ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ብዙሓት ኣሓዋት ካብ ገገዝኦም ተወሲዶም ብመንግስቲ ኤርትራ ከም ዝተኣስሩ ተፈሊጡ ኣሎ። እዚ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ዝተገብረ ማእሰርቲ ኣብ ዞቦ ዓንሰባ እዩ ተፈጺሙ። ምንጭታት ከም ዝሕብሮዎ ኸኣ ዛጊት ኣበይ ከም ዝኣተዉ ኣይተፈልጡን ዘለዉ። መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ማእለያ ዘይብሉ ዘስካሕኽሕ ግፍዒ ምውሳድ ካብ ዝጅምር እንሆ ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ።
ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ብሰንኪ ኣብ ክርስቶስ ዘለዎም እምነት ብዝወረዶም ግፍዕን ኣደራዕን ብሰማእትነት ዝሓለፉን ኣብ ከቢድ ስቓይ ዘለዉን ማእለያ የብሎም። ዛጊት ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 3000 ኣመንቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይሳቐዩ ከም ዘለዉ ይፍለጥ። መንግስቲ ኤርትራ ግንቦት 2002 ዓም ጀሚሩ ንብዘለዋ ኣብያተ ክርስትያናት ካብ ዝዓጹ ንነጀው ዝዀነ መንፈሳዊ ምንቅስቓስን ምእካብ ከይግበር ኣጊዱ እዩ። በዚ ኣጋጣሚ ብዛዕባ እዞም ኣብ መከራን ስቓይ ዘሎው ብዝተፈላለየ መንገዲ ክንሕግዞምን ክንጽልየሎምን መርበብ ሓበሬታ ኤሪዎንጌል ተተሓሳስብ።
መንግስቲ ኤርትራ ንቡዙሓት ኣምንቲ ምእሳር ይቕጽል ከም ዘሎ እሙናትት ምንጭታት ኣረጋጊጾም
Typography
- Font Size
- Default
- Reading Mode