ኣብዚ እዋን እዚ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ከመይ ዝበለት ዓቢ ነውጺ ከም ዘላ ካብ ኩሉ ሰብ ዝተሰወረ ኣይኰነን። ኣምላኽ ኢዱ ክዝርግሕ ከኣ ኩላትና ብጸሎት ክነቅሕ ይግብኣና። እቲ መከራ ዓቢ እዩ፣ እቲ ስቓይ ክንዮ ቃላት መገልጺ ዘይብሉ እዩ። ስደትና ዓቢ ድኽነትና ፍሉጥ፣ ኰታ እንታይ ክንብል ኢና እሞ መንእሰያትና እፎይ ከይበሉ ኣብ ምድረ በዳን ባሕርን ይተርፉ ኣለዉ። ኣብ በረኻን ቤት ማእሰርትን ግዜኦም ይውዳእ ኣሎ። ኣምላኽ ሰማይ ክረድኣና እምበኣር እነእውየሉ ሰዓት ሕጂ እዩ።
ስለዚ ነዚ ብምርዳእ ኣብ መዓልቲ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብሰንሰለታዊ ጸሎት ብዛዕባ ፍቕርቲ ኤርትራ ን15ደቓይቕ ክጽሊ መርበብ ሓበሬታ ኤሪዎንጌል ይጽውዕ። ኣብ መዓልቲ 24 ሰዓት ኣለዋ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓደ ሰዓት ከኣ 15 ደቓይቕ ወሲዶም ኣርባዕተ ሰባት እንተ ጸልዮም እሞ ኸኣ 96 ሰባት ጥራይ ብዘይምቁራጽ 24 ሰዓት ብዛዕባ ኤርትራ ክጽሊዩ ይኽእሉ። ንኣብነት ሓደ ሰብ ካብ ሰዓት 00፣00-00፣15 ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ (GMT) እንተወሲዱ ካልእ ኸኣ ካብታ ቐጺላ ዘላ ሰዓት ጸለቱ እንተ ጀሚሩ በዚ ኸምዚ 24 ሰዓት ብዛዕባ ኤርትራ ክንጽሊ ንኽእል ማለት እዩ። እሞ ነዚ ክንገብር ክንደይ ኢና ፍቓደኛታት? እቶም ፍቓደኛታት ዝዀና ሰባት በዚ ዝስዕብ ናይ ኢሜል ኣድራሻ ናይ ጸሎት ግዜ መሪጽኩም ክትልእኹልና ብምሕረት ኣምላኽ ንሓተኩም ኣድራሻና senuhanilove@yahoo.com or eriwongel@yahoo.com ብድሕር እዚ ናይ ጸሎት ኣርእስትታት ናብ ኢሜልኩም ክንልእከልኩም ኢና።
ኣምላኽ ይባርኽኩም
ኣገልግሎት ኤሪዎንጌል
ኣብዚ እዋን እዚ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ከመይ ዝበለት ዓቢ ነውጺ ከም ዘላ ካብ ኩሉ ሰብ ዝተሰወረ ኣይኰነን። ኣምላኽ ኢዱ ክዝርግሕ ከኣ ኩላትና ብጸሎት ክነቅሕ ይግብኣና። እቲ መከራ ዓቢ እዩ፣ እቲ ስቓይ ክንዮ ቃላት መገልጺ ዘይብሉ እዩ። ስደትና ዓቢ ድኽነትና ፍሉጥ፣ ኰታ እንታይ ክንብል ኢና እሞ መንእሰያትና እፎይ ከይበሉ ኣብ ምድረ በዳን ባሕርን ይተርፉ ኣለዉ። ኣብ በረኻን ቤት ማእሰርትን ግዜኦም ይውዳእ ኣሎ። ኣምላኽ ሰማይ ክረድኣና እምበኣር እነእውየሉ ሰዓት ሕጂ እዩ።
ስለዚ ነዚ ብምርዳእ ኣብ መዓልቲ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብሰንሰለታዊ ጸሎት ብዛዕባ ፍቕርቲ ኤርትራ ን15ደቓይቕ ክጽሊ መርበብ ሓበሬታ ኤሪዎንጌል ይጽውዕ። ኣብ መዓልቲ 24 ሰዓት ኣለዋ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓደ ሰዓት ከኣ 15 ደቓይቕ ወሲዶም ኣርባዕተ ሰባት እንተ ጸልዮም እሞ ኸኣ 96 ሰባት ጥራይ ብዘይምቁራጽ 24 ሰዓት ብዛዕባ ኤርትራ ክጽሊዩ ይኽእሉ። ንኣብነት ሓደ ሰብ ካብ ሰዓት 00፣00-00፣15 ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ (GMT) እንተወሲዱ ካልእ ኸኣ ካብታ ቐጺላ ዘላ ሰዓት ጸለቱ እንተ ጀሚሩ በዚ ኸምዚ 24 ሰዓት ብዛዕባ ኤርትራ ክንጽሊ ንኽእል ማለት እዩ። እሞ ነዚ ክንገብር ክንደይ ኢና ፍቓደኛታት? እቶም ፍቓደኛታት ዝዀና ሰባት በዚ ዝስዕብ ናይ ኢሜል ኣድራሻ ናይ ጸሎት ግዜ መሪጽኩም ክትልእኹልና ብምሕረት ኣምላኽ ንሓተኩም ኣድራሻና This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it. or This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it. ብድሕር እዚ ናይ ጸሎት ኣርእስትታት ናብ ኢሜልኩም ክንልእከልኩም ኢና።
ኣምላኽ ይባርኽኩም
ኣገልግሎት ኤሪዎንጌል