ትማሊ ቐዳም ዕለት 5 ታሕሳስ 2009 ልክዕ ሰዓት 4 ናይ ምሸት መንግስቲ ኤርትራ ን30 ደቀንስትዮ ኣባላት እምነት ክርስቶስ ወይ ፌዝ ሚሸን ከም ዝኣሰሩ እሙናት ምንጭታት ካብ ኣስመራ ከም ዘረጋገጹ መርበብ ሓበሬታ ነህምያ ፕሮጀክት ገሊጹ። ማሕበር እምነተ ክርስቶስ ካብ 1950 ጀሚራ ዝቖሞት ማሕበር እያ። ሓንቲ ካብተን ብግንቦት 2002 ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተኣገደት ቤተክርስትያን ድማ እያ። እዚ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኣምነቲ ዝወስዶ ዘሎ ናይ ምእሳርን ምቕታልን ምስቓይን ተርኣዮ ይቕጽል ከም ዘሎ ይፍለጥ ስለዚ ኩላትና ብዛዕባ እዞም ኣብ ስቓይ ዘለዉ ኣሕዋት ክንጽሊን ብዝከኣለና ኩሉ ንደግፎም።
መንግስቲ ኤርትራ 30 ደቀንስትዮ ኣመንቲ ኣሲሩ
Typography
- Font Size
- Default
- Reading Mode