ብመሰረት ካብ ኤርትራ ዝበጻሓና ጸብጻብ ክልተ ሓኻይምን ሓደ ዶክተርን ዝርከብዎም ልዕሊ 50 ምእመንና ተኣሲሮም ከምዘለዉ ተፈሊጡ ኣሎ። እዞም ዝተኣስሩ ኣሕዋትን ኣሓትና ካብ ገዝኦምን ስርሖምን ካብ ዘምልኽሉ ዝነበሩ ቦታ እዮም ተወሲዶም።
ኣብ ሓጋዝ ልዕሊ 10 ኣመንቲ ኣብ ዓዲ ተከሌዛን ልዕሊ 8 ኣመንቲ ኣብ ዒላበርዕድ ድማ ልዕሊ 8 ኣመንቲ ኣብ ከረን ከኣ ልዕሊ 20 ኣመንቲ ተኣሲሮም ኣለዉ እዚ ከምዚ ኢሉ ዀሎ ኣብ ደቂ ዘርኡ ኣብ ናይ እምነት ሚስዮን ማሕበር ተጠርኒፎም ዝነበሩ ልዕሊ 20 ምእመናን ተኣሲሮም ኣለዉ።
መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ እዞም ንጹሃት ዜጋታት እንትርፎ ብእምነቶም ካልእ በደል ዘይተረኽቦም ሰባት ዘውርዶ ዘሎ ግፍዒ ኣዚዩ ኣሰቃቒ ማእለያ የብሉን። ኩሎም እቶም ተኣሲሮም ዘለዉ ብሰንኪ ዝወርዶም ዘሎ ዘስካሕክሕ ስቓይ ኣብ ከቢድ ጥዕናዊ ጸገም ከምዘለዉ ካልኣት ከኣ ድሮ ብሰማእትነት ይሓልፉ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ ኣሎ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣርባዕተ ናይ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሚሰንያውያን ካብ ኤርትራ ብሁጽጽ ክወጹ ከም ዝተኣዘዙ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ሓቢሮም። ብተወሳኺ ከኣ መንግስቲ ኤርትራ ንቡዙሓት ኣንስቲ ብዛዕባ ህልው ኩንነታት ዝጽልያ ዝነበራ ናብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዘእተወን ተፈሊጡ ኣሎ። እዚ መንግስቲ ኤርትራ ዝገብሮ ዘሎ ብፍላይ ከኣ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ዘውርዶ ዘሎ ኣደራዕ ደው ከብሎ ኩላትና ሓልፍነት ዝስማዓና ሰባት ብዛዕባ እዞም ተኣሲሮም ዘለዉ ኣሕዋት ክንጽልን ድምጽና ከነስምዕን ይግባኣና።
ኣብ ሓጋዝ ዓደተ ከሌዛን ከረን ዒላበርዕድን ደቂ ዘርኡን ብዙሓት ኣመንቲ ተኣሲሮም
Typography
- Font Size
- Default
- Reading Mode