኩም ብምባል እዮም ናብ ዊዒ ወሲደሞ።


 

ከም ዝከር ኣብ ዝሓለፈ ወርሓት ወንጌላዊት ኣዜብ ስምኣኦን ዝተባህለት ጓል 37 ዓመት መንእሰይ ብሰንኪ እምነታ ብዝወረዳ ግፍዒ ኣብ ዊዓ ብሕማም ዓሶ ከም ዝሞተት ይዝከር። ዊዓ ካብ ወደባዊት ከተማ ባጽዕ 32 ኪሎሚተር ንሸነኽ ደቡብ ሪሒቑ ዝርከብ ናይ ወተሃደራዊ መዓስከር ቦታ እዩ። ዊዓ ኣሽንካይዶ ሰብ እንስሳ እኳ ንኽቕመጦ ብዓይኒ ሕልና ዘይፍቀደሉ ቦታ እዩ።

 ኣብ ዝሓልፈ ሰሙናት እውን ኣዚዮም ብዙሓት ኣመንቲ በመንግስቲ ኤርትራ ከም ዝተኣስሩ ይፍለጥ። ኣብ ማዓስከር ሳዋ ወተሃደራዊ ታዕሊም እውን መንግስቲ ኤርትራ ብትእዛዝ ሓለፍቱ ልዕሊ 1500 መጻሓፍ ቁዱስ ከም ዘቃጸሉ ይዝከር። ብፍላይ ኣመንቲ ዘበሉ ክጥፈኡን ክእሰሩን ኣለዎም ብዝብል መመርሒ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ጐሮቤቱ ወይ ኣብ ስርሑ ዘሎ ክጥቆም ብመንግስቲ ኤርትራ ትእዛዝ ከም ዝወጸ ይዝከር። ካብ 3000 ንላዕሊ ኣመንቲ ክርስትያናት ኣብ ዝተፈላለየ ዘስካሕክሕ ቤት ማእሰርቲ ከም ዘለዉ ይፍለጥ ስለዚ በዚ ኣጋጣሚ ንስድራቤት መወቲ ኣምላኽ ደበሳ እዮብ ክድብሶም ንጸልየሎም። ነቶም ኣብ መከራ ዘለዉ ኣሕዋትና ኸኣ ብጸሎትን ብዘድሊ ሓገዝን ንዘክሮም።